ክንደግሞዶ ኢና፧
ሓገዝቲ ፓይነራት ናይ ምዃን ካልእ ጻውዒት
1 ክንደግሞዶ ኢና፧ ኣብ እዋን በዓል ዝኽሪ ሓገዝቲ ፓይነራትዶ ክንከውን ኢና፧ እቲ ኣብ ናይ ለካቲት 1997 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እታው “1,000 ሓገዝቲ ፓይነራት ይድለዩ ኣለዉ” ብምባል ጐሊሑ ወጺኡ ዝነበረ ኣርእስቲ ንቘላሕታና ስሒብዎ ኢዩ። ነቲ ጻውዒት እቲ ኣርዚንኩም ከም እትርእይዎ ተኣማሚንና ነበርና። እቲ ናይ መጋቢት 1997 ጸብጻብ ኣገልግሎት ምስ ተኣከበ: ሓገዝቲ ፓይነራት ኰይኖም ዘገልገሉ 1,104 ከም ዝነበሩ ምፍላጥና የሐጒሱና ኢዩ! እቶም ኣብቲ ወርሒ እቲ ጸብጻብ ዝሃቡ 420 ስርዓታውያን ፓይነራትን 144 ፍሉያት ፓይነራትን ድማ ናብቲ ቍጽሪ እቲ እንተድኣ ደሚርናሉ: ካብ ኵሎም እቶም ኣስፋሕቲ ዳርጋ ሓደ ሲሶ ዝዀኑ ኣብቲ ናይ ፓይነራት ኣገልግሎት ከም ዝዓየዩ ኢና እንረኽቦ። ኣብዚ ናይ ሎም ዘበን እዋን በዓል ዝኽሪኸ ክንደግሞዶ ኢና፧
2 ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ነቲ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ዝገብርዎ ንጥፈቶም ንኸስፍሑ ኢሎም ዝያዳ ጻዕሪ ዝገበሩ ኵሎም ምዉቕ ናእዳና ነቕርበሎም። ኵላትኩም በታ ንየሆዋን ንብጾትኩምን ዘላትኩም ስስዐ ዘይብላ ፍቕሪ ከም እተደረኽኩም ርዱእ ኢዩ። (ሉቃ. 10:27፣ 2 ጴጥ. 1:5-8) እተፈላለየ ኵነታት ናብራ ዘለዎም ኣስፋሕቲ ሓገዝቲ ፓይነራት ንምዃን መደባቶም ኣተዓራርዮም ኢዮም። ኣብ ሓንቲ ጉባኤ: ዝበዝሑ ካብቶም ሽማግለታት: ጓል 15 ወርሒ ዝዀነት ቈልዓ ዘላታ ኣደ: ስርሓ ዘቋረጸትን ፓይነር ክትከውን ዘኽእላ ናይ ክፍለ-ግዜ ስራሕ ዝረኸበትን ሓብቲ: ከምኡውን ቅድሚኡ ፓይነር ኰይና ዘይትፈልጥ ሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት ሓብቲ ሓዊስካ 51 ኣስፋሕቲ ብሓባር ኣብ ሓንቲ ወርሒ ኣብቲ ናይ ፓይነር ዕዮ ኣገልገሉ። እቲ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ “ኣብቲ ዕዮ ስብከት ሓለፍ ዝበለ ጻዕሪ ይግበር ኣሎ። . . . እዚ ጻዕሪ እዚ ኣብቲ ዞባ ጽልዋ ይገብር ኣሎ ጥራይ ዘይኰነስ ነተን ጉባኤታት እውን ውዕዉዕ ስምዒት የሕዲሩለን ኢዩ። እቶም ኣሕዋት ኣብ ንሓድሕዶም ብዝበለጸ ብምፍላጦምን ኣብቲ ኣገልግሎት ሰናይ ውጽኢታት ብምርኣዮምን ይሕጐሱ ኣለዉ” ብምባል ጸሓፈ።
3 ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መንእሰያት እውን እቱዋት ኢዮም ነይሮም። ሓንቲ 13 ዓመት ዝዕድሚኣ ዘይተጠምቀት ኣስፋሒት ህይወታ ንየሆዋ ከም ዝወፈየት ከተርኢ ኸላ ኣብ ኣገልግሎት ትካፈል ነበረት። ኣብ ወርሒ ለካቲት ምስ ተጠምቀት: ኣብ ወርሒ መጋቢት ሓጋዚት ፓይነር ንኽትከውን ዝነበራ ባህጊ ኣመልኪታ ከምዚ ብምባል ጸሓፈት:- “ዝዀነ ይኹን ነገር ከይዓገተኒ: ብኡንብኡ መሕተቲ ቅጥዒ መላእኩ። . . . ፓይነር ንኽንከውን ፍቕራዊ ዕድመ እንተ ዘይትገብሩልና ነይርኩም: እቲ ዘስተማቐርናዮ ብዙሕን ዘሐጕስን ተመክሮታት ኣይምተረኽበን ነይሩ። ኣብ መንጎ እቶም ዝመለሽሉ ሰባት ብምዃን ነዚ መሰል እዚ ስለ ዝረኸብኩ ንየሆዋ ኣዝየ ኢየ ዘመስግኖ።” ንኽትደግሞ እውን ሸቶ ገይራ ኣላ።
4 ምናልባት ካብ መንጎ እቶም ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት ኣብቲ ናይ ሓጋዚ ፓይነር ንጥፈት እተኻፈሉ 1,104 ሰባት ወይ ድማ ምስቶም ኣብ ሚያዝያ ዝነበሩ 609 ሰባት: ወይ ድማ ምስቶም ኣብ ግንቦት ዝነበሩ 399 ሰባት ነይርካ ትኸውን ኢኻ። ኣብዚ ዓመት እዝኸ ክትደግሞዶ ኢኻ፧ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ከተገልግል እንተድኣ ዘይክኢልካ: ኣብዚ ዓመት እዚ ሓጋዚ ፓይነር ክትከውንዶ ምኸኣልካ፧ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝገበርናዮ ሰናይ ጻዕርታትና ክንደግሞዶ ንኽእል ኢና፧
5 ኣብ ወርሒ ሚያዝያን ግንቦትን ኣድህብ:- ኣብዚ ዓመት እዚ ዝኽሪ በዓል ቀዳም 11 ሚያዝያ ክውዕል ኢዩ: ወርሒ ሚያዝያ ድማ ንጥፈትና ኣብ ኣገልግሎት እነስፍሓላ ዝበለጸት ወርሒ ክትከውን ኢያ። (2 ቈረ. 5:14, 15) ኣብተን ቀዳሞት 11 መዓልትታት ናይታ ወርሒ: ብዝከኣል መጠን ተገዳስነት ንዘለዎም ብዙሓት ሰባት ኣብ ዝኽሪ በዓል ምእንቲ ክካፈሉ ኣብ ምዕዳም ኣቓልቦ ክንገብር ኢና። ሓጋዚ ፓይነር ክትከውን እንተድኣ መዲብካ: መሕተቲ ቅጥዕኻ በጃኻ ቅድሚ እቲ ክትጅምሮ ዝደለኻ መዓልቲ ኣቐዲምካ ኣቕርቦ።—1 ቈረ. 14:40
6 ወርሒ ግንቦት ምሉእ ሓሙሽተ ቀዳመ-ሰናብቲ ስለ ዘለዋ: ተማሃሮ ወይውን ናይ ምሉእ መዓልቲ ዓለማዊ ስራሕ ዝሰርሑ ኣስፋሕቲ ኣብታ ወርሒ እቲኣ ሓገዝቲ ፓይነራት ንክዀኑ ቀሊል ኰይኑ ክረኽብዎ ይኽእሉ ኢዮም። ኣብ ነፍሲ ወከፍ እተን ሓሙሽተ ቀዳመ-ሰናብቲ ኣብቲ ግራት ኣገልግሎት ዓሰርተ ሰዓታት ንምግልጋል መደብ ብምውጻእ: ነቲ ዝድለ 60 ሰዓታት ንምምላእ ኣብታ ወርሒ እቲኣ ዓሰርተ ተወሰኽቲ ሰዓታት ጥራይ ኢዩ መደብ ምግባር ዘድልየኩም።
7 ኣብ ወርሒ ሚያዝያን ግንቦትን: ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ንጽል ቅዳሓት ከነበርክት ኢና። እዚ ንመብዛሕትና ብዝያዳ ንኽንመጣጠርን ፓይነራት ንኽንከውንን እውን ከይተረፈ ከተባብዓና ኣሎዎ። ከምኡ እንብል ስለምንታይ ኢና፧ መጽሔታት ንኸተበርክቶ ቀሊልን ኣብቲ ኣገልገሎት ድማ ብእኡ ገይርካ ክትዓዪ ዘሐጕስን ኢዩ። መጽሔታት ኣብ ኵሉ መዳያት ናይ ኣገልግሎት ማለት ካብ ቤት ናብ ቤትን ካብ ድኳን ናብ ድኳንን: ከምኡውን ኣብ መገድን ኣብ ዕዳጋታትን እንረኽቦም ሰባት ክንቀርቦም ከለናን: ኣብ ናይ መካይን ደው መበሊ ቦታታትን: ኣብ ናይ መዘናግዒ ቦታታትን ካልእ ናይ እግረ-መገዲ ኣቀራርባ ንምግባርን ክትጥቀመሉ ዝሰማማዕ ኢዩ። ልዕሊ ዅሉ ድማ: ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ናይታ መንግስቲ ሓቂ ዝጣበቑ መጽሔታት ኢዮም። መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ ከም ዘላ መርትዖ ብምሃብ: ኣብ ፍጻሜ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ቈላሕታ ዝገብሩ ኢዮም። ኣብቲ ንሰባት ብሓቂ ዘድልዮም ነገራት ብምድሃብ ናይ ኣንበብቲ ህይወት እውን ዝትንክፉ ኢዮም። ህይወትና በዞም ክቡራት መጽሔታት እዚኣቶም ብኸመይ ከም እተተንከፈ እንተድኣ ሓሲብናዮ: ኣብ ወርሒ ሚያዝያን ግንቦትን ብዝከኣል መጠን ሰፊሕ ዝርጋሐ ንኽረክብ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ንምክፋል ክንድረኽ ኢና።
8 ኣብዚ መጽሔት ናይ ምብርካት ሰፊሕ ንጥፈት እዚ ንምክፋል ክትዳሎ ከሎኻ: ነዚ ዝስዕብ ዓንቀጻት ተመሊስካ ምርኣዩ ክጠቕመካ ኢዩ:- “ግምቢ ዘብዐኛን ተበራበሩ!ን እዋናውያን መጽሔታት ሓቂ” (ናይ ጥሪ 1994 ግምቢ ዘብዐኛ ): “ንመጽሔታትና ብዝበለጸ ተጠቐመሎም” (ናይ መስከረም 1995 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ): ከምኡውን “ናይ ገዛእ ርእስኻ ኣቀራርባ መጽሔት ኣዳሉ” (ናይ ጥቅምቲ 1996 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና )።
9 ሽማግለታት መሪሕነት ውሰዱ:- ኣብ ሓንቲ ጉባኤ ዘለዉ ሽማግለታት: ነቶም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብቲ ዕዮ ፓይነር ዝነበሩ ብዙሓት ኣስፋሕቲ ዘድልዮም ንምድላው: እታ ጉባኤ ብምልእታ ኣብቲ ናይ ኣገልገሎት ንጥፈት ንኽትካፈል ካብታ ወርሒ እቲኣ ሓንቲ ቀዳም ከም ፍልይቲ መዓልቲ ገይሮም ኣዳለዉ። ንዅሎም ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ሰባት ኣብ እተፈላለየ መዳይ ናይ ምስክርነት ንኽካፈሉ ኣጋጣሚ ብምሃብ: ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ብዝሕ ዝበለ እተፈላለየ እዋናት ንምእካብ ምድላዋት ተገብረ። እዚ መደብ እዚ ኣብ ናይ ንግዲ ቦታታት: ኣብ መገዲ ዝግበር ምስክርነት: ካብ ቤት ናብ ቤት ምብጻሕ: ተመላሊስካ ምብጻሕ ምግባር: ደብዳበታት ምጽሓፍ: ከምኡውን ብቴለፎን ምስክርነት ምሃብ ዘጠቓለለ ኢዩ ነይሩ። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ 117 ዝኣኽሉ ኣስፋሕቲ ኣብቲ ግራት ኣገልግሎት ብምክፋሎም እቲ ምላሽ ሓለፍ ዝበለ ኢዩ ነይሩ። ኣብ ኣገልግሎት ብድምር 521 ሰዓታት ኣሕለፉ: 617 መጽሔታትን ብሮሹራትን መጻሕፍትን ድማ ተበርከተ! ኣብ ህዝባዊ ኣኼባን ኣብ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽናዕትን ዝለዓለ ቍጽሪ ተኣከብቲ ብምንባሩ: እቲ ኣብ ቀዳም እተፈጸመ ዘሐጕስ ነገር ክሳዕ ሰንበት ቀጺሉ ኢዩ።
10 ኣብቲ ኣብ ሚያዝያን ግንቦትን ዝግበር ነፍሲ ወከፍ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባታት መዓስን ኣበይን ከም ዝግበር: ብፍላይ ድማ ካብቲ ልሙድ ዝዀነ መደብ ካልእ ተወሰኽቲ ምድላዋት እንተድኣ ተገይሩ: እታ ጉባኤ ክትዘኻኸር ኣለዋ። ስርዓታውያን ፓይነራትን እቶም ሓገዝቲ ፓይነራት ዘይኰኑ ኣስፋሕትን ኵነታቶም ከም ዘፍቅደሎም መጠን ነዚ ናይ ኣኼባ ምድላዋት እዚ ክሕግዙ ተተባቢዖም ኢዮም።
11 እቲ ናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ ምስቲ ነቲ ብተደጋጋሚ ዘይተሸፈነ ዞባታት ንኽዕየ ምድላዋት ክገብር እተመደበ ሓው ክራኸብ የድልዮ ኢዩ። ነቶም ኣብ ገዝኦም ዘይተረኽቡ ሰባት ከምኡውን ኣብ መገድን ካብ ድኳን ናብ ድኳን ምስክርነት ንምሃብ ዝያዳ ኣቓልቦ ክግበር ይከኣል ኢዩ። ናይ ምሸት ምስክርነት ምሃብ እውን ክጽቀጠሉ ይከኣል ኢዩ። ኣብቲ ፍሉይ መዓልትታት መጽሔት ነቲ ኣብ መኽዘን ናይታ ጉባኤ ዘሎ መጽሔታት ንምዝርጋሕ ፍሉይ ጻዕርታት ብምግባር ምድላው ክግበር ይከኣል ኢዩ። ነቲ ዝውስኽ ንጥፈት ኣብ ግምት ብምእታው ንወርሒ ሚያዝያን ግንቦትን ዝኸውን እኹል መጽሔታት ብትእዛዝ ክሕተት ይግባእ።
12 ብዙሓት ኣስፋሕቲ ብቑዓት ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም:- እታ ኣብቲ ናይ ሓጋዚ ፓይነር መሕተቲ ወረቐት ዘላ ናይ መጀመርታ ምሉእ ሓሳብ ከምዚ ብምባል ትገልጽ:- “ብምኽንያት እቲ ኣብ የሆዋ ዘለኒ ፍቕርን ካልኦት ብዛዕብኡን ብዛዕባ ፍቕራዊ ዕላማታቱን ንኽፈልጡ ንምሕጋዝ ዘለኒ ባህግን: ነቲ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ዘለኒ ተሳትፎ ምእንቲ ክውስኸሉ ከም ሓጋዚ ፓይነር ኰይነ ክምዝገብ ፈትየ ኣሎኹ።” ንየሆዋ ምፍቃርን ካልኦት ብመንፈሳዊ መገዲ ክሕገዙ ምድላይን ናይ ወፈያና መሰረታውያን ነገራት ኢዮም። (1 ጢሞ. 4:8, 10) ሓደ ሰብ ሓጋዚ ፓይነር ንምዃን ክበቅዕ: እተጠምቀን ጽቡቕ ስነ-ምግባራዊ ኣቕዋም ዘለዎን ኣብታ ወርሒ እቲኣ ድማ ኣብ ኣገልግሎት 60 ሰዓታት ንኽውፊ ዘኽእል ኵነታት ዘለዎን ክኸውን ኣለዎ። ኵላትና ኵነታትና ምስ እንምርምር: እቶም ቅድሚ ሕጂ ሓገዝቲ ፓይነራት ኴንና ዘይንፈልጥ ኣብዚ ዓመት እዚ ኣብ ወርሒ ሚያዝያን ግንቦትን ክንከውን ምኸኣልናዶ፧
13 ኣብ ጉባኤታት ዘለዉ ብዙሓት ኣስፋሕቲ ምስቲ ናታቶም ዝመሳሰል ኵነታት ዘለዎም ካልኦት ኣስፋሕቲ ክምዝገቡ ክርእዩ ኸለዉ ንሳቶምውን ከገልግሉ ከም ዝኽእሉ ክግንዘቡ ይኽእሉ ኢዮም። ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ሓዊስካ ተማሃሮ: ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት: ናይ ምሉእ መዓልቲ ዓለማዊ ስራሕ ዘለዎም ካልኦትን ሓገዝቲ ፓይነራት ኰይኖም ንኸገልግሉ ተዓዊቶም ኢዮም። ሓንቲ ናይ ምሉእ መዓልቲ ስራሕ ዘለዋ በዓልቲ ሓዳርን ኣደ ኽልተ ቘልዑን ነተን 60 ሰዓታት መልኣተን: 108 መጽሔታት ኣበርከተት: ኣብታ ሓጋዚት ፓይነር ኰይና ዘገልገለትላ ሓንቲ ወርሒ ድማ 3 ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ጀመረት። ነዚ ግን ብኸመይ ኢያ ገይራቶ፧ ነተን ናይ ስርሓ ናይ ምሳሕ ሰዓታት ነቲ ኣብ ጥቕኣ ዘሎ ዞባ ምስክርነት ብምሃብ ተጠቕመትለን: ደብዳበታት ብምጽሓፍ ምስክርነት ሃበት: ኣብ ናይ መገዲ ምስክርነት ድማ ተኻፈለት። ነተን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ካብ ስራሕ ዕረፍቲ እትዀነለን መዓልትታት እውን ምስታ ጉባኤ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ብምሕባር ንጽቡቕ ረብሓ ተጠቕመትለን። ኣብ መጀመርታ ሓጋዚ ፓይነር ክብጻሕ ዘይከኣል ሸቶ ገይራ እኳ እንተ ሓሰበቶ: በቲ ኻብ ካልኦት ዝረኸበቶ ምትብባዕን ተግባራዊ መደብ ብምውጻእን: ነቲ ዕንቅፋታት ሰጊራቶ ኢያ።
14 የሱስ ንደቀ-መዛሙርቱ “ኣርዑተይ ፈኲሽ: ጾረይውን ቀሊል እዩ” ብምባል ኣረጋጊጹሎም ኢዩ። (ማቴ. 11:30) እዚ ድማ ኣብ ናይ 15 ነሓሰ 1995 ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸ ዘተባብዕ ኣርእስቲ ኢዩ ነይሩ። እዚ ኸኣ ብዛዕባ ሓንቲ ናይ ምሉእ መዓልቲ ዓለማዊ ስራሕ ብምስራሕ ከቢድ ጾር ዝነበራ ሓብቲ ዝነግር ኢዩ። ሓጋዚ ፓይነር ምዃን ፈጺምካ ዘይሕሰብ ነገር ገይራ ድያ ደምዲማቶ፧ ኣይፋላን። አረ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ሓጋዚ ፓይነር ንኽትከውን ተጣቢባ ኢያ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ዕዮ ፓይነር ብሓቂ ሚዛና ንኽትሕሉ ዝሕግዛ ኰይኑ ስለ እተሰምዓ ኢዩ። ንሰባት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ክማሃሩ ምሕጋዝን ስምረት ኣምላኽ ምእንቲ ክረኽቡ ድማ ናብራኦም ክቕይሩ ከለዉ ምርኣይን: ኣብቲ ትሑዝ ናብራኣ ምንጪ ዓቢ ሓጐስ ኰይንዋ ነበረ።—ምሳ. 10:22
15 እቲ ሓደ ሰብ ፓይነር ምእንቲ ክኸውን ክገብሮ ዘድልዮ ዝዀነ ይኹን ብሕታዊ መስዋእትታትን ምትዕርራያትን: ምስቲ ዘስተማቕሮ በረኸታት ኣይወዳደርን ኢዩ። ሓንቲ ሓጋዚት ፓይነር ብምዃን እተገልግል ሓብቲ “ሓጋዚት ፓይነር ምዃን ፈታዊት ነብሰይ ከይከውንን ንኻልኦት ኣብ ምሕጋዝ ድማ ኣዝየ ከተኵርን ሓጊዙኒ ኢዩ። . . . ነቶም ሓገዝቲ ፓይነራት ክዀኑ ዝኽእሉ ኸኣ እላበዎም” ብምባል ተመክሮኣ ጸሓፈት።
16 ጽቡቕ መደብ ምውጻእ ይሓትት:- ኣብ ዳሕረዋይ ገጽ ናይዚ እታው እዚ: ነቲ ኣብ ናይ ለካቲት 1997 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ወጺኡ ዝነበረ ናይ ኣብነት መደባት ደጊምና ኣቕሪብናዮ ኣሎና። ምናልባት ሓደ ካብኡ ምስ ኵነታትካ ይሰማማዕ ይኸውን ኢዩ። ንዕኡ ምስ ረኣኻዮ: ነቲ ወርሒ ወርሒ እትገብሮ ልሙድ ንጥፈትካ ሕሰበሉ። ቅድሚ እቲ ናይ ፓይነር ኣገልግሎትካ ክግበር ዝኽእል ወይ ድማ ክሳዕ እቲ መደብ ዝውዳእ ንግዚኡ ክስረዝ ዝኽእል ኣብ ውሽጢ ገዛ ዝግበር እንታይ ዕዮ ኣሎ፧ ብምዝንጋዕን ኣብ እዋን ዕረፍትኻ ስራሕ ብምስራሕን እተሕልፎ ገለ ገለ ግዜዶ ከልግስ ይኽእል ኢዩ፧ ነቲ ዝድለ 60 ሰዓታት ኣብ ክንዲ ትሓስብ: መዓልታዊ ወይ ሰሙናዊ መደብ ኣውጽእ። ሓጋዚ ፓይነር ንምዃን ኣብ መዓልቲ 2 ሰዓት ወይ ድማ ኣብ ሰሙን 15 ሰዓታት ምግልጋል ጥራይ ኢዩ ዘድሊ። ነቲ ናይ ኣብነት መደባት ሕሰበሉ: ኣብ ኢድካ ርሳስ ሒዝካ ድማ ንዓኻን ንስድራቤትካን ብዝበለጸ ዝሰማማዕ ንናይ ብሕቲ ኣገልግሎት ዝምልከት ክትገብሮ እትኽእል መደብ ኣየናይ ምዃኑ ርአ።
17 እተን ጉባኤታት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብቲ ኣገልግሎት ዘርኣያኦ ሰናይ መልስን ተወሳኺ ሓገዝን: ንሓንቲ ከምዚ ብምባል ዝጸሓፈት ስርዓታዊት ፓይነር ምዉቕ ስምዒት ኣሕዲሩላ ኢዩ:- “ሓገዝቲ ፓይነራት ንምዃን ዝያዳ ጻዕሪ ንኽግበር ብዘርኣኹምዎ ፍቕራዊ ምትብባዕ ኣዝየ ኢየ ዘመስግነኩም። . . . እቲ ከም ሓሳብ ዝሃብኩሞ መደብ ነቶም ቅድሚ ሕጂ ፓይነራት ኰይኖም ዘይፈልጡ ብዙሓት ኣስፋሕቲ: ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ንኽግንዘቡ ሓጊዙ ኢዩ። . . . ኣባል ማሕበር የሆዋ ምዃነይን ናይቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ፍቕራዊ መሪሕነት ክስዕብን ኣዝየ ሕጕስቲ ኢየ።”
18 ምሳሌ 21:5 “ሃቐና እቲ ትጉህ ብርግጽ ናብ ረብሓ የብጽሕ” ብምባል ኣረጋጊጹልና ኢዩ። ምሳሌ 16:3 ድማ “ተግባርካ ንእግዚኣብሄር ወፍዮ: ሽዑ ሓሳባትካ ኪቐውም እዩ” ብምባል የተባብዓና ኢዩ። እወ: ንየሆዋ ኣብቲ ውሳነና ካብ ልቢ ምስ እነሕብሮን ንኽንዕወት ክሕግዘና ኣጽኒዕና ኣብኡ ምስ እንውከልን: ብዛዕባ እቲ ሓጋዚ ፓይነር ንምዃን ዘውጻእናዮ መደብ ኣወንታውያን ክንከውን ንኽእል ኢና። እቲ ንሓደ ወርሒ ወይ ድማ ንኽልተ ወርሒ ሓጋዚ ፓይነር ንምዃን ዘውጻእናዮ መደብ ዕዉት ይኸውን ከም ዘሎ ድሕሪ ምርኣይና: ነቲ ኣብቲ ናይ ሓጋዚ ፓይነር መሕተቲ ቅጥዒ ዘሎ “ንዘይተወሰነ ግዜ ሓጋዚ ፓይነር ኴንካ ከተገልግል ትደሊ እንተድኣ ዄንካ: ኣብዚ ኣመልክት” ዝብል ምልክት መግበሪ ሳጹን ከነመልክተሉ ከኽእለና ኢዩ። ዝዀነ ዀይኑ: ኣብታ ሓሙሽተ ቀዳመ-ሰናብቲ ዘለዋ ወርሒ ነሓሰ እንደገና ሓገዝቲ ፓይነራት ንምዃን መደብ ከነውጽእ ንኽእል ኢና። ናይ ኣገልግሎት ዓመት ኣብ ነሓሰ ክንውድእ ከሎና: ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብቲ ኣገልግሎት ብእተኻእለ መጠን ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽካፈል እተዋሃሃደ ጻዕሪ ክግበር ኢዩ።
19 የሱስ “እቲ ብኣይ ዚአምን ነዚ ኣነ ዝገብሮ ዘሎኹ ግብርታት ከም ዚገብር: ካብኡ ዚዐቢውን [ክገብር ኢዩ]” ብምባል ተነበየ። (ዮሃ. 14:12) እዚ ትንቢት እዚ ዓቢ ፍጻሜኡ ኣብ ዝረኽበሉ ዘሎ እዋን ከም መተዓይይቲ ኣምላኽ ኴንና ምግልጋል ዘሐጕሰና መሰል ኢዩ። ነዚ ዕዮ እዚ ንምዕያይ ግዜ ብምዕዳግ: ነቲ ብስራት ካብ ቅድሚ ሕጂ ዝያዳ ብውዕዉዕ ስምዒት እንሰብከሉ ግዜ ሕጂ ኢዩ። (1 ቈረ. 3:9፣ ቈሎ. 4:5) ኣብቲ ናይ ሓጋዚ ፓይነር ኣገልግሎት ብዝከኣል መጠን ብዙሕ ግዜ ብምክፋል ኣወጅቲ መንግስቲ ኴንና እጃምና እነበርክተሉ ዝበለጸ መገዲ ኢዩ። ኣብዚ እዋን በዓል ዝኽሪ እቲ በቶም ሓገዝቲ ፓይነራት ዝስማዕ መዝሙር ውዳሰ ክሳዕ ክንደይ ዓቢ ከም ዝኸውን ንኽንርኢ ብሃንቀውታ ኢና እንጽበ። (መዝ. 27:6) ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እተረኽበ ውጽኢታት ብምሕሳብ: ‘ክንደግሞዶ ኢና፧’ ብምባል ንሓትት ኢና። ከም እንደግሞ ንተኣማመን ኢና!
[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ሳጹን]
ሓጋዚ ፓይነር ክትከውን ትኽእልዶ ኢኻ፧
“ብሕታዊ ኵነታትካ ብዘየገድስ እተጠመቕካ: ጽቡቕ ስነ-ምግባራዊ ኣቕዋም ዘሎካ እንተድኣ ዄንካ: ኣብ ወርሒ 60 ሰዓታት ኣብ ግራት ኣገልግሎት ንኸተሕልፍ መደብ ክትገብርን ሓደ ወርሒ ወይ ዝያዳ ሓጋዚ ፓይነር ኴንካ ከተገልግልን ትኽእል እንተድኣ ዄንካ: እቶም ሽማግለታት እዚ ናይ ኣገልግሎት መሰል እዚ ክዋሃበካ ዘቕረብካዮ ሕቶ ክቕበሉ ሕጕሳት ኢዮም።”—ኣገልግሎትና ንምፍጻም እተመሓደርና (እንግሊዝኛ) ገጽ 114