ተኣምራት የሆዋ ኣውጅ
1. ገለ ኻብቲ ንስኻ ብፍላይ እተማስወሉ ተኣምራት የሆዋ እንታይ ኣሎ፧
1 ከምቲ ዓብዪ ኣምላኽና የሆዋ ዝኣመሰለ ከቶ የልቦን! ነዚ ብዚምልከት ዳዊት “ጐይታይ: ኣምላኸየ: ተኣምራትካን ንኣና ዝሐሰብካዮ ሓሳባትካን ብዙሕ እዩ: ንኣኻ ዚመስል ከቶ የልቦን” በለ። (መዝ. 40:5) እዚ ተኣምራት የሆዋ ተባሂሉ ዘሎ: ኣብ ኣድማስ ዚርከብ ፍጥረት: መሲሓዊት መንግስቲ: ንህዝቡ ዜርእዮም ሳህሊ: ከምኡውን ነቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት ዜጠቓልል እዩ። (መዝ. 17:7, 8፣ 139:14፣ ዳን. 2:44፣ ማቴ. 24:14) ንየሆዋ ዘላትና ፍቕርን ንዅሉ እቲ ዝገበረልና ነገራት ዘሎና ሞሳን ንኻልኦት ብዛዕባኡ ንኽንነግሮም ይድርኸና። (መዝ. 145:5-7) ኣብቲ ፍሉይ ናይ ዞባ ወፈራ ዚግበረሉ መጋቢትን ሚያዝያን ግንቦትን: ነዚ ብዝያዳ ንኽንገብሮ ኣጋጣሚ ኽንረክብ ኢና።
2. ሓጋዚ ፓይነር ብምዃን ብኸመይ ኢና እንጥቀም፧
2 ሓጋዚ ፓይነር ምዃን:- ኣብዘን ፍሉይ ንጥፈታት ዚግበረለን ኣዋርሕ ሓንሳእ ወይ ብተደጋጋሚ ኣብ ወርሒ 50 ሰዓት ኣብ ኣገልግሎት ንምሕላፍ መደብካ ኸተተዓራሪ ትኽእልዶ፧ ካብቲ ኣብ ናብራኻ እትገብሮ ምትዕርራይ ብዙሕ ከም እትጥቀም እተረጋገጸ እዩ። (ኤፌ. 5:16) ብዙሓት ክርስትያናት ሓጋዚ ፓይነር ምዃን ነገልግሎቶም ንምምሕያሽ ዚሕግዝ ኰይኑ እዮም ረኺቦምዎ። ካብ ቤት ናብ ቤት ምኻድ ይለምድዎ: ንመጽሓፍ ቅዱስ ድማ ብዝያዳ ይጥቀሙሉ። ኣብ ኣገልግሎት ንውሕ ዝበለ ግዜ ስለ ዜሕልፉ ነቶም ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ንምክትታል ዝቐለለ ይዀነሎም: ገሊኣቶም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ መሪሖም ዘይፈልጡ ድማ ሓጋዚ ፓይነር ኰይኖም ኬገልግሉ ኸለዉ መጽናዕቲ ዚመርሑሉ ሰብ ረኺቦም እዮም። ሓጋዚ ፓይነር ክንከውን ከለና ንኻልኦት ንኽንሕግዝ ጻዕሪ ስለ እንገብር: ዜሐጕስ ዕዮ እዩ።—ግብ. 20:35
3. ገሊኣቶም ኣጸጋሚ ዅነታት እናሃለዎም ክነሶም ብኸመይ እዮም ሓገዝቲ ፓይነራት ኰይኖም ኬገልግሉ ኽኢሎም፧
3 ተቐላጢፍካ ‘ዅነታተይ ኣየፍቅደለይን እዩ’ ኢልካ ኣይትደምድም። ዓሚ ኽልተ ዚዓብዩ ቘልዑን ናይ ምሉእ መዓልቲ ስራሕን ዘለዎ ሽማግለ ሓጋዚ ፓይነር ኰይኑ ኣገልገለ። እዚ ግዜኡ እተጻበበ ሓው ብኸመይ እዩ ሓጋዚ ፓይነር ኪኸውን ክኢሉ። ኣብ መንጎ ሰሙን ስለ ዚሰርሕ: ቀዳም ንግሆ ኻብ ሰዓት 7 ኣትሒዙ ኣብ ናይ መገዲ ምስክርነት ብምስታፍ ኣገልግሎቱ ንኺጅምር እሞ ኣብ ቀዳመ-ሰናብቲ ንነዊሕ ሰዓታት ንኼገልግል መደብ ገበረ። ኣብታ ጉባኤኡ ዚርከቡ ተመሳሳሊ ዅነታት ዘለዎም ኣስፋሕቲ እውን ሓገዝቲ ፓይነራት ብምዃን ንሓድሕዶም ተደጋገፉን ተተባብዑን። ኣብ ካልእ ጉባኤ ሓንቲ 99 ዓመት ዝዕድሜኣ ሓብቲ ነቲ ጓላ ኽልቲአን ሓቢረን ሓገዝቲ ፓይነራት ንኪዀና ዘቕረበቶ ሓሳብ ተቐቢላ ኣብ ወርሒ ግንቦት ሓጋዚት ፓይነር ኰነት። ካልኦት ኣብታ ጉባኤ ዚርከቡ ክርስትያናት ነዛ ብዕድመ ዝደፍአት ሓብቲ ብሽክለታኣ እናደፍኡ ኻብ ቤት ናብ ቤትን ናብ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስን ይወስድዋ ነበሩ። ኣብ ናይ ተሌፎን ምስክርነት: ኣብ ናይ መገዲ ምስክርነት: ከምኡውን ብደብዳበ ምስክርነት ኣብ ምሃብ እውን ተሳቲፋ እያ። እዛ ሓብቲ እዚኣ ነዚ ብሓገዝ የሆዋ ደኣ እምበር ብሓይላ ኸም ዘይገበረቶ እያ እትኣምን።—ኢሳ. 40:29-31
4. ሓጋዚ ፓይነር ንምዃን መደባት ከነውጽእ ከለና ኣብ ግምት ከነእትዎ ዘሎና ነገራት እንታይ እዩ፧
4 ምስ ኵነታትካ ኣጸቢቑ ዚሰማማዕ መደብ ኣውጽእ። እቲ ኣብዛ ሕታም ዘሎ መርኣዪ ዚዀነና መደባት ኪጠቕመካ ይኽእል እዩ። ምሉእ መዓልቲ ኣብ ስራሕ ወይ ኣብ ትምህርቲ ዲኻ እትውዕል፧ ኣብ ቀዳመ-ሰንበት ንዘሎካ ግዜ ብዝግባእ ኣብ ምጥቃም ዘተኰረ መደብ ኬዋጽኣካ ይኽእል እዩ። ናይ ጥዕና ጸገም እንተሎካ: ነዊሕ ሰዓታት ንኸተገልግል ድማ ሓይሊ ዘይብልካ እንተደኣ ዄንካ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ እተወሰነ ግዜ ጥራይ ምምዳብ ዝሓሸ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሓጋዚ ፓይነር ኴንካ ኸተገልግል ከም እትደሊ ንኻልኦት ኣስፋሕቲ ንገሮም። ምናልባት ንሳቶም እውን ነዚ ሸቶ እዚ ኼውጽኡ ይኽእሉ እዮም።
5. መንእሰያት ንመጋቢትን ሚያዝያን ግንቦትን እንታይ ሸቶታት ኬውጽኡ ይኽእሉ፧
5 መንእሰያት ኪሳተፉሉ ዚኽእሉ መገድታት:- የሆዋ: መንእሰያት ብዛዕባ ተኣምራቱ ኺዛረቡ ኸለዉ ባህ እዩ ዚብሎ። (መዝ. 71:17፣ ማቴ. 21:16) እተጠመቕካ መንእሰይ እንተ ዄንካ: ምናልባት ኣብቲ ኻብ ትምህርትኻ ዕረፍቲ እትረኽበሉ ወርሒ ሓጋዚ ፓይነር ኴንካ ኸተገልግል ትኽእል ኢኻ። ሓጋዚ ፓይነር ኴንካ ኸተገልግል ዘይትኽእል እንተደኣ ዄንካ: ኣብዘን ኣዋርሕ እዚኣተን ኣብ ኣገልግሎት እተሕልፎ ሰዓታት ንምውሳኽን ኣገልግሎትካ ንምምሕያሽን ንጹር ሸቶታት ከተውጽእ ትኽእልዶ፧ ኣስፋሒ ኸይኰንካ ምስ ወለድኻ ተገልግል እንተደኣ ኣሊኻ: ዘይተጠመቐ ኣስፋሒ ንኽትከውን ንምንታይ ሕጂ ዘይትሓስበሉ፧ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብዚምልከት ዚለዓል ሕቶታት ኣብ ምምላስ ኣነ ዝበለ ኺኢላ ኽትከውን ወይ ማዕረ እቶም እተጠምቁ ዓበይቲ ሰባት ክትፈልጥ ዘሎካ ዀይኑ ኺስምዓካ የብሉን። መሰረታዊ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ተረዲእካዶ፧ ነቲ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ትስዕቦ ዲኻ፧ ናይ የሆዋ ምስክር ተባሂልካ ኽትጽዋዕ ትደሊ ዲኻ፧ ነዚ ሰለስቲኡ እተማልእ እንተደኣ ዄንካ: ነዚ ጕዳይ እዚ ምስ ወለድኻ ተዘራረበሉ። ወለድኻ ድማ ሽማግለታት ነቲ ብቕዓታት ኣማሊእካ እንተ ዄንካ ኸም ዜዘራርቡኻ ኺገብሩ ይኽእሉ እዮም።—ኣብታ ኣዋር ሚኒስትሪ ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ): ኣብ ገጽ 98-9 ተወከስ።
6. ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣስፋሕቲ እቲ ብስራት ንኪዀኑ ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧
6 ካልኦት ንኺሰብኩ ምሕጋዞም:- ጽቡቕ ዕቤት ዚገብሩ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብዚ ፍሉይ ንጥፈታት ዚግበረሉ ኣዋርሕ ኣስፋሕቲ ንምዃን ብቑዓት ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ጽቡቕ ዕቤት ዚገብር ዘሎ ተማሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ እንተልዩካ: ካብ ናይ ትምህርቲ መጽሓፍ ተዓዛቢ ወይ ካብ ናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ ሓገዝ ኣናዲ። ንሓደ ኻባታቶም እቲ ተማሃራይ ንዝገበሮ ዕቤት ኣብ ምግምጋም ምእንቲ ኺሕግዘካ ኣብቲ መጽናዕቲ ኽትዕድሞ ትኽእል ኢኻ። እቲ ተማሃራይ ኣስፋሒ ንኪኸውን ብቕዓትን ድሌትን እንተልይዎ: እቲ ኣወሃሃዲ ተዓዛቢ ኽልተ ሽማግለታት ምሳኻን ምስቲ ተማሃራይካን ንኺዘራረቡ ምድላው ኪገብር እዩ። (ናይ 15 ሕዳር 1988 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 17 ተወከስ።) እቲ ተማሃራይ ኣስፋሒ ኪኸውን ምስ ተፈቕደሉ: ብኡንብኡ ኣብ ኣገልግሎት ከተለማምዶ ጀምር።
7. ንዘይስርዓታውያንን ዝዛሕተሉን ኣስፋሕቲ ብኸመይ ምሕጋዝ ይከኣል፧
7 ናይ ትምህርቲ መጽሓፍ ተዓዘብቲ ኣብ ጕጅለኦም ንዚርከብ ዝዛሕተለ ወይ ዘይስርዓታዊ ንዘበለ ዅሉ ፍሉይ ቈላሕታ ኺገብሩሉ ይደልዩ እዮም። ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ምሳኻ ሓቢሮም ንኼገልግሉ ብብሕቲ ቐሪብካ ዓድሞም። ንነዊሕ እዋን ዛሕቲሎም ዝጸንሑ እንተ ዀይኖም ግን ንኼገልግሉ ብቕዓት እንተልይዎም ንምርኣይ ፈለማ ኽልተ ሽማግለታት እንተ ኣዘራረብዎም ይሓይሽ። (ኣብ ናይ ሕዳር 2000 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እትርከብ ሕቶ ሳጹን ተወከስ።) ኣብዘን ፍሉይ ንጥፈታት ዚካየደለን ኣዋርሕ ዚንጸባረቕ ቅንኣት: ከም ብሓድሽ ኣዘውቲሮም ንኼገልግሉ ኼለዓዕሎም ይኽእል እዩ።
8, 9. ሽማግለታት ነዚ ፍሉይ ንጥፈታት ዚግበረሉ ኣዋርሕ ንምንቕቓሕ እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧
8 ነዚ ተወሳኺ ንጥፈታት ካብ ሕጂ ተዳለዉ:- ሽማግለታት: ኣብ ጉባኤኹም ሓገዝቲ ፓይነራት ንኺህልዉ ኻብ ሕጂ ኣነቓቕሑዎም። በቲ ዜተባብዕ ዘረባኹምን በቲ ሰናይ ኣብነትኩምን ብዙሕ ክትሕግዝዎም ትኽእሉ ኢኹም። (1 ጴጥ. 5:3) እታ ጉባኤ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝነበራ ዝለዓለ ብዝሒ ሓገዝቲ ፓይነራት ክንደይ እዩ ነይሩ፧ ኣብዛ ዓመት እዚኣ ነዚ ኽትሓልፍዎ ትኽእሉ ዲኹም፧ ናይ ትምህርቲ መጽሓፍ ተዓዘብትን ሓገዝቶምን ኣብ ጐጕጅለኦም ዚርከቡ ዅላቶም ኣስፋሕቲ ንጥፈታቶም ንኼዛይዱ ኸተባብዕዎም ኣለዎም። ናይ ኣገልግሎት ተዓዘብቲ ተወሳኺ ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባታት ዚግበረሉ መደብ ኬውጽኡ ይኽእሉ እዮም። እቲ እተገብረ ምድላው ኣቐዲምኩም ነንጉባኤኹም ኣፍልጡ። ኣብዚ መዳይ እዚ ነቲ ኣኼባታት ንኺመርሑ ኽኢላታት ኣስፋሕቲ መድቡ: እቲ ነገልግሎት ዚግብር ኣኼባ ድማ ኣብ ሰዓቱ ጀሚሩ ኣብ ሰዓቱ ይወዳእ። (ኣብ ናይ መስከረም 2001 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እትርከብ ሕቶ ሳጹን ተወከስ።) እቲ ናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ እኹል ዞባታትን መጽሔታትን ጽሑፋትን ንኺህሉ ምድላው ኪገብር ኣለዎ።
9 ዓሚ ናይ ሓንቲ ጉባኤ ሽማግለታት ነቶም ኣስፋሕቲ ሓገዝቲ ፓይነራት ንኪዀኑ ኣቐዲሞም ብቕንኢ ኼተባብዕዎም ጀመሩ። እተወሰኑ ኻብቶም ሽማግለታት እውን ሓገዝቲ ፓይነራት ኰኑ። ንናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባ ተወሳኺ ምድላዋት ገበሩ። ነቶም ኣብ ናይ መገዲ ምስክርነት ዚሳተፉ ሰዓት 5:30 ቅ.ቐ.: ነቶም ካብ ቤት ትምህርቲ ዚፍደሱ ሰዓት 3:00 ድ.ቐ.: ነቶም ካብ ስራሕ ዚወጹ ኸኣ ሰዓት 6:00 ድ.ቐ. ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ተገብረሎም። ኣብ ርእሲ እዚ: ቀዳም ቀዳም ዝግበር ሰለስተ ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባታት ተዳለወ። ካብታ ጉባኤ ኸኣ ኣብ ሚያዝያ 66 ኣስፋሕቲ ሓገዝቲ ፓይነራት ንኪዀኑ ብምምዝጋብ ነቲ እተገብረ ምድላው ጽቡቕ ምላሽ ሃቡ።
10. ስድራቤታት ንጥፈታተን ንምድንፋዕ ብኸመይ ኪዳለዋ ይኽእላ፧
10 ኣብ ዚቕጽል ናይ ስድራቤት መጽናዕትኹም ኣብ ዚመጽእ ኣዋርሕ ግብራዊ ኪኸውን ዚኽእል ሸቶታት ንምውጻእ ንምንታይ ግዜ ዘይትምድቡ፧ ብምትሕብባርን ጽቡቕ መደብ ብምግባርን: እተወሰኑ ወይ ኵሎም ኣባላት ስድራቤትኩም ሓጋዚ ፓይነር ኪዀኑ ይኽእሉ ይዀኑ። እዚ ዘይከኣል እንተ ዀይኑ: ነቲ ኣብ ኣገልግሎት እተሕልፍዎ ዝነበርኩም ልሙድ ሰዓታት ብምንዋሕ ወይ ኣብ ተወሳኺ ኣጋጣሚታት ናብ ኣገልግሎት ብምኻድ ንጥፈታትኩም ንምድንፋዕ ሸቶታት ኣውጽኡ። ብስድራቤት ጸልዩሉ። የሆዋ ንጻዕርታትኩም ከም ዚባርኾ ድማ ኣይትጠራጠሩ።—1 ዮሃ. 3:22
11. (ሀ) መስዋእቲ ክርስቶስ እንታይ ተኣምራት ኪበሃል ዚከኣል ነገራት እዩ ዝፈጸመ፧ (ለ) ኣብ ጉባኤና በዓል ዝኽሪ መዓስን ኣበይን እዩ ኺበዓል፧
11 እቲ ዝዓበየ ተኣምራት ኣምላኽ:- እቲ ዝዓበየ መግለጺ ፍቕሪ የሆዋ: ንወዱ በጃ ንኪዀነና ምሃቡ እዩ። (1 ዮሃ. 4:9, 10) በጅነታዊ መስዋእቲ ንደቅሰብ ካብ ሓጢኣትን ሞትን ንኺድሕኑ ሕጋዊ መሰረት እዩ ዜንብር። (ሮሜ 3:23, 24) እቲ ዝፈሰሰ ደም የሱስ ዘይፍጹማት ሰባት ኣብ ሰማያዊት መንግስቲ ንኺገዝኡ ተስፋ ዘለዎም ደቂ ኣምላኽ ከም ዚዀኑ ብምግባር ነቲ ሓድሽ ኪዳን ኣቘሞ። (ኤር. 31:31-34፣ ማር. 14:24) ልዕሊ ዅሉ ኸኣ የሱስ ዘርኣዮ ፍጹም ተኣዛዝነት ንስም የሆዋ ቐዲስዎ እዩ። (ዘዳ. 32:4፣ ምሳ. 27:11) ሰንበት 4 ሚያዝያ ጸሓይ ድሕሪ ምዕራባ: በዓል ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ኣብ መላእ ዓለም ኪኽበር እዩ።
12. ተገደስቲ ሰባት ድራር ጐይታ ምስ ዜብዕሉ ኺጥቀሙ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧
12 ድራር ጐይታ ምብዓል ንተኣምራት የሆዋ ዜጕልሕ እዩ። እቲ ኣብኡ ዚቐርብ ዝርርብ ነቲ የሆዋ በጃ ብምሃብ ዝገበረልና ነገር ዘሎና ሞሳን ምርዳእን ዝያዳ የዕምቖ። እቶም ኣብኡ ዚእከቡ ተገደስቲ ኻልእ ተኣምራት ኣምላኽ ንኺርእዩ ኣጋጣሚ ይረኽቡ። የሆዋ ንህዝቡ ዝመሃሮም ሓድነትን ፍቕርን ኪርእዩ ኣጋጣሚ ይረኽቡ። (ኤፌ. 4:16, 22-24፣ ያእ. 3:17, 18) ሓደ ሰብ ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ እንተ ተኣኪቡ: ኣብ ኣተሓሳስባኡ ናይ ብሓቂ ጽልዋ ኼሕድረሉ ስለ ዚኽእል: ብእተኻእለ መጠን ብዙሓት ናብዚ በዓል እዚ ኺመጹ ኢና እንደሊ።—2 ቈረ. 5:14, 15
13, 14. ናብ በዓል ዝኽሪ ንመነመን ኢና ኽንዕድም ዘሎና: ብኸመይከ፧
13 ካልኦት ኣብቲ በዓል ንኺእከቡ ምዕዳሞም:- ኣስማት እቶም እትዕድሞም ሰባት ብምጽሓፍ ካብ ሕጂ ነቲ በዓል ተዳሎ። ነቶም ዘይኣምኑ ኣባላት ስድራቤትካ: ጐረባብትኻ: መሳርሕትኻ ወይ መማህርትኻ: ቀደም መጽሓፍ ቅዱስ ትምህሮም ዝነበርካን ሕጂ እትምህሮም ዘለኻን: ከምኡውን ኵሎም ተመላሊስካ ምብጻሕ እትገብረሎም ሰባት ክትምዝግቦም ኣሎካ። ናይ ትምህርቲ መጽሓፍ ተዓዘብቲ ነቶም ዝዛሕተሉ እውን ኪምዝግብዎም ኣለዎም።
14 ነቲ ናይ በዓል ዝኽሪ ናይ ዕድመ ወረቐት ተጠቐመሉ: ኣብኡ ድማ እቲ በዓል ዚበዓለሉ ሰዓትን ቦታን ብንጹር ጽሓፍ። ወይ ከኣ ነቲ ኣብ ድሕሪት ገበር እታ ናይ 15 መጋቢት 2004 ግምቢ ዘብዐኛ ዘሎ ሓሳባት ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። ኣርባዕተ ሚያዝያ እናቐረበት ብዝኸደት መጠን: ነቶም ዝመዝገብካዮም ሰባት ብኣካል ኬድካ ወይ ብተሌፎን ኣዘኻኽሮም።
15. በታ በዓል ዝኽሪ እትበዓለላ ምሸት ተቐባሊ ጋሻ ምዃንካ ብኸመይ ከተርኢ ትኽእል፧
15 ኣብ በዓል ዝኽሪ:- በታ በዓል ዝኽሪ እትበዓለላ ምሸት ብኣጋኡ ናብቲ መአከቢ ቦታ ንምኻድ ጽዓር። ንሓደስቲ ሰላም ብምባል ተቐባል ጋሻ ምዃንካ ኣርኢ። (ሮሜ 12:13) ምናዳ ነቶም ዝዓደምካዮም ኣጋይሽ ፍሉይ ሓላፍነት ኣሎካ። ምእንቲ ኸይጋየሹ መርሓባ ኢልካ ተቐቢልካ: ምስ ካልኦት ኣባላት እታ ጉባኤ ኣፋልጦም። ምናልባት ጥቓኻ ኾፍ ከም ዚብሉ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ። ካብቶም ሓደስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ናይ መዝሙር መጽሓፍ ዘይብሎም እንተ ርኢኻ: ኣብ ጥቓኦም ኮፍ ብምባል ኣርእዮም ወይ ካልእ ከም ዜርእዮም ግበር። ድሕሪ እቲ በዓል ንዝዀነ ይኹን ዚሓቱኻ ሕቶ ንምምላስ ድሉው ኩን። ገሊኣቶም ንመጀመርታ ግዜ ዚመጹ እንተደኣ ዀይኖም: ብዛዕባ ቓል ኣምላኽን ዕላማኡን ዝያዳ ኺመሃሩ ዚደልዩ እንተደኣ ዀይኖም ሕተቶም። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትመርሓሎም ፍቓደኛ ምዃንካ ግለጸሎም።
16. ነቶም ኣብ በዓል ዝኽሪ ዚእከቡ መንፈሳዊ ዕቤት ምእንቲ ኺገብሩ ብኸመይ እዮም ኪሕገዙ ዚኽእሉ፧
16 ነቶም ኣብቲ በዓል ዝኽሪ እተኣከቡ ኻብ ምሕጋዝ ኣይተቋርጽ:- ድሕሪ እቲ በዓል ዝኽሪ ኣብ ዘለዋ ሰሙናት: እቶም ኣብቲ በዓል ዝኽሪ እተኣከቡ ተወሳኺ ሓገዝ ኬድልዮም ይኽእል እዩ። እዚኣቶም ከኣ እቶም ኣዘውቲሮም ኣብ ኣኼባታት ዚእከቡ ዝነበሩ ግን ከኣ ምስ ጉባኤ ብዙሕ ርክብ ዘይብሎም ሰባት እውን ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ሽማግለታት ነቶም ከምዚኣቶም ዝኣመለሱ ሰባት መንፈሳዊ ዕቤት ምግባር ዘቋረጹሉ ምኽንያት ንኺፈልጡ ብምጽዓር: ዕሽሽ ንኸይበሃሉ ኣቓልቦ ኺገብሩሎም እዮም። እቲ መወዳእታ ቐሪቡ ምህላዉ ኼረድእዎም ኪጽዕሩ እዮም። (1 ጴጥ. 4:7) ነቲ ኣዘውቲርና ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ንኽንእከብ እተዋህበና ምሕጽንታ ምስዓቡ ዘለዎ ጥቕሚ ኣረድእዎም።—እብ. 10:24, 25
17. ብዛዕባ ተኣምራት የሆዋ ኻብ ምእዋጅ ከነቋርጽ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧
17 ግብርታት የሆዋ መስተንክር ብምዃኑ ንዘለኣለም እውን እንተ ንነብር ምሉእ ብምሉእ ኣይርድኣናን እዩ። (እዮ. 42:2, 3፣ መክ. 3:11) እምበኣር: ንየሆዋ እንውድሰሉ ምኽንያት ከቶ ኣይክንስእንን ኢና። ኣብዚ በዓል ዝኽሪ ዚኽበረሉ ወቕቲ ኣገልግሎትና ንምስፋሕ ፍሉይ ጻዕሪ ብምግባር ንተኣምራት የሆዋ ዘሎና ሞሳ ኸነርኢ ንኽእል ኢና፧
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ሰሌዳ]
ብሓደ ኻብዚ መደባት ጌርካ ሓጋዚ ፓይነር ኴንካ ኸተገልግል ትኽእልዶ፧
መጋቢት
ሰን ሰኑ* ሰሉ* ረቡ* ሓሙ ዓር ቀዳ ወርሒ
ድምር
መዓልታዊ 2 1 1 1 1 1 5 51
ክልተ መዓልቲ 0 5 0 5 0 0 0 50
ቀዳመ-ሰናብቲ ጥራይ 5 0 0 0 0 0 8 52
ቀዳመ-ሰናብትን
ክልተ መዓልትን 2 0 0 2 0 2 6 50
ሚያዝያ
ሰን ሰኑ ሰሉ ረቡ ሓሙ* ዓር* ቀዳ ወርሒ
ድምር
መዓልታዊ 2 1 1 1 1 1 5 50
ክልተ መዓልቲ 0 0 0 0 5 5 0 50
ቀዳመ-ሰናብቲ ጥራይ 5 0 0 0 0 0 8 52
ቀዳመ-ሰናብትን
ክልተ መዓልትን 2 0 0 2 0 2 6 50
ግንቦት
ሰን* ሰኑ* ሰሉ ረቡ ሓሙ ዓር ቀዳ* ወርሒ
ድምር
መዓልታዊ 2 1 1 1 1 1 4 51
ክልተ መዓልቲ 0 5 0 0 0 0 5 50
ቀዳመ-ሰናብቲ ጥራይ 3 0 0 0 0 0 7 50
ቀዳመ-ሰናብትን
ክልተ መዓልትን 2 0 0 2 0 2 5 51
* ሓሙሽተ መዓልቲ ኣብታ ወርሒ ዘለወን