ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 4/07 ገጽ 8
  • ሰባት ኣብ ቤቶም ምስ ዘይጸንሑና

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሰባት ኣብ ቤቶም ምስ ዘይጸንሑና
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ስለምንታይ መዝገብ ናይቶም ኣብ ቤት ዘይተረኽቡ እንሕዝ?
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
  • ናይ ብሕትኻ ኽሊ ኣሎካዶ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
  • ጉባኤኻ ሰፊሕ ናይ ኣገልግሎት ዞባ ኣለዋዶ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2002
  • ካብ 16 ጥቅምቲ ኽሳዕ 12 ሕዳር ዚካየድ ፍሉይ ወፈራ!
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
km 4/07 ገጽ 8

ሰባት ኣብ ቤቶም ምስ ዘይጸንሑና

1. ካብ ቤት ናብ ቤት ከነገልግል ከለና ዜጋጥመና ልሙድ ጸገም እንታይ እዩ፧

1 ኣብ ብዙሕ ቦታታት ንሰባት ኣብ ቤቶም ክትረኽቦም ኣጸጋሚ እናዀነ ይኸይድ ኣሎ። ኣብዚ “ኽፉእ ዘመን” እዚ ብዙሓት ሰባት ንናብራ ዜድሊ ነገራት ንምምእራር ንነዊሕ ሰዓታት ኪሰርሑ ይግደዱ ኣለዉ። (2 ጢሞ. 3:1) ገሊኦም ድማ ንኺዓዳድጉ ወይውን ንኺዘናግዑ ኻብ ቤቶም ኣርሒቖም ይኸዱ ይዀኑ። ነዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ብኸመይ እቲ ብስራት ከነብጽሓሎም ንኽእል፧

2. እቶም ኣብ ቤቶም ዘይተረኽቡ ኸም ዚብጽሑ ብኸመይ ከነረጋግጽ ንኽእል፧

2 ጽቡቕ መዝገብ ሓዝ:- እቲ ቐዳማይ ስጕምቲ: ነቶም ኣብ ቤቶም ዘይተረኽቡ ምምዝጋብ እዩ። ብፍላይ ንኽልኻ ብተደጋጋሚ ትዓዮ እንተ ደኣ ዄንካ: ከምዚ ምግባር ኣገዳሲ እዩ። ስም እቲ ጐደና: ቍጽሪ እቲ ኽሊ: ስምካ: ከምኡውን ዕለት ትምዝግብ ዲኻ፧ ኣብቲ መዝገብ ንስኻ ወይ ካልእ ኣስፋሒ ተመሊሱ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን ተወሳኺ ሓበሬታ ኺጽሕፈሉ ዚኽእል ቦታ ኽትገድፍ ትኽእል ኢኻ። መስኪርካ ምስ ወዳእካ: እቲ ነታ ኽሊ ሒዝዋ ዘሎ ኣስፋሒ ነቶም ኣብ ቤቶም ዘይረኸብካዮም ሰባት ባዕልኻ ኽትበጽሖም እንተ ደኣ ዘይደልዩካ: እቲ ዝሓዝካዮ መዝገብ ወይ መዘኻኸሪ ምሃብ ኣይትረስዕ። ንዝዀነ ይኹን ዝረኸብካዮ ተገዳስነት ተመሊስካ ምእንቲ ኽትበጽሖ ኣብ ካልእ ወረቐት መዝግቦ።

3. ነቶም ኣብ ቤቶም ዘይጸንሑና ሰባት ንኽትረኽቦም ዚሕግዘካ ገለ ገለ ሓሳባት እንታይ እዩ፧

3 ካልእ ግዜ ፈትን:- እቶም ኣብ መዓልትታት ስራሕ ኣብ ቤቶም ዘይርከቡ ሰባት: ምሸት ወይ ቀዳመ-ሰናብቲ ይርከቡ ይዀኑ። ኣብቲ ዝያዳ ዚጥዕም ግዜ ምእንቲ ኽትምለሶም መደብካ ኸተተዓራሪ ትኽእልዶ፧ (1 ቈረ. 10:24) እንተ ዘይክኢልካ: ነቲ ዘዳሎኻዮ መዝገብ እቶም ኣብ ቤቶም ዘይተረኽቡ ሰባት ንሓደ ኣብ ካልእ ግዜ ኺበጽሖም ዚኽእል ኣስፋሒ ሃቦ። ከምዚ እንተ ዘይተኻኢሉ ድማ ነቶም ኣብ ቤቶም ዘይርከቡ ሰባት ብደብዳበ ወይ ብተሌፎን ክትረኽቦም ክትጽዕር ትኽእል ኢኻ። ኣብዚ መዳይ እዚ እቶም ብሰንኪ ጸገማት ጥዕና ኻብ ቤት ናብ ቤት ኬገልግሉ ዘይክእሉ ኣስፋሕቲ ተሓጒሶም ኪሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም።

4. ነቶም ኣብ ቤቶም ዘይርከቡ ሰባት ተመላሊስካ ምብጻሖም ኣገዳሲ ምዃኑ ዜብርህ እንታይ እዩ፧

4 ነቶም ኣብ ቤቶም ዘይረኸብካዮም ሰባት ክትረኽቦም ምጽዓር ዘለዎ ኣገዳስነት ዜብርህ ሓደ ኣጋጣሚ ንርአ። ኣስፋሕቲ ንሰለስተ ዓመት ዚኣክል ንሓንቲ ገዛ ብተደጋጋሚ ድሕሪ ምብጻሖም: ኣብ መወዳእታ ነታ ብዓልቲ ቤት ረኸብዋ። እታ ሰበይቲ ነቲ ናብዚ ቦታ እዚ ቕድሚ ምግዓዛ ጀሚራቶ ዝነበረት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ኪቕጽሉላ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪበጽሑዋ ትጽበ ነበረት።

5. ሓደ ኽሊ ተሸፊኑ ኺበሃል ዚከኣል መዓስ እዩ፧

5 ነቲ ኽሊ ሸፍኖ:- ሓደ ኽሊ ተሸፊኑ ኺበሃል ዚከኣል መዓስ እዩ፧ ከምዚ ኺበሃል ዚከኣል ብሓፈሻኡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ገዛ ንዚርከብ ሰብ ንኽትበጽሖ ኣድላዪ ጻዕሪ ምስ ዚግበር እዩ። ብፍላይ ኣብቲ ብዙሕ ዘይተዓየ ኽልታት: ነቶም ኣብ ቤቶም ዘይጸንሑ ትራክት ወይ ናይ ቅድም መጽሔት ብሜላ ኽትገድፈሎም ትኽእል ኢኻ። እቲ ኽሊ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ወርሒ ኺሽፈን ኣለዎ። ብድሕሪኡ: እቲ ኣገልጋሊ ኽሊ ነቲ መዝገቡ ምእንቲ ኼሐድሶ እቲ ኽሊ ኺምለስ ኣለዎ።

6. ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ክልና ዘሎ ሰብ ብስራት ከነብጽሓሉ ኽንጽዕር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

6 ብእተኻእለ መጠን ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ስም የሆዋ ዚመሃሩሉ ኣጋጣሚ ረኺቦም ስሙ ኺጽውዑ እሞ ኺድሕኑ ኢና እንደሊ። (ሮሜ 10:13, 14) እዚ ነቶም ካብ ቤት ናብ ቤት ክንሰብኽ ከለና ኣብ ቤቶም ዘይጸንሑና ሰባት እውን ዜጠቓልል እዩ። ከም ሃዋርያ ጳውሎስ: ‘ወንጌል ጸጋ ኣምላኽ ክትምስክር’ ባህጊ ይሃሉኻ።—ግብ. 20:24

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ