ሞሳና ነርኢ በዓል ዝኽሪ 17 ሚያዝያ ኪኽበር እዩ
1. ብፍላይ በዓል ዝኽሪ ኣብ ዚበዓለሉ ወቕቲ፡ ሓደ ጸሓፍ መዝሙር ንዝበሎ ኣየናይ ኣረኣእያ እዩ ኺህልወና ዘለዎ፧
1 ሓደ ጸሓፍ መዝሙር ነቲ የሆዋ ዝገበረሉ ምሕረትን ምድሓንን ሞሳ ስለ ዝሓደሮ፡ “ኣብ ክንዲ እቲ ሰናይ ዝገበረለይ ኵሉስ፡ ንእግዚኣብሄር እንታይ ውሬታ ኽመልሰሉ እየ፧” በለ። (መዝ. 116:12) ሎሚ ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ እውን መማሰውቲ ዚዀኑሉ ብዙሕ ምኽንያታት ኣለዎም። እዘን መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሰን ቃላት ካብ ዚጸሓፋ ዘመናት ጸኒሑ፡ የሆዋ ነቲ ዝዓበየ ህያቡ ዝዀነ በጃ ንደቂ ሰብ ሃበ። ስለዚ፡ ኣብ 17 ሚያዝያ በዓል ዝኽሪ ኸነኽብር ከለና፡ መማሰውቲ ምዃንና ኸነርኢ እንኽእለሉ ብቑዕ ምኽንያት ኣሎና።—ቈሎ. 3:15።
2. ንበጃ ክርስቶስ ሞሳና እነርእየሉ ገለ ምኽንያታት እንታይ እዩ፧
2 ሳላ በጃ እተረኽበ በረኸት፦ ሳላ በጃ፡ “ሕድገት ሓጢኣት” ክንረክብ ክኢልና ኢና። (ቈሎ. 1:13, 14) እዚ ኸኣ ንየሆዋ ብንጹህ ሕልና ኸነምልኾ ኣኽኢሉና እዩ። (እብ. 9:13, 14) ናብ የሆዋ ኽንጽሊ ኸለና፡ “ብትብዓት” ክንቀርቦ ኽኢልና ኢና። (እብ. 4:14-16) በቲ በጃ ዝኣምኑ ዘበሉ ድማ፡ ዘለኣለማዊ ህይወት ናይ ምርካብ ባህ ዜብል ተስፋ ኣለዎም።—ዮሃ. 3:16።
3. ንየሆዋ ስለቲ በጃ ሞሳና ኸነርእዮ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
3 ሞሳ ኣርኢ፦ ሓደ ኻብቲ ሞሳና እነርእየሉ መገዲ፡ ነቲ ኣብ ወቕቲ በዓል ዝኽሪ ዚንበብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ መዓልታዊ ብምንባብን ብምስትንታንን እዩ። ኣብ ናይ 1 ለካቲት 2011 ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት፡ “ነታ ልዕሊ ዅሉ እተገድስ መዓልቲ ኸተኽብር ተዳሊኻዶ ኣለኻ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ከምኡ ንኽንገብር ምእንቲ ኽትሕግዘና እያ ተዳልያ። ልባዊ ጸሎት ብምቕራብ፡ ንበጃ ኽሳዕ ክንደይ ኣኽቢርና ኸም እንርእዮ ንየሆዋ ኽንነግሮ ንኽእል ኢና። (1 ተሰ. 5:17, 18) የሱስ ንዝሃቦ ትእዛዝ ብምሕላው ኣብ በዓል ዝኽሪ ምእካብ እውን፡ ምስጋናና እንገልጸሉ መገዲ እዩ። (1 ቈረ. 11:24, 25) ብዘይካዚ፡ ነታ የሆዋ ዘርኣየና ሰፋሕ ፍቕሪ ብምቕዳሕ፡ ብእተኻእለና መጠን ካልኦት ምሳና ንኼብዕሉ ኽንዕድም ንኽእል ኢና።—ኢሳ. 55:1-3።
4. እንታይ ቈራጽነት ኢና ኽንገብር ዘሎና፧
4 መማሰውቲ ዝዀኑ ኣገልገልቲ የሆዋ፡ ነቲ ኣብ ዓዓመት ዚግበር በዓል ዝኽሪ ኸም ሓደ ንቡር ኣኼባ ገይሮም ዘይኰነስ፡ ከም ኣዝዩ ኣገዳሲ ኣኼባ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። እምበኣር፡ በዓል ዝኽሪ እናቐረበ ኣብ ዚመጸሉ እዋን፡ ከምቲ ሓደ ጸሓፍ መዝሙር ዝበሎ፡ “ነፍሰይ፡ ንእግዚኣብሄር ባርኺ፡ ነቲ እተገብረልኪ ሰናይ ኵሉ ኸኣ ኣይትረስዒ” ኽንብል ቈራጽነት ንግበር።—መዝ. 103:2።