መዝሙር 44
ኣብ ቀውዒ ብሓጐስ ምስታፍ
1. ግዜና ፍልይ ዝበለ’ዩ፡
ኣብ ቀውዒ ኢና ንነብር፣
መላእኽቲ ዓጻዶ እዮም፡
ንሕና እጃምና ንገብር፣
ክርስቶስ ኣብነት ኰይኑና፡
ዘሪኡ ብዘይ ዕረፍቲ፡
ሃየ ነዚ ዕዮ እዚ ነኽብር፡
ክንሓፍስ ኢና ምህርቲ።
2. ናይ ሓቂ ፍቕሪ ኣላትና፡
ንኣምላኽ ኰነ ንሰባት፣
ስለዚ ተጊህና ንዓዪ፡
ኣብ ምምሃር ኰነ ኣብ ስብከት፣
ሓጐስና መዘና የብሉን፡
መዓይይቲ ኣምላኽ ኢና፡
ኣብ ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ንትጋህ፡
ምእንቲ ኺባርኸና።
(ማቴ. 24:13፣ 1 ቈረ. 3:9፣ 2 ጢሞ. 4:2 እውን ርአ።)