መደብ 21 መስከረም እትጅምር ሰሙን
21 መስከረም እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 53ን ጸሎትን
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
w10 15/11፡ ገጽ 28-30፡ ሕ.ጽ. 1-11 (30 ደቒቕ)
ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ 2 ነገስት 19-22 (8 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ 2 ነገስት 20:12-21 (3 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፦ ኤሁድ—ፍረ ነገር፦ የሆዋ ንህዝቡ የድሕኖም—w04 15/3 29-31 (5 ደቒቕ)
ቍ. 3፦ “ኵሉ ኺድሕን እዩ” ዚብል ሓሳብ፡ ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣይኰነን—td 39ሐ (5 ደቒቕ)
ኣኼባ ኣገልግሎት፦
ወርሓዊ ፍረ ነገር፦ ‘ብዛዕባ ብስራት ኣምላኽ ኣጸቢቕካ መስክር።’—ግብ. 20:24።
10 ደቒቕ፦ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣገልግሎት እንታይ ዓሚምና፧ ብሓላው ኣገልግሎት ዚቐርብ መደረ። እታ ጉባኤ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣገልግሎት ዝነበራ ንጥፈታት ግለጽ። ኣብቲ እተዓምመ ዜተባብዕ ነገራት ብምትኳር፡ ንኣስፋሕቲ ስለቲ ዝገበርዎ ሰናይ ዕዮ ንኣዶም። ኣብዚ ዓመት እዚ ኺትኰረሉ ዘለዎ ሓደ ወይ ክልተ መዳያት ብምጥቃስ፡ ግብራዊ ሓሳባት ሃብ።
10 ደቒቕ፦ ኣጸቢቕካ ምምስካር ውጽኢት ኣለዎ። ኣብ መጽሓፍ ዓመት 2015 (እንግሊዝኛ)፡ ኣብ ገጽ 54 ሕጡብ ጽሑፍ 1፣ ገጽ 56 ሕጡብ ጽሑፍ 2፡ ክሳዕ ገጽ 57 ሕጡብ ጽሑፍ 1፣ ከምኡ እውን ገጽ 63 ሕጡብ ጽሑፍ 2፡ ክሳዕ ገጽ 64 ሕጡብ ጽሑፍ 1፡ ኣብ ዘሎ ሓሳብ ተመርኲስካ ዚግበር ምይይጥ። ንነፍሲ ወከፍ ተመክሮ ምስ ተመያየጥኩምሉ፡ ሰማዕቲ ኻብቲ ተመክሮ ብዛዕባ ዝረኸብዎ ትምህርቲ ሓሳብ ኪህቡ ዓድሞም።
10 ደቒቕ፦ “ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ።” ኣብ ናይ ጥሪ 2009 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ኣብ ገጽ 2 ኣብ ዘሎ ሓሳብ ተመርኲስካ ዚግበር ምይይጥ። ምልክታታት ኣብ ዚብል እውን ርአ።
መዝሙር 54ን ጸሎትን