ወፈራ ዕድመ በዓል ዝኽሪ፡ 22 መጋቢት ኪጅምር እዩ
ሎሚ ዓመት ንሰባት ናብ በዓል ዝኽሪ ንምዕዳም እንገብሮ ወፈራ፡ ቀዳም 22 መጋቢት ኪጅምር እዩ። ምሉእ ብምሉእ ንኽንካፈል ድማ ተተባቢዕና ኣለና። ኣብ ቀዳመ ሰንበት፡ ኣድላዪ እንተ ዀይኑ፡ እዋናዊ መጽሔታት እውን ከነበርክት ኢና። ኣብ ሚያዝያ፡ ኣብ ቀዳመይቲ ቐዳም፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምጅማር ዘይኰነስ፡ ወረቐት ዕድመ ኣብ ምዕዳል ከነተኵር ኢና። ይኹን እምበር፡ ፍሉይ ተገዳስነት ምስ ዘለዎ ሰብ እንተ ተራኺብና፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸነጀምሮ ኽንጽዕር ንኽእል ኢና። ሓላው ኣገልግሎት፡ ነቶም ኣብቲ ኽሊ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ንምርካብ፡ ነቲ ወረቐት ዕድመ ኣብ ህዝባዊ ምስክርነት እውን ክንጥቀመሉ ኸም እንኽእል ኪውስን ይኽእል እዩ። ንስማት እቶም ክትዕድሞም እትደሊ ኣዝማድካን መሳርሕትኻን መማህርትኻን ተመላሊስካ ምብጻሕ እትገብረሎም ሰባትን ካልኦት እትፈልጦም ሰባትን ጽሓፎ፣ እቲ ወፈራ ምስ ተጀመረ ድማ ወረቐት ዕድመ ሃቦም። ብዛዕባ እተን ክልተ ዓበይቲ መግለጺ ፍቕሪ ንምዝካር ኣብ እንእከበሉ እዋን፡ ብዙሓት ሰባት ኪመጹ ተስፋ ንገብር።—ዮሃ. 3:16፣ 15:13።