ነቲ ንተዛረብቲ ቛንቋ ወጻኢ ዚቐርብ ኣገልግሎት ምምዕባል
1. ኣብ እተመደብናሉ ኽልታት ኣብ እንገብሮ ስብከት፡ እንታይ ኣጋጣሚ እዩ ተኸፊቱልና ዘሎ፧
1 የሱስ ክርስቶስ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ “ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ” ኣብ ብዘላ ዓለም ከም ዚስበኽ ተነብዩ ነይሩ እዩ። እዘን ቃላት እዚኣተን፡ ኣብ ኣእዛን ነፍሲ ወከፍ ኣብ ናይ ምስባኽን ምምሃርን ዕዮ ዚሳተፍ ኣገልጋሊ የቃልሓ እየን። (ማቴ. 24:14፣ 28:19, 20) ክንሰብኽን ደቀ መዛሙርቲ ኽንገብርን ከለና፡ ካብ ናትና እተፈልየ ቛንቋ ዚዛረቡ እተፈላለየ ዜግነት ዘለዎም ሰባት የጓንፉና ይዀኑ። እዞም ሰባት እዚኣቶም፡ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንኺሰምዑን እታ እተፍርህ መዓልቲ የሆዋ ቕድሚ ምምጻኣ ንሓቂ ጽኑዕ መትከል ንኺህልዎምን ኣጋጣሚ ኺወሃቦም ይግባእ። (ሚል. 3:18) ነቲ ኣብ እተመደብናሉ ኽሊ ንዘለዉ ተዛረብቲ ቛንቋ ወጻኢ ዚቐርብ ኣገልግሎት ብኸመይ ከነማዕብሎ ንኽእል፧
2. ካልእ ቋንቋ ንዚዛረቡ ሰባት ከነዘራርቦም ከለና፡ ብኸመይ ኢና ንየሆዋ እንመስሎ፧
2 ነቲ የሆዋ ብዛዕባ እቶም ካልእ ቋንቋ ዚዛረቡ ሰባት ዘለዎ ኣረኣእያ ኣንጸባርቕ፦ ንዅሎም እቶም ኣብ ክልና እንረኽቦም ሰባት ብዘይ ኣድልዎ ፍቕሪ የሆዋ ምእንቲ ኸነንጸባርቐሎም፡ ሰባት ዚዛረብዎ ቛንቋ ብዘየገድስ፡ ብዛዕባ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ቕኑዕ ፍልጠት ኪረኽቡ ሓያል ባህጊ ኺህልወና ኣለዎ። (መዝ. 83:18 NW፣ ግብ. 10:34, 35) ብቐዳምነት ኣብቶም ቋንቋ እታ ጉባኤና ዚጥቀሙ ሰባት ነተኵር እኳ እንተ ዀንና፡ ካልእ ቋንቋ ንዚዛረቡ ሰባት እውን ክንግደሰሎምን ከነተኵረሎምን ኣሎና፣ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንኽንነግሮም እውን መገድታት ከነናዲ ኣሎና። ነቶም ካልእ ቋንቋ ዚዛረቡ ዕሽሽ ምባሎም፡ ምስቲ የሆዋ ንዅሎም ኣህዛብ ኪስበኽ ዝገበሮ ዕላማ ዚሰማማዕ ኣይኰነን። ከመይ ጌርና ደኣ ኢና ነቶም ካልእ ቋንቋ ዚዛረቡ እንሕግዞም፧
3. እንታይ ኣገዳሲት ንዋት እያ ተዳልያትልና ዘላ፧ ምእንቲ ኽንጥቀመላኸ ብኸመይ ክንዳሎ ንኽእል፧
3 ነታ ጉድ ኒውስ ፎር ፒፕል ኦቭ ኦል ኔሽንስ ተጠቐም፦ እዛ ጉድ ኒውስ ፎር ፒፕል ኦቭ ኦል ኔሽንስ (ንዅሎም ኣህዛብ ዚኸውን ብስራት) ዘርእስታ ንእሽቶ መጽሓፍ፡ ካብ ቋንቋና እተፈልየ ቛንቋ ዚዛረቡ ሰባት ኬጓንፉና ኸለዉ ኽንጥቀመላ ተባሂላ እያ ተዳልያ። ነዛ ንእሽቶ መጽሓፍ እዚኣ ወትሩ ምሳኻ ተማልኣያ፡ ምስ እተፈላለየ ትሕዝቶኣ ተላለ፡ ንኽትጥቀመላ ድማ ተዳሎ። ናብቲ ኣብ ክልኻ ዜጋጥመካ እተፈላለየ ቛንቋታት ቀልጢፍካ ምእንቲ ኽትግንጽል፡ ምልክት ግበረሉ። በቲ ቛንቋታት እቲ እተዳለወ ጽሑፋት እንተ ኣልዩ፡ ነዛ ንእሽቶ መጽሓፍ እዚኣ ድሕሪ ምጥቃምካ ጽሑፋት ምእንቲ ኸተበርክት፡ ሒደት ካብኡ ኽትማላእ ትኽእል ኢኻ።
4. ነታ ኔሽንስ እትበሃል ንእሽቶ መጽሓፍ ኣብ ኣገልግሎትና ብኸመይ ክንጥቀመላ ንኽእል፧
4 ኣብ ኣገልግሎት፡ ካልእ ቋንቋ ዚዛረብ ሰብ እንተ ኣጓኒፉካ፡ እቲ ዚዛረቦ ቛንቋ ኸኣ እንተ ዘይፈሊጥካዮ፡ ፈለማ ገበር እታ ንእሽቶ መጽሓፍ ኣርእዮ። ናብ ውሽጢ እቲ ገበር ዘሎ ካርታ ዓለም ገንጺልካ፡ ናብ ርእስኻን ናብታ እትነብረላ ሃገርን ኣመልክት፣ ድሕሪኡ እቲ ሰብ ካበይ ምዃኑን እንታይ ቋንቋ ኸም ዚዛረብን ክትፈልጥ ከም እትደሊ ሓብሮ። ቋንቋኡ ምስ ፈለጥካ፡ ካብቲ ዝርዝር ትሕዝቶ ዚገልጽ ገጽ ብዝረኸብካዮ ሓበሬታ፡ ናብቲ ቛንቋኡ ዚርከበሉ ገጽ ገንጽል፣ እቲ ሰብ ናብቲ ኣብ ላዕሊ ዚርከብ ብድሙቕ ፊደላት እተጻሕፈ ቓላት ከም ዜተኵር ግበሮ፣ ድሕሪኡ ነቲ መልእኽቲ ኼንብቦ ኸም እትደልዮ ኣመልክተሉ። ምስ ወድአ፡ ብቛንቋኡ ትራክት ኣበርክተሉ፣ ወይ ከኣ ነቲ ተመሊስካ መጺእካ ብቛንቋኡ ጽሑፍ ከተምጽኣሉ ፍቓደኛ ምዃንካ ዚገልጽ ብደባን ቀለም ዝጐልሐ ምሉእ ሓሳብ ኣመልክቶ። ድሕሪኡ፡ ናብታ ብድሙቕ ፊደላት “ስመይ” እትብል ቃል ኣመልኪትካ፡ ስምካ ብንጹር ንገሮ። ቀጺልካ፡ ናብታ ብድሙቕ ፊደላት “ስምካ” እትብል ቃል ኣመልኪትካ፡ ነቲ ንሱ ዚህበካ መልሲ ተጸበ። ተመሊስካ ንኽትበጽሖ፡ ንጹር ቈጸራ ግበር።
5. ነቶም ተገዳስነት ዘርኣዩ ኻልእ ቋንቋ ዚዛረቡ ሰባት ንምሕጋዝ፡ እንታይ ክትትል እዩ ኺግበረሎም ዘለዎ፧
5 ንምክትታል እተገብረ መሰናድዎ፦ ቋንቋኦም ብዘየገድስ፡ ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ተገዳስነት ንዘርኣዩ ሰባት ንምብጻሕ፡ ሓያል ጻዕሪ ኺግበር ኣለዎ። ብዛዕባ ኣምላኽን ብዛዕባ እቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስን ተገዳስነት ዘለዎ ሰብ እንተ ኣጓኒፉካ፡ በጃኻ ተኸታተሎ (S-43) ዚበሃል ፎርም መሊእካ፡ ብቕልጡፍ ንጸሓፊ ጉባኤኻ ኽትህቦ ኣሎካ፣ ንሱ ድማ ነቲ ተገዳሲ ብቛንቋኡ ሰብ ምእንቲ ኺለኣኸሉ፡ ነቲ ፎርም ናብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኪልእኮ እዩ። እቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ከኣ ብግዲኡ፡ ነቲ ፎርም ናብቲ ዚግብኦ ጕጅለ ቛንቋ ኼመሓላልፎ እዩ። እቲ ፎርም ምስ በጽሓና፡ ከይተደናጐና ምስቲ ሰብ ክንራኸብ ኣሎና። እቲ ሓላው ኣገልግሎት በቲ ጕጅለ ቛንቋ ንእተራእየ ተገዳስነት ምእንቲ ኺፈልጦ፡ እቲ ጸሓፊ ነቲ ሓላው ኣገልግሎት፡ ቅዳሕ እቲ ፎርም ኪህቦ ይኽእል እዩ። ብሓቂ ተገዳስነት ዘለዎ ሰብ ኬጋጥመና ኸሎ ጥራይ ኢና ነዚ ፎርም እዚ ኽንጥቀም ዘሎና።
6. ካልእ ቋንቋ ዚዛረብ ተገዳሲ እንተ ኣጋጢሙና፡ እንታይ ሓላፍነት እዩ ዘሎና፧
6 ካብቲ S-43 ዚበሃል ፎርም እተመልኣሉ ግዜ ኣትሒዙ፡ ክሳዕ እቲ ነቲ ቛንቋ ዚዛረብ ሰብ ምስቲ ተገዳሲ ዚራኸበሉ ግዜ፡ እተወሰነ እዋን ኪሓልፍ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ክሳዕ እቲ ተገዳሲ ምስ ሓደ ብቛንቋኡ ዚዛረብ ኣስፋሒ ዚራኸብ፡ እቲ S-43 ዝመልአ ኣስፋሒ ነቲ እተራእየ ተገዳስነት ንምምዕባል ጻዕሪ ኺገብር ኣለዎ። ኣብ ገሊኡ መዳያት፡ ነቲ ተገዳሲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምርሓሉ ይከኣል እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብዚ መሰጋገሪ እዋን እዚ፡ ሓደ ኣስፋሒ ብቛንቋ እቲ ተገዳሲ እተዳለወ ጽሑፋት ከመይ ገይሩ ኺረክብ ይኽእል፧
7. ብቛንቋ እቶም እንረኽቦም ሰባት ጽሑፋት ንምርካብ ዜኽእል እንታይ መሰናድዎ ተገይሩ ኣሎ፧
7 ብኻልእ ቋንቋታት እተዳለወ ጽሑፋት፦ ጉባኤታት፡ ብኻልእ ቋንቋታት እተዳለወ ሓያሎ ጽሑፋት ኪሕዛ የብለንን። ይኹን እምበር፡ እቲ ሓላው ኣገልግሎት፡ ሓደ ቛንቋ ዚዛረቡ ብርክት ዝበሉ ሰባት ተገዳስነት ከም ዘማዕበሉ እንተ ኣስተውዒሉ፡ ኣስፋሕቲ ንኺጥቀሙሉ ኢሉ በቲ ቛንቋ እቲ መጠነኛ ጽሑፋት ኣብታ ጉባኤ ኸም ዚተሓዝ ኪገብር ይኽእል እዩ። ኣብታ ጉባኤ ጽሑፋት እንተ ዘየልዩ፡ ኪእዘዝ ይከኣል እዩ። ብኻልእ ቋንቋ እተኣዘዘ ጽሑፋት ክሳዕ ዚበጽሕ እተወሰነ ግዜ ኺወስድ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ካብ www.watchtower.org ጽሑፋት ንምሕታም ዜኽእል መሰናድዎ ተገይሩ ኣሎ። ኣስፋሒ ወይ ተገዳሲ ብቐጥታ ኺረኽቦ ዚኽእል፡ ብኣማእታት ቋንቋታት እተዳለወ ሓያሎ ጽሑፋት ኣብቲ ወብ-ሳይት ኪርከብ ይከኣል እዩ። እዚ መሰናድዎ እዚ፡ ነቶም ካልእ ቋንቋ ዚዛረቡ ሰባት ዘለዎም ተገዳስነት ንምምዕባል ሓጋዚ ኸም ዚኸውን ኣየጠራጥርን እዩ።
8. ጉባኤ ንተገዳስነት እቶም ካልእ ቋንቋ ዚዛረቡ ሰባት ኣብ ምምዕባል እንታይ ግደ ኣለዋ፧
8 ጉባኤ ዘለዋ ግደ፦ ኣብ ገሊኡ መዳያት፡ ቋንቋ ወጻኢ ዚጥቀም ዕብይ ዝበለ ማሕበረሰብ ኣብ ዚርከበሉ ቦታ፡ ነቲ ቛንቋ እትጥቀም ጉባኤ ኣብቲ ኸባቢ ኣይትህሉን ትኸውን። ስለዚ፡ ነቶም ነቲ ቛንቛ እቲ ዚዛረቡ ተገደስቲ፡ ኣብ ኣኼባታትኩም ኪእከቡ ዕድመ ኺግበረሎም ይከኣል እዩ። ነቶም ካልእ ቋንቋ ዚዛረቡ ሰባት ዚግበረሎም ጽቡቕ ኣቀባብላን ብሕታዊ ተገዳስነትን፡ ኣዘውቲሮም ኣብ ኣኼባ ንኺእከቡ ኼተባብዖም ይኽእል እዩ። ኣብ ፈለማ፡ ቋንቋን ባህልን ዕንቅፋት ኪኸውን ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ነታ ኣብቶም ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እትርአ ናይ ሓቂ ክርስትያናዊት ፍቕሪ ግን ዕንቅፋት ዝዀና ነገር የለን። (ጸፎ. 3:9፣ ዮሃ. 13:35) ካልእ ቋንቋ ብምልከት ትዛረብ ዲኻ፧ ከምኡ ትኽእል እንተ ዄንካን በቲ ቛንቋ እቲ ኽትከታተል ንዚቐርበልካ ጻውዒት ንምትግባር ፍቓደኛ እንተ ዄንካን፡ እዚ ሓበሬታ እዚ ናብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ምእንቲ ኺለኣኽ፡ ንጸሓፊ ጉባኤኻ ሓብሮ። ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ንሓደ ተገዳስነት ዘርኣየ ሰብ ዚከታተል ኣስፋሒ ኺደሊ ኸሎ፡ እዚ ሓበሬታ እዚ ኺጠቅም ይኽእል እዩ።
9. ትምህርቲ ቛንቋ ኺወሃብ ምስ ተወሰነ፡ እዚ ብኸመይ እዩ ዚግበር፧
9 ትምህርቲ ቛንቋ፦ ካልእ ቋንቋ ንዚዛረቡ ሰባት ክትሕግዞም ከለኻ፡ ዚከኣል እንተ ዀይኑ፡ ብቛንቋኦም ኣብ ዚግበር ጉባኤ ኺእከቡ ኣተባብዓዮም። እዚ ዘይከኣል ኣብ ዝዀነሉ እዋን ግን፡ ገሊኦም ኣስፋሕቲ ነቶም ተገደስቲ ብዝሓሸ መገዲ ምእንቲ ኺሕግዝዎም፡ ካልእ ቋንቋ ኺመሃሩ ይውስኑ ይዀኑ። ኣብቲ ኸባቢ በቲ ቛንቋ እትጥቀም ጉባኤ እንተ ዘየላ፡ ነቲ ቛንቋ እቲ ዚዛረቡ ብርክት ዝበሉ ስደተኛታት ወይ ደቀባት ከኣ እንተ ኣልዮም፡ እቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ትምህርቲ ቛንቋ ንኺዳሎ ኺውስን ይኽእል እዩ። ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ እቲ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ነተን ኣብቲ ኸባቢ ዘለዋ ጉባኤታት ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ኪሕበረንን ትምህርቲ ቛንቋ ኺወሃብ ምዃኑ ምልክታ ኸም ዚንገር ኪገብርን ይኽእል እዩ። እቶም ነቲ ቛንቋ ኺመሃሩ ዜመልክቱ፡ ናብታ ነቲ ቛንቋ ንምሕጋዝ እትቐውም ጕጅለ ወይ ጉባኤ ኺግዕዙ ሸቶ ዘለዎም ኪዀኑ ይግባእ።
10. ሓንቲ ጕጅለ ቛንቋ ወጻኢ መዓስ ትቐውም፧ እዚኸ ብኸመይ ይውሰን፧
10 ጕጅለ ምቛም፦ ሓንቲ ጕጅለ ቛንቋ ንኽትቀውም፡ ኣርባዕተ መሰረታዊ ብቕዓታት ኪማላእ ኣለዎ። (1) በቲ ቛንቋ እቲ እኹል ተገዳስነት ወይ ተኽእሎ ዕቤት ኪህሉ ኣለዎ። (2) ነቲ ቛንቋ እቲ ዚፈልጡ ወይ ዚመሃሩ ሒደት ኣስፋሕቲ ኺህልዉ ኣለዎም። (3) በቲ ቛንቋ እቲ እንተ ወሓደ ሓደ ሰሙናዊ ኣኼባ ዚመርሕ ብቕዓት ዘለዎ ሽማግለ ወይ ኣገልጋሊ ጉባኤ ኺህሉ ኣለዎ። (4) ኣካል ሽማግለታት ነታ ጕጅለ ንምድጋፍ ፍቓደኛ ኪዀኑ ኣለዎም። እዚ ብቕዓታት እዚ ብዜዕግብ መገዲ ምስ ተማልአ፡ እቶም ኣካል ሽማግለታት ብዛዕባ እታ ጕጅለ ናብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኪጽሕፉ፡ ንጕጅለ ቛንቛ ወጻኢ እትድግፍ ጉባኤ ንኪዀኑ ኸኣ ብወግዓዊ መገዲ ተፈላጥነት ንኺረኽቡ ኺሓቱ ይኽእሉ እዮም። (እተወደበ፡ ገጽ 106-107 ርአ።) እቲ ነታ ጕጅለ ዚመርሕ ሽማግለ ወይ ኣገልጋሊ ጉባኤ፡ “ሓላው ጕጅለ” ወይ “ኣገልጋሊ ጕጅለ” ጌርካ እዩ ዚርአ።
11. ኣብ እተመደበልና ኽሊ ነቲ ንተዛረብቲ ቛንቋ ወጻኢ ዚቐርብ ኣገልግሎት ምምዕባል፡ ከም ፍሉይ መሰል ጌርካ ዚርአ ስለምንታይ እዩ፧
11 ኣብ ውሽጢ እተመደበልና ኽሊ ነቲ ንተዛረብቲ ቛንቋ ወጻኢ ዚቐርብ ኣገልግሎት ምምዕባል፡ ኣገዳሲ ኽፋል እቲ ኣርኣያና ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ዝጀመሮ ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት እዩ። ንሕና እጃምና ንግበር፣ የሆዋ ንኣህዛብ ኣነቓኒቑ፡ ክቡር ነገር ብኸመይ ከም ዜምጽእ ከኣ ንርአ። (ሃጌ 2:7) ኣብዚ ጻዕሪ እዚ ምሉእ ብምሉእ ምትሕብባርና፡ ብዙሕ ዕግበት ኬምጽኣልና እዩ። ቋንቋ ዕንቅፋት ዚኸውን እኳ እንተ ዀነ፡ ኣምላኽ ግን ነቲ እተተኽለ ኼዕብዮ ይኽእል እዩ። እምበኣር፡ ነቲ ብቛንቋ ወጻኢ ዚቐርብ ኣገልግሎት ንምምዕባል ኣብ ክልታትና እንገብሮ ጻዕርታት፡ የሆዋ ይባርኮ!—1 ቈረ. 3:6-9።