ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ‘ንሰናይ ግብሪ ቀናኣት’ ኩኑ!
1 ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሚልዮናት ቅዳሓት ዜና ናይታ መንግስቲ ቍ. 34 ኣብ መላእ ዓለም ምስ ተዘርግሐ: እዚ ኢዩ ዘይብሃል ምስክርነት ተዋሂቡ ኢዩ። ናይ ጉባኤ ኣስፋሕትን ፓይነራትን ኣብዚ ዘነቓቕሕ ዕዮ እዚ ብቕንኢ ተኻፊሎም ኢዮም። ሓደ ካብኣቶምዶ ነይርካ፧ እንተድኣ ነይርካ: ኣብዚ ጉሉሕ ወፈራ እዚ ምክፋልካ ምሉእ ብምሉእ ከም እተሓጐስካሉ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ሎሚ ዓመትከ ከመይ ዝበለ ‘ሰናይ ግብሪ’ ኢዩ ተቐሪቡልና ዘሎ፧ ብምባል ትግረም ትኸውን።—ቲቶ. 2:14
2 ሸቶና ኵሎም ኣስፋሕቲ ክሳተፉ ኢዩ:- ኣብዛ ሃገር ዘሎ ነፍሲ ወከፍ ኣስፋሒ ኣብቲ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ዝግበር ዕዮ ስብከት ክሳተፍ እንተ ኽኢሉ ብሓቂ ዘተባብዕ ኢዩ። ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ጌና ካብ ኣእምሮና ከይሃሰሰ ከሎ: ኣብቲ ግራት ኣገልግሎት ቐጥታ ዝዀነ “መስዋእቲ ምስጋና” ብምቕራብ: ንሕያውነት ኣምላኽ ዘሎና ሞሳ ክንገልጽ ብርግጽ ንደሊ ኢና።—እብ. 13:15
3 ኵላቶም ኣብቲ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ዝግበር ኣገልግሎት ብቕንኢ ምእንቲ ክካፈሉ: ንድልየት ነፍሲ ወከፍ ኣባል ናይታ ጉባኤ ንምፍላጥ ህርኩት ጻዕሪ ክግበር ኣለዎ። (ሮሜ 15:1) ናይ ትምህርቲ መጽሓፍ መራሕቲ ንዅነታት ናይቶም ኣብተን ጕጅለታቶም ዘለዉ ኣሕዋት መሊኦም ክግንዘቡን ኣድላዪ ኰይኑ ምስ ዝርከብ ድማ ተግባራዊ ሓገዝ ክህቡን ኣለዎም። መጐዓዝያ ዘድልዮ ሰብ ኣሎዶ፧ መን ከዳልወሉ ይኽእል፧ ሓናኻትን ሓፋራትን ሰባት ኣለዉዶ፧ ዝያዳ ተመኵሮ ዘለዎም ኣስፋሕቲ ምስኣቶም ኰይኖም ክዓዩ ምኸኣሉዶ፧ ብዛዕባ እቶም ዝሓመሙኸ እንታይ ኢዩ ክግበር፧ ኣብቲ ብቴሌፎን ዝግበር ምስክርነት: ደብዳበ ምጽሓፍ: ወይ ኣብ ካልእ ኣስላጢ ዝዀነ ንጥፈት ክሳተፉ ምኸኣሉዶ፧
4 ዛሕቲሎም ዝነበሩ ገለ ሰባት ስርዓታዊ ዝዀነ መንፈሳዊ ምትብባዕ ብምሃብ: ኣብቲ ዕዮ ስብከት እንደገና ንኽሳተፉ ክለዓዓሉ ይኽእሉ ይዀኑ። ኣብዛ በዓል ዝኽሪ ዝበዓለላ ወርሒ እንደገና ንጡፋት ክዀኑ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ክህቦም ኢዩ።
5 ነቶም ናእሽቱ ግዲኦም ክገብሩ ኣለማምድዎም:- ጌና ከም ዘይተጠምቁ ኣስፋሕቲ ኰይኖም እኳ ዘየገልግሉ እንተዀኑ: ብዙሓት ቈልዑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ንዓመታት ዝኣክል ኣብቲ ካብ ቤት ናብ ቤት ዝግበር ኣገልግሎት ንወለዶም ኣሰንዮምዎም ኢዮም። ሕጂኸ ዝጅምሩሉ ግዜ ድዩ፧ ኣብቲ ናይ ቤተ-ቤት ዕዮ ትርጕም ዘለዎ ተሳታፍነት ምእንቲ ክህልዎም ካብ ልቢ ዝለዓሉን ቅሩባትን ድዮም፧ ናይ ስድራቤት ርእስታት ኣብቲ ናይ ስድራቤት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ ዝግበረሉ እዋን: ምስ ዕድመን ክእለትን ናይ ነፍሲ ወከፍ ቈልዓ ዝሰማማዕ ኣቀራርባታት ምእንቲ ክዳለዉ ነቶም ብቕዓት ዘለዎም ደቆም ክሕግዝዎም ኣለዎም። እቶም ዕብይ ዝበሉ ቈልዑ ንተገዳስነት ናይቲ በዓል ቤት ዘለዓዓል ምሕሳብ ዘድልዮ ሕቶ ክመርጹ ይኽእሉ ኢዮም: ድሕርዚ ድማ ነቲ መልሲ ይሕብርዎ። እቶም ናእሽቱ ቈልዑ ኸኣ ብሒደት ቃላት ገይሮም ስሉጥ ምስክርነት ክህቡ ይኽእሉ ኢዮም። ከም ክፍሊ ናይ ስድራቤትኩም ምድላው ገይርኩም: ነቲ ዘጋጥም ልሙድ ዝዀነ ተቓውሞታት ብኸመይ ከም እትዋጽእሉ ሓሳባት ንምውህሃብ ርግጸኛታት ኩኑ። ኣብ መጽሓፍ ምምርማር (እንግሊዘኛ) ብዙሕ ጠቓሚ ዝዀነ ሓሳባት ክትረኽቡ ኢኹም። ኣብ ግዜ ብልዕን ኣብ ካልእ ምሹእ ዝዀነ ኣጋጣሚታትን: ንኣባላት ስድራቤትኩም ኣብ ግራት ኣገልግሎት ዝረኸብዎ ተመኵሮታት ከዘንትዉ ኣተባብዕዎም።
6 ኣቱም ብቑዓት ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ የሱስ ዝዓየዮ ዕዮ ጀምርዎ:- የሱስ ንትምህርቱ ንሰረተ-እምነታዊ ጕዳያት ዝምልከት መምርሒ ኣብ ምሃብ ጥራይ ኣይሓጸሮን። ንተማሃሮኡ ኣብቲ ኣገልግሎት ኣሰንይዎምን ብኸመይ ከም ዝሰብኩ ድማ ምሂርዎምን ኢዩ። (ሉቃ. 8:1፣ 10:1-11) ሎሚኸ እቲ ኵነታት ከመይ ኢዩ፧ ኣብቲ ናይ ኣገልግሎት ግራትና ብዙሕ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽንዓታት ይምራሕ ኣሎ። ብዘይጥርጥር: ግቡእ ዝዀነ ምትብባዕ ምስ ዝዋሃቦም ብዙሓት ካብዞም ተማሃሮ ኣብቲ ልምምዶም እቲ ቐጺሉ ዘሎ ስጕምቲ ክወስዱን ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ድማ ከም ዘይተጠምቁ ኣስፋሕቲ ኰይኖም ከገልግሉን ብቑዓት ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም።
7 ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ትመርሕ እንተድኣ ኴንካ: ነዞም ቀጺሎም ዘለዉ ሕቶታት ሕሰበሎም:- እቲ ተማሃራይ ምስ ዕድሜኡን ዓቕሙን ዝሰማማዕ ዕብየት ይገብር ኣሎዶ፧ እምነቱ ዘይስሩዕ ብዝዀነ መገዲ ንኻልኦት ምምቓል ጀሚሩዶ፧ “ሓድሽ ሰብ [“ሰብነት:” ትሓዓ ]” ይለብስዶ ኣሎ፧ (ቈሎ. 3:10) ነቲ ኣብታ ኣገልግሎትና (እንግሊዝኛ) እተባህለት መጽሓፍ ገጽ 97 ክሳዕ 99 ዘሎ ንዘይተጠምቁ ኣስፋሕቲ ዝምልከት ብቕዓታት የማልኦ ድዩ፧ ብቑዕ ኢዩ ኢልካ ትሓስብ እንተድኣ ኴንካ: ስለምንታይ ነቲ ጕዳይ ምስኡ ኴንካ ዘይትዘራረበሉ፧ ገሊኦም ተማሃሮ ኣብቲ ዕዮ ክሳተፉ ምዕዳም ጥራይ ኢዩ ዘድልዮም። ርግጽ ኢዩ: እቲ ተማሃራይ ፍቓደኛ እንተድኣ ዀይኑ: መጀመርያ በቲ ልሙድ መገዲ ምስ ክልተ ካብቶም ሽማግለታት ንኽዘራረብ እቲ ኣቦ መንበር ተዓዛቢ ክምድብ ኣድላዪ ኢዩ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ: ነቲ ተማሃራይ ዝሕጥ ዘብሎ ገለ ነገር ይህሉ ይኸውን። ምናልባት ሓደ ካብቶም ሽማግለታት ኣብቲ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ከሰንየካን እቲ ተማሃራይ ንሓቂ ዘለዎ ስምዒታት ናጻ ኰይኑ ከም ዝዛረብ ክገብሮን ይኽእል ኢዩ። እቲ ተማሃራይ ዝብሎ ድሕሪ ምስማዕ: እቲ ሽማግለ ምስ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓገዝ ገይሩ ተግባራዊ ርእይቶታት ክህብ ይኽእል ይኸውን።
8 ሓገዝቲ ፓይነራት ኴንኩም ንኽትዓዩ ‘ግዜ ዓድጉ’:- ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣብ እዋን ዝኽሪ: ኣሽሓት ሰባት ነቲ በጅነት ካብ ዘለዎም ሞሳ እተላዕለ ሓገዝቲ ፓይነራት ንክዀኑ ‘ግዜ ይዕድጉ’ ኢዮም። (ኤፌ. 5:15-17) ሽሕ’ኳ ገለ መስዋእትታት ክትከፍል ዘድሊ እንተዀነ: እቲ ዓስቢ ግን ብዙሕ ኢዩ። ብዙሓት መንእሰያት ነቲ ናይ ቤት ትምህርቲ እዋን ዕረፍቲ ሓጋዚ ፓይነር ንምዃን ጽቡቕ ገይሮም ይጥቀምሉ ኢዮም። ምሉእ መዓልቲ ዝሰርሑ ሰባት ድማ ኣብ ተመሳሳሊ ንጥፈት ምእንቲ ክካፈሉ: ነቲ ኣብ ሰዓታት ምሸትን ኣብ ቀዳመ ሰናብትን ዘሎ ግዜ መሊኦም ይጥቀምሉ። በዚ ኸኣ: ኵለን ስድራቤታት ሓቢረን ኣብ ናይ ሓጋዚ ፓይነር ኣገልግሎት ብምውፋር ፍሉጣት ይዀና! ኣብ ገሊኡ ጉባኤታት መብዛሕትኦም ሽማግለታት: ድያቆናት: ከምኡውን ኣንስቶም ኣብቲ ናይ ሓጋዚ ፓይነር ኣገልግሎት ተመዝጊቦም ኣለዉ። ካልኦት ከኣ በዚ ቅንኢ ዝመልኦ ኣብነቶም ተለዓዒሎም ይስዕብዎም: በዚ ድማ ዝበዝሑ ኣባላት ናይታ ጉባኤ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ሓገዝቲ ፓይነራት ብምዃን የገልግሉ።
9 ሓጋዚ ፓይነር ክትከውን ክኣል ኣይትኽኣል ብዘየገድስ: ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣብቲ ግራት ኣገልግሎትካ እተዕብየሉ መገድታት ድለ። ንኽትበጽሖ ቑሩብ ጻዕሪ ዝሓትት ግናኸ ክብጻሕ ዝኽእል ብሕታዊ ሸቶ ኣውጽእ። ብሕታዊ ኵነታትካ ከም ዘፍቅዶ: ነቲ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ‘ኵሉ ንምውፋይ ነፍስኻውን ንምውፋይ’ ዘሎካ ባህጊ የሆዋ ክባርኾ ኢዩ።—2 ቈረ. 12:15
10 ንግራት ኣገልግሎት ዝኸውን ኣኼባታት:- ኣብዚ በዓል ዝኽሪ ዝበዓለሉ ወርሒ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ኣብቲ ኣገልግሎት ቀልጢፍካ ከም እትጅምር ክገብር ዝኽእል: ንግራት ኣገልግሎት ዝኸውን መደብ ክግበር ኣለዎ። ነቲ ናይ ምሸት ምስክርነት ዝኸውን ምድላዋት እውን ክግበር ኣለዎ። መብዛሕትኦም ኣስፋሕቲ ቀዳመ ሰንበት ኣብ ግራት ኣገልግሎት ክሳተፉ ስለ ዝዀኑ: ጉባኤታት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቀዳም ኣብ ክልቲኡ ማለት ንግሆን ድሕሪ ቀትርን ንናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባ ዝኸውን መደብ ከውጽኣ ኣለወን።
11 እቶም ነቲ ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባታት ዝመርሑ ሰባት ክሽፈን ዘለዎ ሰፊሕ ዞባ ከም ዘለዎም ከረጋግጹ ኣለዎም። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ዘይተዓየ ዞባታት መጀመርታ ክሽፈን ኣለዎ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ዘይተሸፈነ ሓደ ወይ ክልተ ብሕታዊ ዞባታት ሒዝካዶ ኣሎኻ፧ ዘይተሸፈነ ዞባ እንተድኣ ኣሎካ ምእንቲ ክትዓዮ ድማ ሓገዝ ዘድልየካ እንተድኣ ኰይኑ: ነቲ ናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ ወይ ነቲ ናይ ዞባ ኣገልጋሊ ሓው ተዛረቦም እሞ: ገለ ሓገዝ ንኽህቡኻ ተሓጒሶም ክምድቡ ኢዮም።
12 ክንደይ ዝኣክል መጽሔታት ክትዕድል ኢኻ፧ እዚ ነፍሲ ወከፍ ውልቀሰብ ክምልሶ ዘለዎ ሕቶ ኢዩ። ኣብቲ ወርሒ እቲ ክንደይ ዝኣክል መጽሔታት ክትዕድል ከም እትኽእል ንምውሳን: ዓይነት ናይቲ እትዓየሉ ዞባ: ዕድመኻ: ጥዕናኻ: ነቲ ዕዮ ክትውፍዮ እትኽእል ግዜ: ከምኡውን ካልእ ረቛሒታት ኣብ ግምት የእቱ። ይኹን እምበር: ነቲ ኣብ ናይ 1 ጥሪ 1994 ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ሕታም ዝወጸ መዘኻኸሪ ኣስተብህለሉ:- “ከም ሓሳብ: ተራ ኣስፋሕቲ ከከም ኵነታቱ ኣብ ወርሒ 10 መጽሔታት ክዕድሉ ሸቶ ከውጽኡ ይኽእሉ እዮም። ፓይነራት ከኣ 90 መጽሔታት ንምዕዳል ክመጣጠሩ ይኽእሉ።” ተመሳሳሊ ሸቶ ምውጻእከ ምስ ኵነታትካ ዝኸይድ ድዩ፧
13 ሽማግለታት—ጥንቃቐ ዝመልኦ መደብ ከተውጽኡ የድልየኩም ኢዩ:- ዝከኣል እንተድኣ ዀይኑ ናይታ ጉባኤ ዞባ ብምሉኡ ከም እተበጽሐ ኣረጋግጹ። ኣብቲ ነታ ጉባኤ እተመደበ ዞባ ዝዀነ ናይ ንግዲ ቦታ ምስ ዝህሉ ኣብኡ ንምዕያይ ጥንቁቕ ቈላሕታ ክግበረሉ ኣለዎ። እቶም ኣብኡ ዝዓዩ ሰባት ግቡእ ምድላው ክገብሩን ጽፉፍ ኣከዳድና ክህልዎምን ኣለዎ። ነዊሕ ኣቀራርባ ኣየድልን ኢዩ። ንሓደ ነጋዳይ ክትቀርቡዎ ከሎኹም: ነጋዶ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ኣባይቶም ስለ ዘይርከቡ: ሓደ ብርግጽ ዘገድሶ ሓሳብ ከተካፍልዎ ኢልኩም ኣብ ድኳኑ ከም ዝመጻእኩም ክትነግርዎ ትኽእሉ ኢኹም። ብመጽሔታት ገይርካ ኣብ መገዲ ዝግበር ምስክርነት እውን ኣብ ውሽጢ ዞባ ናይታ ጉባኤ ብግቡእ ክመሓደር ኣለዎ። ኣብቲ ናይ መገዲ ዕዮ ንምስታፍ ኣዝዩ ኣስላጢ ዝዀነ መገዲ: ሰባት ክሳዕ ዝቐርቡኻ ምጽባይ ዘይኰነስ: ተበግሶ ምውሳድን ንሓለፍቲ መገዲ ድማ ምቕራቦምን ኢዩ። ሰባት ስለ ዝዕዘቡኹም ክብሪ ዘለዎ ትርኢት ክህልወኩም ይግባእ። ኣብ ዞባኹም ከም መዕርፎ ነፈርቲ: ሆስፒታላት: መካይን ደው ዝብላሉ ቦታ: መናፈሻታት: ከምኡውን ሰባት ክሽምቱ ከለዉ ዘዕርፍሉ ቦታታት ዝኣመሰለ እንተድኣ ኣሎ እውን: ኣብቲ ወርሒ እቲ ክብጻሕ ይከኣል ኢዩ። እቶም ኣካል ሽማግለታት ኣብ ውሽጢ ናይ ጉባኤኹም ዞባ ዝርከብ ኣብ ከምዚ ዝበለ ቦታታት ንምምስካር እንታይ ግቡእ ምድላዋት ክግበር ከም ዝኽእል ክውስኑ ኣለዎም።
14 የሆዋ ህርኩት ሰራሕተኛ ኢዩ። (ዮሃ. 5:17) ሰማይን ምድርን ከምኡውን ኣትክልትን እንስሳታትን ፈጢሩ ኢዩ፣ ይኹን እምበር: ነቲ ኣብ ምድሪ ክቡር ፍረ-ዕዮ ዝዀነ ሰብ ክሳዕ ዝፈጥር ምስራሕ ቀጺሉ ኢዩ። ናትና ህይወት ቀጥታዊ ውጽኢት ናይቲ ኣምላኽ ንኽሰርሕ ዘለዎ ፍቓደኝነት ኢዩ። ‘ንኣምላኽ ንመስሎ’ ከም ምዃንና መጠን: ‘ንሰናይ ግብሪ እንቐንእ’ ምእንቲ ክንከውን: በቲ ንዕኡ ዘሎና ፍቕሪ ክንለዓዓል ኣሎና። (ኤፌ. 5:1፣ ቲቶ. 2:14) የሆዋ እቲ ኣዝዩ ዝበለጸ ጻዕርና ክቕበል ይግብኦ ስለ ዝዀነ: ከምኡውን ፍረ ክትረክብ ኢልካ ምብሃግ: ናይ ሓደ ቅንኢ ዘለዎ ሰብ መለለዪ ጠባይ ብምዃኑ: ኣብቲ ኣገልግሎት ጽፉፍ ዝዀነ ዕዮ ኣብ ምፍጻም ክንግደስ ኣሎና። ርግጽ ኢዩ: የሆዋ ንዕኡ ኢልና እንገብሮ ዝዀነ መስዋእቲ ሞሳ ይህበሉ ኢዩ: ዕዮና ድማ ፈጺሙ ከንቱ ኣይኰነን። (1 ቈረ. 15:58) ስለዚ: ስምረት የሆዋን በረኸቱን ብዙሕ ዓወትን ከም እንረክብ ብምትእምማን: ኣብቲ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ዝግበር ቅንኢ ዝመልኦ ንጥፈት ምስጋና ብዝመልአ ልቢ ተላዒልና ገዛእ ርእስና ነሳትፋ!