ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 2/02 ገጽ 3-6
  • ‘ቃል ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ስበኽ’

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ‘ቃል ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ስበኽ’
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2002
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ‘ወንጌል መስክር’
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2008
  • ክንደግሞዶ ኢና፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
  • ተኣምራት የሆዋ ኣውጅ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
  • 1,000 ሓገዝቲ ፓይነራት ይድለዩ ኣለዉ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2002
km 2/02 ገጽ 3-6

‘ቃል ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ስበኽ’

1 ጽቡቕ ነገር እንተ ዝግበረልካ ብጠባይካ ወይ ብተግባርካ ሞሳ ኣይተርእንዶ፧ ብርግጽ ተርኢ ኢኻ! ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንደቅ​ሰብ ዝገበረሎም ሰናይን ፍቕራዊ ሕያውነትን እንታይ ከም ዝበለ እሞ ርአ። “ስለቲ ዘይንገር ውህበቱ ንኣምላኽ ስብሓት ይኹኖ” በለ። እቲ ‘ውህበት’ እንታይ ዘጠቓልል ኢዩ፧ ንብምሉኡ እቲ እተገብረልና “ማእለያ ዜብሉ ጸጋ ኣምላኽ” ዘጠቓልል ኢዩ: እቲ ዝዓበየ መግለጺ ጸጋኡ ኸኣ ንወዱ ናይ ሓጢኣትና በጃ ክኸውን ምሃቡ ኢዩ።​—⁠2 ቈረ. 9:⁠14, 15፣ ዮሃ. 3:⁠16

2 ጳውሎስ እተዛረቦ መግለጺ ምስጋና ናይ ኣፍ ጥራይ ድዩ ነይሩ፧ ኣይፋሉን! ብእተፈላለየ መገድታት ዓሚቝ ሞሳኡ ኣርእዩ ኢዩ። ብዛዕባ መንፈሳዊ ድሕንነት ክርስትያናት ብጾቱ ኣጸቢቑ ይሓሊ ነበረ: ካብቲ ፍቕራዊ ሕያውነት ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ክጥቀሙ ንምሕጋዞም ድማ ዝከኣሎ ኽገብር ድሌት ነበሮ። ብዛዕባ ኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት “ኣዚኹም ፍቁራትና ስለ ዝዀንኩም: ገዛእ ነፍስና ድማ እምበር: ወንጌል ኣምላኽ ጥራይ ኣይኰንናን: ከነካፍለኩም እንፈቱን እንምነን ዝነበርና” በለ። (1 ተሰ. 2:8) ነቶም ክፍሊ እታ ጉባኤ ዝነበሩ ድሕነት ንኽረኽቡ ኣብ ርእሲ ምሕጋዝ: ነቶም “ንህይወት ዘለኣለም እተመደቡ” ንምርካብ ብምድሪ ዀነ ብባሕሪ ብኣሽሓት ዝቝጸር ኪሎ ሜትራት እናተጓዕዘ ብትግሃት ነቲ ብስራት ይሰብኽ ነበረ። (ግብ. 13:⁠48) ነቲ የሆዋ ዝገበረሉ ነገራት ብምሉኡ ዘለዎ ዓሚቝ ሞሳ “ቃል ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ክሰብኽ” ደሪኽዎ ኢዩ።​—⁠ቈሎ. 1:⁠25 NW

3 ንዅሉ እቲ የሆዋ ዝገበረልና ነገራት ዘሎና ሞሳ ነቶም ኣብ ጉባኤና ዘለዉ መንፈሳዊ ደገፍ ዘድልዮም ሰባት ንኽንሕግዞም ኣይድርኸናንዶ ኢዩ፧ (ገላ. 6:⁠10) ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብእተኻእለና መጠን ኣብ ዞባና ምሉእ ብምሉእ ንምስባኽከ ኣይንድረኽንዶ ኢና፧​—⁠ማቴ. 24:⁠14

4 ሞሳና እነርእየሉ ኣጋጣሚ:- ዓመት ዓመት በዓል ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ነቲ የሆዋን የሱስን ዝገበሩልና ነገራት ሞሳና እነርእየሉ ፍሉይ ኣጋጣሚ ይኸፍተልና ኢዩ። እዚ ተራ ኣኼባ ወይ ዝኽሪ ናይ ሓደ ፍጻመ ጥራይ ኣይኰነን። የሱስ “እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ” ኢሉ ኢዩ። (ሉቃ. 22:⁠19 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) በዓል ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ብዛዕባ ባህርያት የሱስ ንኸነስተንትን ዘኽእለና ኣጋጣሚ ኢዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ህያው ምዃኑ ከምኡውን ብተኣማንነቱን ብዝኸፈሎ መስዋእትን ኽብርን ንግስነትን ተዋሂብዎ ብንጥፈት ይዓዪ ምህላዉ ኣፍልጦ እንህበሉ እዋን ኢዩ። እዚ በዓል እዚ ክርስቶስ ንእተፈላለየ ጕዳያትን ንንጥፈታት ክርስትያናዊት ጉባኤን ኣብ ዝመርሓሉ ዘሎ እዋን ተገዛእነትና እነርእየሉ ኣጋጣሚ እውን ኢዩ። (ቈሎ. 1:⁠17-20) ኵሎም ህዝቢ የሆዋ ኣብ በዓል ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ክርከቡ ኣለዎም። ኣብዛ ዓመት እዚኣ ሓሙስ 28 መጋቢት 2002 ጸሓይ ድሕሪ ምዕራባ ክበዓል ኢዩ።

5 ዓሚ ቅድሚ በዓል ዝኽሪ ብዙሕ ጻዕሪ ስለ እተገብረ: ኣብ ብዝሒ ተኣከብቲ ሓድሽ ዝለዓለ ቍጽሪ ተራእዩ ኢዩ። ኣብዚ ዓመት እዚኸ ክንደይ ኰን ንእከብ ንኸውን፧ እዚ ብዓቢኡ ኻልኦት ኣብዚ በዓል ንኽእከቡ ዝከኣለና ዅሉ ንምሕጋዝ ኣብ እንገብሮ ‘ዕዮን ጻዕርን’ ኢዩ ዝምርኰስ፧​—⁠1 ጢሞ. 4:⁠10

6 ኣብ ድራር ጐይታ ምእካብ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ግራት ኣገልግሎት እውን ንጥፈታትና ክብ ከነብል ንኽእል ኢና። ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ንሓደ ወርሒ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ሓገዝቲ ፓይነራት ኰይኖም ከም ዘገልግሉ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ኣብዛ ዓመት እዚኣ ጕዳያትካ ብምትዕርራይ ሓጋዚ ፓይነር ኴንካ ኸተገልግል ትኽእልዶ፧ እዚ ነቲ ኣምላኽ ብመስዋእቲ ክርስቶስ ኣቢሉ ዝገበሮ ፍቕራዊ ምድላው ዘሎና ልባዊ ሞሳ እነርእየሉ ሰናይ ኣጋጣሚ ኢዩ። ቀጺሉ ዘሎ ተመክሮታት ከም ዘርእዮ: በረኸት የሆዋ ኸም እትረክብ ኣይትጠራጠር።

7 ሓንቲ ምሉእ መዓልቲ እትሰርሕ ሰበይቲ ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት ሓጋዚት ፓይነር ብምዃን ብዛዕባ ዘሕለፈቶ ተመክሮ ኸምዚ ብምባል ጸሓፈት:- “ናይ ለካቲት 2001 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ኵላትና ዅነታትና ዝፈቕደልና ዘበልና በዓል ዝኽሪ ኣብ ዝኽበረሉ ወቕቲ ሓገዝቲ ፓይነራት ኴንና ኸነገልግል ኣተባቢዓትና ኢያ። መጋቢት ሓሙሽተ ቀዳም ስለ ዝነበራ እዚ ምስ መደበይ ዝሰማማዕ ኰይኑ ረኸብክዎ። ስለዚ ኸመልክት ወሰንኩ።” እታ ወርሒ ኽትጅምር ከላ: ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትረክብ ሸቶ ኣውጽአት። ሰሊጥዋዶ፧ እወ: ኣብ መበል 52 ሰዓታታ ጽንዓት ረኸበት! ኣብ ምንታይ መደምደምታኸ በጽሐት፧ “ዝያዳ ጻዕሪ እንተደኣ ገይርና ዘደንቕ በረኸታት ንረክብ ኢና” በለት።

8 ኣባላት ሓንቲ ስድራ​ቤት ብሓባር ፓይነራት ኰይኖም ምስ ዘገልግሉ እንታይ ረብሓታት ኢዮም ዝረኽቡ፧ ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ ከምዚ ዝገበሩ ኣርባዕተ ኣባላት ሓንቲ ስድራ​ቤት ዘይሃስስ ተዘክሮታት ዘሕለፉላ ወርሒ ምዃና ገሊጾም ኢዮም። እታ ኣደ ኸምዚ በለት:- “ኣብ ኣገልግሎት ሓቢርና ስለ ዝነበርና ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ሕጕሳት ኢና ነይርና! ኣብ እዋን ድራር ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣገልግሎት ኣብታ መዓልቲ ዘሕለፍናዮ ንጥፈታት እንገብሮ ምይይጥ ኣዝዩ ባህ ዘብል ኢዩ ነይሩ።” እቲ ወዲ ኸአ “ኣቦይ ሰሙን ምሉእ ዓለማዊ ስራሕ ኢዩ ዝሰርሕ ነይሩ: ሕጂ ግን ኣብ ግራት ኣገልግሎት ምስኡ ኸገልግል ብምኽኣለይ ተሓጒሰ ኢየ” በለ። እቲ ኣቦ ድማ “ርእሲ ስድራ​ቤት ከም ምዃነይ መጠን ኣብቲ ኣብዚ ግዜና ካብ ኵሉ ንላዕሊ ኣገዳሲ ዝዀነ ንጥፈት ብሓባር ንዓዪ ኸም ዘሎና ምፍላጠይ ዕግበት ኣምጺኡለይ ኢዩ” በለ። ምስ ስድራ​ቤትኩም ብሓባር ፓይነራት ኰይንኩም ከተገልግሉ ትኽእሉዶ፧ ኣብዚ በዓል ዝኽሪ ዝኽበረሉ ወቕቲ ዅሎም ኣባላት ስድራ​ቤትኩም ሓገዝቲ ፓይነራት ክዀኑ ዝኽእሉ እንተ ዀይኖም ንምንታይ ዘይትመያየጥሉ፧

9 መጋቢት እታ ዝበለጸት ወርሒ ኽንገብራ ንኽእልዶ፧ ኣብ መጀመርታ 2000 ዝወጸት ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና “ሚያዝያ 2000 እታ ዝበለጸት ወርሒ ክንገብራ ንኽእልዶ፧” ዝብል ሕቶ ሒዛ ነይራ፧ እንታይ ምላሽከ ተረኽበ፧ ብተደጋጋሚ ሓድሽ ዝለዓለ ቝጽሪ ተራእዩ ኢዩ። ሓድሽ ዝለዓለ ቝጽሪ ናይቶም ኣብ ሓደ ወርሒ ሓገዝቲ ፓይነራት ኰይኖም ዘገልገሉ እውን ተረኺቡ ኢዩ። ኣብታ ፍልይቲ ወርሒ እቲኣ ዝነበረ መንፈሳዊ ንጥፈታት ዘበገሶ ውዕዉዕ መንፈስ ትዝክሮዶ፧ ኣብዚ ዓመት እዚ ማዕሪኡ ኽንገብር ወይ ካብኡ ንላዕሊ ኽንገብር ንኽእልዶ፧ ኵላትና ብርቱዕ ጻዕሪ እንተደኣ ገይርና መጋቢት 2002 “እታ ዝበለጸት ወርሒ ኽንገብራ” ንኽእል ኢና። ንምንታይ ግን መጋቢት ተመሪጻ፧

10 መጋቢት ፍሉይ ንጥፈታት እንገብረላ ወርሒ ንኽትከውን ዘኽእላ ኽልተ ምኽንያታት ኣሎ። ቀዳማይ: በዓል ዝኽሪ ኣብ ከባቢ መወዳእታ መጋቢት ስለ ዝውዕል ኣብ መጀመርታ እታ ወርሒ ብዙሓት ሰባት ናብቲ በዓል ክንዕድም ዘኽእለና እኹል ኣጋጣሚ ኣሎና። ካልኣይ: ኣብ ናይ ሎም ዘበን መጋቢት ሓሙሽተ ቐዳመ⁠-​ሰናብቲ ስለ ዘለዋ ሰራሕተኛታት ኰኑ ተማሃሮ ሓገዝቲ ፓይነራት ንኽዀኑ ይቐሎም ኢዩ። በዚ ኣብዚ እታው ተዳልዩ ዘሎ ዓውደ⁠-​ኣዋርሕ ገይርካ ግብራዊ መደብ ንምንታይ ዘይተውጽእ፧ ሓጋዚ ፓይነር ኴንካ ምግልጋል ካብቲ እትሓስቦ ንላዕሊ ቐሊል ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ንኣብነት: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቀዳመ⁠-​ሰናብቲ 8 ሰዓት ንግራት ኣገልግሎት እንተ መዲብካ: ነቲ ዝድለ 50 ሰዓታት ንምምጻእ ኣብቲ ዝተረፈ መዓልታት 10 ሰዓታት ጥራይ ኢዩ ዘድልየካ።

11 ኣባላት ጉባኤ ‘ቃል ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ንኽሰብኩ’ ኣብ ምሕጋዝ ሽማግለታት እንታይ ክገብሩ ይኽእሉ፧ ኣብቲ ኣብ ኣኼባታት ዝቐርብ ክፍልታትን ብብሕቲ ኣብ እትገብርዎ ዝርርባትን ውዕዉዕ ስምዒት ኣንጸባርቑ። ተዓዘብቲ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍን ሓገዝቶምን ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ጕጅለኦም ዘሎ ኣስፋሒ ብምዝርራብ ንምሕጋዝ ተበግሶ ኽወስዱ ይኽእሉ ኢዮም። ምናልባት ሒደት ብሕያውነት እተዘርበ መተባብዒ ቓላት ወይ ግብራዊ ርእይቶታት ጥራይ ይድለ ይኸውን። (ምሳ. 25:⁠11) ብዙሓት ኣስፋሕቲ ኣብ መደባቶም ሒደት ምትዕርራያት ብምግባር ሓገዝቲ ፓይነራት ኰይንካ ናይ ምግልጋል መሰል ክሕጐስሉ ኸም ዝኽእሉ ኽግንዘብዎ ኢዮም። ኣብ ብዙሓት ጉባኤታት: ዝበዝሑ ወይ ኵሎም ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ከምኡውን ኣንስቶም በዓል ዝኽሪ ኣብ ዝኽበረሉ ወቕቲ ብሓባር ሓገዝቲ ፓይነራት ኰይኖም ብምግልጋል ሰናይ ኣብነት ኰይኖም ኢዮም። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ብዙሓት ኣስፋሕቲ ንኽሓብርዎም ተተባቢዖም ኢዮም። ብሰንኪ ኣካላዊ ጸገማትን ካልእ ሽግራትን ገሊኣቶም ኣስፋሕቲ ፓይነራት ኰይኖም ከገልግሉ ኣይክእሉን ይዀኑ: እንተዀነ ግን ምስ ካልኦት ኣባላት ጉባኤኦም ኰይኖም ዝከኣሎም ኵሉ ብምግባር ሞሳኦም ንኸርእዩ ምትብባዕ ክወሃቦም ይከኣል ኢዩ።

12 ሽማግለታት ተጠንቂቖም መደባት እንተደኣ ኣውጺኦም ኣሳልጦ ኽርከብ ይከኣል ኢዩ። ኣብ ብምልእታ እታ ሰሙን ኣብ ዝጥዕም እዋናት ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባታት መደብ ክግበር ኣለዎ። ዝከኣል እንተደኣ ዀይኑ እቲ ናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ ነቲ ኣኼባታት ዝመርሑ ብቕዓት ዘለዎም ኣሕዋት ኣቐዲሙ ኽምድብ ኣለዎ። እዚ ኣኼባታት እዚ ምቍራን: ዞባ ምምዳብ: ከምኡውን ጸሎት ሓዊስካ ኻብ 10 ክሳዕ 15 ደቓይቕ ንላዕሊ ምእንቲ ኸይወስድ ጽቡቕ ምድላው ክግበር የድሊ። (ኣብ ናይ መስከረም 2001 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዝወጸ ሕቶ ሳጹን ርአ።) ኣብታ ወርሒ እቲኣ ዝግበር ንጥፈታት ነታ ጉባኤ ብንጹር ክግለጸላን ኣብቲ ናይ ሓበሬታ ሰሌዳ ኽልጠፍን ኣለዎ።

13 እኹል ዝዕየ ዞባ ኽዳሎ ኣለዎ። እቲ ናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ ምስቲ ዞባታት ዝምድብ ሓው ክዘራረብን ነቲ ብተደጋጋሚ ዘይተሸፈነ ዞባ ንምዕያይ ምድላዋት ክገብርን ኣለዎ። ኣብ ቤቶም ንዘይጸንሑ ሰባት ምርካብ: ኣብ መገዲ ምምስካር: ካብ ድኳን ናብ ድኳን ምስባኽ: ከምኡውን ናይ ኣጋ ምሸት ምስክርነት ኣትኵሮ ክግበረሉ ኣለዎ። ኣድላዪ እንተ ዀይኑ እውን ገሊኣቶም ኣስፋሕቲ ናይ ቴለፎን ምስክርነት ንኽገብሩ ሓገዝ ክግበረሎም ይከኣል ኢዩ።

14 እንደገና ንኸገልግሉ ሓግዝዎም:- ኣብ ጉባኤኹም ነቲ ብስራት ኣብ ምስባኽ ዝዛሕተሉ ኣስፋሕቲ ኣለዉዶ፧ እዞም ሰባት እዚኣቶም ዛጊት ክፍሊ እቲ ጉባኤ ኢዮም: ሓገዝ ድማ የድልዮም ኢዩ። (መዝ. 119:⁠176) መወዳእታ እዛ ኣረጊት ዓለምን መጀመርታ እታ ሓዳስ ዓለምን ኣዝዩ ቐሪቡ ስለ ዘሎ: ነቶም ዝዛሕተሉ ሰባት ንምሕጋዝ ዝከኣለና ዅሉ ንምግባር እኹል ምኽንያት ኣሎና። (ሮሜ. 13:⁠11, 12) ዓመት ዓመት ብዙሓት ካብዚኣቶም ንእተገብረሎም ሓገዝ ተቐቢሎም ንጡፋት ኣስፋሕቲ ኰይኖም ኢዮም። ነቲ ኣብ ፈለማ ዝነበሮም ፍቕርን እምንቶን ንምልዕዓል እንታይ ኽንገብር ንኽእል፧​—⁠እብ. 3:⁠12-14

15 እቶም ኣካል ሽማግለታት ነቶም ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት ዝዛሕተሉ ሰባት ብኸመይ ክሕግዝዎም ከም ዝኽእሉ ምይይጥ ክገብሩ የድልዮም ይኸውን። (ማቴ. 18:⁠12-14) እቲ ጸሓፊ ነቲ ናይ ጉባኤ ኣስፋሒ መዝገብ በብሓደ ኽርእዮን ናይቶም ዝዛሕተሉ ምልክት ክገብረሉን ኣለዎ። ብጕስነት ኣቢልካ ሓገዝ ንምሃብ ፍሉይ ጻዕሪ ኽግበር ኣለዎ። ሓደ ሽማግለ ምስ ሓደ ኣስፋሒ ኣቐዲሙ ብዝነበሮ ጽቡቕ ሌላ ኽበጽሖ ይደሊ ይኸውን ወይ ካልኦት ኣስፋሕቲ ንኽበጽሕዎ ክሕተቱ ይከኣል ኢዩ። ምናልባት ነቲ ዝዛሕተለ ቀደም ጽንዓት ዝገብሩሉ ዝነበሩ ምስ ዝበጽሕዎ ነቲ ፍሉይ ሓገዝ ሓንጐፋይ ኢሉ ይቕበሎ ይኸውን። ብዙሓት ካብዞም ዝዛሕተሉ ሰባት ቃል ኣምላኽ እንደገና ምስባኽ ክጅምሩ ተስፋ ንገብር። ኣስፋሕቲ ንምዃን ብቕዓት እንተደኣ ሃልይዎም: ኣገልግሎት ንምጅማር ካብዚ በዓል ዝኽሪ ዝኽበረሉ ወቕቲ ዝሓይሽ ግዜ የለን!​—⁠ተወሳኺ ዝርዝር እንተደኣ ደሊኻ ኣብ ናይ ሕዳር 2000 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዝወጸ ሕቶ ሳጹን ርአ።

16 ካልኦት ንኽሰብኩ ብቑዓት ኰይኖምዶ፧ የሆዋ ነቲ “ናይ ኵላቶም ኣህዛብ ክቡር ነገር” ብምምጻእ ንህዝቡ ብቐጻሊ ይባርኾም ኣሎ። (ሃጌ 2:⁠7) ዓመት ዓመት ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ዘይተጠምቁ ኣስፋሕቲ ንምዃን ብቕዓት ይረኽቡ ኣለዉ። እዚኣቶም መን ኢዮም፧ ደቂ ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ዕቤት ዝገበሩ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስን ኢዮም። ኣስፋሕቲ ናይቲ ብስራት ንምዃን ብቑዓት እንተ ዀይኖም ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል፧

17 ደቂ ናይ የሆዋ መሰኻኽር:- ብዙሓት ቈልዑ ዘይተጠምቁ ኣስፋሕቲ ቕድሚ ምዃኖም ንብዙሕ ዓመታት ምስ ወለዶም ካብ ቤት ናብ ቤት ይኸዱ ኢዮም። ወርሒ መጋቢት ዘይተጠምቁ ኣስፋሕቲ ንኽዀኑ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኽትከውን ትኽእል ኢያ። ውላድካ ብቑዕ ምዃኑ ብኸመይ ክትፈልጥ ትኽእል፧ ኣብታ ኦርጋናይዝድ ቱ ኣኮምፕሊሽ ኣዋር ሚኒስትሪ እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 100 “ሓደ ቘልዓ ኣብነታዊ ምስ ኰነን ካብ ልቡ ተደሪኹ እቲ ብስራት ንኻልኦት ብምንጋር ብዛዕባ እምነቱ ባዕሉ ኽገልጽ ምስ ከኣለን” ምዃኑ ትሕብረና። ውላድካ ብቕዓት ዘለዎ ዀይኑ እንተደኣ ተሰሚዑካ: ንሓደ ኻብቶም ኣባላት ናይ ጉባኤ ኮሚተ ኣገልግሎት ኣዘራርብ።

18 ብቕዓት ዘለዎም ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ:- ሓደ ተማሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ረኸበን ንእተወሰነ እዋን ኣብ ኣኼባ ኽካፈል ምስ ጀመረን ኣስፋሒ መንግስቲ ኣምላኽ ንምዃን ድሌት ይህልዎ ይኸውን። ንኸምዚ ዝኣመሰለ ተማሃራይ ጽንዓት ትመርሓሉ እንተደኣ ሃሊኻ ነዚ ሕቶታት እዚ ሕሰበሉ:- ምስ ዕድሚኡን ክእለቱን ዝመጣጠን ቀጻሊ ዕቤት ይገብር ኣሎዶ፧ እምነቱ ንእግረ⁠-​መገዱ ንኻልኦት ምንጋር ጀሚሩዶ፧ ነቲ “ሓድሽ ሰብ” ይለብሶዶ ኣሎ፧ (ቈሎ. 3:⁠10) እቲ ኣብ ኣዋር ሚኒስትሪ ገጽ 97-9 ተዘርዚሩ ዘሎ ኻብ ዘይተጠምቀ ኣስፋሒ ዝሕተት ብቕዓታት ኣማሊኡዶ፧ ነዚ ዅሉ እንተደኣ ኣማሊኡ ንሓደ ኣባል ናይ ጉባኤ ኮሚተ ኣገልግሎት ኣዘራርብ እሞ ክልተ ሽማግለታት ንዓኻን ነቲ ተማሃራይ ብሓንሳእ ከዘራርብኹም ኢዮም። ብቑዕ እንተደኣ ዀይኑ እቶም ሽማግለታት ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ክካፈል ከም ዝኽእል ክሕብርዎ ኢዮም።

19 ሚያዝያን ግንቦትንከ፧ እዚአን እውን ኣብ ግራት ኣገልግሎት ተወሳኺ ንጥፈታት እነካይደለን ፍሉያት ኣዋርሕ ክዀና ኢየን። መብዛሕትኦም ኣብ መጋቢት ሓገዝቲ ፓይነራት ኰይኖም ዘገልግሉ ኣብ ሚያዝያን ግንቦትን ወይ ካብ ክልቲኡ ኣብ ሓዲኡ ኽደግሙ ይኽእሉ ይዀኑ። ኣብ ሚያዝያን ግንቦትን መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ኣብ ምዕዳል ከነተኵር ኢና። እዚ መጽሔታት እዚ ነቶም ዘንብብዎ ሰባት ኣየ ኽንደይ ጠቓሚ ዀን ኢዩ! ኣብቲ ኣብ መላእ ዓለም እንረኽቦ ዘሎና ዘደንቕ ወሰኽ ግደ ኣለዎ። ኣብ ሚያዝያን ግንቦትን ብእተኻእለ መጠን ንብዙሓት ሰባት መጽሔታት ንምዕዳል ፍሉይ ጻዕሪ ኽግበር ኢዩ። ምሉእ ተሳትፎ ንኽህልወካ ኻብ ሕጂ መደብ ግበር።

20 ተወሳኺ ንጥፈታት ስለ ዝህሉ ብዝሒ እቲ ዝኣዘዝካዮ መጽሔታት ክትውስኽ ትደሊዶ፧ ኣብዘን ኣዋርሕ እዚኣተን መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ክንዕድል ኢና።

21 ብዙሓት ሰባት ነታ ኣብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እትወጽእ “መጽሔታት ክንዕድል ከሎና እንታይ ከም እንብል” እትብል ዓንቀጽ ሞስኦም ገሊጾም ኢዮም። ካብቲ ኣብኡ ቐሪቡ ዘሎ ናይ መጽሔት ኣቀራርባ ሓሳብ ብምውሳድ ነዚ ምድላው እዚ ተጠቒምካሉዶ፧ ካብቲ ናይ ስድራ​ቤት መጽናዕትኹም እተወሰነ ግዜ ብምውሳድ ነዚ ኣቀራርባታት እዚ ዘይትለማመድሉ፧

22 ንናይ በዓል ዝኽሪ ወቕቲ ብዝበለጸ መገዲ ተጠቐመሉ:- ኣብቲ ናይ በዓል ዝኽሪ ወቕቲ ንኽካየድ መደብ ተገይሩ ኣብ ዘሎ መንፈሳዊ ንጥፈታት ምሉእ ብምሉእ ብምክፋል ከም ሃዋርያ ጳውሎስ ንኣምላኽ ስለቲ ‘ማእለያ ዜብሉ ጸጋኡ’ ኽሳዕ ክንደይ ከም እነማስዎ ነርኢ። እዚ ኸኣ (1) ኣብቲ ኣብዚ ዓመት እዚ ሓሙስ 28 መጋቢት 2002 ዝውዕል ካብ ኵሉ ንላዕሊ ኣገዳሲ ዝዀነ ድራር ጐይታ ምእካብ፣ (2) ነቶም ዝዛሕተሉ ‘እታ ቐዳመይቲ ፍቕሮም’ ንኸበራብርዋ ምሕጋዝ (ራእ. 2:⁠4፣ ሮሜ 12:⁠11)፣ (3) ነቶም ዘይተጠምቁ ኣስፋሕቲ ንምዃን ብቕዓት ዘለዎም ደቅናን ጽንዓታትናን ምድጋፍ፣ (4) ኣብ ዕዮ ወንጌላውነት ብእተኻእለና መጠን ምሉእ ብምሉእ ምስታፍ: ኣብ ወርሒ መጋቢትን ኣብ ዝቕጽል ኣዋርሕን ድማ ሓገዝቲ ፓይነራት ምዃን ዘጠቓለለ ኢዩ።​—⁠2 ጢሞ. 4:⁠5

23 ኣብዚ በዓል ዝኽሪ ዝኽበረሉ ወቕቲ ዅላትና ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምስባኽ ምሉእ ተሳትፎ ንኽህልወና ጸሎትና ኢዩ፣ በዚ ኸኣ ነቲ የሆዋ ዝገበረልና ዅሉ ዘሎና ሞሳ ኽሳዕ ክንደይ ዓሚቝ ምዃኑ ነርኢ።

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሳጹን]

ሰንበት

ሰኑይ

ሰሉስ

ረቡዕ

ሓሙስ

ዓርቢ

ቀዳም

ንመጋቢት 2002 ዝኸውን ናይ ግራት ኣገልግሎት ናይ ብሕቲ መደብ

መዓልቲ መጽሔት

መዓልቲ መጽሔት

መዓልቲ መጽሔት

መዓልቲ መጽሔት

በዓል ዝኽሪ

ጸሓይ ድሕሪ ምዕራባ

መዓልቲ መጽሔት

ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ሓጋዚ ፓይነር ንምዃን ብድምር 50 ሰዓታት ክትምድብ ትኽእልዶ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ