በዓል ዝኽሪ —ዓቢ ኣገዳስነት ዘለዎ ፍጻመ!
1 ሰንበት 23 መጋቢት ድሕሪ ጸሓይ ምዕራባ ናይ ክርስቶስ ሞት ዝኽሪ ከነብዕል ኢና። (ሉቃ. 22:19) እዚ ብሓቂ ዓቢ ኣገዳስነት ዘለዎ ፍጻመ ኢዩ! የሱስ ነቲ ኣብ የሆዋ ዘለዎ ንጽህና ክሳዕ ሞት ኣጽኒዑ ብምሓዝ ሰብ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ጸቕጢ ከሎ እውን ከይተረፈ ፍጹም ዝዀነ ኣምላኻዊ ተወፋይነት ክህልዎ ከም ዝኽእል: በዚ ድማ ንሕጋውነት ሉዓላውነት የሆዋ ክብ ከብል ከም ዝኽእል ኣረጋጊጹ ኢዩ። (እብ. 5:8) ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ: ሞት ክርስቶስ ነቲ ንደቅሰብ ንምብጃው ዘድሊ ፍጹም ሰብኣዊ መስዋእቲ ኣቕሪቡ ኢዩ: እዚ ድማ ነቶም ኣብኡ እምነት ዝገብሩ ንዘለኣለም ንኽነብሩ የኽእሎም ኢዩ። (ዮሃ. 3:16) ኣብቲ በዓል ዝኽሪ ብምክፋልና: እቲ ንፍቕሪ የሆዋን የሱስ ምእንታና ዝገበሮ መስዋእትን ዘሎና ልባዊ ሞሳ ነንጸባርቕ።
2 ከምቲ ኣብ ናይ 1997 ዓውደ-ኣዋርሕ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ወጺኡ ዘሎ ነቲ ካብ 18-23 መጋቢት ዝግበር ናይ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ፕሮግራም ኵሎም ክስዕብዎ ተተባቢዖም ኣለዉ። ነቲ ኣብታ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ ዘርእስታ ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ምዕራፍ 112-16 ዘሎ ብመልክዕ ስድራቤት ኴንካ ምምይያጥ ኣትኵሮና ኣብታ ኣብ ታሪኽ ወድሰብ እታ ኣገዳሲት ዝዀነት ሰሙን ክንገብር ክሕግዘና ኢዩ።
3 ኣብቲ በዓል ዝኽሪ ዝበዓለሉ ወቕቲ ኣብ ኣገልግሎት እተሕልፎ ግዜ ምወሰኽካሉዶ፧ ብዙሓት ኣሕዋት ኣብ መጋቢት ዘሎ ሓሙሽተ ቀዳመ ሰናብቲ ሓገዝቲ ፓይነራት ንምዃን ምሉእ ብምሉእ ክጥቀምሉ ኢዮም። ስለምንታይ ሓደ ካብኣቶም ዘይትኸውን፧ ኣብቲ ዝኽሪ በዓል ምክፋል ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ንምጕላሕ ኵላትና ምሉእ ብምሉእ ክንሳተፍ ንኽእል ኢና። ሰንበት መዓልቲ ስለ እትውዕል ብዙሓት ንኽካፈሉ ዝቐለለ ክዀነሎም ኢዩ። ኵላቶም ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ዝገብሩን ዝግደሱን ሰባት ምሳና ንኽካፈሉ ንምዕዳም ርግጸኛ ኩን። ብዛዕባ እታ ኣብ ዓመት ሓንቲ ግዜ ብፍላይ ክትበዓል ዘለዋ መዓልቲ ኣብ መጽሓፍ ፍልጠት ኣብ ገጽ 127 ቍጽሪ 18 ተጠቒሱ ዘሎ ሓሳባት ኣካፍሎም።
4 ነዛ ናይ 1997 ዝዓበየ ፍጻመ ዘለዋ መዓልቲ ንዅሉ እቲ ሞት ክርስቶስ ንዓና ዘለዎ ትርጕም ዓሚቝ ሞሳ ብምርኣይ ምቅርራብ ግበር። ኣብ ኵሉ ቦታታት ዘለዉ ሓቀኛታት ክርስትያናት ነዚ በዓል ዝኽሪ 23 መጋቢት ምሸት ብተኣማንነት ከብዕልዎ ከለዎ ኣብኡ ተረኸብ።