ንበዓል ዝኽሪ ንምፍላጥ ዚግበር ወፈራ፡ 17 መጋቢት ኪጅምር እዩ
1. ብ17 መጋቢት እንታይ ወፈራ እዩ ኺጅመር፧
1 ኣብ ዓዓመት ዚግበር በዓል ዝኽሪ፡ ብዛዕባ ሞት የሱስ ንኽንእውጅ ኣጋጣሚ ይኸፍተልና እዩ። (1 ቈረ. 11:26) ስለዚ፡ ካልኦት ምሳና ኺእከቡን ብዛዕባ እቲ የሆዋ ዝሃበና ፍቕራዊ ውህበት በጃ ኺሰምዑን ንደሊ ኢና። (ዮሃ. 3:16) ሎሚ ዓመት ካብ ቀዳም 17 መጋቢት ጀሚርና፡ ንሰባት ናብ በዓል ዝኽሪ ንኺመጹ ኽንዕድሞም ኢና። እሞኸ ኣብዚ ዕዮ እዚ ምሉእ ብምሉእ ንምክፋል ብሃንቀውታ ትጽበዶ ኣለኻ፧
2. ወረቐት ዕድመ ኽንዕድል ከለና እንታይ ክንብል ንኽእል፧
2 እንታይ ክንብል ንኽእል፦ ሓጺር መእተዊ እንተ ተጠቐምና ይሓይሽ። ከምዚ ዚስዕብ ክንብል ንኽእል ኢና፦ “ሰላም። ነዛ 5 ሚያዝያ ንዚህሉ ኣገዳሲ ዓመታዊ በዓል ንኽትእከብ እትዕድም ወረቐት ዕድመ፡ ንዓኻን ንስድራ ቤትካን ክህበካ እየ ደለየ። ኣብታ ዕለት እቲኣ፡ ሞት የሱስ እንታይ ከም ዝዓመመን ሕጂ እንታይ ይገብር ከም ዘሎን ዚገልጽ መደረ መጽሓፍ ቅዱስ ብናጻ ኪቐርብ እዩ። እዛ ወረቐት ዕድመ እዚኣ፡ እቲ ኣኼባ ኣብ ከባቢና ዚግበረሉ ሰዓትን ቦታን ትሕብር እያ።” ኣብ ቀዳመ ሰናብቲ ወረቐት ዕድመ ኽትዕድል ከለኻ፡ ኣድላዪ እንተ ዀይኑ፡ መጽሔታት እውን ኣበርክት።
3. ብእተኻእለና መጠን ንብዙሓት ክንዕድም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
3 ብእተኻእለና መጠን ንብዙሓት ንዓድም፦ ሸቶና፡ ብእተኻእለና መጠን ንብዙሓት ሰባት ንምዕዳም እዩ። ነቶም መጽሓፍ ቅዱስ እትምህሮም፡ ተመላሊስካ ምብጻሕ እትገብረሎም፡ ንኣዝማድካ፡ ንመሳርሕትኻ፡ ንመማህርትኻ፡ ንጐረባብትኻ፡ ከምኡውን ንኻልኦት እትፈልጦም ሰባት ዓድሞም። ሽማግለታት ንክልኻ ብኸመይ ክትሽፍኖ ኸም እትኽእል መምርሒ ኺህቡኻ እዮም። ኣብ ዓዓመት ንሰባት ንምዕዳም እንገብሮ ወፈራ፡ ጽቡቕ ውጽኢት እዩ ዘለዎ። ዝሓለፈ ዓመት፡ ሓንቲ ሰበይቲ ናብቲ መአከቢ ኣዳራሽ ምስ ኣተወት፡ ሓደ ኣተኣናጋዲ ነታ ዝዓደመታ ኣስፋሒት ኪረኽበላ ጸዓረ። ንሳ ግና፡ ንዝዀነ ይኹን ሰብ ከም ዘይትፈልጥ፡ ኣብታ ንግሆ እቲኣ ኻብ ቤት ናብ ቤት ዝኸዱ ሰባት ግና ኣብ ቤታ ወረቐት ዕድመ ኸም ዘቐመጡላ ነገረቶ።
4. ኣብቲ ወፈራ ብቕንኣት ንኽንካፈል ዚድርኸና እንታይ ምኽንያታት ኣሎና፧
4 ምናልባት ንስኻ ኣብ ቤቱ ወረቐት ዕድመ ዘቐመጥካሉ ሰብ ናብ በዓል ዝኽሪ ይመጽእ ይኸውን። ሰባት ጽቡቕ ምላሽ ይሃቡ ኣይሃቡ ብዘየገድስ፡ እቲ ትግሃት ዝመልኦ ጻዕርኻ፡ ምስክርነት ይህብ እዩ። እቲ እትዕድሎ ወረቐት ዕድመ፡ የሱስ ሓያል ንጉስ ምዃኑ እዩ ዚእውጅ። እቲ ቕንኣት ዝመልኦ ተሳትፎኻ፡ ንዅሎም ተዓዘብቲ፡ ማለት ነቶም ኣብ ክልኻ እትረኽቦም ሰባት፡ ንኻልኦት ኣስፋሕቲ፡ ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ንየሆዋ፡ ንውህበት በጃ ኸም ኣዚኻ ኸም እተማስወሉ እዩ ዚሕብሮም።—ቈሎ. 3:15።