ድንቂ ፍጥረታት ክብሪ ኣምላኽ ይገልጽ
ብዙሓት ሰባት ንፍጥረት ምዕዛብ ባህ እዩ ዚብሎም። ሒደት ሰባት ግና ብዛዕባ ፍጥረት ኪሓስቡ ኸለዉ፡ ስምዒትን ሓሳባትን ፈጣሪና ኸም ዚገልጽ እዮም ዚግንዘቡ። (ሮሜ 1:20) ቅድሚ ነዊሕ እዋን፡ ዳዊት ካብቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ ብዛዕባ የሆዋ ይፈልጥ ነበረ። ብዘይካዚ፡ ብፍጥረት ኣቢሉ ድማ ንየሆዋ ርእይዎን ናብኡ ቐሪቡን እዩ። (መዝ. 8:3, 4) እዛ ዘ ዎንደርስ ኦቭ ክርኤሽን ረቪልስ ጎድስ ግሎሪ (ድንቂ ፍጥረታት ክብሪ ኣምላኽ ይገልጽ) ዘርእስታ ቪድዮ ንዅልና ማለት፡ ንዓና፡ ንደቅና፡ ንተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስና ንእተወሰነ ፍጥረት የሆዋ ብቐረባ ኽንዕዘቦን፡ ንባህርያት ፈጣሪና ንኸነስተውዕልን በዚ ኸምዚ ድማ ንየሆዋ ንኽንቀርቦ ትሕግዘና እያ። ነዛ ቪድዮ እዚኣ ምስ ረኣኻያ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክትምልሶ ፈትን።
(1) ግዝፍን ስርዓትን እዚ ግኡዝ ዩኒቨርስ ንየሆዋ ዘሎካ ሞሳ ኸም ዚዓሙቝ ዚገብሮ ብኸመይ እዩ፧ (ኢሳ. 40:26) (2) ብዛዕባ ማይ ክንሓስብ ከለና፡ ብዛዕባ እቲ ነዚ ዝፈጠረ ኣምላኽ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧ (ራእ. 14:7) (3) ግዝፊ መሬትን ካብ ጸሓይ ዘለዋ ርሕቐትን ጥበብ የሆዋ ዜንጸባርቕ ብኸመይ እዩ፧ (4) ወርሒ ንምንታይ ዕላማ እያ እተገልግል፧ (መዝ. 89:37) (5) የሆዋ ንደቂ ሰብ ህይወት ከም ዜስተማቕሩ ገይሩ ዝፈጠሮም ብኸመይ እዩ፧ (6) ዲ.ኤን.ኤ እንታይ እዩ፧ (መዝ. 139:16) (7) ካብ ኵሎም ምድራውያን ፍጥረታት የሆዋ፡ ደቂ ሰብ ፍሉያት ዝዀኑ ብኸመይ እዮም፧ (ዘፍ. 1:26) (8) ኣብ ሓዳስ ዓለም እንታይ ክትርኢ ኢኻ እትህንጠ፧
ተወሳኺ ነጥብታት፦ (9) ሕብርታት ካበይ እዩ መጺኡ፧ (10) ማይ ንስሕበት ኣሰኒፉ ኣብ ጫፍ ኣእዋም ዚበጽሕ ብኸመይ እዩ፧ (11) ማይ ኣብ ኣካላትና እንታይ ተራ ኣለዎ፧ (12) ኣብ መንጎ ህይወታውያን ብዛዕባ ዘሎ ስኒት ኣብነታት ሃብ። (13) ፍጡራት ምስ ካልኦት ምሕዝነት ከም ዚምስረት ብኸመይ ይፈልጡ፧ (14) “ወርቃዊ ዅርናዕ” እንታይ እዩ፧ ኣብ ፍጥረት እተራእየኸ ብኸመይ እዩ፧
ንግብርታት የሆዋ “ተመልከቱ”፦ የሱስ፡ “ነዕዋፍ ሰማይ ተመልከቱ” ኸምኡውን “ንዕምባባታት መሮር ከመይ ኢሎም ከም ዚዐብዩ ተመልከቱ” ኢሉ ኣተባቢዑና ኣሎ። (ማቴ. 6:26, 28) ከምዚ ምግባር፡ እምነትና ኸም እትድልድል፡ ኣብ ፈጣሪ ምትእምማን ከም ዚሓድረና፡ ንጥበብን ነቲ መድሓኒ ዝዀነ ሓይሊ የሆዋን ንፍቕሩን ዘሎና ሞሳ ኸም ዚዓቢ ኺገብር ይኽእል እዩ። ብተግባራት እዛ ዓለም እዚኣ ኣብ ክንዲ እነስግል፡ ነቲ ዜደንቕ ፍጥረት የሆዋ ንምዕዛብ ግዜ ብምምዳብ ጻዕሪ ንግበር፡ ነቲ ብዛዕባ እቲ ፈጣሪና ዝዀነ ኣምላኽ ዚነግረና ነገራት ድማ ነስተንትነሉ።—መዝ. 19:1።