ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ —ካልእ ቋንቋ ንዚዛረብ ሰብ መስክረሉ
ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ የሆዋ ብመንፈሳዊ ድሕነት እቶም “ኣብ ኵሉ ህዝቢ” ዘለዉ ሰባት ይግደስ እዩ። (ግብ. 10:34, 35) ስለዚ ድማ እዩ የሱስ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ “ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ኵላ ዓለም ኪስበኽ” ምዃኑ ዝሓበረ። (ማቴ. 24:14) ዘካርያስ፡ “ካብ ኵሉ ቛንቋታት ኣህዛብ” ዝዀኑ ሰባት ምላሽ ከም ዚህቡ ተንብዩ እዩ። (ዘካ. 8:23) ብመሰረት እቲ ሃዋርያ ዮሃንስ ዝረኣዮ ራእይ ከኣ፡ “ካብ ኵሎም ኣህዛብን ነገዳትን ህዝብታትን ቋንቋታትን” ዝዀኑ ሰባት እዮም ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ ዚድሕኑ። (ራእ. 7:9, 13, 14) በዚ መሰረት እዚ፡ ኣብ ክልና ኻልእ ቋንቋ ዚዛረብ ሰብ እንተ ረኺብና፡ ክንምስክረሉ ኽንጽዕር ኣሎና።
ኣብዛ ወርሒ እዚኣ፡ ነዚ ፈትኖ፦
ኣብ ዚቕጽል ኣምልኾ ስድራ ቤትካ፡ ቋንቋኻ ንዘይዛረብ ሰብ ክትምስክረሉ ኸለኻ ዜርኢ ልምምድ ግበር።