ዕቤት የሆዋ ንገር
1. ዕቤት የሆዋ ንኽንነግር ዚድርኸና እንታይ እዩ፧
1 “ጐይታየ: ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘሎ ዘበለ ዅሉ ናትካ እዩ እሞ: ዕቤትን ስልጣንን ክብርን ዓወትን ግርማን ናትካ እዩ።” (1 ዜና 29:11) ንየሆዋ ዘሎና ፍቕርን ሞሳን ብኸመይ ይጸልወና፧ ‘ዕቤት እቲ ኻብ ጸልማት ናብቲ ዜገርም ብርሃኑ ዝጸውዓና ኽንነግር’ ይድርኸና። (1 ጴጥ. 2:9 ትርጕም 1990) ብዛዕባ እቲ ዓብዪ ኣምላኽና ኻብ ምንጋር ደው ከነብል ኣይኰነልናን እዩ! ኣብ መጋቢትን ሚያዝያን ግንቦትን ዕቤት የሆዋ ንኽንእውጅ ብሉጽ ኣጋጣሚታት ኪህልወና እዩ።
2. ነቲ በዓል ዝኽሪ ንኸነፋልጥ እንታይ ፍሉይ ወፈራ እዩ ተመዲቡ ዘሎ፧ መንከ ግደ ኺህልዎ ይኽእል፧
2 ነቲ በዓል ዝኽሪ ንኸነፍልጥ እተገብረ ፍሉይ ወፈራ:- ሰኑይ 2 ሚያዝያ ኣብ ድራር ጐይታ ብምክፋል ዕቤት የሆዋ ኸነጕልሕ ኢና። ነዚ ኣገዳሲ ኣጋጣሚ ዚኸውን ፍሉይ ዕድመ ኻብ 17 መጋቢት ክሳዕ 2 ሚያዝያ ኣብ ዘሎ ግዜ ኣብ ብዘላ ምድሪ ኺዕደል እዩ። ኵሎም ኣስፋሕቲ ምሉእ ብምሉእ ንኺሳተፉ ነተባብዖም። እዚ ንሓደስቲ ሰባት ብቕዓት እንተ ኣማሊኦም: ነቲ ብስራት ኪሰብኩ ንኺጅምሩ ጽቡቕ ግዜ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብቕዓት ኪህልዎም ዚኽእል ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ውሉዳት እንተ ኣልዮምኻ: ተበግሶ ወሲድካ ንሽማግለታት ኣዘራርቦም።
3. ንሰባት ናብቲ በዓል ዝኽሪ ንምዕዳም እንታይ ክንብል ንኽእል፧
3 እዚ ወፈራ እዚ ምስቲ “ምድሓን ቀሪቡ!” ዘርእስቱ ኣኼባታት ኣውራጃ ብምትሕሓዝ እተገብረ ወፈራ ዚመሳሰል ኪኸውን እዩ። ንነፍሲ ወከፍ ኣስፋሒ 50 ቅዳሕ: ንነፍሲ ወከፍ ፈላሚ ኸኣ 150 ቅዳሕ ምእንቲ ኺበጽሖ: ንጉባኤታት እኹል ወረቐት ዕድመ ኺለኣኸለን እዩ። መእተዊኻ ሓጺር ግበሮ: ምናልባት እውን “ነዚ ቐሪቡ ዘሎ ኣገዳሲ ዓመታዊ በዓል ዚኸውን ዕደመ ኽህበካ። ናብዚ በዓል እዚ ብኽብሪ ተዓዲምካ ኣለኻ። እቲ ዝተረፈ ዝርዝር ኣብቲ ወረቐት ዕድመ ኽትረኽቦ ትኽእል ኢኻ” ኽትብል ትኽእል ኢኻ። ልክዕ እዩ: እቲ ብዓል ቤት ሕቶታት እንተ ኣልይዎ: ግዜ ወሲድካ መልሲ ሃቦ። እቲ ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ኣብ ገጽ 206 ዘሎ ንድራር ጐይታ ዚምልከት መመላእታ ጽሑፍ ሓጋዚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ቀዳመ-ሰናብቲ ምስዚ ፍሉይ ዕድመ እዚ ኣሰኒና እዋናዊ መጽሔታት ከነበርክት ኢና። ዝዀነ ይኹን ተገዳስነት ዘርኣየካ ሰብ መዝግቦ: ተመሊስካ ኽትበጽሖ ድማ ቈጸራ ግበር።
4. እቲ ፍሉይ ወረቐት ዕድመ በዓል ዝኽሪ ብኸመይ እዩ ኺዕደል፧
4 ዚከኣል እንተ ዀይኑ: እዚ ፍሉይ ዕድመ እዚ ንነፍሲ ወከፍ ብዓል ቤት ብኣካል ኪወሃቦ ኣለዎ። ስለዚ: ነቲ ሰብ ዘይረኸብካሉ ኣባይቲ መዝግቦ: ካልእ ግዜ ተመሊስካ ንኽትበጽሖ ድማ መሰናድዎ ግበር። እተን ብዙሕ ወረቐት ዕድመ ዝተረፈን ጉባኤታት: ኣብታ ቕድሚ እታ በዓል ዝኽሪ ዘላ ናይ መወዳእታ ሰሙን ኣብቲ ሰብ ዘይረኸባሉ ኣባይቲ ኺሓድጋኦ ይኽእላ እየን: ቅድሚኡ ግን ከምዚ ኺገብራ የብለንን። ንተመላሊስካ ምብጻሓት: ንተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ: ንኣዝማድካ: ንመሳርሕትኻ: ንጐረባብትኻ: ከምኡውን ንኻልኦት እትፈልጦም ሰባት ነቲ ወረቐት ዕድመ ሃቦም።
5. ካብ ሕጂ ጀሚርና ሓጋዚ ፈላሚ ንምዃን መደባት ክንገብር ክንጅምር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
5 ሓጋዚ ፈላሚ:- ኣብ መጋቢትን ሚያዝያን ግንቦትን ሓጋዚ ፈላሚ ዄንካ ብምግልጋል ዕቤት የሆዋ ብዝያዳ ኽትነግር ትኽእልዶ፧ ከምዚ ምግባር ኣብ መዓልታዊ መደባትካ እተወሰነ ምትዕርራይ ከም ዚሓትት ፍሉጥ እዩ። (ኤፌ. 5:15-17) ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዝያዳ ንምብርካት እትገብሮ ጻዕሪ: ሓጐስን በረኸትን የሆዋ ኸም ዜምጽኣልካ ኽትተኣማመን ትኽእል ኢኻ። (ምሳ. 10:22) በዓል ዝኽሪ ዚግበረሉ ወቕቲ እናቐረበ ይኸይድ ስለ ዘሎ: ሕጂ መደባት ምግባር እትጅምረሉ እዋን እዩ።—ምሳ. 21:5
6. ካብ ተመክሮ እታ ዓሚ ሓጋዚት ፈላሚት ኰይና ዘገልገለት ጓል 90 ዓመት ሓብቲ እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧
6 ሓንቲ ጓል 90 ዓመት ሓብቲ: ዓሚ ሓጋዚት ፈላሚት ኰይና ኣገልጊላ ነበረት። ብዛዕባኡ ኸምዚ በለት:- “ኣታኽልቲ ምክንኻን ዝፈቱን እተወሰነ ኣታኽልቲ ኽተክል ደልየን እኳ እንተ ነበርኩ: ቀዳምነት ክህቦ ዚግባእ ነገር ከተዓራሪ ኸም ዘሎኒ ኣስተውዓልኩ። ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ቀዳምነት ክህብ ስለ ዝደለኹ: ኣብ መጋቢት ሓጋዚት ፈላሚት ኰይነ ኸገልግል ወሰንኩ።” በቲ ጻዕርታታ ተባሪኻዶ፧ “ብዝያዳ ኽፍሊ እታ ጉባኤ ዝዀንኩ ዀይኑ ተሰምዓኒ: እዚ ኸኣ ናብ የሆዋ ብዝያዳ ኸም ዝቐርብ ገበረኒ” በለት። ቀዳምነት እትህቦ ነገራት ብምምርማር: ተመሳሳሊ ምትዕርራያት ክትገብር ትኽእልዶ፧
7. ሓጋዚ ፈላሚ ዄንካ ምግልጋል ከቢድ ድዩ፧
7 ሓጋዚ ፈላሚ ዄንካ ንምግልጋል ዜድሊ 50 ሰዓት ምምላእ ከምቲ እትሓስቦ ኣጸጋሚ ኸይከውን ይኽእል እዩ። መዓልታዊ ንጥፈታትካ ብጸሎት ሕሰበሉ: መደብ ኣውጽእ: ኣብ ቲኦክራስያዊ ዓውደ-ኣዋርሕካ ድማ ምልክት ግበር። ንብሕታዊ ዅነታትካ ብዝያዳ እትፈልጦ ንስኻ ኢኻ። ጥዕና ዘይብልካን ድኻም ዚስምዓካን እንተ ዀይኑ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ንእተወሰነ ሰዓታት ኣብ ኣገልግሎት ክትሳተፍ ትኽእል ትኸውን። ምሉእ መዓልቲ እትሰርሕ ወይ እትመሃር እንተ ዄንካ: ኣጋ ምሸት ወይ ቀዳመ-ሰናብቲ ብምግልጋል ሓጋዚ ፈላሚ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ።
8. ሓደ ጽምዲ ሰብ ሓዳር ሓገዝቲ ፈለምቲ ንኪዀኑ ዝሓገዞም እንታይ እዩ፧
8 ብዙሓት ብስድራቤት ሓገዝቲ ፈለምቲ ዀይኖም ኣገልጊሎም እዮም። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ሓደ ጽምዲ ሰብ ሓዳር ሓገዝቲ ፈለምቲ ንምዃን ኵነታቶም ዚፈቕደሎም ኰይኑ ስለ ዘይተሰምዖም: ንምምልካት ተወላወሉ። እሞኸ እንታይ ገበሩ፧ “ንነዊሕ እዋን ብሓባር ክንገብሮ ዝደለና ነገር ንምግባር ኪሕግዘና ብዛዕባኡ ናብ የሆዋ ጸለና” በሉ። ግቡእ መደብ ብምግባር ሸቶኦም ኪወቕዑ ኸኣሉ። ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ “ብሓቂ ዜደንቕ እዩ ነይሩ። ብሓባር ብዙሕ በረኸት ረኺብና ኢና። ንኻልኦት እንህቦ ሓሳብ: ፈትንዎ ዚብል እዩ። ንሕና እንተ ኽኢልናዮ: ንስኻትኩም እውን ክትገብርዎ ትኽእሉ ትዀኑ” በሉ።
9. ኣብ እትቕጽል መጽናዕቲ ስድራቤት: ነቲ ዚመጽእ ፍሉይ ወርሓት ንምድላው እንታይ ክትገብሩ ትኽእሉ፧
9 ኣብ እትቕጽል መጽናዕቲ ስድራቤት: ኵላትኩም ኣብ ዚመጽእ ኣዋርሕ ከመይ ጌርኩም ንጥፈታትኩም ከም እተዛይዱ ንምምይያጥ ንምንታይ ግዜ ዘይትምድቡ፧ ኵላቶም ኣባላት ስድራቤትኩም ሓገዝቲ ፈለምቲ ኪዀኑ እኳ እንተ ዘይከኣሉ: ምናልባት ሓደ ኻባኻትኩም ብሓገዝን ምትሕብባርን ካልኦት ኣባላት እታ ስድራቤት ሓጋዚ ፈላሚ ኪኸውን ይኽእል ይኸውን። እንተ ዘይኰይኑ ግን: ኣብዘን ፍሉይ ወርሓት ብስድራቤት ኴንኩም ኣብ ኣገልግሎት ተወሳኺ ግዜ ኸተሕልፉ ሸቶታት ከተውጽኡ ትኽእሉ ኢኹም።
10. ኣብዚ በዓል ዝኽሪ ዚግበረሉ ወቕቲ ሓጋዚ ፈላሚ ኽንከውን ዘሎና ባህጊ ንኻልኦት ክንነግር ዚግባእ ስለምንታይ እዩ፧
10 ተሓጋገዙ:- ውዕዉዕ ስምዒት ካብ ሓደ ናብ ካልእ ይሰግር እዩ። ሓጋዚ ፈላሚ ኽትከውን ከም እትደሊ ንኻልእ ነገር። እዚ ኸኣ ንኻልኦት ኬመልክቱ ኼተባብዖም ይኽእል እዩ። ብተወሳኺ: ኣብ ዝሓለፈ ፈላሚ ዀይኖም ዘገልገሉ: ንጕዳያትካን መደባትካን ኣተዓራሪኻ ነቲ ሸቶኻ ንኽትወቅዕ ሓሳባት ኪህቡኻ ይኽእሉ እዮም። (ምሳ. 15:22) ሓጋዚ ፈላሚ ዄንካ ኸተገልግል እንተ ኽኢልካ: ንኻልእ ኣስፋሒ: ምናልባት እውን ምስ ኵነታትካ ዚመሳሰል ኵነታት ንዘለዎ ሰብ ኣብዚ ዜሐጕስ ንጥፈት እዚ ንኺሓብረካ ንምንታይ ዘይትሓቶ፧
11. ሽማግለታት ኣብ ዚመጽእ ወርሓት ሓጋዚ ፈላሚ ንምዃን ውዕዉዕ መንፈስ ኬሕድሩ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧
11 ብዙሓት ሽማግለታት ኣብዚ ፍሉይ መዳይ ኣገልግሎት ንኺሳተፉ ዜድሊ መሰናድዎ ይገብሩ እዮም። (እብ. 13:7) እዚ ብሓቂ ነታ ጉባኤ ዜተባብዕ እዩ! ብዘይካዚ ምስ ካልኦት ብዚገብርዎ ዝርርብ ውዕዉዕ መንፈስ ከም ዚሰፍን ይገብሩ እዮም። ገሊኦም ኣስፋሕቲ: ሓጋዚ ፈላሚ ንኪዀኑ ዜድልዮም ሒደት ዜተባብዕ ቃላት ወይ ገለ ግብራዊ ሓሳባት ጥራይ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኵሎም ኣስፋሕቲ ድሕሪ ስራሕ ወይ ትምህርቲ ኣብ ምስክርነት ጕጅለ ምእንቲ ኺሳተፉ: እቲ ሓላው ኣገልግሎት ንኣገልግሎት ወፍሪ ተወሳኺ መሰናድዎታት ኪገብር እዩ። እዚ መሰናድዎታት እዚ ብተደጋጋሚ ብምልክታ ኺንገር ኣለዎ። ኵሎም እኹል ክልን ጽሑፋትን ከም ዘለዎም እውን ኬረጋግጽ ኣለዎ።
12. ሓጋዚ ፈላሚ ኽትከውን እንተ ዘይክኢልካ: እንታይ ክትገብር ትኽእል፧
12 ሓጋዚ ፈላሚ ኽትከውን ኵነታት እኳ እንተ ዘይፈቐደልካ: ነቶም ዜመልክቱ ኸተተባብዖምን ክትጽልየሎምን ትኽእል ኢኻ። (ምሳ. 25:11፣ ቈሎ. 4:12) ምናልባት ምሳታቶም ኣብ ሰሙን ተወሳኺ መዓልትታት ንምግልጋል ወይ ካብ ቀደምካ ንዝነውሐ ስዓታት ንምግልጋል ቈጸራታት ክትገብር ትኽእል ትኸውን።
13. ንኢትዮጵያ እንታይ ሸቶ እዩ ተገይሩ ዘሎ፧ ጉባኤኹም ነዚ ብኸመይ ኣበርክቶ ኽትገብር ትኽእል፧
13 ኣብ ሚያዝያ 2,000 ሓገዝቲ ፈለምቲ ኺህልዉ ዝገበርናዮ ሸቶ:- ክሳዕ ሕጂ ኻብ እተመዝገበ እቲ ዝለዓለ ቝጽሪ ሓገዝቲ ፈለምቲ: ኣብ ኢትዮጵያ 1,918 እዩ፣ እዚ ኸኣ ኣብ መጋቢት 2003 እተመዝገበ እዩ። ስለዚ: ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2,000 ሓገዝቲ ፈለምቲ ኺህልዉ ሸቶ ምግባርና ርትዓዊ እዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ኻብ 4 ኣስፋሕቲ 1 ሓጋዚ ፈላሚ እንተ ዀይኑ ነዚ ኽንበጽሖ ንኽእል ኢና። ልክዕ እዩ: ኣብ ገሊአን ጉባኤታት ኵነታቶም ሓገዝቲ ፈለምቲ ኪዀኑ ዚፈቕደሎም ዝያዳ ኣስፋሕቲ ኺህልዉ ይኽእሉ እዮም። ከምዚ ዝኣመሰለ ብጉባኤ ዚወጽእ ሸቶ: ሓያሎ ጉባኤታት ብቐሊሉ ኺወቕዓኦ ይኽእላ እየን። እዚ ኣብ ጉባኤኹም ዜለዓዕሎ ውዕዉዕ መንፈስን ኣብ ክልኹም ኣብ ዚግበር ስብከት ዜሕድሮ ኣወንታዊ ጽልዋን እሞ ሕስብ ኣብሉ!
14. ወርሒ ሚያዝያ ሓጋዚ ፈላሚ ንምዃን ጽብቕቲ ወርሒ ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧
14 ወርሒ ሚያዝያ ሓጋዚ ፈላሚ ንምዃን ጽብቕቲ ወርሒ ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧ እቲ በዓል ዝኽሪ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ኺበዓል እዩ: እዚ ኸኣ ነቶም ኣብኡ እተኣከቡ ሰባት ተኸታቲልና ንኽንበጽሖም እኹል ኣጋጣሚ ይህበና። ሽዑ መጽሔታት ከነበርክት ኢና: ንተመላሊስካ ምብጻሓትን መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስን ከኣ ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ከነበርክት ኢና። ስለዚ: ኣብ ሚያዝያ ሓጋዚ ፈላሚ ምዃን መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ብዙሕ ኣጋጣሚታት ኪኸፍት እዩ። ብዘይካዚ: ወርሒ ሚያዝያ ሓሙሽተ ሰናብትን ተወሳኺ ዓለማዊ በዓላትን ኣለዋ: እዚ ኸኣ ነቶም ኣብ ዓለማዊ ስራሕ ዚሰርሑን ትምህርቲ ዚመሃሩን ሰባት ሓገዝቲ ፈለምቲ ንኪዀኑ ቐሊል ይዀነሎም።
15. እዚ በዓል ዝኽሪ ዚኽበረሉ ወቕቲ ኪቐርብ ከሎ ናይ ህጹጽነት ስምዒት ኪህልወና ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧
15 ነፍሲ ወከፍ በዓል ዝኽሪ ዚኽበረሉ ወቕቲ ኺሓልፍ ከሎ: ናብ መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ኢና እንቐርብ ዘሎና። ብዛዕባ እቲ ዓብዪ ኣምላኽና ንኻልኦት እንነግረሉ ግዜ ይሓጽር እዩ ዘሎ። (1 ቈረ. 7:29) በዓል ዝኽሪ ምስ ሓለፈ: ኣብቲ እዋን እቲ ነቲ ሰማያዊ ኣቦና ንኽንውድስ ተኸፊቱልና ዝነበረ ኽቡር ኣጋጣሚ ንሓዋሩ ኣይምለስን እዩ። እምበኣር: ኣብ መጋቢትን ሚያዝያን ግንቦትን ዕቤት የሆዋ ንኽንውድስ ካብ ሕጂ ንዳሎ!
[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ሚያዝያ 2,000 ሓገዝቲ ፈለምቲ ኺህልዉና ይኽእሉዶ፧
◼ ቀዳምነት እትህቦ ነገራት መርምር
◼ ሸቶታትካ ብስድራቤት ተመያየጡሉ
◼ ብዛዕባ መደባትካ ንኻልኦት ኣዘራርብ