1,000 ሓገዝቲ ፓይነራት ይድለዩ ኣለዉ
ኣብ መጋቢት: ሚያዝያ: ወይ ግንቦት ሓጋዚ ፓይነር ኴንካ ከተገልግል ትኽእልዶ፧
1 “ሽሕ ሰበኽቲ ይድለዩ ኣለዉ” ዝብል ኣብ ናይ ሚያዝያ 1881 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ወጺኡ ዝነበረ ናይ ሓንቲ ዓንቀጽ ኣርእስቲ ኢዩ። እዚ ንዅሎም እቶም ህይወቶም ዝወፈዩ ሰብኡትን ኣንስትን: “ጐይታ ፍልጠት ሓቂ ዝሃቦም ሰባት” ኣብ ዝጠዓሞም ግዜ ኣብ ምስፋሕ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ክካፈሉ ዝገልጽ ምሕጽንታ ዝሓዘ ኢዩ ነይሩ። እቶም ፍርቂ ወይ ዝበዝሕ ግዜኦም ኣብ ዕዮ ጐይታ ምሉእ ብምሉእ ከሕልፉ ዝኽእሉ ከም ኮልፖርቲዩር—ቅድሚ እዞም ሕጂ ዘለዉ ፓይነራት ዝነበሩ ኣገልገልቲ—ወንጌላውያን ኰይኖም ክዓዩ ተተባብዑ።
2 ካብ 1800ታት ጀሚሩ ግዜ ይልወጥ እኳ እንተሎ: ሓደ ዘይልወጥ ሓቂ ግን ኣሎ: እዚ ድማ ህይወቶም ዝወፈዩ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ክሳዕ ዝከኣሎም ዝበዝሐ ግዜ ኣብ ምስፋሕ እቲ ብስራት ክጥቀምሉ ኢዮም ዝደልዩ። ናይ ጉባኤ ኣስፋሕቲ ከም ሓገዝቲ ፓይነራት ኰይኖም ብምግልጋል ኣብቲ ናይታ መንግስቲ ኣገልግሎት ዝያዳ ግዜ ከሕልፉ ከለዉ: ዘለዎም ኣስላጥነት ከመሓይሹ ይኽእሉ ኢዮም።—ቈሎ. 4:17፣ 2 ጢሞ. 4:5
3 ካብቲ ሓጋዚ ፓይነር ኴንካ ምግልጋል እተጀመረሉ ግዜ ኣትሒዙ: ብኣማእታት ዝቝጸሩ ኣሕዋትን ኣሓትን ነዚ ዕዮ እዚ ከስተማቕርዎ ጸኒሖም ኢዮም። ነዚ መዳይ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ዘሎ ውዕዉዕ ስምዒት ብምዕባዩ ኣብ ሚያዝያ 1992 ኣብ ዞባና ዝለዓለ ቝጽሪ ሓገዝቲ ፓይነራት ልዕሊ 950 በጺሑ ነበረ! ካብቲ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ዝነበርናዮ ሕጂ ብ2,000 ኣስፋሕቲ ወሲኽና ስለ ዘሎና: ኣብዚ ዓመት እዚ ኣብ ወርሒ መጋቢት ልዕሊ 1,000 ኣብቲ ቀጺሉ ዘሎ ኣዋርሕ ድማ ተወሰኽቲ ሓገዝቲ ፓይነራት ክህልዉና ብርግጽ ዝከኣል ኢዩ።
4 ካብ ወርሒ መጋቢት: ሚያዝያ: ከምኡውን ግንቦት ኣብ ሓዲአን ወይ ካብኡ ንላዕሊ ናይ ሓጋዚ ፓይነር ኣገልግሎት ሸቶ ክትገብር ነተባብዓካ። ስለምንታይ መጋቢት ኣብዚ ተጠቓሊላ፧ ምኽንያቱ ኣብዚ ዓመት እዚ ዝኽሪ በዓል ሞት ክርስቶስ ሰንበት 23 መጋቢት ኢዩ ዝውዕል። ነተን ቅድሚ እቲ ናይ ዝኽሪ በዓል ዘለዋ ሰሙናት ኣብቲ ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ዝጀመሮ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ብቕንኢ ካብ ምክፋል ግዜና ከነሕልፈሉ እንኽእል ዝሓሸ መገዲ የሎን። ኣብ ወርሒ መጋቢት ዓቢ ምስክርነት ኣብ ርእሲ ምሃብና: ብዙሓት ተገደስቲ ሰባት ኣብቲ ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ምሳና ክካፈሉ ክንዕድም ንኽእል ኢና። ኣብ ርእሲ እዚ: ወርሒ መጋቢት ሓሙሽተ ቀዳምን ሓሙሽተ ሰንበትን ኣለዋ: እዚ ድማ ኣብ ቀዳመ ሰናብቲ ብዙሕ ናይ ግራት ኣገልግሎት ንጥፈት ክንገብር ከኽእለና ኢዩ። ልክዕ ኢዩ ኣብ ሚያዝያን ግንቦትን እውን ቅንኢ ዘለዎ ቀጻሊ ኣገልግሎት ምግባር ነቲ እተረኽበ ተገዳስነት ንምክትታሉን በታ ኣምላኽ ካባና እንታይ ኢዩ ዝደሊ፧ እትብሃል ሓዳስ ናይ እንግሊዝኛ ብሮሹር ተጠቒምና ሓድሽ ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምግባርን ከኽእልና ኢዩ። ከምኡውን ብፍላይ ኣብ ቀዳመ ሰናብቲ ሓደስቲ ሕታማት ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! መጽሔታት ተጠቒምና ንዞባና ምሉእ ብምሉእ ክንዓዮ ኢና።
5 ሓጋዚ ፓይነር ኰይኑ ከገልግል ዝበቅዕ መን ኢዩ፧:- ኣገልግሎትና ንምፍጻም እተመሓደርና እትብሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ኣብ ገጽ 114 ከምዚ ኢላ ትገልጽ:- “ብሕታዊ ኵነታትካ ብዘየገድስ እተጠመቕካ: ጽቡቕ ስነ-ምግባራዊ ኣቕዋም ዘሎካ እንተድኣ ኴንካ ኣብ ወርሒ 60 ሰዓታት ኣብ ግራት ኣገልግሎት ንኸተሕልፍ ዘድሊ ብቕዓታት ንኸተማልእ ክትጽዕር ትኽእል ኢኻ: ሓንቲ ወርሒ ወይ ዝያዳ ሓጋዚ ፓይነር ኴንካ ከተገልግል ከም እትኽእል ድማ እመን: እቶም ሽማግለታት ነዚ ናይ ኣገልግሎት መሰል እዚ ንኽትገብር ዘቕረብካዮ ሕቶ ክቕበሉ ሕጕሳት ኢዮም።” ኣብ ወርሒ መጋቢት: ወይ ኣብ ሚያዝያ: ወይ ኣብ ግንቦት ነዚ ኣገልግሎት እዚ ንምፍጻም ክትምድብ ትኽእልዶ፧ እምበኣር ክትገብሮ ዘድልየካ: ቅጥዒ ክህቡኻ ምሕታት ጥራይ ኢዩ።
6 ብወገን እቶም ኣካል ሽማግለታት ዘሎ ኣወንታዊ ኣረኣእያ: ምስቲ እቶም ዝተረፉ ኣስፋሕቲ ዝገብርዎ ናይ ምሉእ ልቢ ደገፍ ተሓዊሱ ነዚ 1,000 ሓገዝቲ ፓይነራት ናይ ምምላእ ጻውዒት ናይ ዓወት መቓልሕ ከም ዝመልስ ክገብሮ ኣለዎ። (እብ. 13:7) ኵሎም ርእሲ ስድራቤታት ካብዘን ዝመጻ ዘለዋ ኣዋርሕ ኣብ ሓንቲ ወይ ካብ ሓንቲ ንላዕሊ ካብ ስድራቤቶም ክንደይ ዝኣኽሉ ሓገዝቲ ፓይነራት ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ከረጋግጹ ተተባቢዖም ኣለዉ።—መዝ. 148:12, 13፣ ምስ ግብሪ ሃዋርያት 21:8, 9 ኣረኣእዮ።
7 ብምኽንያት ናይ ምሉእ መዓልቲ ስራሕካ: ናይ ቤት ትምህርቲ መደብካ: ናይ ስድራቤት ሓላፍነትካ: ወይ ድማ ካልእ ቅዱስ ጽሑፋዊ ግዴታትካ ሓጋዚ ፓይነር ኴንካ ምግልጋል ዘይክኣል ኢዩ ኢልካ ንምድምዳም ኣይትተሃወኽ። ንገሊኣቶም ከምዚ ክገብሩ ቀሊል ከይከውን ይኽእል ኢዩ፣ እንተዀነ ግን: ጽቡቕ ምምሕዳር ብምግባርን ብበረኸት የሆዋን ክዕወቱ ይኽእሉ ኢዮም። (መዝ. 37:5፣ ምሳ. 16:3) እቲ ኣብ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ክትካፈል ዘሎካ ድሌት ንዅነታትካ ዝቈጻጸሮ ይግበሮ፣ ኵነታትካ ነቲ ፓይነር ናይ ምዃን ድሌትካ ክቈጻጸሮ ኣይትግደፎ። (ምሳ. 13:19ሀ) ስለዚ ድማ: ብዙሓት በቲ ንየሆዋን ንብጾቶም ሰባትን ዘለዎም ብርቱዕ ፍቕሪ ተላዒሎም ኣብ ገለ ኣዋርሕ ኣገልግሎቶም ምእንቲ ከስፍሑ ነቲ ናይ ናብርኦም ሰሙናዊ መደብ ኣተዓራርዮም ኢዮም። (ሉቃ. 10:27, 28) ነቶም ኣብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎት ኣጸቢቖም ዝጽዕሩ ሰባት ብዙሕ በረኸታት ተዓቚሩሎም ኣሎ።—1 ጢሞ. 4:10
8 ሓጋዚ ፓይነር ኴንኳ ምግልጋል እንታይ ከም ዘስልጥ:- እቲ ኣሽሓት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ሓገዝቲ ፓይነራት ንምዃን ዝገብርዎ ናይ ምሉእ ልቦም ጻዕሪ የሆዋ ብርቱዕ ናይ ውዳሰ ድምጺ ከም ዝረክብ ገይሩ ኢዩ። እዞም ኣወጅቲ መንግስቲ እዚኣቶም ነቲ ብስራት ንብዙሓት ሰባት ከብጽሑሎም ክጽዕሩ ከለዉ: መንፈሱን በረኸቱን ንምርካብ ብዝያዳ ናብኡ ምጽጋዕ ከም ዘድልዮም ስለ ዝማሃሩ ብብሕቲ ደረጃ ናብ የሆዋ ኣጸቢቖም ይቐርቡ።
9 ኣብ ማእከልና ንጡፋት ሓገዝቲ ፓይነራት: ስርዓታውያን ፓይነራት: ከምኡውን ፍሉያት ፓይነራት ስለ ዘለዉና ኣብታ ጉባኤ ኵሉ ግዜ ህያው መንፈስ የፍሪ። ኣብ ግራት ኣገልግሎት ዝረኸብዎ ተመክሮታት ክነግሩ ከለዉ እቲ ውዕዉዕ ስምዒቶም ናብ ካልኦት ይመሓላለፍ ኢዩ። እዚ ድማ ካልኦት ነቲ ቀዳምነት ዝህብዎ ነገራትን ኣብቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ዕዮ ናይ ኣገልግሎት ዝሰፍሐ ግደ ክህልዎም ዘለዎም ተኽእሎን ደጊሞም ንኽምርምርዎ የለዓዕሎም ኢዩ። ሓንቲ ኣብ መበል 70 ዕድሜኣ እተጠምቀት ሓብቲ ሽዑ ንሽዑ ብቐጻሊ ሓጋዚት ፓይነር ኰይና ከተገልግል ጀመረት። ገለ ዓመታት ጸኒሑ: ኣብዚ ዕድመ እዚ ከላ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ሓጋዚት ፓይነር ብምዃን ስለምንታይ ገና ኣብቲ ኣገልግሎት ትጽዕር ከም ዘላ ምስ ተሓተት: እተን ናይ መጀመርታ 70 ዓመታት ናይ ህይወታ ብኸንቱ ዝጠፍኣ ኰይኑ ከም ዝስምዓ: ነቲ ተሪፉ ዘሎ ዓመታት ህይወታ ድማ ብኸንቱ ከተሕልፎ ከም ዘይትደሊ ተዛረበት!
10 ነፍሲ ወከፍ ኣብቲ ናይ ሓጋዚ ፓይነር ኣገልግሎት ዝካፈል ሰብ ኣብቲ ኣገልግሎት እተመሓየሸ ብልሓት የጥሪ ኢዩ። ሓደ መንእሰይ ምስክር ከምዚ ኢሉ ተኣመነ:- ‘ኣብቲ ናይ መጀመርታ ዓመታት ቍልዕነተይ ንወለደይ ኣብቲ ናይ ስብከት ዕዮ አሰንዮም ነበርኩ። ግራት ኣገልግሎት ብሓቂ ባህ ዘብል መሕለፍ ግዜ ኢዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን: ጸኒሑ ኣብ ቤት ትምህርቲ ካብቶም ካልኦት ተማሃሮ እተፈለኹ ምዃነይ ክርድኣኒ ጀመረ። ብዛዕባ ሓቂ ንኻልኦት መማህርተይ ክዛረቦም ድማ ዘሕፍረኒ ኰይኑ ረኸብክዎ። ካብ ቤት ናብ ቤት ክሰብኽ ከሎኹ ገለ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝፈልጦ ሰብ ከይረኽበኒ ክፈርህ ጀመርኩ። ብኣይ ወገን እቲ ግድል ንሰብ ምፍራህ ከም ዝዀነ ኢዩ ዝስምዓኒ። [ምሳ. 29:25] ትምህርቲ ምስ ወዳእኩ ንእተወሰነ ግዜ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ክፍትን ወሰንኩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ቅድሚ ሕጂ ኰይንዎ ብዘይፈልጥ መገዲ ስብከት ዝያዳ መሳጢ ኰነኒ። ካብኡ ንድሓር ከም ባህ ዘብል መሕለፍ ግዜ ወይ ጾር ገይረ ፈጺመ ኣይረኣኽዎን። ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ዝገብረሎም ሰባት ኣብ ሓቂ ክዓብዩ ብምርኣየይ: የሆዋ ኣምላኽ ንጻዕረይ ይድግፎ ከም ዘሎ መርትዖ ብምርካበይ ዓሚቝ ዕግበት ከስተማቕር ጀመርኩ።’ እዚ መንእሰይ እዚ ስርዓታዊ ፓይነር ኰይኑ ምግልጋል ቀጸለ።
11 ብተግባራዊ መገዲ ክርአ ኸሎ ድማ ኣብታ ጉባኤ ብዙሓት ከም ሓገዝቲ ፓይነራት ኰይኖም ከገልግሉ ከለዉ እቲ ዞባ ምሉእ ብምሉእ ይሽፈን ኢዩ። ካብ መጋቢት ክሳዕ ግንቦት ናይ ዞባ ፍሉይ ወፈራ ኣሎ። እቲ ዞባታት ክምድብ ሓላፍነት ዘለዎ ሓው ዝያዳ ድልደላ ናይ ዞባታት ክገብር ከም ዝሕጐስ ምንም ጥርጥር የብሉን: ነቶም ሓገዝቲ ፓይነራት ድማ ነቲ ብዙሕ ግዜ ዘይተዓየ ዞባታት ኣብ ምሽፋን ክሕግዙ ክሓቶም ይኽእል ኢዩ። ምሳሕ ሒዝካ ብምኻድ ምሉእ መዓልቲ ኣብ ኣገልግሎት ምውዓል: ኣብቲ ርሑቕ ጫፋት ናይቲ ዞባ እውን ከይተረፈ ንምግልጋል ከም ዝከኣል ዝገብር ኢዩ።
12 ሽማግለታት ኣቐዲሞም ምድላዋት ክገብሩ የድልዮም:- ኣብ ብምሉኡ እዚ ዝመጽእ ዘሎ ሰለስተ ኣዋርሕ: ኣብ ሰሙን ኣብ እተፈላለየ ግዜ: ድሕሪ ቐትርን ኣጋ ምሸትን እውን ወሲኽካ: እተፈላለየ ዓይነት ናይ ኣገልግሎት ንጥፈታት ንምግባር ምድላዋት ክግበር ኣለዎ: ስለዚ ድማ ብዝከኣል መጠን ብዙሓት ክካፈሉ ይኽእሉ ኢዮም። እቲ ዝግበር ናይ ኣገልግሎት ንጥፈታት ኣብ ርእሲ እቲ ስርዓታዊ ናይ ቤተ-ቤት ኣገልግሎት ኣብ መገዲ ዝግበር ምስክርነት: ኣብ ናይ ንግዲ ዞባታት ምግልጋል: ኣብ ገዝኦም ንዘይተረኽቡ ሰባት ምብጻሕ ዘጠቓልል ክኸውን ኣለዎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ቅድመ ምድላው ምግባር ሽማግለታት ነቶም ፓይነራት ዝዀኑ ኣብቲ ንዕኦም ዝያዳ ኣስላጥን ዝጥዕምን ግዜ ኣብቲ ናይታ ጉባኤ ኣገልግሎት ንኽካፈሉ ይሕግዝዎም። እታ ጉባኤ ብዛዕባ እቲ እተገብረ ኵሉ ናይ ግራት ኣገልግሎት ምድላዋት ክንገራ ኣለዎ። እቲ ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባታት ብግቡእ እተመሓደረ ክኸውን ኣለዎ። ብተወሳኺ: እኹል ዞባ ክቕረብ: እኹል መጽሔታትን ካልእ ጽሑፋትን ድማ ብቕልጡፍ ክእዘዝ ኣለዎ።
13 ናይ ብሕቲ ናይ ኣገልግሎት ግዜኻ መድብ:- ኣብ መጀመርታ ሓጋዚ ፓይነር ኴንካ ምግልጋል ዘፍርሆ ዝነበረ ሓደ ሓው ከምዚ በለ:- “ከምቲ ዝሓሰብክዎ ዘይኰነስ ብሓቂ ዝያዳ ቀሊል ኰይኑ ኢየ ረኺበዮ። ጽቡቕ መደብ ምግባር ጥራይ ኢዩ ዘድሊ።” ኣብ ዳሕረዋይ ገጽ ናይዚ እታው እዚ ምስ ናትካ ኵነታት ክሰማማዕ ዝኽእል ናይ ሓጋዚ ፓይነር ኣገልግሎት ፕሮግራምዶ ትርኢ ኣሎኻ፧ ሓጋዚ ፓይነር ምዃን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ዓሰርተ ሓሙሽተ ሰዓታት ጥራይ ንኣገልግሎት ምምዳብ ኢዩ ዘድሊ።
14 ሓገዝቲ ፓይነራት ንምዃን ኣብ ገዛ ዝውዕላ ሰብ ሓዳርን ካብ ድሕሪ ኣጋ ምሸት ክሳዕ ፍርቂ ለይቲ ኣብ ዘሎ ግዜ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታትን ናይ ንግሆ ግዜኦም ንግራት ኣገልግሎት ክምድብዎ ይኽእሉ ኢዮም። ተማሃሮን ናይ ለይቲ ሰራሕተኛታትን ብሓፈሻ ነቲ ኣብ ኣጋ ምሸት ዘሎ ግዜኦም ንናይ ስብከት ስራሕ ክውፍይዎ ይኽእሉ ኢዮም። ምሉእ መዓልቲ ዓለማዊ ስራሕ ዝሰርሑ ድማ ካብቲ ናይ ስራሕ መዓልትታት ኣብ ሰሙን ሓንቲ መዓልቲ ዕረፍቲ ክወስዱ ወይ ድማ ኣብ ርእሲ ናይ ምሸት ምስክርነት ምሉእ ቀዳመ-ሰናብቲ ንኣገልግሎት ብምውፋይ ክገብርዎ ይኽእሉ ኢዮም። ግራት ኣገልግሎቶም ዝያዳ ኣብ ቀዳመ ሰናብቲ እትሓጽረ ድማ ሓሙሽተ ምሉኣት ቀዳመ ሰናብቲ ዘለወን ኣዋርሕ ክመርጹ ይኽእሉ ኢዮም። ኣብዚ ዓመት እዚ መጋቢት ከምኡውን ነሓሰን ሕዳርን ሓሙሽተ ቀዳመ ሰናብቲ ዘለወን ኢየን። እቲ ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ከም መምርሒ እተዋህበ ባዶ መደብ ብምጥቃም ንውልቃዊ ኵነታትካ ዝሰማማዕ ተግባራዊ ዝዀነ ብሕታዊ ናይ ኣገልግሎት መደብ ንምግባር ጥንቁቕን ጸሎት እተሓወሶን ጻዕሪ ግበረሉ።
15 ሓጋዚ ፓይነር ኴንካ ምግልጋል ዘለዎ ሓደ ጥቕሚ ተዓጻጻፊ ምዃኑ ኢዩ። እቲ ፓይነር እትዀነሉ ኣዋርሕ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ: ክሳዕ እቲ እትደልዮ ድማ ከተገልግል ትኽእል ኢኻ። ብቐጻሊ ሓጋዚ ፓይነር ኴንካ ከተገልግል ደሊኻ: እንተዀነ ግን ምጥዓም ምስ ዝኣብየካ: ዓመት ምሉእ ሓንቲ ወርሒ እናጸቕጥካ ከተገልግል ሓሲብካሉዶ ትፈልጥ፧ በቲ ሓደ ሸነኽ ድማ: ካልኦት ንነዊሕ ግዜ ሓገዝቲ ፓይነራት ኰይኖም ብቐጻሊ ከገልግሉ ክኢሎም ኢዮም።
16 ንናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኣቐዲምካ ምልምማድ:- ብዙሓት ናይ ፓይነር መንፈስ ዘለዎም ስርዓታውያን ፓይነራት ክዀኑ ኢዮም ዝደልዩ: እንተዀነ ግን: ግዜ እንተለዎም: ኵነታቶም ዘፍቅደሎም እንተዀይኑ: ወይ ድማ ዓቕሚ እተለዎም ይሓቱ። እዞም ሕጂ ስርዓታውያን ፓይነራት ኰይኖም ዘገልግሉ ዘለዉ ብመጀመርታ ናይ ሓጋዚ ፓይነር ኣገልግሎት ንናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ንምዃን ከም መለማመዲ ከም እተጠቕምሉ ዘጠራጥር ኣይኰነን። ሓደ ሰብ ነቲ ዘለዎ ናይ ሓጋዚ ፓይነር ኣገልግሎት መደብ ኣብ መዓልቲ ሓንቲ ሰዓት: ወይ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ሓንቲ ምልእቲ መዓልቲ ብምውሳኽ ናይ ስርዓታዊ ፓይነር ኣገልግሎት መደብ ክገብር ይኽእል ኢዩ። እዚ ንኣኻ ዝከኣልን ዘይከኣልን ምዃኑ ንምውሳን ንምንታይ ኣብ ሓንቲ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ኣዋርሕ ናይ ሓጋዚ ፓይነር ኣገልግሎት ክትወስድ ከሎኻ ኣብ ኣገልግሎት 90 ሰዓታት ከተምጽእ ትኽእል እንተዀይንካ ዘይትፍትኖ፧ ምስ እዚ ተተሓሒዙ ድማ ተመላሊስካ ምብጻሕ ከምኡውን ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ እትገብረሎም ሰባት ክትረክብ ኢኻ: እዚ ድማ እተፈላለየን ሚዛናውን ዝዀነ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ከተስተማቕር ክሕግዘካ ኢዩ።
17 ሓንቲ ሓብቲ ተኸታታሊ ሽዱሽተ ዓመታት ናይ ሓጋዚ ፓይነር ኣገልግሎት ኣስተማቐረት። ኣብቲ እዋን እቲ ሸቶኣ ኣብቲ ናይ ስርዓታዊ ፓይነር ኣገልግሎት ንምእታው ኢዩ ነይሩ። ነዚ ሸቶ እዚ ንምፍጻም: ነቲ ካብ ስርዓታውያን ፓይነራት ዝድለ 90 ሰዓታት ንምምጻእ ብምምጥጣር ምቹእ ኵነታት ንምርካብ ኣርባዕተ እተፈላለየ ዓለማዊ ስራሕ ፈተነት። ዝከኣል እንተዀይኑ ንምፍላጥ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ሓደ ወይ ክልተ መደብ ተውጽእ። እንተዀነ ግን: ነቲ መደባ ምስ መርመረቶ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክብጻሕ ዘይከኣል ኰይኑ ተሰምዓ። ገና ግን: የሆዋ ምምርሒኡ ክህባ ሓተተቶ። ድሕርዚ ሓደ መዓልቲ ንናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ክትዳሎ ከላ: ኣብ ናይ መስከረም 1991 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ከምዚ ዝስዕብ ዝብል ዓንቀጽ ኣንበበት:- “ኣብቲ ከነምጽኦ ዘሎና ሰዓታት ዘየድሊ ኣትኵሮ ካብ እንገብር: ስለምንታይ ኣብቲ ናይ ምእካብ ዕዮ ንምክፋል ተወሳኺ ኣጋጣሚ ንምርካብ ኣትኵሮ ዘይንገብር፧ (ዮሃ. 4:35, 36)” እታ ሓብቲ ከምዚ ኢላ ተዘንቱ:- “ነዛ ምልእቲ ሓሳባት እዚኣ ሓሙሽተ ወይ ሽዱሽተ ግዜ ኣንቢበያ: እዚ ናይ የሆዋ መልሲ ምዃኑ ድማ ርግጸኛ ነበርኩ። ኣብታ ኣጋጣሚ እቲኣ ኣብ ናይ ስርዓታዊ ፓይነር ኣገልግሎት ክኣቱ ወሰንኩ።” እቲ ዝነበራ ዓለማዊ ናይ ክፍለ-ግዜ ስራሕ ዘይምቹእ እኳ እንተነበረ: ስርዓታዊት ፓይነር ኰይና ከተገልግል ሓተተት። ድሕሪ ሰሙን መደባ ተቐየረ: ንዕኣ ብልክዕ ዝሰማማዕ ናይ ዓለማዊ ስራሕ ሰዓታት ድማ ረኸበት። “እዝስ ኢድ የሆዋ ከም ዘለዎ ኣይትሰማምዑንዶ፧ የሆዋ መምርሒ ክህበኩም ምስ ሓተትኩምን ምስ ተቐበልኩምዎን: ሕቘኹም ኣይትሃብዎ—ተቐበልዎ” ኢላ ድማ ትድምድም። ስርዓታዊ ፓይነር ንምዃን ልባዊ ድሌትካ እንተድኣ ኰይኑ: ምናልባት ኣብ መወዳእታ ናይተን ሓጋዚ ፓይነር ኴንካ እትዓየለን ሰለስተ ኣዋርሕ ማለት መጋቢት: ሚያዝያ: ከምኡውን ግንቦት ንስኻ እውን ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክትዕወት ከም እትኽእል ክትኣምን ኢኻ።
18 የሆዋ ኣብዘን ፍሉያት ንጥፈት ዝገብሩለን ግዜያት ነቲ ናይ ድሕነት ብስራት ክሰብክዎ ከለዉ ነቲ ህዝቡ ዘርእይዎ ቅንኢ ከም ዝባርኾ: ነቲ ዝገብርዎ ጻዕሪ ድማ ከም ዝድግፎ ርግጸኛታት ኢና። (ኢሳ. 52:7፣ ሮሜ 10:15) ኣብ መጋቢት: ወይ ኣብ ሚያዝያ: ወይ ኣብ ግንቦት ኣብ ኣገልግሎት ብምክፋል ነቲ ናይ 1,000 ሓገዝቲ ፓይነራት ጻውዒት ክትምልሰሉ ዲኻ፧
ከም ሓጋዚ ፓይነር ኴንካ ብኸመይ ከም እትዕወት
■ ከም እትዕወት ኣወንታዊ ኣረኣእያ ይሃሉኻ
■ ጻዕርታትካ ክባርኾ ናብ የሆዋ ጸሊ
■ ካልእ ኣስፋሒ ምስኻ ኰይኑ ከገልግል ዓድም
■ ተግባራዊ ዝዀነ ናይ ኣገልግሎት መደብ ግበር
■ ዝኣኽለካ መጽሔታት ኣዝዝ
■ ነቲ እታ ጉባኤ እትገብሮ ናይ ኣገልግሎት መደባት ደግፍ
■ ናይ ኣጋጣሚ ምስክርነት ንምሃብ ኣጋጣሚታት ድለ