ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w07 15/11 ገጽ 31
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መዓልቲ መርዓኻ ብዝያዳ ባህ እተብልን ምዕርግትን ግበራ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ንየሆዋ ዜኽብር መርዓ ብኸመይ ክትገብር ትኽእል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • የሆዋ ዝኸብረሉ ዘሐጕስ መርዓ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ንየሆዋ ዘኽብር መርዓ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
w07 15/11 ገጽ 31

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ኣብ መርዓ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ኣዝማዱ ወይ ዚፈልጦም ሰባት ምክፋሉ ግቡእ ድዩ፧

መርዓ ዜሐጕስ ኣጋጣሚ እዩ። ክርስትያናት እውን ኣብዚ ሓጐስ ኪካፈሉ ኸም ዚደልዩ ርዱእ እዩ። ልክዕ እዩ: ንኣሽቱ ኺዕደሙ ኸለዉ እቲ ውሳነ ኣብቶም ናይ መወዳእታ ውሳነ ኺህቡ ዘለዎም ወለዶም ወይ ዜዕብይዎም እተመርኰሰ ኪኸውን ኣለዎ። (ኤፌሶን 6:1-3) ይኹን እምበር: ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ዘይኰነ ሰብኣይ ንክርስትያን ሰበይቱ: ኣብ ቤተ-ክርስትያን ዚግበር መርዓ ኣሰንያቶ ኽትከይድ እንተ ሓተታኸ፧ ኣብቲ እዋን ምስ ሃይማኖታዊ ተግባራት ዚዛመዱ ነገራት ከይተኻፈለት ከም ተዓዛቢት ጥራይ ኰይና ኽትከይድ ሕልናኣ ይፈቕደላ ይኸውን።

ብመሰረቱ: ኣብ ሓደ መርዓ ምክፋል ኰነ ዘይምክፋል ናይ ብሕቲ ውሳነ እዩ። ይኹን እምበር: ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ኣብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ሰባት መርዓ ብዛዕባ ምክፋል ውሳነ ኺገብር ከሎ: ንየሆዋ ጸብጻብ ኪህብ ምዃኑ ኺግንዘብን ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ኣብ ግምት ኬእቱን ይግባእ።

ብቐዳምነት: ስምረት ኣምላኽ ናይ ምርካብ ባህጊ ኣብ ኣእምሮ እቲ ክርስትያን ኪህሉ ይግባእ። የሱስ: “ኣምላኽ መንፈስ እዩ: እቶም ዚሰግዱሉ ድማ ብመንፈስን ብሓቅን ኪሰግድሉ ይግብኦም” በለ። (ዮሃንስ 4:24) ስለዚ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ኣብ ዚጋጮ ኸም ጸሎት: ጽምብላት: ወይ በዓላት ዝኣመሰለ ሃይማኖታዊ ምትሕንፋጽ ዚግበረሉ ምንቅስቓሳት ኣይካፈሉን እዮም።—2 ቈረንቶስ 6:14-17

ሓደ ክርስትያን እቲ ዚገብሮ ውሳነ ንኻልኦት ኪጸሉ ኸም ዚኽእል ኪግንዘብ ኣለዎ። ክትካፈል እንተ ደኣ ወሲንካ: ኣብቲ ስነ-ስርዓት መርዓ ምሉእ ብምሉእ ብዘይ ምክፋልካ ኣዝማድካ ይጕህዩዶ ይዀኑ፧ ኣብ ኣመንቲ ብጾትካ ኺህልዎ ዚኽእል ጽልዋ እውን ኣብ ግምት ከተእቱ ኣሎካ። (ሮሜ 14:13) ዋላኳ ንስኻ ወይ ሓደ ኻብ ኣባላት ስድራቤትካ ኣብ መርዓ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ሰባት ምክፋልኩም ጸገም ዘየምጽእ እንተ ዀነ: ንመንፈሳውነት ኣሕዋትካን ኣሓትካን ከቢድ ጕድኣት ደዀን ይህልዎ ይኸውን፧ ናይ ገሊኦም ሕልና የቑስልዶ ይኸውን፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ኣዝማድ ዚገብርዎ ስነ-ስርዓት መርዓ ኣጸጋሚ ዅነታት ኪህልዎ ይኽእል እዩ። ዓርኪ መርዓዊ ኽትኸውን እንተ ደኣ ተሓቲትካኸ፧ ወይ መጻምድትኻ ናይ የሆዋ ምስክር ዘይኰነትን ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምሉእ ብምሉእ ክትካፈል እትደልን እንተ ዀነትከ፧ እቲ መርዓ ብዳኛ ወይ ብዓለማዊ ብዓል ስልጣን ዚምራሕ ሲቭላዊ ጽምብል እንተ ደኣ ዀይኑ: ኣብ ሕጋዊ ውዕል ከም ምስክር ኴንካ ኻብ ምክፋል ንላዕሊ ዘየጠቓልል ኪኸውን ይኽእል እዩ።

እንተዀነ ግን: ኣብ ሃይማኖታዊ ህንጻታት ዚግበር ወይ ብኻህን ኣብ ዚምራሕ ጽምብል መርዓ ተወሳኺ ኼተሓሳስበካ ዘለዎ ነገራት ኣሎ። ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልናኻ ምእንቲ ኽትስዕብን ኣብ ሃይማኖታዊ እምነትካ ምእንቲ ኸይትለማለምን ወይ እውን ነቶም ኣብቲ ስነ-ስርዓት መርዓ ዚካፈሉ ዜዋርዶም ነገር ምእንቲ ኸይትገብር: ናብኡ ኻብ ምኻድ ክትቝጠብ ትውስን ትኸውን። (ምሳሌ 22:3) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ እምነትካ ኣቐዲምካ ብምግላጽ: ክሳዕ ክንደይ ንምስታፍ ፍቓደኛ ኸም ዝዀንካ ብምንጋር ወይ ካልእ ክትገብሮ እትኽእል ነገር ኣማራጺ ሓሳብ ብምቕራብ: ንስድራቤትካን ንርእስኻን ካብ ዜጋጥመኩም ጸቕጢ ኸተድሕን ትኽእል ኢኻ።

ነዚ ዅሉ ረቛሒታት ድሕሪ ምግምጋም: ገሊኦም ክርስትያናት ኣብ መርዓ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ኸም ተዓዛቢ ጥራይ ኴንካ ምክፋል ዘይግቡእ ከም ዘይኰነ ኺውስኑ ይኽእሉ እዮም። ይኹን እምበር: ሓደ ክርስትያን ኣብኡ ምክፋሉ ኣብ ኣምላኻዊ ስርዓታት ንኺለማለም ኪፍተን ከም ዚኽእል እንተ ደኣ ኣስተውዒሉ: እቲ ዚህልዎ ሓደጋ ኻብቲ ኺርከብ ዚኽእል ጥቕሚ ኸም ዚኸብድ ኪውስን ይኽእል እዩ። ኣብ መርዓ ኸይተኻፈለ ኣብቲ ብድሕሪኡ ዚካየድ ጽምብል ግን ከም ዕዱም ጋሻ ዀይኑ ኺካፈል እንተ ደኣ ወሲኑ: ‘ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ኪገብሮ’ ኪውስን ኣለዎ። (1 ቈረንቶስ 10:31) ከምዚ ዝኣመሰለ ውሳነ ኽንገብር ከለና: “ነፍሲ ወከፍ ጸጾሩ [ሓሓላፍነቱ] ኺጸውር እዩ።” (ገላትያ 6:5) ስለዚ: ዝዀነ ይኹን ውሳነ ኽትገብር ከለኻ: እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገር ኣብ ቅድሚ የሆዋ ንጹህ ሕልና ምዕቃብ ምዃኑ ዘክር።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ