ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 11/10 ገጽ 1-2
  • ምድሪ ንዓጺድ ጻዕድያ ኣላ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምድሪ ንዓጺድ ጻዕድያ ኣላ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2010
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብቲ ናይ ምእካብ ዕዮ ጸኒዕኩም ቀጽሉ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ኣቱም ዓየይቲ ተሓጐሱ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ፍረ ስብከት—‘ግራውቲ ንዓጺድ ጻዕድዩ ኣሎ’
    መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ ኣላ!
  • ኣብቲ ዓብዪ መንፈሳዊ ቐውዒ ምሉእ ብምሉእ ተኻፈል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2010
km 11/10 ገጽ 1-2

ምድሪ ንዓጺድ ጻዕድያ ኣላ

1. ኣብዚ እዋን እዚ ዚካየድ ዘሎ ኣገዳሲ ዕዮ እንታይ እዩ፧

1 የሱስ ነታ ሳምራዊት ሰበይቲ ምስ መስከረላ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ኣዒንትኹም ቋሕ ኣብሉ እሞ ምድሪ ድሮ ንዓጺድ ከም ዝጻዕደወት ርአዩ” በሎም። (ዮሃ. 4:35, 36) ኣብቲ እዋን እቲ፡ መንፈሳዊ ዓጺድ እዩ ዚካየድ ነይሩ፣ የሱስ ድማ እዚ ዕዮ እዚ ብዓለምለኻዊ ደረጃ ዚህልዎ ውጽኢት ኣቐዲሙ ኺፈልጥ ይኽእል ነይሩ እዩ። ሎሚ እውን፡ ኣብቲ ሰማያዊ ቦታኡ ዀይኑ፡ ነቲ ዕዮ ዓጺድ ይከታተሎ ኣሎ። (ማቴ. 28:19, 20) እቲ ዓጺድ ናብ ምውዳእ ገጹ ብዝኸደ መጠን፡ ጽዑቕ ዕዮ ኸም ዚህሉ ዚሕብር ግን እንታይ እዩ፧

2. እቲ ዕዮ ዓጺድ ብቕልጡፍ ይካየድ ምህላዉ ዚሕብር ኣየናይ ምዕባለታት እዩ፧

2 ዓለምለኻዊ ዓጺድ፦ ኣብ ዓመት ኣገልግሎት 2009፡ ቍጽሪ እቶም ኣብ ብዘላ ዓለም ዝነበሩ ኣስፋሕቲ ብ3.2 ሚእታዊት ወሲኹ እዩ። ኣብተን ንዕዮ ስብከት ቀይዲ ዝገበራ ሃገራት ከኣ 14 ሚእታዊት ዕቤት ተረኺቡ እዩ። ኣብ መላእ ዓለም፡ ወርሓዊ ልዕሊ 7,619,000 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተገይሩ ነይሩ፣ እዚ ኸኣ ካብ ዝለዓለ ቝጽሪ ኣስፋሕቲ ዚበልጽን ቅድሚ ዓሚ ኻብ ዝነበረ ቝጽሪ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዳርጋ ብፍርቂ ሚልዮን ዚዛይድን እዩ። ኣብ ብዙሕ ከባቢታት፡ እቲ ዕዮ ብቕልጡፍ ይዓቢ ስለ ዘሎ፡ ኣብ ጊልዓድ ዝሰልጠኑ ሚስዮናውያን ኪለኣኹ ሕቶ ቐሪቡ እዩ። ናይ ወጻኢ ቛንቋ ኽሊ ድማ ኣብ እተፈላለያ ሃገራት ብዙሕ ፍረ የፍሪ ኣሎ። የሆዋ ነቲ ኣብ ምውዳእ ገጹ ዚርከብ ዕዮ ዓጺድ የቀላጥፎ ኸም ዘሎ ርዱእ እዩ። (ኢሳ. 60:22) እሞኸ ብዛዕባ ኽልኻ ጽቡቕ ኣረኣእያ ድዩ ዘሎካ፧

3. ገሊኦም ብዛዕባ እቲ ኣብ ከባቢኦም ዚግበር ዓጺድ ኣብ ምንታይ መደምደምታ እዮም ኪበጽሑ ዚኽእሉ፧

3 ኣብ ከባቢኻ ዚግበር ዓጺድ፦ ገሊኦም፡ “ክለይ ብዙሕ ፍረ ኣይርከቦን” ይብሉ ይዀኑ። ብርግጽ፡ ገሊኡ ኽልታት ከም ካልእ ክሊ ፍረ ኣይርከቦን፡ ወይ ከምቲ ቕድሚ ሕጂ ዝነበሮ ዓይነት ፍረ ኣይህልዎን ይኸውን። ስለዚ ኸኣ ገሊኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣብዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኸባቢ እቲ ዓጺድ ናብ ምውዳእ ገጹ ኸም ዝዀነን፡ ነቶም ዝተረፉ ሒደት ጥራይ ኪቕርሙ ኸም ዜድልን ይድምድሙ ይዀኑ። እቲ ሓቂ ግን ከምኡ ድዩ፧

4. ብዛዕባ ኣገልግሎትና እንታይ ዓይነት ግቡእ ኣረኣእያ እዩ ኺህልወና ዘለዎ፧ ስለምንታይከ፧

4 ኣብ ግዜ ዓጺድ፡ ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ ጽዑቕ ስራሕ እዩ ዚካየድ። ነዚ ዚስዕብ ኣብቲ የሱስ እተዛረቦ ቓላት ዚንጸባረቕ ናይ ህጹጽነት ስምዒት እሞ ኣስተብህለሉ። የሱስ፡ “እቲ እኽሊ ብዙሕ እዩ፡ ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም። ስለዚ ነቲ ጐይታ እኽሊ ንእኽሉ ዓየይቲ ኺልእከሉ ለምንዎ” በለ። (ማቴ. 9:37, 38) ጐይታ እቲ እኽሊ ዝዀነ የሆዋ፡ እቲ ምህርቲ መዓስን ኣበይን ከም ዚህሉ ይፈልጥ እዩ። (ዮሃ. 6:44፣ 1 ቈረ. 3:6-8) ንሕናኸ ዕዮና እንታይ እዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ዘርእኻ ኣንጊህካ ዝራእ፡ ንምሸቱውን ኢድካ ኣይተብኵር” ኢሉ መልሲ ይህበና። (መክ. 11:4-6) እወ፡ እቲ ዓጺድ ናብ ምውዳእ ገጹ ኪቐርብ ከሎ፡ ኢድና ኸነብኵር የብልናን።

5. ፍረ ዘይርከቦ ኣብ ዚመስል ክሊ እውን ብቕንኣት ክንሰብኽ ዚግባእ ስለምንታይ እዩ፧

5 ወትሩ ኣብቲ ዓጺድ ተሳተፍ፦ ዋላ እውን ክልና ብተደጋጋሚ እተሸፈነን ፍረ ዘይርከቦ ዚመስልን እንተ ዀነ፡ ብቕንኣትን ብናይ ህጹጽነት ስምዒትን ክንዓዪ ዚድርኸና ብቑዕ ምኽንያት ኣሎና። (2 ጢሞ. 4:2) እቲ ብሃንደበት ዚለዋወጥ ኵነታት ዓለም፡ ንሰባት ኣመለኻኽታኦም ኪቕይሩን ብዛዕባ መጻኢ ብርዝነት ኪሓስቡን ኣገዲድዎም እዩ። መንእሰያት እናዓበዩ ኪኸዱ ኸለዉ፡ ድሕንነትን ኣእምሮኣዊ ሰላምን ኪረኽቡ ኸም ዜድልዮም ኪስምዖም ይኽእል እዩ። ንገሊኦም ድማ እቲ እነርእዮ ዘይምሕላል ኪትንክፎም ይኽእል እዩ። እወ፡ እቶም ቅድሚ ሕጂ ንመልእኽትና ዘይሰምዑ ዝነበሩ ሰባት ኣብ መጻኢ ኺሰምዑና ይኽእሉ እዮም። እቶም ደይመደይ ኢሎም ንመልእኽትና ዚቃወምዎ ሰባት እውን እንተ ዀኑ፡ ነቲ መጠንቀቕታ ኺሰምዕዎ ኣለዎም።—ህዝ. 2:4, 5፣ 3:19።

6. ክልና በዳሂ እንተ ዀይኑ፡ ወትሩ ብቕንኣት ንኽንዓዪ ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧

6 ክልና በዳሂ እንተ ዀይኑ፡ ወትሩ ብቕንኣት ንኽንዓዪ ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧ ካብ ቤት ናብ ቤት ምስባኽ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ከም ናይ ንግዲ ቦታታት ምግልጋል ወይ ብተሌፎን ምምስካር ዝኣመሰለ መዳያት ኣገልግሎት ክንካፈል ንኽእል ኢና። ወይ ከኣ ሓድሽ ኣቀራርባ ምእንቲ ኺህልወና፡ እተፈላለየ መእተዊታት ክንጥቀም ንኽእል ኢና። ኣጋ ምሸት ወይ ሰባት ኣብ ቤቶም ኣብ ዚርከቡሉ ኻልእ እዋናት ምእንቲ ኸነገልግል መደባትና ኸነተዓራሪ ንኽእል ንኸውን። ብዘይካዚ፡ ነቲ ብስራት ንብዙሓት ሰባት ምእንቲ ኸነካፍል ሓድሽ ቋንቋ ኽንመሃር ንኽእል ኢና። ስሩዓት ፈለምቲ ብምዃን እውን ኣገልግሎትና ኸነስፍሕ ንኽእል ንኸውን። ወይ ሒደት ዓየይቲ ናብ ዘለዉሉ ኸባቢ ኽንግዕዝ ንኽእል ኢና። ብዛዕባ እቲ ዕዮ ዓጺድ ቅኑዕ ኣረኣእያ እንተ ኣልዩና፡ ኣብዚ ኣገዳሲ ዕዮ እዚ ብእተኻእለና መጠን ምሉእ ብምሉእ ንኽንካፈል ዝከኣለና ኽንገብር ኢና።

7. ኣብቲ ናይ ምእካብ ዕዮ ኽሳዕ መዓስ ኢና ኽንካፈል ዘሎና፧

7 ምህርቲ ዚእከብ ኣብ ውሱን እዋን ስለ ዝዀነ፡ ሓረስቶት፡ እቲ ዕዮ ኽሳዕ ዚውዳእ ኣይዘናግዑን ወይ ቀስ ኣይብሉን እዮም። ኣብቲ መንፈሳዊ ዓጺድ እውን ከምዚ ዓይነት ናይ ህጹጽነት ስምዒት ከነርኢ ኣሎና። ኣብቲ ናይ ምእካብ ዕዮ ግን ክሳዕ መዓስ ኢና ኽንካፈል ዘሎና፧ ኣብ ብምሉእ “መደምደምታ እዚ ስርዓት እዚ፡” ማለት ክሳዕ “መወዳእታ” ኽንካፈል ኣሎና። (ማቴ. 24:14፡ NW፣ 28:20) እቲ ቐንዲ ኣገልጋሊ የሆዋ ዝዀነ የሱስ ከም ዝገበሮ፡ ነቲ ብሓደራ እተዋህበና ዕዮ ኽንውድኦ ንደሊ ኢና። (ዮሃ. 4:34፣ 17:4) እምበኣር፡ ክሳዕ መወዳእታ ኣገልግሎትና ብቕንኣትን ብሓጐስን ብኣወንታዊ ኣመለኻኽታን ንፈጽም። (ማቴ. 24:13) እቲ ዕዮ ዓጺድ ገና ኣይተወድአን!

[ኣብ ገጽ 2 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ኣብ ግዜ ዓጺድ፡ ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ ጽዑቕ ስራሕ እዩ ዚካየድ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ