በዓል ዝኽሪ ንኸነፋልጥ ዚግበር ፍሉይ ወፈራ!
1. ኣብ ብዘላ ምድሪ ዘለዉ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ 21 መጋቢት 2009 ጀሚሮም እንታይ ኪገብሩ እዮም፧ ስለምንታይከ፧
1 ሓሙስ 9 ሚያዝያ 2009፡ ኣብ ብዘላ ዓለም ዚርከቡ ኣምለኽቲ የሆዋ ኣምላኽ፡ ነቲ ንሱ ንደቂ ሰብ ዝገበሮ ዝዓበየ መግለጺ ፍቕሪ ንኺዝክሩ ኽእከቡ እዮም። (ሮሜ 5:6-8) ዝኽሪ ሞት የሱስ ከነብዕል ከለና፡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ተገደስቲ ምሳና ኺእከቡ ብሃንቀውታ ንጽበ ኢና። ካብ 21 መጋቢት ኣትሒዙ፡ ናብቲ በዓል ዝኽሪ ዚዕድም ፍሉይ ወረቐት ዕድመ ኣብ ብዘላ ምድሪ ኺዕደል እዩ።
2. ነታ ወረቐት ዕድመ ኽትዕድል ከለኻ፡ እንታይ ነጥብታት ኢኻ ኽትዝክር ዘሎካ፧
2 ክትዝክሮ ዘሎካ ነጥብታት፦ ነቲ ኣብቲ ወረቐት ዕድመ ዘሎ ስእልታትን ሕቶታትን ጥቕስታትን ብግቡእ ተጠቐመሉ። ንኣብነት፡ ነቲ ኣብ ቅድሚት ዘሎ ስእሊ እናኣርኣኻ፡ “ናብቲ ሓሙስ 9 ሚያዝያ 2009 እነብዕሎ ዝኽሪ ሞት የሱስ ክዕድመካ እደሊ እየ” ኽትብል ትኽእል ኢኻ። ድሕሪኡ ንኣርእስቲ እቲ መዐደሚ ወረቐትን ነቲ ቐጺሉ ዘሎ ሕቶታትን ጥቐስ። ነቲ ብዓል ቤት፡ ንኣባላት ስድራ ቤቱን ንዝደለዮ ሰብን ኪማላእ ከም ዚኽእል ሓብሮ።
3. ኣብ ኣጋ መጀመርታ እቲ ወፈራ ንዝዓደምካዮም ሰባት ብኸመይ ክትከታተሎም ትኽእል፧
3 ጉባኤኹም ዓብዪ ኽሊ እንተ ኣልይዋ፡ ነቶም ኣብ ቤቶም ዘይተረኽቡ ሰባት፡ ወረቐት ዕድመ ንኽትሓድገሎም፡ ሽማግለታት መምርሒ ኺህቡ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ቀዳመ-ሰናብቲ ምስቲ ወረቐት ዕድመ ብሓባር መጽሔታት ኣበርክት። ተመላሊስካ ምብጻሕ ንእትገብረሎም፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንእትምህሮም፡ ንኣዝማድካ፡ ንመማህርትኻ፡ ንመሳርሕትኻ፡ ንጐረባብትኻ፡ ከምኡውን ንኻልኦት እትፈልጦም ሰባት ክትዕድም ቈራጽነት ግበር። ዓሚ፡ ሓንቲ ሓብቲ ን30 ኣዝማዳ ዓደመቶም፣ ድሕሪኡ በብእዋኑ ንኣገዳስነት እቲ ኣጋጣሚ ኣዘኻኸረቶም። ካብቶም ዝዓደመቶም ሰባት፡ 25 ዚኣኽሉ ኣብቲ ኣኼባ ምምጻኦምን፡ 4 ኻብኦም ድማ ጸኒሖም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምጅማሮምን ብዙሕ እዩ ኣሐጒስዋ!
4. ሕጂ እንታይ መደባት ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ ስለምንታይከ፧
4 ሕጂ መደብ ግበር፦ ኣብ መጋቢትን ሚያዝያን ብዙሓት ኣስፋሕቲ ንጥፈታቶም ኬዛይዱ ይኽእሉ ይዀኑ። ጽቡቕ ዕቤት ዚገብሩ ዘለዉ ውሉዳት ወይ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ኣልዮምኻ፡ ዘይተጠምቁ ኣስፋሕቲ ንኪዀኑ ብሉጽ ኣጋጣሚ ኪዀኖም ይኽእል እዩ። ኣብዚ ነቲ ኽልተ ዝዓበየ መግለጺ ፍቕሪ ዜኽብር ዝኽሪ እነፋልጠሉ ወፈራ፡ ምሉእ ተሳትፎ ንምግባር ካብ ሕጂ ኽትዳሎ ይግባእ።—ዮሃ. 3:16፣ 15:13።