ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 2/02 ገጽ 7
  • ምልክታታት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምልክታታት
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2002
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2002
km 2/02 ገጽ 7

ምልክታታት

◼ ዝዕደል ጽሑፋት ኣብ ለካቲት:- ራእይ​—⁠እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ! ወይ ዝዀነ ይኹን ኣብ መኽዘን ናይታ ጉባኤ ዝርከብ ቀደም እተሓትመ 192 ገጽ ዘለዎ መጽሓፍ። መጋቢት:- ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት። ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ፍሉይ ጻዕሪ ኽግበር ኢዩ። ሚያዝያን ግንቦትን:- መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ተመላሊስካ ምብጻሕ ዝግበረሎም ሰባት ተገዳስነት ከም ዘለዎም እንተ ኣርእዮም: ኵንትራት ክኣትዉ ዕድመ ክቐርበሎም ይኽእል ኢዩ። ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ነታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ምጥቃም ይከኣል ኢዩ።

◼ እቲ ናይ 2002 በዓል ዝኽሪ ኣብ ዝግበረሉ ወቕቲ ዝወሃብ ፍሉይ ህዝባዊ ዝርርብ ሰንበት 14 ሚያዝያ ክኸውን ኢዩ። ኣርእስቲ ናይቲ ዝርርብ “ነታ ‘እተፍርህ መዓልቲ’ ኣብ ኣእምሮኹም ኣቀላጥፍዋ” ዝብል ኢዩ። እተዋጽአ ጽሑፍ ክለኣኽ ኢዩ። እተን ኣብ ቀዳመ⁠-​ሰንበት ናይታ ሰሙን እቲኣ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ምብጻሕ ዘለወን ጉባኤታት እቲ ፍሉይ ዝርርብ ኣብታ እትቕጽል ሰሙን ክወሃበን ኢዩ። ዝዀነት ትኹን ጉባኤ ነዚ ፍሉይ ዝርርብ እዚ ቅድሚ 14 ሚያዝያ 2002 ክትወስዶ ኣይግባእን ኢዩ።

◼ እቲ ኣወሃሃዲ ተዓዛቢ ወይ ንሱ ዝወከሎ ሓው 1 መጋቢት ወይ ድሕሪኡ ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ ነቲ ናይ ጉባኤ ሕሳብ ክምርምሮ ኣለዎ። እዚ ምስ ተገብረ ደድሕሪ እቲ ኣብ ቀጻሊ ግዜ ዝህሉ ናይ ሕሳብ ጸብጻብ ነታ ጉባኤ ምልክታ ይንገር።

◼ እቲ ጸሓፍን እቲ ናይ ኣገልግሎት ተዓዛብን ናይ ኵሎም ስርዓታውያን ፓይነራት ንጥፈት ክምርምርዎ ኣለዎም። ነቲ ዘድሊ ሰዓታት ኣብ ምምላእ ሽግር ዘለዎ ምስ ዝህሉ: እቶም ሽማግለታት ንምሕጋዙ መደብ ክገብሩ ኣለዎም። ብዛዕባ እዚ ሓሳባት ንምርካብ ነቲ ኻብ ማሕበር ዝለኣኽ ዓመታዊ ደብዳበታት S-201 ርኣዩ። ናይ ነሓሰ 1986 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እታው (እንግሊዝኛ) ቍጽሪ 12-20 እውን ርኣዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ