ወረቐት ዕድመ በዓል ዝኽሪ፡ ኣብ መላእ ምድሪ ኺዝርጋሕ እዩ!
1. ቀቅድሚ በዓል ዝኽሪ እንታይ ፍሉይ ዓለምለኻዊ ወፈራ ኺግበር እዩ ተሓሲቡ ዘሎ፧
1 “እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ።” (ሉቃ. 22:19) ኣብ 30 መጋቢት 2010፡ ኣገልገልቲ የሆዋ ነዚ የሱስ ዝሃቦ ትእዛዝ ምእንቲ ኬኽብሩ፡ ተገዳስነት ምስ ዘለዎም ሰባት ሓቢሮም ንዝኽሪ ሞት የሱስ ኬብዕሉ እዮም። ካብ 13 መጋቢት ክሳዕ 30 መጋቢት ድማ፡ ሰባት ናብ በዓል ዝኽሪ ንኺመጹ ዚዕድም ፍሉይ ወረቐት ዕድመ ኣብ መላእ ምድሪ ኺዕደል እዩ።
2. ወረቐት ዕድመ ብኸመይ ክንዕድል ንኽእል፧
2 ብኸመይ ክንዕድም ከም እንኽእል፦ እቲ ብዓል ቤት ኣብታ ወረቐት ዕድመ ንዘሎ ስእሊ ምእንቲ ኺርእዮ፡ ኣቐዲምካ ነታ ጽሕፍቲ ሃቦ፣ ድሕሪኡ ኸምዚ ኽትብል ትኽእል ኢኻ፦ “ምሸት 30 መጋቢት ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ሚልዮናት ሰባት ሓቢሮም፡ ንዝኽሪ ሞት የሱስ ኬብዕሉ እዮም። ነዛ ኣብዚ ኣኼባ ንኽትካፈል እተኽእለካ ወረቐት ዕድመ ንዓኻን ንስድራ ቤትካን ክህበኩም ድማ እየ መጺአ። ኣዕሩኽካ እውን ምሳኻ ኺመጹ ይኽእሉ እዮም። እቲ በዓል ዚግበረሉ ሰዓትን ቦታን ኣብዛ ወረቐት ዕድመ ተጻሒፉ ኣሎ።” ኵነታት ዜፍቅደልካ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ነቲ ኣብ ሉቃስ 22:19 ዚርከብ ብዛዕባ በዓል ዝኽሪ ዚገልጽ ቅዱስ ጽሑፋዊ ትእዛዝ ከተርእዮ ትኽእል ኢኻ። ይኹን እምበር፡ ንኽልኻ ብምሉኡ ኽትሽፍን ዜኽእለካ ግዜ ምእንቲ ኽትረክብ፡ ኣሕጽር ኣቢልካ ተዛረብ።
3. ንመን ክንዕድም ንኽእል፧
3 ጉባኤኹም ዓብዪ ኽሊ እንተ ኣልይዋ፡ ነቶም ኣብ ናይ ፈለማ ምብጻሕካ ኣብ ቤቶም ዘይተረኽቡ ሰባት፡ ወረቐት ዕድመ ንኽትሓድገሎም፡ ሽማግለታት መምርሒ ኺህቡ ይኽእሉ እዮም። ኣድላዪ እንተ ዀይኑ፡ ምስቲ ወረቐት ዕድመ ብሓባር መጽሔታት ኣበርክት። ተመላሊስካ ምብጻሕ ንእትገብረሎም፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንእትምህሮም፡ ንመሳርሕትኻ፡ ንመማህርትኻ፡ ንኣዝማድካ፡ ንጐረባብትኻ፡ ከምኡውን ንኻልኦት እትፈልጦም ሰባት ዓድሞም።
4. ነቲ የሆዋ በጃ ብምሃብ ዘርኣየና ፍቕሪ ዘሎና ሞሳ እንታይ ንኽንገብር እዩ ዚድርኸና፧
4 ምሉእ ተሳትፎ ንኺህልወካ መደብ ግበር፦ እቲ በዓል ዝኽሪ ዚግበረሉ ወቕቲ፡ ተወሳኺ ንጥፈታት ንምግባር ዜኽእል ብሉጽ እዋን እዩ። ሓጋዚ ፈላሚ ንኽትከውን መደባትካ ኸተተዓራሪ ትኽእልዶ፧ ጽቡቕ መንፈሳዊ ዕቤት ዚገብሩ ዘለዉ ውሉዳት ወይ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣለዉኻዶ፧ ዘይተጠምቁ ኣስፋሕቲ ዀይኖም ኣብዚ ፍሉይ ወፈራ ምሳና ኺካፈሉ ዚበቕዑ እንተ ደኣ ዀይኖም ንምውሳን፡ ምስ ሽማግለታት ኪዘራረቡ ሓግዞም። ነቲ የሆዋ በጃ ብምሃብ ዘርኣየና ፍቕሪ ሞሳ ኸም ዘሎና ኸነርኢ እንኽእል፡ ኣብ በዓል ዝኽሪ ብምእካብ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካልኦት ምሳና ሓቢሮም ኣብቲ በዓል ንኺካፈሉ ብምዕዳም እውን እዩ።—ዮሃ. 3:16።