ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w25 ታሕሳስ ገጽ 20-25
  • ንየሆዋ ዜኽብር መርዓ ብኸመይ ክትገብር ትኽእል፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንየሆዋ ዜኽብር መርዓ ብኸመይ ክትገብር ትኽእል፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ስለምንታይ ንየሆዋ ነኽብሮ፧
  • ብኸመይ ንየሆዋ ተኽብሮ፧
  • ካብ ብድሆታት ብኸመይ ተምልጥ፧ ንብድሆታትከ ብኸመይ ትሰግሮ፧
  • መዓልቲ መርዓኻ ብዝያዳ ባህ እተብልን ምዕርግትን ግበራ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • የሆዋ ዝኸብረሉ ዘሐጕስ መርዓ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ንየሆዋ ዘኽብር መርዓ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ሕቶ ሳጹን
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
w25 ታሕሳስ ገጽ 20-25

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 51

መዝሙር 132 ሓደ ኢና

ንየሆዋ ዜኽብር መርዓ ብኸመይ ክትገብር ትኽእል፧

“ኵሉ ብኣገባብን ብስርዓትን ይኹን።”—1 ቈረ. 14:40።

ኣትኵሮ

ክርስትያን ተመራዓውቲ ኣብ መዓልቲ መርዓኦም ብኸመይ ንየሆዋ ኸም ዜኽብርዎ።

1-2. የሆዋ ብዛዕባ መርዓ እንታይ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎ፧

ኣብ ቀረባ ግዜ ኽትምርዖ ሓሲብካዶ ኣለኻ፧ እንቋዕ ሓጐሰካ ኽንብለካ ንፈቱ። ኣብዚ እዋን እዚ፡ ንመርዓኻ መደባት ትሕንጽጽ ትህሉ ትኸውን። የሆዋ ብዛዕባ መውስቦኹም ይግደስ እዩ። ብመዓልቲ መርዓኻa ዀነ በቲ ድሕሪኡ ዚህልወካ ሓዳር ክትሕጐስ እዩ ዚደልየካ።—ምሳ. 5:18፣ መሃ. 3:11።

2 ኣብ መርዓኻ፡ የሆዋ ኽብሪ ይግብኦ እዩ። ስለምንታይ ኢና ኸምኡ እንብል፧ ከመይ ጌርካኸ ኢኻ ኸምኡ ኽትገብር እትኽእል፧ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ብቐዳምነት ነቶም ንመርዓ ዚዳለዉ ዘለዉ ተመራዓውቲ እኳ እንተ ዀነት፡ እቲ ኣብዚ ዘሎ መሰረታዊ ስርዓታት ግና ናብ መርዓ ኽንከይድ ከለና ወይ ብዛዕባ መርዓ ምኽሪ ኽንሕተት ከለና ኺሕግዘና ይኽእል እዩ።

ስለምንታይ ንየሆዋ ነኽብሮ፧

3. ክርስትያን ተመራዓውቲ ንመርዓ መደብ ኬውጽኡ ኸለዉ እንታይ እዮም ኣብ ግምት ኬእትዉ ዘለዎም፧ ስለምንታይከ፧

3 ክርስትያናዊ መርዓ ንምግባር መደብ ዜውጽኡ ዘለዉ ተመራዓውቲ፡ ምስቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ የሆዋ ዜውጽኦ ስርዓታት ተሰማሚዖም መደብ ኪሕንጽጹ ኣለዎም። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ የሆዋ መስራቲ መውስቦ እዩ። ነቲ ንኣዳምን ንሄዋንን ብመውስቦ ዝጸመዶም ናይ መጀመርታ መርዓ፡ ንሱ እዩ ኣዳልይዎ። (ዘፍ. 1:28፣ 2:24) ስለዚ፡ እቶም ንመርዓ መደብ ዜውጽኡ ዘለዉ ተመራዓውቲ ንኣተሓሳስባ ኣምላኽ ቀዳምነት ኪህብዎ ኣለዎም።

4. ተመራዓውቲ ኣብ መዓልቲ መርዓኦም ንየሆዋ ንምኽባር እንታይ ምኽንያት ኣለዎም፧

4 ብዘይካዚ፡ ኣብ መዓልቲ መርዓኻ ንኣተሓሳስባ የሆዋ ኣብ ግምት ከተእትወሉ ዚግባእ ኣገዳሲ ምኽንያት ኣሎካ። ንሱ ሰማያዊ ኣቦኻን ብሉጽ ፈታዊኻን እዩ። (እብ. 12:9) ነዚ ርክብኩም እዚ መሸም ወትሩ ኽትቅጽሎ ትደሊ ኢኻ። በታ መዓልቲ እቲኣ ዀነ ኣብ ካልእ መዓልቲ፡ ንዕርክነትኩም ዜበላሹ ነገር ክትገብር ኣይትደልን ኢኻ። (መዝ. 25:14) ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝገበረልካን ብሕጂ ዚገብረልካን ነገራት ክትሓስብ ከለኻ፡ ብመርዓኻ ኸተኽብሮ ኸም ዚግባእሲ ኣይትሰማማዓሉንዶ፧—መዝ. 116:12።

ብኸመይ ንየሆዋ ተኽብሮ፧

5. ተመራዓውቲ ብዛዕባ መርዓኦም መደብ ኪገብሩ ኸለዉ፡ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ሓገዝ ኪረኽቡ ይኽእሉ፧

5 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ክርስትያናዊ መርዓ ወይ ንዕኡ ስዒቡ ዚግበር ድግስ፡ ዝርዝር ሕግታት ኣይህብን እዩ። ከከም ኵነታትን ከከም ባህልን ከከም ኣማራጺታትን እተፈላለየ ዓይነት መርዓ ኺግበር ይከኣል እዩ። ብዘይካዚ፡ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ነቲ ኻብ ቄሳር ትጽቢት ዚግበረሎም ሕጋዊ ብቕዓታት የማልኡ እዮም። (ማቴ. 22:21) ይኹን እምበር፡ ኣብ መሰረታዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተመርኲስካ እተዳለወ መርዓ፡ ንየሆዋ የኽብሮን የሐጕሶን እዩ። እሞ ደኣ እንታይ ስርዓታት ኢኻ ኣብ ግምት ከተእቱ ዘሎካ፧

6. ኪምርዓዉ ዝሓሰቡ ወድን ጓልን ሕጋዊ ብቕዓታት ኬማልኡ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

6 ሕጋዊ ብቕዓታት ኣማልእ። (ሮሜ 13:1, 2) ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት፡ ሓደ ወድን ሓንቲ ጓልን ቅድሚ ምምርዓዎም ሕጋዊ ብቕዓታት ኬማልኡ ኣለዎም። ኣብቲ ዚነብሩሉ ዓዲ፡ እዚ ብቕዓታት እዚ እንታይ ምዃኑ ኺፈልጡ ኣለዎም። ነዚ ብኸመይ ከም እትገብሮ ሕቶታት እንተ ኣሎካ፡ ከይተሰከፍካ ኻብ ሽማግለታት ሓገዝ ሕተት።b

7. ኣብ መርዓ እንታይ ዓይነት ሃዋህው እዩ ኺህሉ ዚግባእ፧

7 ግቡእ ሃዋህው ፍጠር። (1 ቈረ. 10:31, 32) መንፈስ ዓለም ዘይኰነስ፡ ፍረ መንፈስ ኣምላኽ ዚርኣየሉ ሃዋህው ክትፈጥር ጽዓር። (ገላ. 5:19-26) ብመሰረት ቅዱሳት ጽሑፋት እቲ መርዓዊ ርእሲ እታ ስድራ ቤት ስለ ዚኸውን፡ ሓጐስን ክብርን ዘለዎ መርዓ ናይ ምድላው ሓላፍነት ኣለዎ። እሞ ደኣ ኸምኡ ንምግባር እንታይ ኪሕግዝ ይኽእል፧ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ መደረ መርዓ ብፍቕርን ብለውሃትን ብኣኽብሮትን ምስ ዚቐርብ፡ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ዝሰርዖ ስርዓት መውስቦ ዘሎና ኣኽብሮት ይዓዝዝ እዩ። ንርዝነት እቲ ኣጋጣሚ ስለ ዜጕልሕ ከኣ፡ ኵሎም እቶም ተኣከብቲ ኻብኡ ኺጥቀሙ ይኽእሉ እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ መብዛሕትኦም ተመራዓውቲ እንተ ተኻኢሉ መርዓኦም ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኪግበረሎም እዮም ዚደልዩ። ስለዚ፡ መርዓኻ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ክትገብር እንተ ደሊኻ፡ ነዚ ሕቶ እዚ ኣቐዲምካ ብጽሑፍ ናብ ኣካል ሽማግለታት ኣቕርቦ።

8. ኣብ ውራይ መርዓ ምዕሩግ ሃዋህው ምእንቲ ኺሰፍን እንታይ ኪሕግዝ ይኽእል፧ (ሮሜ 13:13)

8 ሮሜ 13:13 ኣንብብ። ድግስ ወይ ውራይ ክትገብር እንተ ወሲንካ፡ መንፈስ ዓለም ምእንቲ ኸየንጸባርቕ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ እታ “ፈንጠዝያ” ወይ “ቀይዲ በተኽ ድግስ” (እ.ጽ.) ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ ንምብዛሕ መስተን ክሳዕ ለይቲ ንዚቕጽል ሙዚቃን ተመልክት። ኣልኮላዊ መስተ ኸተቕርብ እንተ ወሲንካ፡ ዋላ ሓደ ሰብ መስተ ምእንቲ ኸየብዝሕ ግቡእ ጥንቃቐታት ግበር።c ኣብቲ ውራይ ሙዚቃ እንተ ኣልዩ፡ መጠን እቲ ደሃይ ኣመና ዓው ካብ ምባሉ እተላዕለ፡ ንኣጋይሽካ ኸየዕልሉ ዚዓግቶም ኪኸውን የብሉን። ዋላ ሓደ ሰብ ምእንቲ ኸይዕንቀፍ እውን ዓይነት እቲ ሙዚቃን ግጥሙን ተጠንቂቕካ ሕረ።

9. ኣብ ውራይ መርዓ ብዛዕባ ዚዝረብ ቃላት ወይ ብዛዕባ ካልእ መዘናግዒ እንታይ እዩ ኣብ ግምት ኪኣቱ ዘለዎ፧

9 ኣብ ገሊኡ ዓድታት ኣብ ዚግበር ውራይ መርዓ፡ ናይቶም መርዑት ቤተ ሰብን ፈተውትን ተንሲኦም ይዛረቡ እዮም። ኣብ ገሊኡ መርዓታት ድማ ቪድዮታት ወይ ስእልታት ናይቶም ተመራዓውቲ ይርአ ወይ ካልእ ዓይነት መዘናግዒ ይግበር እዩ። ኰይኑ ግና፡ እቲ ዚቐርብ ነገራት ሃናጺ ኪኸውን ኣለዎ። (ፊል. 4:8) ስለዚ፡ ‘እዝስ ንኻልኦት ኣኽብሮት ዜርኢ ድዩ፧ ነቲ ስርዓት መውስቦኸ ኽብሪ ዚህብ ድዩ፧’ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ‘ንየሆዋኸ የኽብሮ ድዩ፧’ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት። እተወሰነ ዋዛ ግቡእ እኳ እንተ ዀነ፡ ንጾታዊ ነገራት ዚእምት ዘረባ፡ ወይ ካልእ ዓይነት ዘይግቡእ ዘረባ ኺዝረብ የብሉን። (ኤፌ. 5:3) እቶም ሒደት ቃላት ዚዛረቡ ቤተ ሰብካን ፈተውትኻን ንድሌትካ ኸም እተረድኡልካን ከም ዜኽብሩልካን ኣረጋግጽ።

10. ተመራዓውቲ ብዛዕባ መርዓኦም መደብ ኪገብሩ ኸለዉ፡ ስለምንታይ እዮም ትሑታት ኪዀኑ ዘለዎም፧ (1 ዮሃንስ 2:15-17)

10 ትሑት ኩን። (1 ዮሃንስ 2:15-17 ኣንብብ።) ኣምለኽቲ የሆዋ ናብ ገዛእ ርእሶም ዘይግቡእ ኣትኵሮ ኣብ ክንዲ ምስሓብ፡ ንዕኡ ኽብሪ ኺህብዎ ኸለዉ፡ ንሱ በዚ ባህ ይብሎ እዩ። ስለዚ፡ ትሑታት ክርስትያናት እምብዛ ብዙሕ ገንዘብ ኣይዘርዉን፡ ወይ ‘ርኣዩለይ ኣይብሉን’ እዮም። እሞ ደኣ መርዓኻ ቐሊል እንተ ዀይኑ፡ ብኸመይ ኢኻ እትጥቀም፧ ማይክ ዝስሙ ኣብ ኖርወይ ዚነብር ሓው ቀሊል መርዓ እዩ ገይሩ። ንሱ ኸምዚ ይብል፦ “ኣብ ዕዳን ዕንዲዳን ስለ ዘይኣተና፡ ፈለምቲ ዄንና ኽንቅጽል ክኢልና። መርዓና ቐሊል እኳ እንተ ነበረ፡ ጽቡቕን ዘይርሳዕን እዩ ነይሩ።” ኣብ ህንዲ እትነብር ታቢታ ዝስማ ሓብቲ እውን ከምዚ ትብል፦ “ካብ ብዙሕ ጭንቀት ኢና ተሰቲርና። መርዓና ቐሊል ስለ ዝነበረ፡ ብዙሕ መደባት ክንገብር ኣየድለየናን፡ ብዙሕ ዜጋጩ ነገራት እውን ኣይነበሮን።”

ስእልታት፦ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ እተፈላለየ ዅርናዓት ዓለም ኣብ ዚግበር ክርስትያናዊ መርዓታት ዜሐጕስ እዋን የሕልፉ። 1. ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ፡ መርዓውን መርዓትን ኣብ ቅድሚ ሓደ ሓው ኮፍ ኢሎም ነቲ ዚቐርበሎም መደረ መርዓ ይሰምዑ። 2. ኣብ ግዳም ኣብ ዚግበር ውራይ መርዓ፡ ሓደ ሰብኣይን ሓንቲ ሰበይትን ነቶም ተመራዓውቲ እንቋዕ ሓጐሰኩም ይብልዎም። 3. መርዓውን መርዓትን ኣጋይሾምን ካብቲ ዝቐረበ ቡፈ ምግቢ የልዕሉ። 4. ኣብ ግዳም ኣብ እተገብረ መደረ መርዓ፡ መርዓውን መርዓትን ኣብ ቅድሚ እቲ መደረ ዜቕርብ ሓው ደው ይብሉ።

ኣብ ዝነበርና ንንበር፡ ትሕትና ዜርእን ውቁብን ዘይርሳዕን ክርስትያናዊ መርዓ ኽንገብር ንኽእል ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 10-11 ርአ)


11. መርዓውን መርዓትን ብኣከዳድናኦምን ብኣመለኻኽዓኦምን ትሕትና ኼርእዩ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ (ስእልታት እውን ርአ።)

11 እንታይ ከም እትኽደንከ ወሲንካዶ፧ መሸም ብሉጽ ክዳን ክትክደን ከም እትደሊ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ እኳ መርዓውን መርዓትን ንኣከዳድናኦም ፍሉይ ቈላሕታ ይገብሩሉ ነይሮም እዮም። (ኢሳ. 61:10) ልክዕ እዩ፡ እቲ ንመርዓኻ እትኽደኖ ኽዳን ካብቲ ንኻልእ ኣጋጣሚ እትኽደኖ ኽዳን እተፈልየ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግና፡ ትሕትና ዜርኢ ኪኸውን ይግባእ። (1 ጢሞ. 2:9) ክዳን ወይ ካልእ ስጋዊ ነገራት ኣብ መርዓኻ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ነገር ኪኸውን የብሉን።—1 ጴጥ. 3:3, 4።

12. ተመራዓውቲ ነቲ ኣብ ከባቢኦም ልሙድ ዝዀነ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ልምድታት ኬርሕቕዎ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

12 ካብ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ልምድታት ርሓቕ። (ራእ. 18:4) ስርዓት ሰይጣን ንልምድታት መርዓ፡ ብኣረማውን ብመናፍስታውን ብማሪታውን ልምድታት በኪልዎ ኣሎ። የሆዋ ኸኣ ርኹስ ካብ ዘበለ ኽንርሕቕ ንጹር መጠንቀቕታ ሂቡና እዩ። (2 ቈረ. 6:14-17) ኣብ ዓድኹም ዜተሓታትት ባህሊ ወይ ልምዲ እንተሎ፡ ነዚ ኣብ መርዓኻ ቕድሚ ምእታውካ፡ ብዛዕባ መበቈሉን ብዛዕባ እቲ ምስኡ ዚተኣሳሰር ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስን ሕሰብ።

13. ተመራዓውቲ ብዛዕባ ህያብ ከም ናይ የሆዋ ዓይነት ኣረኣእያ ኺሕዙ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

13 ኣብ ባህልኹም ንተመራዓውቲ ህያብ ናይ ምሃብ ልምዲ ኣሎዶ፧ ገሊኦም ዚህብዎ ህያብ ብምኽንያት ዓቕሞም ኪጽሎ ይኽእል እዩ። ልክዕ እዩ፡ ክርስትያናት ህያብ ኪህቡ ይተባብዑ እዮም፣ ከምኡ ምግባር እውን የሐጕሶም እዩ። (ምሳ. 11:25፣ ግብ. 20:35) ኰይኑ ግና፡ ንኣጋይሽና ህያብ ሒዞም ኪመጹ ግዴታ ኸም ዘለዎም ኰይኑ ኺስምዖም ኣይንደልን ኢና፣ ወይ ከኣ ብዓቕሞም ሒዞምዎ ዝመጹ ንእሽቶ ህያብ፡ ዋጋ ኸም ዘይብሉ ዀይኑ ኺስምዖም ኣይንደልን ኢና። ብዛዕባ ህያብ ከም ናይ የሆዋ ዓይነት ኣረኣእያ ኢና ኽንሕዝ እንደሊ። ከከም ዓቕሞምን ካብ ልብን ኪህቡ ኢና እንደልዮም።—2 ቈረ. 9:7።

ካብ ብድሆታት ብኸመይ ተምልጥ፧ ንብድሆታትከ ብኸመይ ትሰግሮ፧

14. ገሊኦም ተመራዓውቲ እንታይ ብድሆታት እዩ ዜጋጥሞም፧

14 ንየሆዋ ዜኽብር መርዓ ንምግባር መደብ ከተውጽእ ከለኻ፡ ብድሆታት ኬጋጥመካ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ቀሊል መርዓ ምግባር ኣጸጋሚ ኪዀነካ ይኽእል እዩ። ኣብ ደሴታት ሰሎሞን ዚነብር ቻርሊ፡ “ናብቲ ውራይና ንመን ከም እንዕድም ምውሳን ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ ነይሩ። ብዙሓት ፈተውቲ ኣለዉና፣ ኣብ ባህልና ኸኣ ኵሉ ኺዕደም እዩ ትጽቢት ዚገብር” ይብል። እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ታቢታ ድማ፡ “ኣብ ዓድና ዓብዪ ውራይ ልሙድ እዩ። ወለደይ ኣስታት 100 ሰብ ጥራይ ክንዕድም ዚብልዎ ሓሳብ ምቕባሉ ግዜ ወሲዱሎም እዩ” ትብል። ኣብ ህንዲ እትነብር ሴራ ኸኣ፡ “ገሊኦም ሰባት ንማሕበራዊ ደረጃ ዓብዪ ዋጋ እዮም ዚህብዎ። ኣዝማደይ ዓብዪ መርዓ እየን ገይረን፡ ኣነ እውን ዝዓበየ መርዓ ንምግባር እተወሰነ ጸቕጢ ተሰሚዑኒ ነይሩ” ትብል። እሞ ደኣ ነዚ ዀነ ንኻልእ ብድሆታት ንምስጋር እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧

15. ብዛዕባ መርዓ መደብ ኪግበር ከሎ፡ ጸሎት ኣገዳሲ ኽፋል ኪኸውን ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

15 ብዛዕባ መርዓኻ እትገብሮ መደብ፡ ክፍሊ ጸሎትካ ግበሮ። ንየሆዋ ብዛዕባ እቲ ዜጋጥመካ ዘሎ ወይ ብዛዕባ እቲ ዚስምዓካ ዘሎ ነገር ብጸሎት ክትነግሮ ትኽእል ኢኻ። (ፊል. 4:6, 7) ጽቡቕ ውሳነ ምእንቲ ኽትገብር፡ ክትጭነቕ ከለኻ ምእንቲ ኽትሃድእ፡ ትብዓት ኬድልየካ ኸሎ ድማ ምእንቲ ኽትተብዕ፡ ካብኡ ሓገዝ ክትልምን ትኽእል ኢኻ። (1 ጴጥ. 5:7) ደገፉ ምስ ረኣኻ ኸኣ፡ ኣብኡ ዘሎካ እምንቶ ኺዓቢ እዩ። እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ታቢታ ኸምዚ ትብል፦ “ኣነን ሕጹየይን ኣብ መንጎ ሓድሕድናን ምስ ስድራ ቤትናን ዘይምርድዳኣት ምእንቲ ኸይፍጠር ተጨኒቕና ኔርና። ስለዚ፡ ብዛዕባ መደባት መርዓና ኽንመያየጥ ከለና፡ ኵሉ ሳዕ ብጸሎት ኢና እንጅምር ኔርና። በዚ ኸምዚ፡ ብሓቂ ሓገዝ የሆዋ ርኢና ኢና፣ ሰላማዊ ሃዋህው እውን ኪሰፍን ክኢሉ።”

16-17. ብዛዕባ መርዓ መደብ ኪግበር ከሎ፡ ጽቡቕ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምርድዳእ ክእለት ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

16 ብንጹርን ብሜላን ሓሳብካ ግለጽ። (ምሳ. 15:22) ተመራዓውቲ ብዛዕባ መርዓኦም ብዙሕ ውሳነታት ኪገብሩ ኣለዎም። እዚ ድማ ዕለት መርዓኦምን ባጀቶምን ዝርዝር ዕዱማቶምን ብዙሕ ካልእ ነገራትን የጠቓልል። ስለዚ፡ ውሳነ ቕድሚ ምግባርካ፡ ምስ መጻምድትኻ ብሓደ ዄንኩም ኣማራጺታትኩም መርምሩ። ብዛዕባ እቲ ኽትትግብርዎ እትኽእሉ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስን ካብ ብሱላትን ምኩራትን ክርስትያናት ብዛዕባ እትረኽብዎ ማዕዳን እውን ተመያየጡ። ብሕታዊ ምርጫኻ ኽትገልጽ ከለኻ፡ ለዋህን ለባምን ተዓጻጻፍን ኩን። ናይ ቀረባ ኣባላት ቤተ ሰብካ፡ ንበል ወለድኻ ዚደልይዎ ነገር እንተ ኣልዩ፡ ድሌቶም ከተኽብረሎም ጽዓር። እቲ ውራይ ንዓታቶም እውን ፍሉይ ኣጋጣሚ እዩ። ከምቲ ዝበልዎ ኽትገብር እንተ ዘይክኢልካ፡ ምኽንያትካ ብሜላ ግለጸሎም። (ቈሎ. 4:6) ቀንዲ ዕላማኻ ንየሆዋ ዜኽብር ዜሐጕስ መርዓ ምዃኑ ንኣባላት ስድራ ቤትካ ብንጹር ሓብሮም።

17 ወለድኻ ኣብ ሓቂ እንተ ዘየልዮም፡ ምርጫታትካ ንዓታቶም ምግላጽ ኪኸብደካ ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግና፡ ክትዕወት ትኽእል ኢኻ። ኣብ ህንዲ ዚነብር ሳንቶሽ ዝስሙ ሓው ከምዚ ይብል፦ “ቤተ ሰብና ኣብ መርዓና እተፈላለየ ጽምብላት ህንዲ ኺግበር ደልዮም። ኣነን ሕጽይተይን ውሳነታትና ንምግላጽ ነዊሕ ግዜ እዩ ወሲዱልና። ንየሆዋ ዜጕሂ ኣብ ዘይኰነሉ መዳያት፡ እተወሰነ ምትዕርራይ ጌርና። ንኣብነት፡ ኣብ ውራይና ዚቐርብ ምግቢ ንዓታቶም ባህ ዜብሎም ኪኸውን ገዲፍናሎም። ደርፍን ሳዕስዒትን ስለ ዘይለመዱ ድማ፡ ነዚ ኽንሓድጎ ወሲንና።”

18. መርዓኻ ብዘይ ጸገም ምእንቲ ኺሓልፍ እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧ (1 ቈረንቶስ 14:40) (ስእሊ እውን ርአ።)

18 ተጠንቂቕካ መደብ ግበር። ጽቡቕ መደብ እንተ ሓንጺጽካ፡ ኣብ መዓልቲ መርዓኻ ብዙሕ ውጥረት ኣይኪህልወካን እዩ። (1 ቈረንቶስ 14:40 ኣንብብ።) ኣብ ታይዋን ዚነብር ወይን ከምዚ ይብል፦ “ንመርዓና ሒደት መዓልትታት ምስ ተረፎ፡ ነቶም ኪሕግዙና ፍቓደኛታት ዝዀኑ ንእሽቶ ኣኼባ ጌርናሎም ኔርና። ኣብኡ ድማ ብዛዕባ መደባትና ተመያይጥና፡ መርዓና ብዘይ ጸገም ምእንቲ ኺሓልፍ እውን እተወሰነ ልምምድ ጌርና።” ብዘይካዚ፡ ንኣጋይሽካ ምእንቲ ኸተኽብሮም፡ ሰዓትካ ንምሕላው ዚከኣለካ ግበር።

ንመርዓ ዚዳለዉ ዘለዉ ተመራዓውቲ ምስቶም ዚሕግዝዎም ፈተውቶም ብዛዕባ መርዓኦም ይመያየጡ። እቲ ሓው ኣብቲ ውራይ መርዓ ብዛዕባ እተሓስበ ኣቀማምጣ ዕዱማት ካብ ታብለት የርእዮም።

ቅድሚ መርዓ ጽቡቕ መደብ እንተ ተገይሩ፡ እቲ መርዓ ብዘይ ጸገም ኪሓልፍ ይኽእል (ሕጡብ ጽሑፍ 18 ርአ)


19. ንውራይ መርዓኻ ምእንቲ ኽትቈጻጸሮ እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧

19 ኣርሒቕካ ብምሕሳብ ካብ ብዙሕ ጸገማት ብኣጋኡ ኸተምልጥ ትኽእል ኢኻ። (ምሳ. 22:3) ንኣብነት፡ ኣጋይሽ ከይተዓደሙ ናብ ውራይ ኣብ ዚመጹሉ ዓዲ ትነብር እንተ ኣሊኻ፡ ከምኡ ምእንቲ ኸይከውን እንታይ ክትገብር ከም እትኽእል ሕሰብ። ኣብ ሓቂ ንዘየለዉ ቤተ ሰብካ እንታይ ኪጽበዩ ኸም ዚኽእሉ፡ ከምኡ ድማ ብዛዕባ ገሊኡ ልምድታት መርዓ ዘሎካ ኣረኣእያ ኣፍልጦም። ናብታ ኣብ jw.org እትርከብ፡ “ኣብ መርዓ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ እዩ ዚግበር፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ክትሕብሮም ትኽእል ኢኻ። ኣብ ውራይካ ዚግበር ነገር ምእንቲ ኽትቈጻጸሮ ድማ ንሓደ ብሱል ሓው፡ “ኣቦ ዳስ” ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ። (ዮሃ. 2:8) ብዛዕባ መርዓኻ ንዝሓንጸጽካዮ መደባት ብንጹር እንተ ሓቢርካዮ፡ መርዓኻ ምዕሩግን ከምቲ ዝመደብካዮን ምእንቲ ኪዀነልካ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ።

20. ተመራዓውቲ ብዛዕባ መርዓኦም እንታይ እዮም ኪዝክሩ ዘለዎም፧

20 ብዛዕባ እቲ ዅሉ ኣብ መርዓ መደብ ኪግበረሉ ዜድሊ ነገራት ክትሓስብ ከለኻ፡ ቍሩብ ውጥረት ኪስምዓካ ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግና፡ መዓልቲ መርዓኻ ሓንቲ መዓልቲ ጥራይ ምዃና ኣይትረስዕ። ኣብቲ ኸም ኣገልገልቲ የሆዋ መጠን እትጅምርዎ ጽቡቕ ሓዳር፡ ቀዳመይቲ መዓልቲ ጥራይ እያ። መርዓኻ ቐሊልን ምዕሩግን ምእንቲ ኪኸውን ዚከኣለካ ግበር። ብየሆዋ ተኣመን። ብሓገዙ ኸኣ ጽቡቕ ተዘክሮ ዚሓድገልካን ዘየጣዕሰካን መርዓ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ።—መዝ. 37:3, 4።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

  • ተመራዓውቲ ኣብ መዓልቲ መርዓኦም ንየሆዋ ኬኽብርዎ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

  • ተመራዓውቲ ኣብ መዓልቲ መርዓኦም ጽቡቕን ምዕሩግን ሃዋህው ንምፍጣር እንታይ ኪሕግዞም ይኽእል፧

  • ተመራዓውቲ ንመርዓኦም ቀሊል ምስ ዚገብርዎ፡ ብኸመይ ኪጥቀሙ ይኽእሉ፧

መዝሙር 107 ፍቕሪ ኣምላኽ

a መግለጺ ቓላት፦ ኣብ ብዙሕ ባህልታት፡ መርዓ ኺብሃል ከሎ፡ ተመራዓውቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቃል ኪዳን ዚኣስሩሉ ስነ ስርዓት እዩ። ነዚ ስዒቡ ኸኣ፡ ድግስ ወይ ውራይ ኪግበር ይከኣል እዩ። ወግዓዊ ስነ ስርዓት መርዓ ወይ ውራይ መርዓ ኣብ ዘይግበረሉ ባህልታት ዘለዉ ተመራዓውቲ፡ ካብቲ ብዛዕባ መዓልቲ መርዓ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስርዓታት ኪጥቀሙ ይኽእሉ እዮም።

b ክርስትያናት ኣብ መርዓ ኼማልእዎ ብዛዕባ ዚግባእ ሕጋዊ ብቕዓታት ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ናይ 15 ጥቅምቲ 2006 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ክቡር ዝዀነ መርዓ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

c ኣብ jw.org እትርከብ ኣልኮላዊ መስተ ከቕርብዶ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ