መደብ 14 መስከረም እትጅምር ሰሙን
14 መስከረም እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 50ን ጸሎትን
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
ol ትምህርቲ 9፡ ሕጡብ ጽሑፋት 1-14 (30 ደቒቕ)
ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ 2 ነገስት 16-18 (8 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ 2 ነገስት 17:12-18 (3 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፦ ሓንሳእ ድሒንካ ኺብሃል ከሎ፡ ንሓዋሩ ድሒንካ ማለት ኣይኰነን—td 39ለ (5 ደቒቕ)
ቍ. 3፦ ዔቤድ-ሜሌክ—ፍረ ነገር፦ ተባዕ ብምዃን ንኣገልገልቲ የሆዋ ኣኽብሮም—w12 1/5 31 (5 ደቒቕ)
ኣኼባ ኣገልግሎት፦
ወርሓዊ ፍረ ነገር፦ ‘ብዛዕባ ብስራት ኣምላኽ ኣጸቢቕካ መስክር።’—ግብ. 20:24።
10 ደቒቕ፦ ‘ብዛዕባ ብስራት ኣምላኽ ኣጸቢቕካ መስክር።’ ኣብ ወርሓዊ ፍረ ነገር ከምኡ እውን ኣብ መጽሓፍ መስክር ምዕራፍ 1፡ ሕጡብ ጽሑፍ 1-11 እተመስረተ መደረ።—ግብ. 20:24።
10 ደቒቕ፦ “ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ኣብ ቦታታት ንግዲ መስክር።” ምይይጥ። ክልተ ኽፋል ዘለዎ ሓጺር መርኣያ ኸም ዚቐርብ ግበር። ኣብቲ ቐዳማይ ክፋል እቲ መርኣያ፡ ሓደ ኣስፋሒ ኣብ ስራሕ ንዘሎ ሓደ ሰብ፡ ሜላ ኸይተጠቕመ ኺምስክረሉ ኸሎ የርኢ። ኣብ ካልኣይ ክፋል እቲ መርኣያ ግና እቲ ኣስፋሒ ብሜላ ኺምስክር ከሎ የርኢ። ድሕሪኡ፡ እታ ኻልአይቲ መርኣያ ስለምንታይ ዝያዳ ውጽኢታዊት ከም ዝዀነት ሓሳብ ንኺህቡ፡ ንሰማዕቲ ዓድሞም።
10 ደቒቕ፦ መዘኻኸሪታት ኣኼባ ዞባ። ብጸሓፊ ዚቐርብ ምይይጥን ቪድዮን የጠቓልል። ፈለማ ነታ “ኮንቨንሽን ሪማይንደርንስ” (መዘኻኸሪታት ኣኼባ ዞባ) ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ብፍላይ ነታ ጉባኤ ዚሰማማዕ ነጥብታት እናጕላሕካ፡ ቀንዲ ቐንዲ ኽፋላት እታ ቪድዮ ኸልስ።
መዝሙር 44ን ጸሎትን