ኣብ ናይ ንግዲ ቦታታት ብምትእምማን ስበኽ
1. ኣብ ናይ ንግዲ ቦታታት ምምስካር፡ ዜፍርህ ኰይኑ ዚስምዓና እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ተስፋ ኽንቈርጽ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧
1 ኣብ ናይ ንግዲ ቦታታት ምምስካር፡ ዜፍርህ ኰይኑ ድዩ ዚስምዓካ፧ ከምኡ ዚስምዓካ እንተ ደኣ ዀይኑ ተስፋ ኣይትቝረጽ። ከመይሲ፡ እቲ ደፋርን ዘይፈርህን ኣገልጋሊ ዝነበረ ጳውሎስ እውን ከይተረፈ፡ ምእንቲ ኺሰብኽ ‘ኪተብዕ’ ኣድልይዎ ነይሩ እዩ። (1 ተሰ. 2:2) ካብዚ ቐጺልና፡ እተወሰነ ብድሆታትን ንምስጋሩ ዚውሰድ ግብራዊ ሓሳባትን ክንርኢ ኢና።
2. ንሰራሕተኛታት ካብ ስራሖም ብዛዕባ ምትእጕጓል ክንጭነቕ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧
2 ሰራሕተኛታት ካብ ስራሖም ዜተኣጓጕሎም ሰብ የሕርቖም ድዩ፧ ኣብ ሓያሎ ናይ ንግዲ ቦታታት ሰራሕተኛታት ንህዝቢ የገልግሉ፡ ካብ ስራሖም ክተኣጓጐሉ ኸኣ ይጽበዩ እዮም። ዓሚሎም ክትከውን ስለ ዚደልዩኻ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ምቕሉላት እዮም። ምዕሩግ ኣከዳድና ብምኽዳን ከምኡውን ምቕሉልን ተቐራብን ብምዃን ኣኽብሮት ዘለዎ ኣቀባብላ ኸም ዚግበረልካ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ።
3. ነቶም ዓማዊል ከይነሕርቖም ክንጥንቀቕ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
3 ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ዓማዊል ክሰብኽ ይግባእዶ፧ ዚከኣል እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ብዙሕ ስራሕ ኣብ ዘይበዝሖ እዋን፡ ንኣብነት፡ እቲ ስራሕ ኣብ ዚኽፈተሉ እዋን እንተ ኸድና ይምረጽ። ናብቲ ኣካያዲ ስራሕ ወይ ጸሓፊ ቕድሚ ምቕራብካ በይኑ ኽሳዕ ዚኸውን ጽናሕ። ንኣቀራርባኻ ድማ ኣጸቢቕካ ኣሕጽሮ።
4. ኣብ ናይ ንግዲ ቦታታት ክንዓዪ ኸለና እንታይ ክንብል ንኽእል፧
4 እንታይ ክብል ኣሎኒ፧ ብዙሓት ሰራሕተኛታት እንተ ደኣ ኣልዮም፡ ነቲ ሓላፍነት ዘለዎ ሰብ ተዛረቦ። ከምዚ ዚስዕብ ክትብሎ ትኽእል ኢኻ፦ “ብስራሕ ትሑዛት ንዝዀኑ ሰባት ኣብ ቤቶም ምርካብ ኣጸጋሚ ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ስራሕኻ ኽንበጽሓካ መጺና ኣሎና። ኣብ ስራሕ ከም ዘሎኻ ይርድኣኒ እዩ፣ ስለዚ፡ ዘረባይ ኣሕጽር ኣቢለ ኽገልጸልካ።” በዚ ኸምዚ ኣቝሑ ንግዲ ዜከፋፍል ሰብ ዘይምዃንና ነርኢ፣ ዕዮና ብኸመይ ከም ዚምወል እንተ ደኣ ዘይተሓቲትና፡ ብዛዕባ እቲ ናይ ወፈያ ምድላው እንተ ዘይጠቐስና ዝሓሸ እዩ። ዓይነት እቲ ስራሕ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ነቶም ሰራሕተኛታት ኣሕጽር ኣቢልካ ምእንቲ ኽትዛረቦም፡ ካብቲ ኣካያዲ ስራሕ ፍቓድ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ኣቀራርባኻ ልክዕ ከምቲ ነቲ ኣካያዲ ስራሕ እተጠቐምካሉ መገዲ ይኹን። እቲ ሰራሕተኛ ስራሕ ዝበዝሖ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ንዝርርብካ ኣሕጽር ኣብሎ፡ ትራክት ከኣ ሓዲግካሉ ኺድ። ምስቶም ሰራሕተኛታት ምዝርራብ ዘይከኣል እንተ ደኣ ዀይኑ፡ እቶም ሰራሕተኛታት ኣብ ዜዕርፍሉ ኽፍሊ ወይ ድማ ኣብ ካልእ ተመሳሳሊ ቦታ ጽሑፋት ንኸተቐምጥ ኪፍቀደልካ ይኽእል እዩ።
5. ኣብ ናይ ንግዲ ቦታታት ብተኣማንነት ንምምስካር ዚድርኽ እንታይ ምኽንያታት ኣሎ፧
5 የሱስን ጳውሎስን ንሰባት ኣብ ስራሖም ብምትእምማን ይሰብኩሎም ነበሩ፣ ንስኻ እውን ከምኡ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ። (ማቴ. 4:18-21፣ 9:9፣ ግብ. 17:17) እተረጋግአ ልብን ትብዓትን ኪህበካ ንየሆዋ ለምኖ። (ግብ. 4:29) ኣብ ናይ ንግዲ ቦታታት ምምስካር ውጽኢታዊ እዩ፣ ከመይሲ ዳርጋ ዅሉ ሰብ ኣብ ስራሑ ይርከብ እዩ። ስለዚ፡ ነዚ ውጽኢታዊ ኣገባብ ምስክርነት ስለምንታይ ዘይትፍትኖ፧