ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ —ኣብ ቦታታት ንግዲ መስክር
ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ብዙሓት ሰባት ነዊሕ ሰዓታት ስለ ዚሰርሑ፡ መብዛሕትኡ ግዜ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ከነብጽሓሎም እንኽእለሉ ዝበለጸ መገዲ ኣብ ቦታ ስራሖም ምምስካር እዩ። ኣብ ቦታ ስራሕ ምምስካር ዜሐጕስን ውጽኢታውን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ከመይሲ፡ ኣብ ቦታ ስራሕ ሰባት ኣይንስእንን ኢና፣ እቶም ሰራሕተኛታት ድማ ነቶም ናብኦም ዚመጹ ሰባት፡ ዓማዊሎም ኪዀኑ ስለ ዚደልይዎም፡ ምቕልል ኢሎም እዮም ዚቕበልዎም። ኣስፋሕቲ ውጽኢታውያን ምእንቲ ኪዀኑ፡ መስተውዓልቲ፡ ብኣከዳድናኦምን ብኣመለኻኽዖምን ድማ ኣብነታውያን ኪዀኑ ኣለዎም። (2 ቈረ. 6:3) ስለዚ፡ ሓላው ኣገልግሎት፡ ቦታታት ንግዲ ኣብ ከክንደይ ግዜ ኺዕየ ኸም ዘለዎን ብመን ኪዕየ ኸም ዘለዎን ኪከታተል ኣለዎ።
ኣብዛ ወርሒ እዚኣ፡ ነዚ ፈትኖ፦
ኣምልኾ ስድራ ቤት ኣብ እትገብሩላ ምሸት፡ ኣብ ቦታታት ንግዲ ኽትዓዪ ኸለኻ ኽትጥቀመሉ እትኽእል ሓጺር ኣቀራርባ ተለማመድ።