መደብ 26 መጋቢት እትጅምር ሰሙን
26 መጋቢት እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 47ን ጸሎትን
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
bt ምዕ. 1 ¶16-21 (25 ደቒቕ)
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ ኤርምያስ 12-16 (10 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ ኤርምያስ 13:1-14 (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፦ መንፈሳዊ ምፍዋስ ነባሪ ጥቕምታት ኣለዎ—td 17ሀ (5 ደቒቕ)
ቍ. 3፦ ምድሪ፡ ፈጺማ ኣይክትጠፍእን ወይ ኣይክትባድምን እያ—td 17ለ (5 ደቒቕ)
□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
5 ደቒቕ፦ ምልክታታት። ብወረቐት ዕድመ በዓል ዝኽሪ ዛጊት ዘይተሸፈነ ኽልታት እንተ ኣልዩ፡ ነታ ጉባኤ ሓብራ።
10 ደቒቕ፦ ምቕባል ኣጋይሽ ኣይትረስዕ። (እብ. 13:1, 2) ብሽማግለ ዚቐርብ መደረ። ንበዓል ዝኽሪ ዚምልከት ኣብ ጉባኤኹም እተገብረ መሰናድዎታት ኣሕጽር ኣቢልካ ግለጽ። ኵሎም ኣባላት ጉባኤ፡ ነቶም ኣብ በዓል ዝኽሪ ዝመጹ በጻሕትን ዘይንጡፋት ኣስፋሕትን ኪቕበልዎም ሓሳብ ኣቕርብ። ክልተ ኽፋል ዘለዎ ሓጺር መርኣያ ኸም ዚቐርብ ድማ ግበር። ኣብቲ ቐዳማይ ክፋል እቲ መርኣያ፡ እቲ መደብ ቅድሚ ምጅማሩ ሓደ ኣስፋሒ ንሓደ ኣብ እዋን ወፍሪ ወረቐት ዕድመ እተቐበለ ሰብ ጽቡቕ ገይሩ ይቕበሎ፣ ኣብቲ ኻልኣይ ክፋል እቲ መርኣያ ድማ፡ እቲ መደብ ምስ ተዛዘመ፡ ተገዳስነት እቲ ሰብ ንምዅስኳስ ምድላዋት ይገብር።
20 ደቒቕ፦ “ድንቂ ፍጥረታት ክብሪ ኣምላኽ ይገልጽ” ሕቶታትን መልስታትን። ነቲ ኣብ መጀመርታን መወዳእታን ዚርከብ ሓሳብ፡ ኣሕጽር ኣቢልካ ኸም መእተውን ከም መዛዘምን ጌርካ ተጠቐመሉ። ነዛ ቪድዮ እዚኣ ምስ ረኣዩ ብኸመይ ከም ዝጠቐመቶም ኪገልጹ ንሰማዕቲ ዓድሞም። ነዛ ቪድዮ እዚኣ፡ ኣብ ኣገልግሎት ክንጥቀመላ ብዛዕባ እንኽእለሉ መገድታት ተመያየጡሉ።
መዝሙር 15ን ጸሎትን