ኣብ ናይ ንግዲ ቦታታት ብኸመይ ከም እትሰብኽ
1. ኣብ ናይ ንግዲ ቦታታት ብምምስካር እንታይ ረብሓታት ኪርከብ ይከኣል፧
1 መብዛሕትኡ ግዜ ሰባት ኣብ እትረኽበሉን ብሓፈሻ ኸኣ ጽቡቕ ገይሮም ኣብ ዚቕበሉኻን ዞባ ኽትሰብኽ ምደለኻዶ፧ ነዚ ኣብ ናይ ጉባኤኻ ዞባ ኽትገብሮ ትኽእል ኢኻ። ብኸመይ፧ ኣብቲ ኣብ ዞባኻ ዚርከብ ናይ ንግዲ ቦታታት ብምስባኽ ኢኻ ነዚ እትገብሮ። ካብ ድኳን ናብ ድኳን (እንተላይ ንሸቃጦ) ዚሰብኩ ኣስፋሕቲ መብዛሕትኡ ግዜ ጽቡቕ ፍረ ይረኽቡሉ እዮም።
2. ኣብ ናይ ንግዲ ቦታታት ዚግበር ምስክርነት ብኸመይ ኪውደብ ይከኣል፧
2 ገለ ጉባኤታት ኣብ ውሽጢ ዞባአን ናይ ንግዲ ቦታታት ኣለወን። እቲ ናይቲ ጉባኤ ዞባ ዚኣሊ ሓው ድኳናት ብብዝሒ ዚርከበሉ ካርታ ዘለዎ ፍሉይ ካርድ ኬዳሉ ይኽእል እዩ። ዝዀነ ይኹን ነዚ ድኳናት ዝሓቘፈ መንበሪ ኣባይቲ ዝሓዘ ካርድ: እቲ ድኳናት ምስቲ መንበሪ ኣባይቲ ብሓባር ንኸይዕየ ብንጹር ኪሕበር ኣለዎ። ኣብ ገሊኡ ዞባታት ድኳናትን መንበሪ ኣባይትን ብሓባር ኪዕየ ይከኣል እዩ። ኣብ ድኳናት መስኪርካ ዘይትፈልጥ እንተደኣ ዄንካ: ካብ ንኣሽቱ ድኳናት ጀምር።
3. ካብ ድኳን ናብ ድኳን ክንምስክር ከለና ፍረ ንኽንረክብ እንታይ ይሕግዘና፧
3 ቀሊል ኣቀራርባ ተጠቐም:- ካብ ድኳን ናብ ድኳን ክትሰብኽ ከለኻ: ልክዕ ከምቲ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ናብ ዚግበር ኣኼባ ኽትከይድ ከለኻ እትኽደኖ ተኸደን። ብተወሳኺውን ስራሕ ኣብ ዘይበዝሓሉ እዋን ኪድ። እንተ ኺእልካ ዓማዊል ጠጠው ኢሎም ኣብ ዘይጽበይሉ ግዜ እቶ። ኣብ ዓበይቲ ድኳናት ነቲ ኣካያዲ ስራሕ ወይ ነቲ ብዓል ድኳን ከተዛርብ ፈትን። ሓጺርን ንጹርን ዘረባ ድማ ተዛረብ። እንታይ ክትብል ትኽእል፧
4-6. ንብዓል ድኳን ወይ ኣካያዲ ስራሕ ንምምስካር እንታይ ክንብል ንኽእል፧
4 ምስ ብዓል ድኳን ወይ ኣካያዲ ስራሕ ክትዛረብ ከለኻ: ከምዚ ዚስዕብ ክትብል ትኽእል:- “ነጋዶ ስራሕ ስለ ዚበዝሖም ኣብ ገዝኦም ኣይንረኽቦምን ኢና። ስለዚ ኸኣ ኢና ኣብ እትሰርሓሉ ቦታ ዝመጻእና። መጽሔታትና ብዛዕባ ህሉው ኵነታት ዓለም ሰፊሕ ሓበሬታ ይህባ እየን።” ድሕሪኡ: ካብ ሓንቲ መጽሔት ሕጽር ዝበለ ሓሳብ ኣንብበሉ።
5 ወይ ድማ ነዛ እትስዕብ ቀላል ኣቀራርባ ተጠቐም:- “ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ኺፈልጡ እኳ እንተ ደለዩ: ግዜ ግን ኣይረኽቡን እዮም። እዛ ትራክት እዚኣ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ንዘሎካ ሕቶታት መልሲ ኽትረኽበሉ ዜኽእለካ ናጻ ናይ መጽናዕቲ መደብ ብኸመይ ከም እትረክብ ትገልጽ።” ድሕሪኡ ኣብታ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧ ዘርእስታ ትራክት ካብ ገጽ 4-5 ዘሎ ሓሳብ ኣርእዮ።
6 እቲ ብዓል ድኳን ስራሕ በዚሕዎ እንተልዩ: ሓንቲ ትራክት ሂብካ “ስራሕ ኣብ ዘይበዝሓካ እዋን ተመሊሰ ብዛዕባ እዛ ትራክት እዚኣ እንታይ ርእይቶ ኸም ዘሎካ ኽፈልጥ ምፈተኹ” በሎ።
7. ነቶም ኣብ ናይ ንግዲ ቦታታት እንረኽቦም ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ብኸመይ ክንከታተሎም ንኽእል፧
7 ነቶም ተገዳስነት ዘሎዎም ምክትታሎም:- ኣብ ናይ ንግዲ ቦታታት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ከይተረፈ ኽትመርሕ ትኽእል ኢኻ። ሓደ ፍሉይ ፓይነር ንሓደ ነጋዳይ ኩሉ ሳዕ መጽሔት ይወስደሉ ነበረ። እቲ ሰብኣይ ነቲ ዜንብቦ ዝነበረ ኸም ዜማስወሉ ምስ ገለጸ: እቲ ፓይነር በታ ብቕዓት ዘርእስታ ብሮሹር ገይሩ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዚግበር ኣርኣዮ። ኣብቲ እቲ ሰብኣይ ዚሰርሓሉ ቦታ ድማ መጽናዕቲ ተጀመረ። እቲ ፓይነር ነቲ ዅነታት ኣብ ግምት ብምእታው ንነፍሲ ወከፍ መጽናዕቲ ን10 ወይ ን15 ደቒቕ ይመርሓሉ ነበረ። ንሕናውን ብተመሳሳሊ ኣብ ናይ ንግዲ ቦታታት ብምምስካር ነቶም ብቑዓት ዘበሉ ነናዲ።