ካብ ናይ ብሕትኻ ኽሊ ትጥቀምዶ ኣለኻ፧
1. ብሕታዊ ኽሊ እንታይ እዩ፧
1 ብሕታዊ ኽሊ እንታይ እዩ፧ ኣብ ሓንቲ እኹል ክልታት ዘለዋ ጉባኤ ዚርከብ ኰይኑ፡ ምናልባት ኣብ ጥቓ እቲ እትነብረሉ ኸባቢ ዚርከብ ናይ ገዛእ ርእስኻ ኽሊ እዩ። መጽሓፍ እተወደበ ኣብ ገጽ 103፡ “ኣብ ዚጥዕመካ ኸባቢ ዚርከብ ክሊ ምሓዝካ፡ ነቲ ንኣገልግሎት ወፍሪ እትምድቦ መብዛሕትኡ ግዜ ብዚግባእ ንኽትጥቀመሉ የኽእለካ። ብዘይካዚውን፡ ካልኦት ኣስፋሕቲ ምሳኻ ኣብቲ ኽልኻ ንኺዓዩ ኽትዕድሞም ትደሊ ትኸውን” ትብል።
2. ንብሕታዊ ኽሊ ኸም መመላእታ ምስክርነት ጕጅለ ጌርካ ኽትጥቀመሉ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧
2 ከም መመላእታ ምስክርነት ጕጅለ፦ ኣብ ጥቓ ቦታ ስራሕካ ብሕታዊ ኽሊ እንተ ኣልዩካ፡ ኣብ ናይ ምሳሕ ዕረፍቲ ወይ ከኣ ናብ ቤትካ ቕድሚ ምምላስካ ምስ ካልእ ኣብ ከባቢኻ ዚሰርሕ ኣስፋሒ ዄንካ ኸተገልግል ትኽእል ኢኻ። ክልኻ ኣብ ጥቓ ገዛኻ እንተ ዀይኑ ድማ፡ ንስኻን ስድራ ቤትካን ኣብ ናይ ኣጋ ምሸት ምስክርነት ንምክፋል ክትጥቀሙሉ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ዘይትካፈል እንተ ዄንካ፡ ዕዮ ስብከት ቅድሚ ምጅማርካ፡ የሆዋ መምርሒ ንኺህበካ ኽትጽሊ ኣሎካ። (ፊል. 4:6) ብዘይካዚ፡ ነቲ ኣብ ብሕታዊ ኽልኻ እተሕልፎ ግዜን ነቲ ምስ ኣባላት ጉባኤኻ ዄንካ እትካፈሎ ምስክርነት ጕጅለን ሚዛናዊ ኽትገብሮ ኣሎካ። ብሕልፊ ነቲ ኣብ ቀዳመ ሰናብቲ ምስ ጕጅለኻ ዚግበር ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ኽትድግፎ ኣሎካ።
3. ብሕታዊ ኽሊ እንታይ ጥቕምታት እዩ ዘለዎ፧
3 ጥቕምታት፦ ብሕታዊ ኽሊ እንተ ኣልዩካ፡ ኣብ ዚጥዕመካ ኸተገልግለሉ እትኽእል ቦታ ኣሎካ ማለት እዩ። ካብ ነዊሕ ጕዕዞ ኽትስተርን ኣብ ዕዮ ስብከት ዝያዳ ግዜ ኸተሕልፍን ትኽእል ኢኻ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ገሊኦም ኣስፋሕቲ፡ ሓገዝቲ ፈለምቲ ወይ ስሩዓት ፈለምቲ ንኪዀኑ ዜኽእሎም ግዜ ረኺቦም እዮም። እቶም ተገዳስነት ዘርኣዩ ሰብ ቤት፡ ጐረባብትኻ ስለ ዝዀኑ፡ ብቐሊሉ ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብረሎምን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትመርሓሎምን ትኽእል ኢኻ። ብዙሓት ኣስፋሕቲ፡ ብሕልፊ ኣብቲ ኻልኦት ምእንቲ ኺዓዪዎ ቕድሚ ምምላስካ ብተደጋጋሚ ኽትሽፍኖ ዚከኣል ብሕታዊ ኽሊ ምስባኽ፡ ምስቶም ሰብ ቤት ንኽትፋለጥን ንኺኣምኑኻን ከም ዚሕግዝ ርእዮምዎ እዮም። ኣብ ብሕታዊ ኽሊ ምዕያይ፡ ንዓኻን ንስድራ ቤትካን፡ ኣገልግሎትኩም ምሉእ ብምሉእ ንኽትፍጽሙ ኺሕግዘኩም ይኽልእዶ፧—2 ጢሞ. 4:5።