“እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ” በዓል ዝኽሪ 5 ሚያዝያ ኪኽበር እዩ
1. በዓል ዝኽሪ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
1 “እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ።” (ሉቃ. 22:19) የሱስ በዘን ቃላት እዚኣተን ኣቢሉ፡ ንሰዓብቱ ንመስዋእታዊ ሞቱ ኼብዕሉ ኣዘዞም። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ብዛዕባ እቲ ብበጃ እተረኽበ ነገራት ክንሓስብ ከለና፡ እታ ንክርስትያናት ኣዝያ ኣገዳሲትን ዝበለጸትን መዓልቲ፡ እታ ኣብ ዓመት ሓንሳእ እትብዓል በዓል ዝኽሪ እያ። ኣብዚ ዓመት እዚ ማለት፡ እቲ 5 ሚያዝያ ዚበዓል በዓል ዝኽሪ እናቐረበ ኣብ ዚመጸሉ ዘሎ እዋን፡ ንየሆዋ ዘሎና ሞሳ ኸነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧—ቈሎ. 3:15።
2. መጽናዕቲ ብምግባርን ብምስትንታንን ንበዓል ዝኽሪ ሞሳና ኽንገልጽ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
2 ተዳሎ፦ ንሓደ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ጌርና እንሓስቦ ነገር ንዳለወሉ ኢና። ነተን የሱስ ኣብ ምድሪ ዘሕለፈን ናይ መወዳእታ መዓልትታት ብስድራ ቤት ኴንና ብምጽናዕን ብምስትንታንን ንበዓል ዝኽሪ ልብና ኸነዳሉ ንኽእል ኢና። (እዝ. 7:10) ኣብ ዓውደ ኣዋርሕን ኣብታ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር ዘርእስታ ንእሽቶ መጽሓፍን ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸፊል ይርከብ እዩ፣ እንተዀነ ግና ምሉእ ዝርዝርን ካብታ ዝዓበየ ሰብኣይ እትብሃል መጽሓፍ እተወስደ ምስኡ ዚኸይድ ምዕራፋትን፡ ኣብ ናይ 1 ለካቲት 2011 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ገጽ 23-24 ኪርከብ ይከኣል እዩ።
3. ኣብ ኣገልግሎት ዘሎና ተሳትፎ ብምዝያድ፡ ንበዓል ዝኽሪ ዘሎና ሞሳ ኸነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
3 ስበኽ፦ ኣብ ኣገልግሎት ምሉእ ተሳትፎ ብምግባር እውን ሞሳና ኸነርኢ ንኽእል ኢና። (ሉቃ. 6:45) ካብ ቀዳም 17 መጋቢት ጀሚሩ፡ ሰባት ናብ በዓል ዝኽሪ ንምዕዳም፡ ዓለምለኻዊ ወፈራ ኺህልወና እዩ። ኣብ ኣገልግሎት ዝያዳ ሰዓት ንምሕላፍ፡ ምናልባት እውን ሓጋዚ ፈላሚ ንምዃን መደባትካ ኸተተዓራሪ ትኽእልዶ፧ ኣብታ ኣብ ዚቕጽል ኣምልኾ ስድራ ቤት እትገብሩላ ምሸት፡ ከም ስድራ ቤት መጠን እንተ ተመያየጥኩምሉ ሰናይ እዩ።
4. ኣብ በዓል ዝኽሪ ምእካብና እንታይ ጥቕሚ ኢና ኽንረክብ እንኽእል፧
4 ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣብ በዓል ዝኽሪ ብምእካብ ኣየ ኸመይ ዝበለ ጥቕሚ ዀን ኢና እንረክብ! ብዛዕባ እቲ የሆዋ ነቲ ሓደ ወዱ በጃ ገይሩ ብምሃብ ዜርኣዮ ልግሲ ምስ እነስተንትን፡ ሓጐስና ይውስኽ ንኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ ድማ ይዓሙቕ። (ዮሃ. 3:16፣ 1 ዮሃ. 4:9, 10) እዚ ድማ ንርእስና ኸይንነብር ይድርኸና። (2 ቈረ. 5:14, 15) ብዘይካዚ ንየሆዋ ኣብ ቅድሚ ሰባት ንኽንውድሶ ዘሎና ባህጊ የለዓዕለልና። (መዝ. 102:19-21) ብሓቂ እምበኣር፡ ኣመስገንቲ ኣገልገልቲ የሆዋ ኸም ምዃንና መጠን፡ ነቲ 5 ሚያዝያ ዚኽበር በዓል ዝኽሪ ‘ሞት የሱስ ንኽንነግር’ እንረኽቦ ኣጋጣሚ ብሃንቀውታ ኢና እንጽበዮ።—1 ቈረ. 11:26።