ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 2/03 ገጽ 3-4
  • ስበኽ: ምሉእ ምስክርነት ድማ ሃብ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ስበኽ: ምሉእ ምስክርነት ድማ ሃብ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • 1,000 ሓገዝቲ ፓይነራት ይድለዩ ኣለዉ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
  • ክንደግሞዶ ኢና፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
  • ዕቤት የሆዋ ንገር
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
  • ንሓድሽ ዓመት ኣገልግሎት ዚኸውን ዚነኣድ ሸቶ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
km 2/03 ገጽ 3-4

ስበኽ: ምሉእ ምስክርነት ድማ ሃብ

1 የሱስ “መስፍንን ገዛእን” ከም ምዃኑ መጠን ንደቀ መዛሙርቱ ነቲ ሰፊሕ ዕዮ ስብከት ኣዳልይዎም እዩ። (ኢሳ. 55:4፣ ሉቃ. 10:1-12፣ ግብ. 1:8) ሃዋርያ ጴጥሮስ ነቲ የሱስ ዝሃቦም መዝነት “ኣምላኽውን ንህያዋንን ምዉታትን ፈራዲ ኪኸውን ዝመደቦ: ንሱ ምዃኑ ንህዝቢ ኽንሰብኽን ክንምስክርን [“ምሉእ ምስክርነት ክንህብን:” NW ] አዘዘና” ብምባል ገለጾ። (ግብ. 10:42) ምሉእ ምስክርነት ምሃብ ክበሃል ከሎ እንታይ ዘጠቓልል እዩ፧

2 ሃዋርያ ጳውሎስ ዝገደፎ ኣብነት ምስ እንምርምር ብዙሕ ክንመሃር ንኽእል ኢና። ሓደ እዋን ምስ ሽማግለታት ጉባኤ ኤፌሶን ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ ከምዚ በሎም:- “ንኣይሁድን ንጽርኣውያንን ብንስሓ ናብ ኣምላኽ ኪምለሱ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ከኣ ኪአምኑ እናመስከርኩ [“ምሉእ ምስክርነት እናሃብኩ:” NW ]: ዚጠቅም ዘበለ እናሰበኽኩልኩም ኣብ ዋዕላ ዀነ ኣብ ቤት ኰነ ምምሃርኩም ከቶ ኣየብኰርኩን።” ጳውሎስ ፈተናታት እኳ እንተ ኣጋጠሞ: ብእተኻእሎ መጠን ንብዙሓት ሰባት እቲ ብስራት ከብጽሓሎም ጸዓረ። እቲ መሰረታዊ ሓቂ ጥራይ ብምክፋሎም ይዓግብ ኣይነበረን: የግዳስ “ኵሉ ምኽሪ ኣምላኽ” ክነግሮም እውን ጸዓረ። ነዚ ንምፍጻም ዘድሊ ጻዕርን መስዋእትታትን ንምኽፋል ፍቓደኛ ነበረ። ኣስዕብ ኣቢሉውን “ጕያይን ብጐይታና የሱስ እተቐበልክዋ መልእኽተይን ክፍጽም: ወንጌል ጸጋ ኣምላኽ እናመስከርኩ [“ምሉእ ምስክርነት እናሃብኩ:” NW ] ህይወተይውን ብኣይሲ ኸም ክብርቲ ገይረ ኣይርእያን እየ” በለ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 20:20, 21, 24, 27 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።

3 ንጳውሎስ ብኸመይ ክንመስሎ ንኽእል፧ (1 ቈረ. 11:1) ፈተና እናኣጋጠመና እውን ንድሕነት ዝበቕዑ ሰባት ብምንዳይ: ዓሌቶምን ቋንቋኦምን ብዘየገድስ እቲ ብስራት ብምንጋር: ከምኡውን ነቶም ተገዳስነት ዘለዎም ብምክትታል ንጳውሎስ ክንመስሎ ንኽእል። (ማቴ. 10:12, 13) እዚ ድማ ግዜ: ጻዕሪ: ከምኡውን ንሰባት ምፍቃር ዝሓትት እዩ።

4 ሓጋዚ ፓይነር ኴንካ ኸተገልግል ትኽእልዶ፧ መጋቢትን ሚያዝያን ሓጋዚ ፓይነር ብምዃን ምሉእ ምስክርነት ንምሃብ ኣጋጣሚ ክኸፍተልካ ይኽእል እዩ። ዓሚ ብዙሓት ኣስፋሕቲ ሓገዝቲ ፓይነራት ንምዃን ፍሉይ ጻዕሪ ኽገብሩ ምርኣይናስ ክሳዕ ክንደይ ዘተባብዕ ኰን እዩ ነይሩ!

5 ሓንቲ ጥዕና ዘይብላ ጓል 80 ዓመት ሓብቲ በቲ ማሕበር የሆዋ ዝሃበቶ ምትብባዕ ተበራትዐት። “እቲ ንነዊሕ ግዜ ኣብ ልበይ ዝነበረ ባህጊ ተለዓዓለ: እንተ ወሓደ ሓንሳእ ሓጋዚት ፓይነር ኰይነ ኸገልግል ከም ዘሎኒ ድማ ተሰምዓኒ” ኸኣ በለት። ስለዚ ኣብ ወርሒ መጋቢት ሓጋዚት ፓይነር ክትከውን ወሰነት። ኣስዕብ ኣቢላውን ከምዚ በለት:- “ፈለማ ዝገበርክዎ ነገር ተቐሚጠ ምጽብጻብ እዩ ነይሩ። ሓገዝ ጓለይ ስለ ዘድልየኒ እውን ኣዘራረብክዋ። ንሳውን ከይተጸበኽዋ ሓጋዚት ፓይነር ንምዃን ኣመልከተት።” እዛ ብዕድመ ዝደፍአት ሓብቲ ኣብታ ወርሒ እቲኣ 52 ሰዓታት ኣብ ኣገልግሎት ኣሕለፈት። ብዛዕባዚ ኣመልኪታ ድማ ኸምዚ በለት:- “ሓይለይ ክደክም ከሎ የሆዋ ሓይሊ ንኽህበኒ ብተደጋጋሚ ናብኡ ጸልየ እየ። ኣብ መወዳእታ እታ ወርሒ: ኣዝየ ተሓጒሰን ብዝገበርክዎ ዓጊበን እየ: ስለቲ የሆዋ ዝገበረለይ ሓገዝ ከኣ ብዙሕ ሳዕ ኣመስጊነዮ እየ። ነዚ ኣገልግሎት እዚ ኽደግሞ እደሊ እየ።” እዚ ዘሐጕስ ተመክሮኣ ነቶም ናይ ጥዕና ጸገማቶም ብዘየገድስ ብሓቂ ሓገዝቲ ፓይነራት ክዀኑ ዝደልዩ ሰባት ከተባብዖም ይኽእል እዩ።

6 ሓደ ብሃንደበት ካብ ዓለማዊ ስርሑ ዝወጸ ሓው: ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ሓጋዚ ፓይነር ኰይኑ ንምግልጋል ተጠቕመሉ። እናሓደረ ንዕዮ ስብከት ዘለዎ ቕንኢ ተጐሃሃረ: ኣብ መወዳእታ እታ ወርሒ ኸኣ ንሓደ ሰብ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸጽንዕ ክሕግዞ ጀመረ። እዚ ሓው እዚ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠሞ ነገራት ሕስብ ከብል ከሎ “ከመይ ዝበለ ዘደንቕ እዋን ኰን እየ አሕሊፈ!” በለ። መምርሕን ሓገዝን የሆዋ ብምርካቡ መንፈሱ ኣዝዩ እዩ ተለዓዒሉ። እወ: እቲ ሓው ኣብ ኣገልግሎቱ ዝያዳ ጻዕሪ ብምግባሩ የሆዋ ብዘይ​ ልክዕ እዩ በረኸቱ ኣፍሲሱሉ: ንዓኻውን ብተመሳሳሊ በረኸቱ ኸፍስሰልካ እዩ።​—⁠ሚል. 3:10

7 ንሓያሎ ኣስፋሕቲ ሓጋዚ ፓይነር ኴንካ ምግልጋል ቀሊል ኣይኰነን። ይኹን እምበር: ናይ ስራሕን ስድራ​ቤትን ሓላፍነት ከምኡውን ናይ ብሕቲ ጸገማት እናሃለዎም ክነሶም: ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ሓገዝቲ ፓይነራት ኰይኖም ከገልግሉ ኽኢሎም እዮም። ምሉእ ምስክርነት ንምሃብ መብዛሕትኡ ግዜ ኽቡር ግዜኻን ጕልበትካን ክትስውእ ዘድልየካ እኳ እንተዀነ: እቲ እትረኽቦ በረኸት ግን መወዳድርቲ የብሉን።​—⁠ምሳ. 10:22

8 መጋቢትን ሚያዝያን ሓጋዚ ፓይነር ንምዃን ምቹኣት ኣዋርሕ እየን። ኣብ ወርሒ መጋቢት ሓሙሽተ ቐዳመ⁠-​ሰናብቲ ኣለዋ። ገሊኣቶም ምሉእ መዓልቲ ዝሰርሑ ሰባት ነዘን ቀዳመ⁠-​ሰናብትን ኣጋ ምሸትን ብምጥቃም ሓገዝቲ ፓይነራት ክዀኑ ይኽእሉ እዮም። ብተወሳኺውን: ኣብ ወርሒ ሚያዝያ በዓላት ስለ ዘሎ ነዚ ኽትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ። ገሊኣቶም ኣስፋሕቲ ኻብ ትምህርቶምን ስርሖምን ዕረፍቲ ኽረኽቡ ስለ ዝኽእሉ እቲ ዝድለ 50 ሰዓታት ንምምላእ ክሕግዞም ይኽእል እዩ። ኣብ ወርሒ መጋቢት ወይ ሚያዝያ ንኣገልግሎት 50 ሰዓታት መደብ ንምውጻእ: ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ዘሎ ንመርኣዪ ዝኸውን ናይ ሓጋዚ ፓይነር መደብ ክትጥቀመሉ ትኽእልዶ፧ ነቲ ዘውጻእካዮ መደብ ምስ ካልኦት ተመያየጠሉ: ከምዚ ብምግባርካ ድማ ገሊኣቶም ሓገዝቲ ፓይነራት ንምዃን ከም ዝተባብዑ ኣየጠራጥርን እዩ። ሓጋዚ ፓይነር ኴንካ ኸተገልግል እንተ ዘይክኢልካ: ነዘን ኣዋርሕ እዚኣተን ንጹር ሸቶ ኣውጽእ: ነቶም ፓይነራት ድማ ደግፎም። ኣብ መጋቢትን ሚያዝያን ኣብ ኣገልግሎት ዝያዳ ግዜ ንምሕላፍ መደባት ኣውጽእ።

9 ንበዓል ዝኽሪ ሞሳ ኣርኢ:- ኣብ ዓዓመት በዓል ዝኽሪ ኣብ ዝኽበረሉ ወቕቲ: በሽሓት ዝቝጸሩ ኣስፋሕቲ እቲ ንበጅነት ዘለዎም ሞሳ ‘ግዜ ዓዲጎም’ ሓገዝቲ ፓይነራት ንክዀኑ ይድርኾም እዩ። (ኤፌ. 5:15, 16) ዓሚ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ መጋቢት 1,918: ኣብ ሚያዝያ ኸኣ 765 ሓገዝቲ ፓይነራት ነይሮም። ኣብ ክልቲአን ኣዋርሕ ብገምጋም 1,342 ሓገዝቲ ፓይነራት ነይሮም ማለት እዩ። ነዚ ምስቲ ኣብቲ ኣገልግሎት ዓመት ቀቅድሚ እቲ ናይ በዓል ዝኽሪ ወቕቲ ዝነበረ 267 ዝኸውን ወርሓዊ ገምጋም ብዝሒ ሓገዝቲ ፓይነራት እሞ ኣወዳድሮ። እዚ ናይ በዓል ዝኽሪ ወቕቲ ኣብ ኣገልግሎት እንፍጽሞ ንጥፈታት ብምዝያድ ንበጅነታዊ መስዋእቲ ክርስቶስ ዘሎና ሞሳ እነርእየሉ ኻልእ ኣጋጣሚ እዩ ዝኸፍተልና።

10 ሚያዝያ 16 እናቐረበት ምስ መጸት: በዓል ዝኽሪ ንዓኻ እንታይ ትርጕም ከም ዘለዎ ኣስተንትነሉ። ቅድሚ ሞት ክርስቶስ ዝነበረ ፍጻመታትን እቲ ንየሱስ ኣጸቢቑ ዘጨነቖ ጕዳይን ሕሰበሉ። ነቲ ኣብ ቅድሚ የሱስ ዝነበረ ሓጐስን ንዘጋጠሞ ግፍዒ ንኽጻወር ብኸመይ ከም ዝሓገዞን እውን ኣዕሚቝካ ሕሰበሉ። ኣብዚ ግዜ እዚ ርእሲ ማሕበር ብምዃን ንዕዮ ስብከትን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮን ይመርሖ ኸም ዘሎ እውን ኣስተንትነሉ። (1 ቈረ. 11:3፣ እብ. 12:2፣ ራእ. 14:14-16) ድሕርዚ ዅነታትካ ኸም ዘፍቅደልካ ኣብ ስብከት ምሉእ ብምሉእ ብምስታፍ ንዅሉ እቲ ክርስቶስ ዝገበረልና ነገራት ዘሎካ ሞሳ ኣርኢ።

11 ካልኦት ምሉእ ምስክርነት ክህቡ ኣተባብዕ:- ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ሓገዝቲ ፓይነራት ብምዃን ንኻልኦት ከተባብዑ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ኣገልግሎት ምስ ሓደ ኣስፋሒ ኣብ ዘገልግልሉን ናይ ጕስነት ምብጻሕ ኣብ ዝገብሩሉን እዋን: ካልኦት ኣብዚ ፍሉይ ንጥፈት ምሉእ ብምሉእ ንኽካፈሉ ብብሕቲ ንኽሕግዝዎም ኣጋጣሚ ይኽፈተሎም እዩ። እምበኣር ኵላትና ምሉእ ምስክርነት ንኽንህብ ምእንቲ ኽንበራታዕ ነዚ ነገር እዚ ንጸልየሉ።

12 ኵሎም ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ምስቲ ጉባኤኦም ኣብ ወርሒ መጋቢትን ሚያዝያን ንተወሳኺ ንጥፈታት እትገብሮ ምድላዋት ዝተሓባበሩ እኳ እንተዀኑ: ብፍላይ እቲ ናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ ግን ንዕዮ ወንጌላውነት ዝግበር ንጥፈታት ኣብ ምውህሃድ ዓብዪ ሓላፍነት ኣለዎ። ኣብቲ ንዝበዝሑ ኣስፋሕቲ ዝጥዕሞም ቦታን መዓልትን ሰዓትን ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባ ኸዳሉ: ነዚ ድማ ብቐጻሊ ምልክታ ኸም ዝንገር ክገብር ኣለዎ። ኵሎም ኣባላት እታ ጉባኤ ኣብ እተፈላለየ ዓይነት ምስክርነት ንኽካፈሉ ኣጋጣሚ ምእንቲ ኽረኽቡ: ኣብ ሓደ መዓልቲ ብተደጋጋሚ ንምርኻብ ምድላዋት ክግበር ይከኣል እዩ። እዚ ኸኣ ኣብ ናይ ንግዲ ቦታታት ምግልጋል: ኣብ መገዲ ምምስካር: ካብ ቤት ናብ ቤት ምኻድ: ተመላሊስካ ምብጻሕ ምግባር: ከምኡውን ብተሌፎን ምስክርነት ምሃብ ዘጠቓልል ክኸውን ይኽእል እዩ። ብዘይ​ካዚ ነዘን ኣዋርሕ ዝኸውን እኹል ጽሑፋት: መጽሔታት: ከምኡውን ዞባታት ከዳሉ ኣለዎ።

13 ኣብ ወርሒ መጋቢት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክገብሩ ዝደልዩ ንምርካብ ሸቶ ብምግባር መጽሓፍ ፍልጠት ክትዕደል እያ። መጽሓፍ ፍልጠት ንምዕዳል ዝጠቅም ጽቡቕ ሓሳባት ኣብ ናይ ጥሪ 2002 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እታው ኣሎ። ኣብ ወርሒ ሚያዝያ መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ኽንዕድል ኢና። እምበኣር: ነቲ ኣብቲ “መጽሔታት ክንዕድል ከሎና እንታይ ከም እንብል” ዝብል ዓምዲ ዝቐርብ መእተዊታት ክትጥቀመሉ ጽዓር። ኵላቶም ምሉእ ምስክርነት ምእንቲ ኽህቡ: ግዜ ወሲዶም ብዝግባእ ክዳለዉሉ ኣለዎም።

14 ኣብ ትሕቲ እቲ ርእሲ ናይታ ማሕበር ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ኴንና ንሰባት ብስራት ናይ ምንጋር ፍሉይ መሰል ብምርካብናስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና ተባሪኽና! መጋቢትን ሚያዝያን እናቐረባ ምስ መጻ: ነቲ ክርስቶስ ንኽንሰብኽን ምሉእ ምስክርነት ንኽንህብን ዝኣዘዘና ትእዛዝ ብምኽባር ካብ ቅድሚ ሕጂ ዝበለጻ ኣዋርሕ ንግበረን።

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ሳጹን]

ኣብ መጋቢትን ሚያዝያን 2003 ሓጋዚ ፓይነር ክትኰነሉ እትኽእል እተፈላለየ መገድታት

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ሳጹን]

መዓልቲሰዓታት

ሰኑይ12——2—

ሰሉስ1—3———

ረቡዕ12—5——

ሓሙስ1—3———

ዓርቢ12————

ቀዳም543567

ሰንበት223223

መጋቢት565654555050

ሚያዝያ50505153—​—

ሓደ ኻብዚ መደባት እዚ ምስ ኵነታትካ ዝሰማማዕ ድዩ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ