ንሓድሽ ዓመት ኣገልግሎት ዚኸውን ዚነኣድ ሸቶ
1. ነዚ ሓድሽ ዓመት ኣገልግሎት እዚ እንታይ ሸቶ ኸነውጽእ ንኽእል፧
1 መንፈሳዊ ዕቤት ክንገብር እንተ ደኣ ደሊና: ሸቶታት ከነውጽእ ኣሎና። ነዚ ሓድሽ ዓመት ኣገልግሎት እዚ እንታይ ብሕታዊ ሸቶታት ኣውጺእካ ኣለኻ፧ ንሓደ ወይ ንኽልተ ወርሒ ሓጋዚ ፈላሚ ዄንካ ምግልጋል ሓደ ጽቡቕ ሸቶ እዩ። እዚ ባህ ዜብል ንጥፈት እዚ ኣቐዲምካ መደብ ምውጻእ ስለ ዚሓትት: ካብ ሕጂ ኣትሒዝካ ኽትሓስበሉ ኣሎካ። ሓጋዚ ፈላሚ ምዃን ከም ሸቶ ኽትሕዞ ዘሎካ ስለምንታይ እዩ፧
2. ሓጋዚ ፈላሚ ዄንካ ምግልጋል ከም ሸቶ ኽንሕዞ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
2 ሓጋዚ ፈላሚ እትዀነሉ ምኽንያታት:- ሓጋዚ ፈላሚ ምዃን: ኣብ ኣገልግሎት ብዙሕ ሰዓታት ብምሕላፍ ንሰማያዊ ኣቦና “ብዝበለጸ” ኸነሐጕሶ የኽእለና። (1 ተሰ. 4:1 ትርጕም 1990) ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝገበረልና ነገራት ክንሓስብ ከለና: ልብና ንኻልኦት ንኽንነግር የለዓዕለና። (መዝ. 34:1, 2) የሆዋ ነቲ ኣብ ኣገልግሎት ብዙሕ ንኽንዓምም ኢልና እንገብሮ ብሕታዊ መስዋእትታት ይርእዮን የማስወሉን እዩ። (እብ. 6:10) እቲ ብትግሃት እንዓዮ ዕዮ ንየሆዋ ባህ ከም ዜብሎ ምፍላጥና ኣዝዩ እዩ ዜሐጕሰና።—1 ዜና. 29:9
3, 4. ሓገዝቲ ፈለምቲ ዄንና ብምግልጋልና እንጥቀም ብኸመይ ኢና፧
3 መብዛሕትኡ ግዜ ንሓደ ነገር ብተደጋጋሚ እንተ ጌርካዮ: ቀሊልን ዜሐጕስን እዩ ዚኸውን። ኣብ ኣገልግሎት ብዙሕ ሰዓታት ምሕላፍ: ካብ ቤት ናብ ቤት ከተገልግል ከለኻ ፍዅስ ከም ዚብለካ እዩ ዚገብር። ዝርርብ ኣብ ምጅማርን መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምጥቃምን ክኢላ ኢኻ እትኸውን። ብዛዕባ እምነትካ ብዝያዳ ብእተዛረብካ መጠን: እምነትካ እናደልደለት ትኸይድ። ብዙሓት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይመርሑ ዝነበሩ ኣስፋሕቲ: ሓገዝቲ ፈለምቲ ዀይኖም ኬገልግሉ ኸለዉ መጽናዕቲ ኼጀምሩ ኽኢሎም እዮም።
4 ሓጋዚ ፈላሚ ዄንካ ምግልጋል: ንመንፈሳዊ ንጥፈታት ከም ዜሰልኪ ልማድ ጥራይ ጌርካ ኻብ ምርኣይ ኼናግፈና ይኽእል እዩ። ሓደ ኣብ ዓለማዊ ስርሑ ዝጠሓለ ዀይኑ እተሰምዖ ቐደም ስሩዕ ፈላሚ ዝነበረ ሓው: ንሓንቲ ወርሒ ሓጋዚ ፈላሚ ዀይኑ ኼገልግል ወሰነ። “እታ ሓንቲ ወርሒ ንመንፈሳውነተይ ክሳዕ ክንደይ ከም ዘሐየለትለይ ዜገርም እዩ። ንዘይተወሰነ ግዜ ሓጋዚ ፈላሚ ዀይነ ኸገልግል ምድላው ገበርኩ: በዚ ኸኣ እንደገና ስሩዕ ፈላሚ ክኸውን ከኣልኩ” በለ።
5. ነቲ ዘይንበቅዕ ኰይኑ ኸም ዚስምዓና ዚገብር ስምዒት ክንዋጽኣሉ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
5 ዕንቅፋታት ምስጋር:- ገሊኦም ኣብ ስብከት ክእለት ዚጐድሎም ኰይኑ ስለ ዘይስምዖም: ሓገዝቲ ፈለምቲ ኻብ ምዃን የድሓርሕሩ። እዚ ዕንቅፋት ኰይኑካ እንተ ደኣ ኣልዩ: የሆዋ ልክዕ ከምቲ ንኤርምያስ ዝሓገዞ ንዓኻ እውን ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ። (ኤር. 1:6-10) ሙሴ ‘ኣፉ ወታእ: ልሳኑውን ኰርታዕ’ እኳ እንተ ነበረ: የሆዋ ፍቓዱ ንኺፍጽም ተጠቒሙሉ እዩ። (ዘጸ. 4:10-12) ዘይትበቅዕ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካ: የሆዋ ትብዓት ኪህበካ ለምን።
6. ናይ ጥዕና ጸገም ዘሎካ ወይ ብስራሕ ትሑዝ ክነስኻ: ሓጋዚ ፈላሚ ዄንካ ኸተገልግል እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧
6 ጥዕና ብምስኣንካ ወይ ብስራሕ ትዙሕ ብምዃንካ ዲኻ ሓጋዚ ፈላሚ ኻብ ምዃን ድሕር ምሕር እትብል ዘለኻ፧ እርጋንን ሕማምን ዜሸግረካ እንተ ደኣ ዀይኑ: በቲ ዚጥዕመካ ኣገባብ ምግልጋል ሓጋዚ ፈላሚ ንኽትከውን የኽእልካ እዩ። ብስራሕ ትሑዝ እንተ ደኣ ዄንካ ድማ: ነቲ ብዙሕ ኣገዳስነት ዘይብሉ ንጥፈታት ንዚመጽእ ወርሒ ኸተሰጋግሮ ትኽእል ኢኻ። ምሉእ መዓልቲ ዚሰርሑ ገለ ኣሕዋት: ሓደ ወይ ክልተ መዓልቲ ዕረፍቲ ብምውሳድ ሓገዝቲ ፈለምቲ ዀይኖም ንኼገልግሉ ዜኽእሎም ግዜ ኺዕድጉ ኽኢሎም እዮም።—ቈሎ. 4:5
7. ሓጋዚ ፈላሚ ዄንካ ንኸተገልግል ብጸሎት ክትሓስበሉ ጠቓሚ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
7 ብኸመይ ከም እተገልግል:- ብዛዕባ እቲ ድሌትካ ጸሊ። የሆዋ ነቲ ኣገልግሎትካ ንምስፋሕ እትገብሮ ጻዕርታት ኪባርኾ ሕተቶ። (ሮሜ 12:11, 12) መደባትካ ንምትዕርራይ ጥበባዊ ውሳነ ንኽትገብር ኪሕግዘካ እዩ። (ያእ. 1:5) ባህጊ ዚጐድለካ እንተ ዀይኑ ድማ: የሆዋ ካብ ዕዮ ስብከት ሓጐስ ንኽትረክብ ኪሕግዘካ ሕተቶ።—ሉቃ. 10:1, 17
8. ንምሳሌ 15:22 ኣብ ግብሪ ምውዓል ሓጋዚ ፈላሚ ዄንካ ንኸተገልግል ዜኽእለካ ብኸመይ እዩ፧
8 ነቲ ሓጋዚ ፈላሚ ዄንካ ናይ ምግልጋል ሸቶ ብስድራቤት ኴንኩም ተመያየጡሉ። (ምሳ. 15:22) ሓደ ኣባል እታ ስድራቤት ብሓገዝ እቶም ካልኦት ሓጋዚ ፈላሚ ዀይኑ ኼገልግል ይኽእል ይኸውን። ብፍላይ ምስቶም ምስ ናትካ ዚመሳሰል ኵነታት ዘለዎም ኣብታ ጉባኤ ዚርከቡ ኣስፋሕቲ: ፈላሚ ዄንካ ኸተገልግል ከም እትደሊ ተመያየጥ። እዚ ድማ ሓጋዚ ፈላሚ ዄንካ ንኸተገልግል ውዕዉዕ ስምዒት ኪፈጥረልካ ይኽእል እዩ።
9. ሓጋዚ ፈላሚ ዄንካ ንኸተገልግል ኣየኖት ኣዋርሕ ክትመርጽ ትኽእል፧
9 ነዚ ሓድሽ ዓመት ኣገልግሎት እዚ ዚኸውን ቲኦክራስያዊ መደብ ከተውጽእ ከለኻ: ሓጋዚ ፈላሚ ዄንካ ኸተገልግል እትኽእል መዓስ ኢኻ፧ ምሉእ መዓልቲ ትሰርሕ ወይ ትመሃር እንተ ደኣ ዄንካ: ኣብቲ በዓል ወይ ሓሙሽተ ቀዳም ወይ ሓሙሽተ ሰንበት ዘለዎ ኣዋርሕ ከተገልግል ትምድብ ትኸውን። ንኣብነት: መስከረም: ታሕሳስ: መጋቢት: ከምኡውን ነሓሰ ሓሙሽተ ቐዳመ-ሰናብቲ ኣለወን። ግንቦት ሓሙሽተ ቐዳም: ሰነ ድማ ሓሙሽተ ሰንበት ኣለዋ። ናይ ጥዕና ጸገም እንተ ደኣ ኣሎካ: ኵነታት ኣየር ምሹእ ዝዀነሉ ኣዋርሕ ምረጽ። ሓላው ወረዳ ንጉባኤኹም ኣብ ዝበጽሓሉ ወርሒ እውን ሓጋዚ ፈላሚ ዄንካ ኸተገልግል ትሓስብ ትኸውን። ኣብቲ ምስ ስሩዓት ፈለምቲ ዚገብሮ ኣኼባ ኣብ እተወሰነ ኽፋሉ ናይ ምክፋል ኣጋጣሚ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ዚመጽእ ዓመት: በዓል ዝኽሪ 22 መጋቢት ስለ ዚበዓል: ወርሒ መጋቢት: ሚያዝያ: ኸምኡውን ግንቦት ሓጋዚ ፈላሚ ዄንካ ንኸተገልግል ጽቡቕ ኣጋጣሚ እዩ። ሓጋዚ ፈላሚ ዄንካ እተገልግለሉ ወርሒ ወይ ኣዋርሕ ምስ መደብካ: ሰዓታትካ ኽትመልኣሉ እትኽእል መደብ ምውጻእ ጀምር።
10. ሓጋዚ ፈላሚ ኽትከውን እንተ ዘይክኢልካ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧
10 ኣብ ዚመጽእ ዓመት ኣገልግሎት: ሓጋዚ ፈላሚ ዄንካ ኸተገልግል ዘይትኽእል ኰይኑ እንተ ደኣ ተሰሚዑካ እውን ከይተረፈ: መንፈስ ፈላምነት ክትዕቅብ ትኽእል ኢኻ። ንየሆዋ እቲ ዝበለጸ ንምሃብ ዝገበርካዮ ጻዕሪ ኸም ዜሐጕሶ ብምትእምማን: ኣብ ኣገልግሎት ዝከኣለካ ምግባር ቀጽል። (ገላ. 6:4) ነቶም ሓገዝቲ ፈለምቲ ዀይኖም ኬገልግሉ ዚኽእሉ ደግፎምን ኣተባብዓዮምን። ምስቶም ፈለምቲ ዀይኖም ዜገልግሉ ዘለዉ ንምግልጋል ኣብ ሰሙን ተወሳኺት እተገልግለላ መዓልቲ ኽትምድብ ትኽእል ኢኻ።
11. ናይ ህጹጽነት መንፈስ ኪህልወና ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧
11 ህዝቢ የሆዋ ናይ ህጹጽነት መንፈስ ኣለዎም። ኪዕየ ዘለዎ ዕዮ ኣለዎም: እዚ ኸኣ ነቲ ብስራት ምስባኽ እዩ። ህይወት ሰባት ኣብ ሓደጋ እዩ ዘሎ: ተሪፉ ዘሎ ግዜ ድማ ሓጺር እዩ። (1 ቈረ. 7:29-31) ንኣምላኽን ንሰባትን ዘላትና ፍቕሪ: ኣብ ኣገልግሎት ዚከኣለና ዘበለ ንኽንገብር ከተለዓዕለና እያ። ጻዕሪ ብምግባርን ጽቡቕ መደብ ብምውጻእን: ኣብዚ ዚመጽእ ሓድሽ ዓመት ኣገልግሎት እንተ ወሓደ ንሓደ ወርሒ ሓገዝቲ ፈለምቲ ዄንና ኸነገልግል ንኽእል ንኸውን። እዚ ኸኣ ብርግጽ ዚነኣድ ሸቶ እዩ።