ኵሉ ሰብ ካብታ ኖዋህ—ሂ ዎክድ ዊዝ ጎድ ዘርእስታ ቪድዮ ኽመሃር ይኽእል ኢዩ
ዘፍጥረት 6:1 ክሳዕ 9:19 ኣንብቦ ወይ ሕልፍ ሕልፍ በሎ። ብድሕሪኡ ነታ ኖዋህ ዘርእስታ (ቪድዮ) ርኣያ: ነዚ ሕቶታት እዚ እንታይ ኢልካ ከም እትምልስ ድማ ሕሰብ:- (1) ብግዜ ኖህ ዓለም ከመይ ኢያ ነይራ: ኣብቲ ደረጃ እቲ ዝበጽሐትከ ብኸመይ ኢያ፧ (2) ኖህ ካብ ካልኦት ፍልይ ዘብሎ እንታይ ኢዩ: ኣምላኽ እንታይ ዕዮ ኢዩ ሂብዎ: ስለምንታይከ፧ (3) እታ መርከብ እተሰርሓትሉ ቦታ ኣበይ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል: ክንደይ ዝኣክል ግዜ ወሲዳ: ዕቤታኸ ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ነይሩ፧ (4) ኖህን ስድራቤቱን መርከብ ምስራሕ ጥራይ ዘይኰነስ እንታይ ክገብሩ ነበሮም፧ (5) እቲ ማዕጾ ናይታ መርከብ ምስ ተዓጽወ ኣብ ውሽጢ ዝነበሩ ሰባት ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት ዝነበሩ ይመስለካ፧ (6) ካብ መንጎ እቶም ካብ ማይ ኣይሂ ዝደሓኑ ሰባት ነይርካ እንተ ትኸውን ከመይ ምተሰምዓካ፧ (7) ሎሚ ንማይ ኣይሂ ዘዘኻኽረና እንታይ ነገር ኢና ብተደጋጋሚ እንርኢ: እንታይ ትርጕምከ ኢዩ ዘለዎ፧ (8) እቲ ብዛዕባ ኖህ ዝገልጽ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኻ: ብዛዕባ ስድራቤትካ: ከምኡውን ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ክንዓዮ ዝሃበና ዕዮ እንታይ ምሂሩካ፧ (9) ንኖህን ስድራቤቱን ኣብ ገነት ምስ ረኸብካዮም እንታይ ሕቶታት ክትሓቶም ትደሊ፧ (10) ነዛ ቪድዮ እዚኣ ብኸመይ ክትጥቀመላ መዲብካ ኣሎኻ፧