ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 3/13 ገጽ 1
  • ንበዓል ዝኽሪ ብሕጕስ ልቢ ተዳለወሉ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንበዓል ዝኽሪ ብሕጕስ ልቢ ተዳለወሉ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2013
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ” በዓል ዝኽሪ 5 ሚያዝያ ኪኽበር እዩ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2012
  • “እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ” ዝኽሪ ሞት የሱስ 2 ሚያዝያ ኺበዓል እዩ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
  • ድራር ጐይታ እነብዕል ስለምንታይ ኢና፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ንበዓል ዝኽሪ ትዳሎዶ ኣለኻ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2015
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2013
km 3/13 ገጽ 1

ንበዓል ዝኽሪ ብሕጕስ ልቢ ተዳለወሉ

1. እዋን በዓል ዝኽሪ፡ እንታይ ንኽንገብር እዩ ፍሉይ ኣጋጣሚ ዚኸፍተልና፧

1 እቲ ሰሉስ 26 መጋቢት ዚኽበር በዓል ዝኽሪ በቲ ኣምላኽ ንሰባት ንምድሓን እተጠቕመሉ መገዲ ንኽንሕጐስ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ዚኸፍት እዩ። (ኢሳ. 61:10) እቲ በዓል ዝኽሪ ቕድሚ ምጅማሩ እውን ከይተረፈ፡ ባህ ዜብል መንፈስ እንተ ኣልዩና፡ ብግቡእ ንኽንዳሎ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። ብኸመይ፧

2. ንበዓል ዝኽሪ ምድላዋት ንኽንገብር ዚድርኸና እንታይ እዩ፧

2 ንበዓል ዝኽሪ ዚግበር ምድላው፦ ድራር ጐይታ ዓብዪ ትርጕም ዘለዎ፡ ግናኸ ብቕልል ዝበለ መገዲ ዚኽበር በዓል እዩ። ኰይና ግና፡ ኣገዳሲ ነጥብታት ምእንቲ ኸይርሳዕ፡ ኣቐዲምካ ምድላው ይሓትት። (ምሳ. 21:5) ሰዓትን ምሹእ ቦታን ኪምረጽ ኣለዎ። ግቡእ ቅጫን ወይንን ኪርከብ ኣለዎ። መአከቢ ቦታ ኺጸርን ኪዳሎን ኣለዎ። እቲ መደረ ኺህብ እተመደበ ሓው ብግቡእ ኪዳሎ ኣለዎ፣ እቶም ቅጫን ወይንን ዜዙሩን ኣአንገድትን ከኣ ኪውደቡ ኣለዎም። ነቲ በጃ ዘሎና ሞሳ፡ ነዚ ቕዱስ በዓል እዚ ብግቡእ ንኽንዳለወሉ ይድርኸና።—1 ጴጥ. 1:8, 9።

3. ልብና ንድራር ጐይታ ኸነዳልዎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

3 ልብና ምድላው፦ ልብና ምድላውና ንትርጕም እቲ በዓል ዝኽሪ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽንርድኦ እውን ይሕግዝ እዩ። (እዝ. 7:10) ስለዚ፡ ነቲ ንበዓል ዝኽሪ እተዳለወ ፍሉይ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብ ብዛዕባ እተን ናይ መወዳእታ መዓልትታት ምድራዊ የሱስ ንኸነስተንትን ግዜ ኽንምድብ ኣለና። ብዛዕባ እቲ የሱስ ዘርኣዮ ርእሰ መስዋእታዊ መንፈስ ምስ እነስተንትን፡ ንኣብነቱ ንኽንቀድሕ ክንድረኽ ኢና። —ገላ. 2:20።

4. ኣየናይ በቲ በጃ ዚርከብ ረብሓ እዩ ብዙሕ ሓጐስ ዜምጽኣልካ፧

4 ሞት ክርስቶስ፡ ልዑላውነት የሆዋ ኸም ዚረጋገጽ ገይሩ እዩ። ካብ ሓጢኣትን ሞትን እውን ሓራ የውጽእ እዩ። (1 ዮሃ. 2:2) ምስ ኣምላኽ ሰላማዊ ርክብ ዚምስረተሉን ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚርከበሉን መገዲ ኸፊቱ እዩ። (ቈሎ. 1:21, 22) ብዘይካዚ፡ ነቲ ንየሆዋ ርእስና ብምውፋይ ንኸነገልግሎ ዝኣተናዮ ቓል ንኽንሕሉን ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ኴንና ብጽንዓት ንኽንቅጽልን ይሕግዘና እዩ። (ማቴ. 16:24) ስለዚ፡ ነቲ ዚመጽእ ዘሎ በዓል ዝኽሪ ኣብ እትዳለወሉን ኣብ እትእከበሉን እዋን ሓጐስካ ኺስስን ንምነየልካ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ