15 ለካቲት እትጅምር ሰሙን
15 ለካቲት እትጅምር ሰሙን
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
cl ገጽ 317 ሕ.ጽ. 18–ገጽ 319 ሕ.ጽ. 23 ከምኡውን ሳጹን
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ መሳፍንቲ 15-18
ቍ. 1: መሳፍንቲ 16:1-12
ቍ. 2: td 21ለ ሓዊ ንጥፍኣት እዩ ዜመልክት
ቍ. 3: የሱስ ንድያብሎስ፡ “ንሓሶትውን ኣቦኣ” ኢሉ ዝጸውዖ ስለምንታይ እዩ፧ (ዮሃ. 8:44)
□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
5 ደቒቕ፦ ምልክታታት።
15 ደቒቕ፦ ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንቕሑ! ኽትዕድል ተዳሎ። ትሕዝቶ እተን መጽሔታት ኣሕጽር ኣቢልካ ግለጽ፣ ነቶም ኣብቲ ኽሊ ዘለዉ ሰባት ኪምስጣኦም ዚኽእላ ዓንቀጻት ኣየኖት ምዃነን ሓብር። ሓደ ኣስፋሒ ግዜ መዲቡ ነተን መጽሔታት ብኸመይ ከም ዜበርክተን ኪዳሎ ኸሎ ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ። ነቲ ኽሊ እትበቅዕ ሓንቲ ዓንቀጽ ድሕሪ ምምራጹ፡ እንታይ ዓይነት ሕቶን ኣየናይ ጥቕስን ከም ዚጥቀም ይሓስብ። ድሕሪኡ፡ ንነፍሲ ወከፍ መጽሔት ሓሓንቲ ኣቀራርባ ልምምድ ብምግባር ይዳሎ።
15 ደቒቕ፦ “ንዓ ስዓበኒ።” ብሕቶን መልስን ዚግበር ምይይጥ።