መዝሙር 54
እምነት ትሃልወና
1. ብዙሕ ሳዕ ኣምላኽ ብነብያት ገይሩ
ተዛሪቡ’ዩ ሓቢሩ፡
ሎሚ ብወዱ ንዅሎም ሰባት
ንኺንስሑ ነጊሩ።
(ኣዝማች)
እምነትካ ድያ ድልድልቲ፧
ንድሕነት እምነት ተድሊ፡
ተርእያ ዲኻ ብግብሪ፧
ንህይወትካ ትገብሮ ቐጻሊ።
2. ትእዛዝ ክርስቶስ ንቕበል ኢና፡
ሓቂ መንግስቲ ንምስክር፣
ብዘይ ስክፍታ ቓሉ ንምህር፡
ነታ ሓቂ ነበስር።
(ኣዝማች)
እምነትካ ድያ ድልድልቲ፧
ንድሕነት እምነት ተድሊ፡
ተርእያ ዲኻ ብግብሪ፧
ንህይወትካ ትገብሮ ቐጻሊ።
3. ኣይንምለስን፡ ድሕር ኣይንብልን፡
ጽንዕቲ እያ እምነትና፣
’ተ ተላዕሉና ንፈልጦ ኢና፡
ቀሪቡ’ሎ ድሕነትና።
(ኣዝማች)
እምነትካ ድያ ድልድልቲ፧
ንድሕነት እምነት ተድሊ፡
ተርእያ ዲኻ ብግብሪ፧
ንህይወትካ ትገብሮ ቐጻሊ።