ነቲ በጃ ብሞሳ ምዝካሩ
1, 2. ነቲ በጃ ብሞሳ ኸም እንዝክሮ ዚገብረና ምኽንያት እንታይ እዩ፧
1 ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ክርስትያናት ንትእዛዝ የሱስ ብምኽባር: ቀዳም 22 መጋቢት 2008 ጸሓይ ድሕሪ ምዕራባ: ሞት የሱስ ክርስቶስ ንምብዓል ኪእከቡ እዮም። (ሉቃ. 22:19፣ 1 ቈረ. 11:23-26) ከምዚ ኽንገብር ዚድርኸና ነቲ ቕድሚ 1,975 ዓመት ኣብዛ ዕለት እዚኣ እተፈጸመ ፍጻመ ዘሎና ዓሚቝ ሞሳ እዩ። የሱስ ኣብ መሳቐዪ ዕንጨይቲ ብሙማት ንጽህናኡ ብምሕላዉ ስም ኣቦኡ ቐደሰ: ንጸርፍታት ሰይጣን ድማ ብዘየዳግም መገዲ መለሰሉ።—እዮ. 1:11፣ ምሳ. 27:11
2 እቲ ዝፈሰሰ ደም የሱስ ነቲ ዘይፍጹማት ሰባት ደቂ ኣምላኽ ንኪዀኑን ኣብታ ሰማያዊት መንግስቲ ምስ ክርስቶስ ናይ ምግዛእ ተስፋ ንኺህልዎምን ዜኽእል ሓድሽ ኪዳን ሕጋውነት ኣልበሶ። (ኤር. 31:31-34፣ ማር. 14:24) ብተወሳኺ: እታ ኣምላኽ ንሰባት ዘላቶ ዓማቝ ፍቕሪ: ከምቲ የሱስ ባዕሉ ንኒቆዲሞስ ዝገለጸሉ: እቲ ሓደ ፍቑር ወዱ በጃ ኪኸውን ብምሃቡ ኣርእይዋ እዩ።—ዮሃ. 3:16
3. እቶም ኣብ በዓል ዝኽሪ ዚእከቡ ሰባት ብኸመይ ኪጥቀሙ እዮም፧
3 ንኻልኦት ዓድሞም:- እታ ናይ ጥሪ ሕታም ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዝርዝር ስማት እቶም ክንዕድሞም እንደሊ እንፈልጦም ሰባት ክንሕዝን ወረቐት ዕድመ ኸነብጽሓሎምን ሓቢራትና እያ። ነቶም ዝመዝገብካዮም ሰባት ክትዕድሞም ጀሚርካዶ፧ ኣብቲ ኻብ 1 መጋቢት ጀሚሩ ዚካየድ ንሰባት ናብ በዓል ዝኽሪ ናይ ምዕዳም ወፈራ ምሉእ ብምሉእ ንኽትካፈል ትዳሎዶ ኣለኻ፧ እቶም ኣብቲ ኣጋጣሚ ዚርከቡ ሰባት: ኣብቲ በጃ ዘለዎም እምነት ኬደልድለሎም ዚኽእል ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓሳባት ኪሰምዑ እዮም፣ እዚ ድማ ብግዲኡ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪመርሖም እዩ።—ሮሜ 10:17
4. ናብ በዓል ዝኽሪ ኣቐዲምና ኽንመጽእ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
4 ነቶም ነቲ ፍሉይ ዕድመ ተቐቢሎም ዚመጹ ሰባት መርሓባ ኢልና ምእንቲ ኽንቅበሎም: እንኽእል ዘበልና ዅልና ኣቐዲምና ኽንመጽእ ኣለና። እቲ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ በዓል ዝኽሪ ዚርአ ብዙሕ ቍጽሪ ተኣከብቲ: ነቶም ሓደስትን ነቶም ሓሓሊፎም ኣብ ኣኼባታትና ዚካፈሉን ንኸነቕልበሎም ንቑሓት ክንክውን ኣድላዪ ምዃኑ ዜርኢ እዩ።
5. ልብና ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ኸነዳልዎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
5 ልብኻ ኣዳሉ:- ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር—2008 ከምኡውን ናይ 2008 ዓውደ-ኣዋርሕ: ካብ 17 መጋቢት ጀሚሩ ዚንበብ ፍሉይ መደብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ሒዘን ይርከባ። ብዛዕባ እቲ ኣብተን የሱስ ኣብ ምድሪ ዝነበረለን ናይ መወዳእታ መዓልትታት እተፈጸመ ኣገዳሲ ፍጻመታት ምስትንታንና: ልብና ንበዓል ዝኽሪ ኸነዳሉ ኺሕግዘና እዩ። (እዝ. 7:10) ኣብዚ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ጸሎት እተሓወሶ ምስትንታን ምግባርና: ነቲ የሆዋን የሱስን ነቲ በጃ ብምድላው ዘርኣዩና ፍቕሪ ዘሎና ሞሳ የዕምቖ እዩ።—መዝ. 143:5
6. ንበዓል ዝኽሪ ዘሎና ሞሳ ምስ እነዕብዮ ዚጸልወና ብኸመይ እዩ፧
6 በዓል ዝኽሪ ኣናቐረበ ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ እዋን: ንርእስናን ንኻልኦትን ነዚ ኣገዳሲ ኣጋጣሚ እዚ ንምብዓል ብጥንቃቐ ነዳሉ። ነቲ በጃ ብሞሳ ምዝካርና: ነቲ ምስ የሆዋን ወዱን ዘሎና ርክብ የደልድሎ እዩ። (2 ቈረ. 5:14, 15) ጥቕሚ ርእሳ እትስውእ ፍቕሪ ብምርኣይ ዝመጸ እውን: ንዓታቶም ንኽንመስሎም ኪድርኸና እዩ።—1 ዮሃ. 4:11