ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 4/95 ገጽ 3-4
  • ‘ብዕዮ ጐይታ ዕዙዝ ምዃን’

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ‘ብዕዮ ጐይታ ዕዙዝ ምዃን’
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዜና መንግስቲ ቍ. 35 ሰፊሕ ዝርጋሐ ከም እትረክብ ግበር
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
  • “ሓድሽ ሽሓዊ መዋእል —ኣብ መጻኢ እንታይ ኢዩ ዝጽበየካ ዘሎ፧”
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
  • ካብ 16 ጥቅምቲ ኽሳዕ 12 ሕዳር ዚካየድ ፍሉይ ወፈራ!
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
  • ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ‘ንሰናይ ግብሪ ቀናኣት’ ኩኑ!
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
km 4/95 ገጽ 3-4

‘ብዕዮ ጐይታ ዕዙዝ ምዃን’

1 ኣብ ሚያዝያን ግንቦትን ብቲኦክራቲካዊ ንጥፈታት ትሑዝ ዝኾነ መደባት ክህልወና ርግጸኛታት ኴንና ኢና እንጽበ ዘሎና! 14 ሚያዝያ ናይ ክርስቶስ ሞት ዝኽሪ ከነብዕል ኢና። ብዝከኣል መጠን ኣብዚ ኣገዳሲ ኣጋጣሚ ብዙሓት መሳርሕቲ: ዘይኣምኑ ኣዝማድ: መማህርቲ: ሓደስቲ ተገደስቲ ሰባት ከምኡውን መጽሓፍ ቅዱስ ዝማሃሩ ሰባት ክህልዉ ክተባብዑ ኣለዎም። ካብቶም ክዕደሙ ኣለዎም ዝበልካዮም ዋላ ሓደ እውን ይኹን ምእንቲ ከይተርፍ ናይ ኣስማት ዝርዝር ግበር።

2 ኣብታ እትቕጽል ሰሙን ንኹሎም እቶም ኣብቲ ዝኽሪ ዝተሳተፉ ነቲ ኣብ 23 ሚያዝያ ዝወሃብ “መወዳእታ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ቀሪቡ ኢዩ” ዘርእስቱ ፍሉይ ህዝባዊ ዝርርብ ክሰምዑ ከነተባብዖም ኢና። እቶም ነዚ ጋህዲ ዝኾነ መልእኽቲ ዝከታተሉ ብዙሓት ተገደስቲ ሰባት ኣብ ፍሉይ ኣጋጣሚ ጥራይ ዘይኰነስ ስርዓታዊ ኴንካ ምስታ ጉባኤ ምሕባር ኣድላይነቱ ክርድእዎ ትጽቢት ተገይሩሉ ኣሎ።

3 ፍሉይ ዜና ናይታ መንግስቲ ክወጽእ ኢዩ:- እቲ ናይ 23 ሚያዝያ ኣኼባ ዘጉልሖ ነታ ክሳዕ 14 ግንቦት ብሰፊሑ ክትዝርጋሕ ዘለዋ ኣርባዕተ ገጽ ዝሓዘት ዜና ናይታ መንግስቲ ቍጽሪ 34 ንምውጻእ ኢዩ። ኣብዚ ናይ ዝኽሪ ቅንያት ‘ብዕዮ ጐይታ ዕዙዛት እንኾነሉ’ ብዙሕ ከም ዝህሉ ኣይትሰማምዓሉንዶ?​—⁠1 ቈረ. 15:⁠58

4 ቀረብ ዜና ናይታ መንግስቲ ናብ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ክልኣኽ ኢዩ። እቲ ዜና ናይታ መንግስቲ ዝሓዘ ባኮታት ኣብ ስቱር ቦታ ክቕመጥ ኣለዎ: ከምኡውን ክሳዕ እቲ ናይ 23 ሚያዝያ መደብ ዝውዳእ ክኽፈት የብሉን። ኣብታ ግዜ እቲኣ እቲ ዜና ናይታ መንግስቲ ንኽዕደል ንኣሕዋትን ንህዝብን ክቕረብ ኢዩ። እቶም ኣብ 23 ሚያዝያ ዝግበር ናይ ጉባኤ ኣኼባታት: ናይ ወረዳ ኣሰምብሊታት ወይ ድማ ናይ መዓልቲ ፍሉይ ኣሰምብሊ ዝሳተፉ ኣብ መወዳእታ ናይቲ መደብ ምስቲ ትሕዝቶኣ ክላለዩን ንኽዝርግሕዋ ዕጡቓት ክኾኑ ምእንቲ ክኽእሉን ነፍሲ ወከፎም ሓንቲ ቅዳሕ ክቕበሉ ኢዮም።

5 ሽማግለታት ዕዙዛት ዝኾኑሉ ክህልዎም ኢዩ:- ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ እዚ እቶም ኣካል ሽማግለታት ነዚ ፍሉይ ወፈራ ክመያየጥሉ ክእከቡ ኣለዎም። ጉባኤታት ነቲ እተዋህበን ዞባ ብምሉኡ ካብ ቤት ናብ ቤት ክሽፍናኦ ክጽዕራ ኣለወን። እዚ ወፈራ እዚ ቅድሚ ምውድኡ እቶም ኣብዚ ዝሓለፈ ሹዱሽተ ኣዋርሕ ዘይተሸፈኑ ዞባታት ምእንቲ ክዕየዩ ፍሉይ ጻዕሪ ግበሩ። ኣገዳስነት ናይቲ ዕዮ ኣብ ግምት ብምእታው: ብዝከኣል መጠን ብዙሕ ግዜ ንኣገልግሎት ክንምድብ ከድልየና ኢዩ። ብዘይጥርጥር ካብቲ ናይ ዝሓለፈ ግዝያት ብዝተፈልየ ብዙሓት ሓገዝቲ ፓይነራት ክኾኑ ኢዮም። ብዙሓት መጽሓፍ ቅዱስ ዘጽንዑ ከም ብቑዓት ሓደስቲ ዘይተጠመቑ ኣስፋሕቲ ክሓብሩና ኢዮም። ኣብቲ ናይ ጐይታ ዕዮ ሓቢርና ክንዓዪ ከሎናስ ኣየ ከመይ ዝበለ ዘሐጕስ ግዜ ኰን ክኸውን ኢዩ!

6 ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ዝመርሑ ኣብ ቀዳምን ሰንበትን ናይ ጉጅለ ምስክርነት ክህሉ ፍሉጥ ዝኾነ መደባት ክገብሩ ኣለዎም። ነፍሲ ወከፍ ንጡፍ ተሳታፍነት ክህልዎ ክተባባዕ ኣለዎ። ኣብ ርእሲ እቲ ኣብ ቀዳመ–ሰንበት ዝግበር ምስክርነት: ኣብ ግዜ እቲ ወፈራ እንተወሓደ ኣብ ሰሙን ሓንሳእ ናይ ምሸት ምስክርነት ክምደብ ኣለዎ። ገሊኦም ነቶም ዝያዳ እጃም ክህልዎም ዝደልዩ ምእንቲ ክጥዕሞም ድሕሪ ትምህርቲ ክእከቡ ይደልዩ ይኾኑ።

7 ኣስፋሕትን ፓይነራትን ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ኣገልግሎት ቀልጢፎም ምእንቲ ክጅምሩ ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባታት ብመደብ ክግበሩ ኣለዎም። እዞም ኣኼባታት እዚኣቶም ሓጸርቲ ክኾኑ ኣለዎም። ነፍሲ ወከፍ ኣኼባ ቀሊል ኣቀራርባ ናይ ዜና ናይታ መንግስቲ ከቕርብ ኣለዎ። ናይ ድሕሪ ቐትሪ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባታት ነቶም ዜና ናይታ መንግስቲ እተቐበሉ ተመላሊስካ ምብጻሕ ንምግባር ሓደ ወይ ክልተ ሓሳባት ክውስኽ ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር ገለ ኣስፋሕቲ ኣብ ክልቲኡ ናይ ንግሆን ናይ ድሕሪ ቐትርን ኣብ ምዝርጋሕ ክሳተፉ ይመርጹ ይኾኑ። ነዚ ዕላማ እዚ እቲ ናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ እኹል ዞባ ምህላዉ ከረጋገግጽ ከድልዮ ኢዩ። ስምን ኣድራሻን ናይ ነፍሲ ወከፍ ተገዳስነት ዘርኣየ ሰብ ኣብቲ ናይ ቤተ–ቤት መዝገብ ክጽሓፍ ኣለዎ። ቀንዲ ነጥብታት ናይቲ ሓጺር ምይይጥ ኣብቲ ናይ ርእይቶ ዓምዲ ክውሰኽ ይከኣል ኢዩ። እዚ ኣብቲ ዝመጽእ ሰሙን ወይ ወርሒ ንተመላሊስካ ምብጻሕ መገዲ ከዳሉ ኢዩ።

8 ሓንቲ ጉባኤ ንኻልእ ጉባኤ ዞባኣ ክትሽፍን ትሕግዛ እንተድኣ ኣልያ ስምን ኣድራሻን ናይቶም ተገደስቲ ባት ነታ ነቲ ዞባ ሒዛ ዘላ ጉባኤ ክወሃብ ኣለዎ።

9 ወለዲ: ደቅኹም ዘይተጠመቑ ኣስፋሕቲ ክኾኑ ኢሎም ጻዕሪ ይገብሩዶ ኣለዉ? ኣብ ገለ ጉባኤታት ጽቡቕ ጠባይ ዘለዎም ቈልዑ ህይወቶም ንዝወፈዩ ወለዶም ንዓመታት ናብ ኣገልግሎት ኣሰንዮምዎም ኢዮም: ከምኡውን ኣስፋሕቲ ናይቲ ብስራት እኳ እንተዘይኰኑ ውጽኢታውያን ምዃኖም ኣመስኪሮም ኢዮም። ወለዲ ደቆም ነዚ መሰል እዚ ዝበቕዑ ምዃኖምን ዘይምዃኖም ክሓስብሉ ኣለዎም። ክልተ ሽማግለታት ንኹሉ እቲ ረቋሒታት ምስ ርእሲ ናይታ ስድራቤት ብምዝርራብ እቲ ቈልዓ ከም ዘይተጠምቀ ኣስፋሒ ክሕሰብ ዝኽእል ምዃኑን ዘይምዃኑን ክውስኑ ይኽእሉ ኢዮም።​—⁠ኣገልግሎትና ገጽ 99–100

10 ኣብቲ ናይ ጉባኤኹም ዞባ ካብ ዘለዉ ኣስፋሕቲ ንየሆዋ መስዋእቲ ምስጋና ኣብ ምሃብ ንጡፋት ዘይኰኑ ኣለዉዶ? (እብ. 13:​15) ገሊኦም ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ሞራል ስርዓታት እናስዓቡ ከለዉ ተስፋ ዝቈረጹ ወይ ብናይ ህይወት ጭንቀት ተዋሒጦም ዝዛሕተሉ ክኾኑ ይኽእሉ ኢዮም። ሓደ ካብቶም ሽማግለታት ብዝገብረሎም ዕርክነታዊ ምብጻሕ ናብ ስርዓታዊ ሕብረት ምስ ጉባኤ ክምለሱን ከምኡውን ኣብቲ ግቡእ ግዜ እተሓደሰ ዕዮ ናይ ኣገልግሎት ክፍጽሙን ክደፋፍኦም ይኽእል ኢዩ።

11 ኵሎም እቶም ብቑዓት ዝኾኑ አብዚ ዘሐጕስ ዕዮ እዚ ክሳተፉ ይኽእሉ ኢዮም:- ኣቱም ቈልዑ ወይ ኮተቴታት ኣብ ናይ ቤተ–ቤት ኣገልግሎት ክትሳተፉ ከቢድ ኰይኑ ረኺብክምዎዶ ኢኹም? ኣብ ናይ ኣገልግሎት ዕዮ ውሕድ ዝበለ ተሞክሮ ዘሎኩም ሓደስቲኸ? በዛ ፍልይቲ ዜና ናይታ መንግስቲ ገይርኩም ክትዓዩ ዘሐጕስ ኰይኑ ክትረኽብዎ ኢኹም! እቲ ዝድለ ቀሊል ኣቀራርባ ጥራይ ኢዩ።

ገለ ነዚ ዝመስል ክትብል ትኽእል ኢኻ:-

◼ “ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ 232 ሃገራት ሓደ ኣገዳሲ መልእኽቲ ንዝርግሕ ኣሎና። እቲ መልእኽቲ ኣገዳሲ ኢዩ ምኽንያቱ ነዞም ዘጋጥሙና ዘለዉ ሽግራት መፍትሒ ከም ዘለዎም ክንኣምን ድልዱል መርትዖ ዝህበና ስለ ዝኾነ ኢዩ። ናትካ ቅዳሕ ክህልወካ ደስ ኢዩ ዝብለና።”

ወይ ድማ ነዚ ክትፍትን ትኽእል ትኸውን:-

◼ “ኣብዚ ወርሒ እዚ ኣስታት ሓሙሽተ ሚልዮን ዝኣኽሉ ወለንተኛታት ሓደ ኣገዳሲ መልእኽቲ ብብዙሕ ቋንቋታት ይዝርግሕዎ ኣለዉ። ነቶም ነዚ ሎሚ ንዓና ዘጋጥመና ዘሎ ሽግራት መወዳእታኡ ክርእዩ ዝደልዩ ሰባት እተዳለወ ኢዩ። እዛ ቕዳሕ እዚኣ ንዓኻ ኢያ።”

እዚ ቀሊል ኣቀራርባ እዚ ይሰማምዓካ ይኸውን:-

◼ “ነፍሲ ወከፍ ሰብ ነዚ ኣርእስቱ [ኣርእስቲ ዜና ናይታ መንግስቲ ኣንብብ] ዝኾነ ኣገዳሲ መልእኽቲ ከንብቦ ነተባብዕ ኢና ዘሎና። ኣብዚ ኣብ ገጽ 2 ብዛዕባ እዚ ዝውስኽ ዘሎ ሽግራት ዝብሎ እሞ ኣስትብህል . . . [ካብ ዜና ናይታ መንግስቲ ዝመረጽካዮ ሓሳባት ኣንብብ]። ነቲ ዝተረፈ እዋናዊ መልእኽቲ ብምንባብካ ከም እትሕጐሰሉ ርግጸኛታት ኢና። እዚኣ ናትካ ቕዳሕ ኢያ።”

12 ናብ ነፍሲ ወከፍ ዜና ናይታ መንግስቲ ዝቕበል ሰብ ብሕታዊ ተገዳስነት ግበር። ህድእ ኢልካን ኣነጺርካን ተዛረብ፣ ኣብ ኣቀራርባኻ ክትህወኽ ኣየድልየካን ኢዩ። ነቲ ዞባና ኣልሚምና ክንሽፍኖ ከምኡውን ኵሎም እቶም ነታ ዜና ናይታ መንግስቲ ንኸንብቡ ተገዳስነት ዘርእዩ ሰባት ናይ ብሕቲ ቅዳሕ ከም እተዋህቦም ከነስተብህል ኢና እንደሊ። ሓደ ሰብ ኣብ ገዝኡ ምስ ዘይህሉ: ኣብ ዝጥዕም ግዜ ተመሊስካ ነቲ በዓል ቤት ነታ ዜና ናይታ መንግስቲ ምእንቲ ክትዕድሎ ኣብቲ ናይ ቤተ–ቤት መዝገብካ ብጥንቃቐ ምልክት ግበር። እዛ ዜና ናይታ መንግስቲ ኣብ ናይ መገዲ ምስክርነት ነቶም ተገዳስነት ዘርኣዩ ክትዕድላ ትኽእል ኢኻ: ይኹን እምበር ከም ናይ ንግዲ መፋለጢ ብዘይ ምፍልላይ ንዝረኸብካዮ ክዕደል የብሉን። ኣብ ክንድኡስ ንሓለፍቲ መገዲ ቅረቦም እሞ ናይዚ ዝዕደል ዘሎ መልእኽቲ ኣገዳስነት ግለጸሎም። ነዛ ዜና ናይታ መንግስቲ ኣብ ናይ እግረ–መገዲ ምስክርነት: ንኣብነት ክትጓዓዝ ከሎኻ ወይ ድማ ኣብ ግዜ ናይ ምሳሕ ዕረፍቲ ንመሳርሕትኻ ክትምስክር ከሎኻ ክትጥቀመላ ትኽእል ኢኻ። እቶም ዝሓመሙ ነቶም ዝበጽሕዎም: ንሓካይምን ንተሓጋገዝቲ ሓካይምን: ንሸየጥቲ ከምኡውን ናብ ገዝኦም ዝመጹ ካልኦትን ከበርክትዋ ይኽእሉ ኢዮም።

13 ኣብዚ ወፍሪ እዚ ክንደይ ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብር ኢኻ? ኵሎም እቶም ኣብታ ዜና ናይታ መንግስቲ ተገዳስነት ዘርእዩ ሰባት ክትምለሶም ስለ ዝኾንካ ብዘይጥርጥር ብዙሕ ክትገብር ኢኻ። ኣብ ናይ መጀመርታ ምብጻሕ ዜና ናይታ መንግስቲ ጥራይ ከተበርክት እቲ ዝበለጸ ኢዩ። ብድሕሪኡ ምስ ተመለስካ ብዛዕባ እዋናውነት ናይቲ ኣብ ዜና ናይታ መንግስቲ ዘሎ መልእኽቲ ቁሩብ ሓሳባት ክትህብ ትኽእል ኢኻ። እቲ ብዓል ቤት ብዛዕባ እቲ ዘንበቦ ሓሳባቱ ክገልጽ ከሎ ተጠንቂቕካ ስምዓዮ። እቲ ርእይቶኡ ካብቲ ሓደስቲ መጽሔታት ኣየናይ ከም እተበርክተሉ ከምኡውን ምናልባት ብኸመይ ንናይ ዝመጽእ ምይይጥ ከም እትዳሎን ክሕግዘካ ኢዩ። ኣብ ተመላሊስካ ምብጻሕ ዝሰማማዕ መልሲ እንተድኣ ረኺብካ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክትጅምር ፈትን።​—⁠1 ቈረ. 3:​6, 7

14 ‘ጻዕርኹም ኸንቱ ኣይኰነን’:- እዚ ኹሉ ዕዮስ ዋጋ ኣለዎዶ ኢዩ? ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ “ጻዕርኹም ብጐይታ ከንቱ ከም ዘይኰነ” ብምባል የረጋግጸሎም። (1 ቈረ. 15:​58) ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ዜና ናይታ መንግስቲ ኣብ ምዝርጋሕ ዝገበርናዮ ጻዕሪ ኣዝዩ ተባሪኹ ኢዩ። ምርዑዋት ሰብ ሓዳር ናብ ሓደ ኣቑሑት ዘይብሉ መንበሪ ኣፓርታማ ዝግዕዙ ዝነበሩ ኣብ ሓደ ተመዛዚ ዝኣረገት ቅዳሕ ናይ ዜና ናይታ መንግስቲ ረኸቡ። ኣብቲ መንበሪ ኣፓርታማ ንሳ ጥራይ ኢያ ተሪፋ ነይራ። ምስ ኣንበብዋ ምስቲ ናይቲ ከባቢ ጉባኤ ተራኸቡ እሞ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክግበረሎም ሓተቱ። ኣብ ኵሉ እቲ ኣኼባታት ክካፈሉ ጀመሩ እሞ ጸኒሖም ክጥመቑ ድሌት ከም ዘለዎም ገለጹ። ምናልባት እታ እትገድፍዋ ቅዳሕ ነዚ ዝመስል ውጽኢት ከተምጽእ ትኽእል ኢያ!​—⁠ናይ መንግስትና ኣገልግሎት 11/74 ገጽ 1 (እንግሊዝኛ) ከምኡውን ናይ 8 ሕዳር 1976 ንቕሑ! ገጽ 15 (እንግሊዝኛ) ርአ።

15 ኣብ ቅድሜና ሓደ ዓቢ ዕዮ ኣሎና። ሸቶና ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ኣብ 14 ግንቦት ወይ ድማ እቲ ምዝርጋሕ ዜና ናይታ መንግስቲ ክናዋሕ ኣድላዪ እንተድኣ ኰይኑ ኣብ መወዳእታ ናይታ ወርሒ ነቲ እተዋህባ ዞባ ክትሽፍን ኢዩ። ፓይነራትን ሓገዝቲ ፓይነራትን ብገምጋም 100 ቅዳሓት ናይ ዜና ናይታ መንግስቲ ምእንቲ ክረኽቡ ናብቶም ኣምሓርኛ: ኦሮምኛ: ትግርኛ ከምኡውን ወላይትኛ ዝዛረቡ ቦታታት ተሰዲዱ ኣሎ። ነፍሲ ወከፍ ናይ ጉባኤ ኣስፋሒ 50 ቅድሓት ክረክብ ይኽእል ኢዩ። ኣስፋሕትን ፓይነራትን ክሳዕ እቲ ክዕድልዎ ዝኽእሉ ጥራይ ክወስዱ ኣለዎም: ነቲ ዝተረፈ ድማ ካልኦት ምእንቲ ክጥቀምሉ ክመልስዎ ኣለዎም። በዚ ዝመጸ ጽቡቕ ምትሕብባር ምስ ዝህሉ እዚ ኣገዳሲ መልእኽቲ ብዝከኣል ብሰፊሑ ንኽዝርጋሕ ከረጋግጽ ኢዩ። ገለ ጉባኤታት እቲ እተዋህበን ዞባ ኣዝዩ ዓቢ ስለ ዝኾነ ነቲ ዞባአን ክሳዕ ፍርቂ ግንቦት ክሽፍናኦ እንተድኣ ዘይክኢለን ቅድሓት ድማ እንተድኣ ኣልዩ: ነተን ኣብ ጥቐአን ዘለዋ ጉባኤታት ክዕድመአን ተግባራዊ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣብ ካልኦት ጉባኤታት እቶም ኣስፋሕቲ ሓገዝቲ ፓይነራት ኰይኖም ንጥፈታቶም ብምውሳኽ ወይ ድማ ኣብቲ ኣገልግሎት ብተዳጋጋሚ ብምስታፍ እቲ ዘድሊ በተን ናይቲ ከባቢ ክመልእዎ ይኽእሉ ኢዮም። እቲ ትራክት ናብ ጉባኤኹም ደንጒዩ እንተድኣ መጺኡ: ብምሉኡ ነቲ ቐረብ ብምዝርጋሕ ክትውድእዎ ሸቶ ብምግባር ነቲ ቐረብ ካብ እተቐበልክሙሉ ሰለስተ ሰሙን ናይ ምዝርጋሕ መደብ ክምደብ ኣለዎ።

16 ዕዮና ክንፍጽም እንተድኣ ደሊና ምሉእ ተወፋይነት ናብ የሆዋ ከድሊ ኢዩ። (ቈሎ. 3:​23) ናይ ህይወት ጉዳይ ኢዩ። ሎሚ ሰባት ንትርጕም ኩነታት ዓለም ዕሽሽ ክብልዎ ኣይክእሉን ኢዮም። እቲ ግዜ እናተጸንቀቐ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ። ነቲ ወዲ ሰብ ነዚ ናይ ዓለም ሽግራት መፍትሒ የብሉን ዝብል ሓቂ ክጋጠምዎ ኣለዎም። ኣምላኽ እቲ መፍትሒ ኣለዎ። እቶም ናይ ኣምላኽ በረኸት ክረኽቡ ዝደልዩ ምስቲ ንሱ ዝደልዮ ነገራት ብምስምማዕ ከይደንጐዩ ስጉምቲ ክወስዱ ኣለዎም።

17 ኣብ መወዳእታ ናይቲ ፍሉይ ወፈራ: 14 ግንቦት: ካብ ኣገልግሎትናዶ ክንዝሕል ኢና? ኣይፋልናን! ምስቲ መንፈስ ዝነፈሶ ናይ ጳውሎስ ምኽሪ ብምስምማዕ ብስራሕ ትሑዛት ክንከውን ኢና።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ