“እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ” ዝኽሪ ሞት የሱስ 2 ሚያዝያ ኺበዓል እዩ
1. ክልተ ሚያዝያ 2007 ኣገዳሲት ዕለት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧
1 ብ2 ሚያዝያ 2007 ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት መስዋእታዊ ሞት የሱስ ንምብዓል ኪእከቡ እዮም። የሱስ ንሉዓላውነት ሰማያዊ ኣቦኡ ብምጥባቕ እዩ ሞይቱ። በዚ ኸምዚ እቲ ሰይጣን ድያብሎስ: ደቅሰብ ንኣምላኽ ዜገልግልዎ ብስሱዕ ድራኸ ተለዓዒሎም እዮም ብምባል ዝኸሰሶ ኽሲ ሓሶት ምዃኑ ኣረጋገጸ። (እዮ. 2:1-5) ድራር ጐይታ: የሱስ ሓጢኣት ዘይብሉ ፍጹም ሰብ ኰይኑ ብሙማቱ: ‘ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት በጃ ኣሕሊፉ’ ኸም ዝሃበ እውን የዘኻኽረና እዩ። (ማቴ. 20:28) ስለዚ ኸኣ እዩ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ: “እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ” ኢሉ ዝኣዘዞም። (ሉቃ. 22:19) እቲ ነዚ ኽቡር ውህበት ኣምላኽ እዚ ዘሎካ ሞሳ: ነዚ መወዳድርቲ ዘይብሉ መግለጺ ፍቕሪ እዚ ንምብዓል ምድላዋት ክትገብር የለዓዕለካዶ፧—ዮሃ. 3:16
2. ልብና ንበዓል ዝኽሪ ኸነዳልዎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
2 ንልብኻ ኣዳልዎ:- ንየሱስ ኣብተን ከም ሰብ ኰይኑ ዘሕለፈን ናይ መወዳእታ መዓልትታት ህይወቱ እንታይ ከም ዘጋጠሞ ብምምርማር: ልብና ንበዓል ዝኽሪ ኸነዳልዎ ንኽእል ኢና። (እዝ. 7:10) ከምዚ ኽንገብር ዚሕግዘና ፍሉይ መደብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብታ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር—2007 ዘርእስታ ጽሕፍቲ ኸምኡውን ኣብ ናይ 2007 ዓውደ-ኣዋርሕ ኪርከብ ይከኣል እዩ። እዚ መደብ ንባብ እዚ ብመሰረት እቲ ሎሚ እንጥቀመሉ ዘለና ዓወደ-ኣዋርሕ እተዳለወ ዀይኑ: ምስቲ ኣብ ከባቢ ሞት የሱስ እተፈጸመ ፍጻመታት ንምትእስሳር ጻዕሪ ተገይሩ ኣሎ። ኣብ ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ መዓልታትን ዕለታትን: ኣብቲ ንሓንቲ መዓልቲ ኻብ ዕራርቦ ጸሓይ ክሳብ ዕራርቦ ጸሓይ ዚቘጽር ዓውደ-ኣዋርሕ ኣይሁድ እተመስረተ እዩ። ምስዚ ሕጂ እንጥቀመሉ ኣቈጻጽራ ዘለዎ ፍልልይ ኣብ ግምት ብምእታው: ኣብቲ መደብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ በዓል ዝኽሪ ተንጸባሪቑ ኣሎ። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ሓበሬታ ምምርማርን ንዕምቈት ፍቕሪ ኣምላኽ ብጸሎት ምስትንታንን ካብ በዓል ዝኽሪ ምሉእ ብምሉእ ንኽንጥቀም ኪሕግዘና እዩ።
3. ንተገደስትን ንዘይንጡፋትን ካብ በዓል ዝኽሪ ንኺጥቀሙ ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧
3 ካልኦት ኣብኡ ንኺእከቡ ዓድሞም:- ናይ ለካቲት ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እታው: ንሰባት ናብዚ ኣገዳሲ ፍጻመ እዚ ንኽንዕድሞም ፍሉይ ወፈራ ኽንገብር ምዃንና ሓቢራ ነይራ። ኣብዚ ወፈራ እዚ ምሉእ ብምሉእ ንምክፋል መሰናድዎ ጌርካዶ፧ ዝርዝር ስማት እቶም እትዕድሞም ሰባት ኣዳሊኻዶ፧ ክትበጽሖምከ ጀሚርካዶ፧ ነቶም ዝዓደምካዮምን ንኻልኦት ተገደስቲ ሰባትን ንኽትቅበሎም ኣብታ በዓል ዝኽሪ እትበዓለላ ምሸት ኣቐዲምካ ኽትመጽእ መድብ። ምስኦም ኮፍ ክትብል ከምኡውን መጽሓፍ ቅዱስን መጽሓፍ መዝሙርን ከም ዘለዎም ከተረጋግጽ ትደሊ ትኸውን። ምስቶም ካልኦት ኣባላት እታ ጉባኤ ኣፋልጦም። እቲ መደብ ምስ ተዛዘመ ድማ ሕቶታቶም ንምምላስ ድሉው ኩን። ነቲ 15 ሚያዝያ ዚወሃብ ፍሉይ ህዝባዊ መደረ ኺሰምዑ ዓድሞም። ብፍላይ እቶም ዘይንጡፋት ኣባላት እታ ጉባኤ ናብ በዓል ዝኽርን ናብቲ ፍሉይ ህዝባዊ መደረን ከም እተዓደሙ ሽማግለታት ኬረጋግጹ እዮም።
4. ሰባት መንፈሳዊ ዕቤት ምግባር ንኪቕጽሉ ድሕሪ በዓል ዝኽሪ ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧
4 ንሓደስቲ ተገደስትን ንዘይንጡፋትን ዕቤት ኪገብሩ ሓግዞም:- እቲ ኣብ በዓል ዝኽሪ መደረ ዜቕርብ ሓው መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም እንመርሕ ኣሕጽር ኣቢሉ ኺገልጽን ንሓደስቲ ተገደስቲ ድማ ብዛዕባ የሆዋ ትምህርቲ ምቕሳም ኪቕጽሉ ኼተባብዖምን እዩ። ነቶም ዝዓደምካዮም ተወሳኺ መንፈሳዊ ሓገዝ ንምሃብ: ነቲ እቲ ተዛራባይ ዝሃቦ ሓሳባት ከም መሰረት ወይ ከም መበገሲ ኽትወስዶ ትኽእል ኢኻ። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይገብሩ እንተ ደኣ ዀይኖም: ድሕሪ እቲ በዓል ኣብ ዝቐልጠፈ ግዜ ናብ ገዛኦም ኬድካ ብኸመይ ናጻ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚግበር ኣርእዮም። መንፈሳዊ ዕቤት ንኺገብሩ ኣኼባታት ጉባኤ እውን ኪካፈሉ ኼድልዮም እዩ። (እብ. 10:24, 25) ነዚ ኣብ ኣእምሮኻ ብምሓዝ ኣኼባታት ኣዘውቲሮም ኪካፈሉ ኣተባብዓዮም። ሽማግለታት ነቶም ኣብ በዓል ዝኽሪ እተኣከቡ ዘይንጡፋት ክርስትያናት: ኣብቲ ፍሉይ ህዝባዊ መደረ ብዛዕባ ዝቐረበ ነገራት ተወሳኺ ሓሳብ ንምሃብ ኪበጽሕዎም ይግባእ። እዚ ኸም ብሓድሽ ንጡፋት ንኪዀኑ ኼተባብዖም ይኽእል እዩ።
5. በዓል ዝኽሪ ኣባና እንታይ ጽልዋ ኣለዎ፧
5 በዓል ዝኽሪ ብዛዕባ እቲ የሆዋን የሱስን ዝገበሩልና ነገራት ብዕቱብ ንኸነስተንትን ኣጋጣሚ ይኸፍተልና እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ምስትንታን ንዕኦም ዘሎና ፍቕሪ የዕምቖ: ንኣኻይዳና እውን ይጸልዎ። (2 ቈረ. 5:14, 15፣ 1 ዮሃ. 4:11) ሕጂ ‘ሞቱ እናነገርና’ ንገዛእ ርእስናን ንሓደስቲ ሰባትን ነዚ ኣገዳሲ ኣጋጣሚ እዚ እነዳልወሉ እዋን እዩ።—1 ቈረ. 11:26