ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w97 15/4 ገጽ 23-26
  • ንየሆዋ ዘኽብር መርዓ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንየሆዋ ዘኽብር መርዓ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መዓልቲ መርዓኻ ብዝያዳ ባህ እተብልን ምዕርግትን ግበራ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • የሆዋ ዝኸብረሉ ዘሐጕስ መርዓ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ንየሆዋ ዜኽብር መርዓ ብኸመይ ክትገብር ትኽእል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • እምነትካ ብኣነባብራኻ ኣርኢ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
w97 15/4 ገጽ 23-26

ንየሆዋ ዘኽብር መርዓ

እዚ ዝስዕብ ንክርስትያናዊ መርዓ ዝምልከት ዓንቀጽ: ነቶም ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑ ሰባት ሓጋዚ መምርሒ ንምሃብ ብቛንቋ ኣምሓርኛ ተዳልዩ ዝነበረ ኢዩ። ካብቲ ንስኻ እትነብረሉ ቦታ ዘሎ እተፈልየ ክኸውን ዝኽእል ናይቲ ከባቢ ልምድታትን ተግባራትን ዝምልከት ትሕዝቶ ኢዩ ዘለዎ። እቲ ዘለዎ ፍልልይ ኣዝዩ ዘግርም ኰይኑ ክትረኽቦ ትኽእል ትኸውን። ናይቲ ከባቢኻ ናይ መርዓ ልምዲ እትፈልየ እኳ እንተዀነ እዚ ዓንቀጽ እዚ ኣብ ተግባር ክውዕል ዝኽእል ኰይኑ እትረኽቦ ሚዛናዊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽሪ ዝሓዘ ኢዩ።

“ሓጐስ ዘምጽእ ክርስትያናዊ መርዓ:” ኣብ ናይ 15 ሚያዝያ 1984 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ኣርእስቲ ናይ ሓንቲ ጽብቕቲ ናይ መጽናዕቲ ዓንቀጽ ኢዩ ነይሩ። ኣብታ ሕታም እቲኣ: እታ ኻልኣይቲ ናይ መጽናዕቲ ዓንቀጽ “ካብ ናይ መርዓ ድግሳት ሚዛናዊ ሓጐስ ርኸብ” ዝብል ኣርእስቲ ነበራ። (መርዓ ንዝሓስብ ዝዀነ ይኹን ሰብ ዝኸውን ተወሳኺ ጥበባዊ ምኽሪ ኣብተን ንናብራ ስድራቤትካ ሕጕስ ምግባር [ምዕራፍ 2] ከምኡውን ንእስነትካ​—⁠ብዝበለጸ ተጠቐመሉ [እንግሊዝኛ: ምዕራፍ 19 ከምኡውን 20] ዝብላ መጻሕፍትና ኣሎ።)a እተን ዓንቀጻት እቲኣተን ካብ ዝወጻ ንነጀው ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኖም ኢዮም: ስለዚ ኸኣ ኢና ካብዘን ዓንቀጻት እዚኣተን ብፍላይ ኣብ ከባቢና ክውዕል ዝኽእል ገለ ነጥብታት: ከምኡውን ነቲ ጀማሪ ናይ መርዓ ዝዀነ የሆዋ ዘኽብር ናይ መርዓ ኣጋጣሚ ንኸነሕልፍ ዝሕግዝ ካልእ ዝሰማማዕ ነጥብታት ክንመያየጠሎም እንደሊ።

መርዓ መዓስ ኢዩ ክግበር ዝግብኦ፧ ዝብል ሕቶ ብቐዳምነት ክሕሰበሉ ዝግባእ ኢዩ። እቲ ዕለት በቲ ባህላዊ ናይቲ ከባቢ ወርሓት መርዓ ክጽሎዶ ይግባእ፧ ኣብ ዝዀነ ይኹን ግዜ ናይታ ዓመት እተገብረ ዝዀነ መርዓ ዕዉት ኣይከውንን ኢዩ ዝብል እምነት ኣብ ከባቢና ኣሎ። እዚ መሰረት ዘይብሉ ማሪት ኢዩ: ከመይሲ እቶም ንየሆዋ ብሓጐስን ሕብረትን ዘገልግልዎ ዘለዉ ብዙሓት ምርዑዋት ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ባህላዊ እዋን እተመርዓዉ ኣይኰኑን። ኣብ ጽቡቕ ወይ ሕማቕ ዕድል ኣይንኣምንን ኢና። (ኢሳይያስ 65:⁠11፣ ቈሎሴ 2:⁠8) ዕለት መርዓ ብመሰረት እቲ ማሪታት ናይ ዘይኣምኑ ኣዝማድ ንውስን እንተድኣ ኴንና: ነቲ ኣብ መንጎ ሓቅን ሓሶትን ዘሎ ፍልልይ ክርእዩ ክንሕግዞም ኣይንኽእልን ኢና። እቲ ሓቂ: ክርስትያናት ኣብ ዝዀነ ወርሒ ክምርዓዉ ይኽእሉ ኢዮም ዝብል ኢዩ።

ድሕሪ እቲ ኣድላዪ ዝዀነ ስቪላዊ ስነ⁠-​ስርዓት ናይ መርዓ ዝርርብ ምስ ዝዳሎ: ኣብ መንጎ እቶም ክልተ ፍጻመታት ናይ ብዙሕ መዓልታት ፍልልይ ክህሉ ጥበባዊ ኣይኰነን። እቶም መርዑት ናይ መርዓ ዝርርብ ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ክዋሃብ ዝደልዩ እንተድኣ ኰይኖም: ነቲ ኣደራሽ ምእንቲ ክጥቀምሉ ንምሕታት ኣቐዲሞም ናብ ናይ ጉባኤ ሽማግለታት ክቐርቡ ይግብኦም። እቶም ናይቲ ከባቢ ሽማግለታት ከኣ ነቲ ምድላዋት ናይቲ ስነ⁠-​ስርዓት ጽሩይ ሕልና ክህልዎም ዝገብር ከም ዝዀነ ከረጋግጹ ኢዮም። ምስ ዝዀነ ናይ ጉባኤ ንጥፈት ምእንቲ ከይጋጮ እቲ ግዜ ክውሰን ኣለዎ። እቲ ናይ መርዓ ዝርርብ ክህብ እተመዘዘ ሓው ድማ: ሓጋዚ ምኽሪ ንኽህብን ነቲ መርዓ ዝዕንቅፍ ስነ⁠-​ምግባራዊ ወይ ሕጋዊ ዕንቅፋታት ከይህሉ ከምኡውን ምስቲ ክኽተሎ ዘለዎ ውጥን ናይ ዝዀነ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ምስምምዑ ንኸረጋግጽ ኣቐዲሙ ምስቶም ሕጹያት ክራኸብ ኢዩ። እቲ ናይ መርዓ ዝርርብ ናይ ፍርቂ ሰዓት ኰይኑ ነቲ መንፈሳዊ መዳይ ብምጕላሕ ክብሪ ብዘለዎ ኣገባብ ዝዋሃብ ክኸውን ይግባእ። ብርግጽ ናይ መርዓ ዝርርብ ካብቲ ስዒቡ ክህሉ ዝኽእል ዝዀነ ይኹን ድግስ ንላዕሊ ኣድላዪ ኢዩ።

ክርስትያናዊ መርዓ: ‘ካብ ዓለም ዘይምዃንና’ እነርእየሉ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኢዩ። (ዮሃንስ 17:⁠14፣ ያእቆብ 1:⁠27) ስርዓታውያን ምዃንና ክረአ ይግባእ። እዚ ኸኣ ኣብ ክንዲ ሰባት እነጸቢ ምናልባትውን ናይ ጉባኤ ንጥፈታት እነደናጒ: ግዜ ክንሕሉ ኣሎና ማለት ክኸውን ይኽእል። ነዚ ብፍላይ መርዓት​—⁠ዓለማውያን ኣዝማድ ተደላይነታ ንምርኣይ ክትድንጒ ክመኽራኣ ስለ ዝኽእላ⁠—​ኣርዚና ክትርእዮ ዘለዋ ነገር ኢዩ። ሓንቲ ብስልቲ ክርስትያን ሓብቲ ከም ትሕትና ከምኡውን ሓልዮት ዝኣመሰለ መንፈሳዊ ባህርያት ንዓኣ ኣገዳሲ ከም ዝዀነ ቈጸራ ብምኽባር ከተርኢ ትኽእል ኢያ! ብተወሳኺ: ሰኣላይ ነቲ ኣጋጣሚ ክስእል ምስ ዝዕደም ስርዓት ዝሕሉ ክኸውን ኣድላዪ ኢዩ። እቲ ሰኣላይ ጁባ: ክራባት: ከምኡውን ወግዓዊ ስረ ገይሩ ንኽመጽእን ዝርርብ እናተዋህበ ከሎ ኸኣ ከየመናጕን ክንነግሮ ሰናይ ኢዩ። ጸሎት ክግበር ከሎ ምስኣል ኣይግባእን ኢዩ። ስርዓታውያን ምዃንና ንየሆዋ ከኽብርን ጽቡቕ ምስክርነት ክህብን ኢዩ። ምስቶም ነቲ ናይ ሓቂ ትርጕም ናይቲ ኣጋጣሚ ዝስሕቱ ዓለማዊ ናይ መርዓ ልምድታት ክትሰማማዕ ምፍታን ኣይድልን ኢዩ።

ድግስ ንዕዉት መርዓ ዘድሊ ብቕዓት ኣይኰነን: ንኸምዚ ዝበለ ሕጕስ ኣጋጣሚ ዝጻረር ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓሳባት ግን የለን። ይኹን እምበር: ንሓቀኛታት ክርስትያናት ከምዚ ዝበለ ምትእኽኻብ ካብቲ መጠኑ ዝሓለፈ ርኣዩለይ: ብዙሕ ምስታይ: ካብ ልክዕ ንላዕሊ ምብላዕ: ዘይንቡር ሙዚቃ: ናብ ጽዩፍ ተግባራት ዝዕድም ሳዕስዒት: ባእሲውን ከይተረፈ ዘለዎ ዓለማዊ ድግሳት እተፈልየ ክኸውን ይግባእ። መጽሓፍ ቅዱስ ን“ቀይዲ በተኽ ድግስ” ምስ ግብሪ ስጋ ኢዩ ዝምድቦ። (ገላትያ 5:⁠21 NW ) እቲ ውራይ ገፊሕ ምስ ዘይከውን ግቡእ ቍጽጽር ንምግባር ዝቐለለ ኢዩ። ናይቲ ከባቢ ልምድታት ንምዕጋብ ኢልካ ዳስ ምትካል ኣየድልን ኢዩ። ሓደ ሰብ ብምኽንያት ቦታ ወይ ኵነታት ኣየር: ዳስ ክገብር ይግብኦ ወይ ኣይግብኦን ምውሳን ናይ ብሕቱ ጕዳይ ኢዩ።

ናይ ኣጋይሽ ቍጽሪ ንምውሳን እቲ ዝበለጸ መገዲ: ንጹር ዕድመ ምጽሓፍ ምዃኑ ካብ ተመክሮ ተራ​­እዩ ኢዩ። ኣብ ክንዲ ምሉእ ጉባኤታት ውልቀ⁠-​ሰባት ምዕዳም ጥበባዊ ኢዩ: ከም ስርዓት ዘለና ክርስትያናት መጠን ከኣ ንኸምዚ ዝበለ ገደብ ከነኽብር ይግብኣና። ናይ ዕድመ ወረቐት: ሓደ ውጉድ ሰብ ኣብቲ ድግስ ብምምጽኡ ንዝስዕብ ሕፍረት ንምእላይ ይሕግዘና ኢዩ: ከመይሲ ከምዚ እንተድኣ ኣጋጢሙ ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ገዲፎሞ ንምኻድ ክመርጹ ይኽእሉ ኢዮም። (1 ቈረንቶስ 5:⁠9-⁠11) መርዑት ዘይኣመንቲ ኣዝማድ ወይ ዝፈልጥዎም ሰባት እንተድኣ ዓዲሞም: ‘ነቶም ኣመንቲ’ ዝዀኑ ዝያዳ ተገዳስነት ብምርኣይ ናይቶም ዘይኣመንቲ ቍጽሪ ውሑድ ከም ዝኸውን ኣየጠራጥርን ኢዩ። (ገላትያ 6:⁠10) ገለ ሰባት ንዘይኣመንቲ ኣዝማድ ወይ ንዝፈልጥዎም ዓለማውያን ኣብ ክንዲ ናብቲ ድግስ ናብቲ ናይ መርዓ ዝርርብ ክዕድምዎም መሪጾም ኢዮም። ስለምንታይ፧ ዓለማውያን ኣዝማድ ኣብ ናይ መርዓ ዕድመ ዘሕፍር ኵነታት ምስ ፈጠሩ: ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብኡ ክጸንሑ ከም ዘይክእሉ እተሰምዖም ጕዳያት ነይሮም ኢዮም። ገለ መርዑት ምስ ቀረባ ኣባላት ስድራቤትን ክርስትያናት ኣዕሩኽን ኰይኖም መኣዲ ጥራይ ኣዳልዮም ኢዮም።

ናይ መርዓ ድግስ ክህሉ እንተድኣ ዀይኑ: ምስ ዮሃንስ 2:⁠8, 9 ብምስምማዕ ‘ኣቦ ዳስ’ ምምራጽ ጠቓሚ ኢዩ። እቲ መርዓዊ: ስነ⁠-​ስርዓትን ክብ ዝበለ ኣገባብን ከም ዝሕሎ ዝገብር ሓደ እሙን ክርስትያን ክምዝዝ የድልዮ። ኣዕሩኽ ህያባት ከምጽኡ ከለዉ ኸኣ: ብዘይ “ርኣዩለይ” ክግበር ይግባእ። (1 ዮሃንስ 2:​16 NW) ሙዚቃ ብዘተሓታትት ደርፊ: ብርቱዕ ድምጺ: ወይ ዘይንቡር ዜማ ከይተመራሰሐ ዘሐጕስ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ብዙሓት ኣቐዲሞም ነቲ ደርፍታት ሓደ ሽማግለ ከም ዝሰምዖ ምግባር ዝበለጸ ኰይኑ ረኺቦምዎ ኢዮም። ብዙሓት ባህላዊ ሳዕስዒታት ካብ ሳዕስዒት ናይ ምፍራይ ዝመጹን ዘይግቡእ ጾታዊ ድልየት ዘንጸባርቑን ስለ ዝዀኑ: ሳዕስዒት መፈንጠራ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እቲ ናይ “ቶርታን ሻምፓኝን እዋን” ገለ ገለ ግዝያት ንዓለማውያን ቀይዲ በተኽ ምዃን ንኽጅምሩ ምልክት ኰይንዎም ኢዩ። ብርግጽ ብዙሓት ክርስትያን መርዑት: ኣብ መርዓ ዝዀነ ኣልኮላዊ መስተ ንኸይህሉ ወሲኖም ኢዮም: በዚ ኸምዚ ድማ ግድላት ይኣልዩ።

ንየሆዋ ከነኽብሮ ስለ እንደሊ: ናብ ገዛእ ርእስና መጠኑ ዝሓለፈ ትዅረት ከይንስሕብ ናይ ርኣዩለይ መንፈስ ከነወግድ ኣሎና። ዓለማዊ ጽሑፋት እውን ከይተረፈ ኣንጻር እዚ ብሰፊሑ ዝፍቶ መንፈስ ናይ ሓለፍ ዝበልካ ምዃን ተዛሪቦም ኢዮም። መርዑ ብሰንኪ ናይ ወጃዕ ጃዕ መርዓ ከሕልፉ ኢሎም ምልቅሖም: ነቲ ናይታ ሓንቲ መዓልቲ ወጻኢታት ክብሉ እተለቅሕዎ ንምኽፋል ከኣ ንዓመታት ብስእነት ክሳቐዩስ ኣየ ከመይ ዝበለ ዘይጥበባዊ ኰን ኢዩ! ብርግጽ: እቲ ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝግበር ዝዀነ ክዳን እውን ንሓደ ንኣምላኽ አኽብር ኢየ ዝብል ሰብ ዝበቅዕ ኰይኑ ስርዓት ዘለዎን ብግቡእ እተዳለወን ክኸውን ይግባእ። (1 ጢሞቴዎስ 2:⁠9, 10) እቲ “ክርስትያናዊ መርዓታት ምኽንያታውነት ከንጸባርቑ ይግባእ” (ናይ 15 ጥሪ 1969 ግምቢ ዘብዐኛ [እንግሊዝኛ]) ዝብል ናይ መጽናዕቲ ዓንቀጽ ብዛዕባ ክዳን ነዞም ስዒቦም ዘለዉ ርእይቶታት ሃበ:⁠-

“ናይ ሓደ ሰብ መርዓ ሓደ ፍሉይ ኣጋጣሚ ስለ ዝዀነ ሕጕስን ማራኽን ንምምሳል ብልምዲ ኣቓልቦ ይግበረሉ ኢዩ። ይኹን እምበር: እዚ ናይ ግድን ቬሎ ወይ ምሉእ ክዳን ክግበር ኣለዎ ማለት ኣይኰነን። ሓደ ሰብ ናይቲ ቦታ ቅዲ: ዋጋ ከምኡውን ብሕታዊ ድልየት ኣብ ግምት ከእቱ ጽቡቕ ኢዩ። . . . እንተዀነ ግን: ከምዚ ዝኣመሰለ ክቡር ክዳን ንምግዛእ ኢሎም ኣብ ገዛእ ርእሶም ወይ ካልኦት ናይ ገንዘብ ጸገም ከምጽኡስ ምኽንያታዊዶ ምዀነ፧ . . . ገለ መርዑት ቬሎ ናይ ፈታዊት መሓዛ ወይ ዘመድ ክጥቀማ ተሰማሚዐን ኢየን። ካልኦት ከኣ ናይ ገዛእ ርእሰን ናይ መርዓ ክዳን ብምስፋይ ዓሚቝ ዕግበት ረኺበን ኢየን: ምናልባት እዚ ምግባረን ንመጻኢ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታት ክጥቀማሉ ዝኽእላ ክዳን ንኽህልወን ኣኽኢሉወን ኢዩ። መርዑ በቲ ኣዝዩ ዝማርኽ ልሙድ ክዳኖም ክምርዓዉ እውን ምሉእ ብምሉእ ቅቡል ኢዩ። . . . ካልኦት ገፊሕ መርዓ ንምግባር ዓቕሚ ዘለዎም: ብምኽንያት እዚ ጽንኩር ግዝያት ‘ሓጺር መርዓ’ ከሕልፉ ብብሕቶም ይደልዩ ይዀኑ።”

ብተመሳሳሊ: እቲ ናይ መርዓ ምዕጃብውን (ኣዕሩኽን መሓዙትን) ገፊሕ ክኸውን ኣየድልን ኢዩ። ንሳቶምውን በከዳድንኦምን ምንቅስቓሳቶምን ናይ ካልኦት ኣቓልቦ ከም ዝስሕብ ክገብሩ ኣየድልዮምን ኢዩ። ሓደ ውጉድ ሰብ ኣብቲ ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ዝግበር ዝርርብ ክካፈል ክፍቀደሉ ዝከኣል እኳ እንተዀነ: እታ ናይ 15 ሚያዝያ 1984 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ከምዚ በለት:⁠- “እተወገዱ ወይ እቲ ነውራም ኣነባብርኦም ምስ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታት ዘይቃዶ ሰባት ኣብቲ ናይ መርዓ ምዕጃብ ክህልዉ ዘይሰማማዕ ኢዩ።”

ምንም እኳ የሱስ ናብ መርዓ እንተ ኸደ: ነቲ ብሰፊሑ ዝፍቶ ልምዲ ብዙሕ ድምጺ እናገበርካ ብማካይን ከተማ ምዛር ምደገፎ ነይሩ ኢልና ክንግምት ኣይንኽእልን ኢና፣ ፖሊስውን ከይተረፈ ኣብ ናይ መርዓ ዓጀባ ጥሩምባ ስለ ዝነፍሑ ንመራሕቲ ማካይን ቀጺዖም ኢዮም። (ማቴዎስ 22:⁠21 ርአ።) ንምጥቕላል እምበኣር: ክርስትያናት ናይ ርኣዩለይ መንፈስ ወይ ንልሙድ ተግባራት ናይ ኣህዛብ ኣብ ክንዲ ዝቐድሑ: ነታ ምስ ትሑታት ዘላ ጥበብ ከንጸባርቑ ይግባእ።​—⁠ምሳሌ 11:⁠2

ኣብ መርዓ ናይ ጐረባብቲ: ዓለማውያን መሳርሕቲ: ወይ ኣብ ናይ ርሕቕ ዝበሉ ኣዝማድን እንፈልጦም ሰባትን ምክፋልከ እንታይ ክበሃል ይከኣል፧ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ብብሕቱ ክውስን ኣለዎ። ንኣገልግሎት: ንናይ ብሕቲ መጽናዕቲ: ከምኡውን ንኻልእ ናይ ስድራቤትን ጉባኤን ዕማማት ግዜ ስለ ዘድልየና: ግዜና ክቡር ምዃኑ ኣብ ኣእምሮ ክተሓዝ ጽቡቕ ኢዩ። (ኤፌሶን 5:⁠15, 16) ኣብ ቀዳመ ሰናብቲ ክሓልፉና ዘይንደልዮም ኣኼባታትን ግራት ኣገልግሎትን ኣለዉ። (እብራውያን 10:⁠24, 25) ብግዜ ዝመጸ ብዙሕ መርዓታት ምስ ኣሰምብሊታት ወይ ምስ ድራር ጐይታ ዝተሓሓዝ ፍሉይ ናይ ኣገልግሎት ጻዕሪ ምስ ዝግበረሉ ግዜ ይጋጮ ኢዩ። ከምቲ ኣብ ዙርያ ዓለም ዘለዉ ኣሕዋትና ድራር ጐይታ ንምክፋል ዝገብርዎ ዘለዉ ፍሉይ ጻዕርታት ካብ ምግባር ክንተሓናዀል ንገዛእ ርእስና ክንፈቕደላ ኣይግብኣናን። ቅድሚ ናብ ፍልጠት ሓቂ ምምጻእና: ምስ ዓለማውያን ሰባት ምናልባት ንኣምላኽ ኣብ ዘየኽብር ኵነታት ብዙሕ ግዜ ኣሕሊፍና ኢና። (1 ጴጥሮስ 4:⁠3, 4) ሕጂ ግን እቶም ቀዳምነት እንህቦም ነገራት እተፈልዩ ኢዮም። ኵሉ ግዜ: ንዓለማውያን መርዑ ናይ ሓጐስካ መግለጺ ካርድ ክትልእከሎም ወይ ኣብ ካልእ መዓልቲ ሓጺር ምብጻሕ ክትገብረሎም ይከኣል ኢዩ። ገለ ሰባት ንሓደስቲ መርዑ ዝሰማማዕ ገለ ጥቕስታት ብምንባብ ንኸምዚ ዝበሉ ኣጋጣሚታት ምስክርነት ንምሃብ ተጠቒሞምሎም ኢዮም።

ሓደ መርዓ እቲ መንፈሳዊ መዳያቱ ካብቲ ዓለማዊ መገድታቱ ዝዕብልል እንተድኣ ኰይኑ ብሓቂ ንየሆዋ ከኽብር ኢዩ። ክርስትያናት: ካብዛ ማሪታትን መጠኑ ዝሓለፈ ነገራትን ዘለዋ ዓለም ምፍላዮም ብምርግጋጽ: ንቡር ንጥፈታትና ንኸተሓናዅለና ብዘይ ምፍቃድ: ኣብ ክንዲ ናይ ርኣዩለይ መንፈስ ትሕትና ብምንጽብራቕ ነቲ ኣጋጣሚ ክሕጐስሉ ኢዮም። ብዘይካ እዚ: ነቲ ፍጻመ ብሰናይ ሕልናን ዘሐጕስ ትዝታታትን ክዝክርዎ ክኽእሉ ኢዮም። ጥበብን ምኽንያታውነትን ብምንጽብራቕ: ኵሉ ክርስትያናዊ መርዓታትና ቅኑዕ ልቢ ንዘለዎም ተዓዘብቲ ምስክርነት ዝህብ ይግበሮ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እትሓተመ

[ኣብ ገጽ 24, 25 ዘሎ ስእሊ]

ክርስትያናት ንነፍሲ ወከፍ ናይቲ ከባቢ ናይ መርዓ ልምዲ ምሉእ ብምሉእ ብምቕዳሕ ኣይስዕብዎን ኢዮም

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ