ስለምንታይ መዝገብ ናይቶም ኣብ ቤት ዘይተረኽቡ እንሕዝ?
1 ሓደ መዓልቲ ንግሆ መሰኻኽር ዝዀኑ ሰብኣይን ሰበይትን ናብ ግራት ኣገልግሎት ወጹ። ደሓር ጸኒሖም ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ነቶም ኣብቲ ዞባ ኣብ ቤት ዘይተረኽቡ ክበጽሑ ተመልሱ። ሓደ ሰብኣይ ክኣትዉ ዓደሞም እሞ ተሃንጥዩ ሰምዖም። መጽሓፍ ንዘለኣለም ምንባር (እንግሊዝኛ ወይ ኣምሓርኛ) ወሲዱ ክምለስዎ እንተደኣ ኰይኖም ሓተቶም። ቅድሚኡ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተዘራሪቡ ኣይፈልጥን ነበረ: ብዙሕ ክምለስሉ ዝደልዮም ሕቶታት ድማ ነበርዎ፣ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ተጀመረ። እዞም ሰብ ሓዳር ከምዚ ዘበለ በጊዕ መሰል ሰብ ብምርካቦም ኣዝዮም ተሓጐሱ። ከምዚ ዝዓይነቱ ተሞክሮ ክህልወካዶ ትደሊ ኢኻ? ናይቶም ኣብ ቤት ዘይተረኽቡ ጽቡቕ መዝገብ ምሓዝን ቀልጢፍካ ምስ እትምለሶምን ከምዚ ተሞክሮ እዚ ከም ዝህልወካ ክገብር ይኽእል ኢዩ።
2 ናይቶም ኣብ ገዝኦም ዘይተረኽቡ ንጹር መዝገብ ክንሕዝን ቀልጢፍና መሊስና ክንበጽሖምን ብተደጋጋሚ ተነቓቒሕና ኢና። እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ተሞክሮ ከም ዝሕብሮ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ካልኣይ ምብጻሕ ምግባር ዝበለጸ ውጽኢት ከምጽኣልና ይኽእል ኢዩ። ነቲ እተዋህበና ዞባ ክንሽፍኖ መደባት እኳ እንተ ሃለወና: ምናልባት ናይቶም ኣብ ገዛ ዘየለዉ መዝገብ ኣብ ምሓዝ ግን ከምቲ ዝድለ ጻዕረኛታት ኣይንኸውንን። ገሊኦም ‘ንዞባና ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ወይ ሰለስተ ሰሙን ኢና እንዓዮ፣ መዝገብ ምሓዝ ኣየድልየናን ኢዩ: ከመይሲ ብዝዀነ መገዲ ቀልጢፍና ክንምለሶ ኢና’ ይብሉ። ይኹን እምበር እዝስ መዝገብ ክንሕዝ ዝያዳ ምኽንያት ኢዩ ዝዀነና። ኣብቲ ብተደጋጋሚ እተሸፈነ ዞባ ነቶም ኣብ ቤት ዘይተረኽቡ ምክትታሎም ኣብቲ ነቶም ዝግብኦም ሰባት ንምድላይ እንገብሮ ዝያዳ ጻዕሪ ዕዉታት ክንከውን ከኽእለና ኢዩ። ብኸመይ ምገበርናዮ?
3 ኣብ ብዙሕ ቦታታት 50 ካብ ሚእቲ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ናይቶም ነበርቲ ብግዜ መዓልቲ ኣብ ቤቶም ኣይርከቡን ኢዮም። ስለዚ ኣብቶም ኣብ ቤቶም ዘይተረኽቡ ዝያዳ ብምትኳርና ዝያዳ ዞቦ ከም ዝህልወና ክንገብር ንኽእል ኢና። እቲ ዞባ ሳሕቲ እተዓየየ እኳ እንተዀነ: ነቲ ዞባ ተዓይዩ ኢዩ ኢልካ ቅድሚ ምምልካት: ንነፍሲ ወከፍ ክብጻሕ ጻዕሪ እንተደኣ ተገይሩ: ነቲ ውጽኢት ከነመሓይሾ ንኽእል ኢና።
4 ምብጻሕ ናይቶም ኣብ ገዛ ዘይተረኽቡ ካልእ መዓልቲ ብዝበለጸ ኣብ ውሽጢ እታ ሰሙን ክግበር ዝሓሸ ኢዩ። ብዙሓት ካብቲ መጀመርታ ምብጻሕ ክገብሩ ከለዉ ዝነበረ መዓልትን ሰዓትን ኣብ እተፈልየ ግዜ ክምለሱ ዝሓሸ ኰይኑ ረኺቦምዎ ኣለዉ። ነቶም ኣብታ ሰሙን ኣብ ቤት ዘይተረኽቡ ንምክትታል ሓድሓደ ግዜ ቀዳም ወይ ሰንበት ክትጥቀመሉ ትመርጽ ትኸውን። ካልእ ኣማራጺ ድማ ብዙሓት ጉባኤታት ከምዚ ዝበለ ምብጻሕ ኣብ ግዜ ምሸት ክግበር ውጽኢታዊ ኰይኑ ረኺበናኦ ኣለዋ። ካብ ፍርቂ ንላዕሊ ናይቶም ተቐማጦ ኣብ ቤት ክረኽብዎም ይኽእሉ ኢዮም።
5 ተመላሊስካ ምብጻሕ ኣብ ናይ ብሕቲ መዝገብካ ክትምዝግቦ ኣሎካ። ኣብቲ ሰብ ዘይተረኽበሉ ቤት ክትምለስ እንተደኣ ዘይኪኢልካ: እቶም ናብቲ ዞባ ዝኸዱ ካልኦት ምእንቲ ክጥቀምሉ እቲ ናይቶም ኣብ ቤት ዘይተረኽቡ መዝገብካ ነቲ ጉጅለ ዝመርሕ ሓው ክወሃብ ኣለዎ።
6 ነዚ መዳይ ናይ ኣገልግሎትና ጥብቕ ዝበለ ኣቓልቦ ምሃብ ንውጺኢታውነትናን ሓጐስናን ከዕብዮ ኢዩ። ነቶም ኣባጊዕ መሰል ኣብ እንገብሮ ምድላይን ምክትታልን እተማልአ ምዃኑ ምፍላጥና ዕግበት ከምጽኣልና ይኽእል ኢዩ።—ህዝ. 34:11–14