ነቶም መሰኻኽር ዘይኰኑ ናይ መርዓ ብጾት ብጽሕዎም
1 ምርዑዋት ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ሓቀኛ ኣምልኾ ክሓብሩ ከለዉ ምንጪ ናይ ዓቢ ሓጐስ ኢዩ። ይኹን እምበር: ኣብ ብዙሓት ስድራቤታት ካብቶም ናይ መርዓ ብጾት ሓደ ጥራይ ኢዩ ነቲ መገዲ ሓቂ ዝቕበሎ። ነዞም መሰኻኽር ዘይኰኑ ናይ መርዓ ብጾት ክንበጽሖም: ምሳና ኰይኖም ድማ ንየሆዋ ከምልኽዎ ከነተባብዖም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧—1 ጢሞ. 2:1-4
2 ኣተሓሳስብኦም ተረዳእ:- ዋላ እኳ ገለ መሰኻኽር ዘይኰኑ ናይ መርዓ ብጾት ዝጻረሩ እንተዀኑ: መብዛሕትኡ እዋን እቲ ሽግር ተገዳስነት ዘይምርኣይ ወይ ድማ ጌጋ ምርዳእ ምሓዝ ኢዩ። ናይ መርዓ ብጾት በቲ ንሳ ዘርኣየቶ ወይ ንሱ ዘርኣዮ ሓድሽ መንፈሳዊ ተገዳስነት ምኽንያት እተረስዑ ኰይኑ ክስምዖም ወይ ድማ ክቐንኡ ይኽእሉ ኢዮም። ሓደ ሰብኣይ “ኣብቲ ገዛ ንበይነይ እተደርበኹ ኰይኑ ተሰመዓኒ” ብምባል ይዝክር። ካልእ ድማ “ሰበይተይን ደቀይን ዝገድፉኒ ዘለዉ ኰይኑ ተሰመዓኒ” ይብል። ገሊኣቶም ከኣ ብሃይማኖት ምኽንያት ስድራቤቶም ዘጥፍኡ ዘለዉ ኰይኑ ይስምዖም ይኸውን። (ናይ 15 ነሓሰ 1990 ግምቢ ዘብዐኛ [እንግሊዝኛ] ገጽ 20-23 ርአ።) ስለዚ ድማ ኢዩ: ዝከኣል ምስ ዝኸውን: ነቲ ሰብኣይ ካብ መጀመርታ ኣትሒዝካ ኣብቲ እታ ሰበይቲ እትገብሮ ናይ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ መደብ ምእታዉ ዝበለጸ ዝኸውን።
3 ብሕብረት ዕየዩ:- ሰብ ሓዳር ሰብኣይን ሰበይትን መሰኻኽር: ንእተመርዓዉ ሰባት ናብ ሓቂ ክመጹ ኣብ ምሕጋዝ ውጽኢት ብዘለዎ መገዲ ብሓባር ዓየዩ። እታ ሓብቲ ምስታ ሰበይቲ ጽንዓት ምስ ጀመረት: እቲ ሓው ድማ ነቲ ሰብኣይ ይበጽሖ። መብዛሕትኡ እዋን ድማ ምስቲ ሰብኣይ ጽንዓት ክጅምር ይኽእል ኢዩ።
4 ምቕሉልን ተቐባል ጋሻን ኩን:- ኣብታ ጉባኤ ዘለዋ ስድራቤታት: ኣብቶም ኣብ ኣምልኾ ገና ዘይሓበሩ ስድራቤታት ተገዳስነት ብምርኣይ ክሕግዛ ይኽእላ ኢየን። ሳሕቲ ምሕዝነታዊ ምብጻሕ ምግባር: ነቲ ምስክር ዘይኰነ ናይ መርዓ ብጻይ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምቕሉላት: ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ካብ ልቦም ጽቡቕ ዝምነዩ ክርስትያናት ምዃኖም ንኽርዳእ ክሕግዞ ይኽእል ኢዩ።
5 ካብ ግዜ ናብ ግዜ: እቶም ሽማግለታት ነቶም መሰኻኽር ዘይኰኑ ብጾት ንምብጻሕ ኣብ ቀረባ ግዜ እንታይ ከም እተገብረ: ከምኡውን ናብ የሆዋ ክመጹ ተስፋ ብምግባር ካልእ እንታይ ክግበር ከም ዝከኣል ክምርምሩ ኢዮም።—1 ጴጥ. 3:1 NW እግረ-ጽሑፍ።