ጉባኤኻ ሰፊሕ ናይ ኣገልግሎት ዞባ ኣለዋዶ፧
1 የሱስ ካብ ከተማታት ይሁዳ ኣትሒዙ ክሳዕ ገጠራት ገሊላ ኣብ ዝርከብ ሰፊሕ ዞባ ናይ ጥንታዊት እስራኤል ምሉእ ምስክርነት ሃበ። (ማር. 1:38, 39፣ ሉቃ. 23:5) ንሕና እውን ብእተኻእለና መጠን እቲ ብስራት ናብ ብዙሓት ሰባት ከነብጽሖ ኣሎና። (ማር. 13:10) ይኹን እምበር: እዚ ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ብኸመይ፧
2 ብዙሓት ጉባኤታት ካብቲ ዘለወን ሰፊሕ ዞባ እቲ ዝበዝሕ ገጠር ኢዩ። ገሊአን ጉባኤታት ከኣ ኣብቲ ብዙሕ ህዝቢ ዝነብረሉ ማእከል ከተማ ዝዓያ ክዀና ይኽእላ ኢየን። ኣብዚ ኣዝዩ ሰፊሕ ዞባታት ንዝነብሩ ሰባት ብዛዕባ የሆዋን የሱስን እታ መንግስትን ሓቂ ንኽፈልጡ ንምሕጋዝ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧
3 ብጥንቃቐ መደብ ኣውጽእ:- እታ ጉባኤ ብእተኻእላ መጠን ኣሳልጦ ዘለዎ ዕማም ምእንቲ ኽትዓምም እቲ ናይ ኣገልግሎት ተዓዛብን እቲ ናይ ዞባ ኣገልጋልን ዘድሊ ምትሕብባር ክገብሩ የድሊ። ብፍላይ ቀዳም ቀዳም መብዛሕትኦም ምሉእ መዓልቲ ኸገልግሉ ስለ ዝኽእሉ ፍሉይ መደብ ኣውጺእካ ኽዕየ ይከኣል ኢዩ። ኣብ ርሑቕ ዞባታት ክትዓዩ ከሎኹም ዝከኣል እንተደኣ ዀይኑ ምሳሕ ተማሊእኩም ብዙሕ ሰዓታት ንምሕላፍ መደብ ግበሩ። ናብቲ ናይ ኣገልግሎት ዞባ ብእዋኑ ንምብጻሕ: ኣቐዲምኩም ክትራኸቡ ወይ ድማ ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባ እተካይድሉ ቦታ ኣብ ከባቢ እቲ ዞባ እንተ ገበርኩምዎ ዝሓሸ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣብቲ ዞባ ኼድኩም ነዊሕ ሰዓታት ምእንቲ ኸተገልግሉ ካብ መጠን ንላዕሊ ኣይትብዝሑ። ኣብ ገጠራት ንምግልጋል መደብ ከተውጽኡ ኸሎኹም ኵነታት ኣየርን መገድን ምሹእ ዝዀነሉ ወቕትታት ምረጹ።
4 እቶም ካልእ ቋንቋታት ኣብ ዝዝረበሉ ዞባታት ዘገልግሉ ኣሕዋት ግዜኡ ዘይሓለፎ ኣድራሻታት ከምኡውን ካርታ ብምሓዝ ግዜኦም ካብ ምጥፋእ ክቝጠቡ ይኽእሉ ኢዮም። ኣብ ሓደ ጕጅለ ዘለዉ ኣስፋሕቲ ነቲ ኣድራሻ ሒዞም ንሰባት ከይተሸገሩ ምእንቲ ኽበጽሕዎም እቲ ዞባታት ብግቡእ ክመቓቐል ኣለዎ።
5 እኹል ጽሑፋት ተማልኡ። እቲ ዞባ ብዙሕ ዘይተዓየ እንተደኣ ዀይኑ: ነቶም ኣብ ገዝኦም ዘይተረኽቡ ትራክት ወይ ናይ ቅድም መጽሔት ገዲፍኩምሎም ክትከዱ ዝሓሸ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
6 ምሉእ ብምሉእ ተሓባበር:- ኣብ ሰፊሕ ዞባ ንምዕያይ ናይ ነፍሲ ወከፍ ኣብታ ጉባኤ ዘሎ ሰብ ምትሕብባር የድሊ። ብማኪና ብዙሕ ምጕዓዝ ኣብ ዘድልየሉ ግዜ ኸኣ እቶም ሓቢሮም ዝጓዓዙ እቲ ናይ ነዳዲ ወጻኢታት ክሽፍንዎ ይኽእሉ ኢዮም። ንኸዘራርቡኻ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ሰብ ቤት ምስ ዝርከቡ ምስትውዓል ከድልየካ ኢዩ። ነቲ ዞባ ብምሉኡ ኽትሽፍኖ ከም ዘሎካ ኣይትረስዕ: ነቶም ኣብ ማኪና ዝጽበዩኻ ዘለዉ መገላግልትኻ እውን ሕሰበሎም። ምስ ሓደ ተገዳስነት ዘርኣየ ሰብ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ዝርርብ ክትቅጽል እንተደአ ደሊኻ: እቶም ዝተረፉ ኣባላት ናይታ ጉጅለ ምእንቲ ኸይጽበዩ መደባት ክትገብር ኣይምኸኣልካንዶ፧
7 ንዅሎም ተገዳስነት ዘርኣዩ ሰባት ተመላሊስካ ምብጻሕ ንኽትገብረሎም እተወሰነ ምድላዋት ግበር። ነቲ ተገዳስነት ዘርኣየ ሰብ ብቐሊሉ ብተሌፎን ምእንቲ ክትረኽቦን ተወሳኺ ምስክርነት ምእንቲ ኽትህቦን ኣብ ርእሲ ኣድራሽኡ ቝጽሪ ተሌፎኑ እውን ሕተቶ። ናይ ጐደናታት ስም ወይ ቝጽሪ ኣባይቲ ኣብ ዘይብሉ ዞባ ተገልግል እንተደኣ ሃሊኻ ነቲ ተገዳስነት ዘርኣየ ሰብ ንምርካብን ተመላሊስካ ምብጻሕ ንምግባርን ተጠንቂቕካ ካርታ ስኣል ወይ ሓበሬታ ጸሓፍ።
8 ነቲ “ኣብ ዝዀነ ኸተማ ወይስ ዓዲ ኣቲኹም: ኣብኡ እቲ ብቑዕ መን ምዃኑ ሕተቱ” ዝብል የሱስ ዝሃቦ መምርሒ ኽንፍጽምሲ ኣየ ኸመይ ዝበለ ኽቡር መሰል ኰን ኢዩ! (ማቴ. 10:11) ኣብዚ ዓብዪ ዓስቢ ዘለዎ ዘዕግብ ዕዮ እዚ እንተደኣ ተጸሚድካ የሆዋ ከም ዝባርኸካ እተረጋገጸ ኢዩ!