ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 3/15 ገጽ 1
  • ንበዓል ዝኽሪ ትዳሎዶ ኣለኻ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንበዓል ዝኽሪ ትዳሎዶ ኣለኻ፧
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2015
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንበዓል ዝኽሪ ትዳሎዶ ኣለኻ፧
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2021
  • ንበዓል ዝኽሪ ብሕጕስ ልቢ ተዳለወሉ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2013
  • ንበዓል ዝኽሪ ዝኸውን መዘኻኸሪታት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2001
  • ንበዓል ዝኽሪ ዝኸውን መዘኻኸሪታት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2015
km 3/15 ገጽ 1

ንበዓል ዝኽሪ ትዳሎዶ ኣለኻ፧

እዋኑ 13 ኒሳን 33 ድ.ክ. እዩ ነይሩ። የሱስ ቅድሚ ሙማቱ ምስቶም ናይ ቀረባ ብጾቱ ዀይኑ ዜሕልፋ ሓንቲ ናይ መወዳእታ ምሸት ከም ዝተረፈቶ ይፈልጥ ነበረ። ንመወዳእታ ግዜ በዓል ፋስጋ ድሕሪ ምብዓሉ፡ ሓደ ሓድሽ በዓል ኪሰርዕ ነበሮ፣ እዚ ኸኣ “ድራር ጐይታ” እዩ። ከምዚ ዝበለ ኣገዳሲ ኣጋጣሚ ብርግጽ ኣቐዲምካ ምድላው ዚሓትት እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ዜድሊ ነገራት ንኼዳልዉ ንጴጥሮስን ንዮሃንስን ለኣኾም። (ሉቃ. 22:7-13) ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት፡ ነዚ በዓል እዚ ንምብዓል ኣቐዲምካ ምድላው ንክርስትያናት ኣገዳሲ ዀይኑ ጸኒሑ እዩ። (ሉቃ. 22:19) ነቲ ኣብ ዚመጽእ 3 ሚያዝያ ዚበዓል በዓል ዝኽሪ ንምድላው፡ እንታይ መሰረታዊ ነገራት ክንገብር ኣሎና፧

ሽማግለታት ዚገብርዎ ምድላው፦

  • እትእከቡሉ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ወይ ካልእ ምሹእ ቦታ፡ ኣቐዲምኩም ምድላዋት ግበሩ። እቲ መአከቢ እኹል ኮፍ መበልን ብርሃንን ኣየርን ኪህልዎ ይግባእ። ኣቐዲሙ ብጽቡቕ ንኺጸሪ ድማ መደብ ግበሩ።

  • ብቑዕ ተዛራብን ኣቦ መንበርን ቅጫን ወይንን ቅድሚ ምዛሩ ዚጽልዩ ኣሕዋትን ምረጹ።

  • ኣብ ሓደ መአከቢ፡ ካብ ሓደ መደብ ንላዕሊ ኪካየድ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ኣብ ሰዓታት እቲ ኣኼባ ምትዕርራይ ግበሩ፣ ብተወሳኺ ንመእተውን መውጽእን እቲ መአከብን ንመቘም ማካይንን ዚምልከት ምድላዋት ግበሩ።

  • ቅጫን ወይንን ዜዙሩን ኣአንገድትን ምረጹ፡ ብግቡእ ድማ ወድብዎም።

  • ግቡእ ቅጫን ወይንን፡ ቢያትታት፡ ቢኬሪታት፡ ብቑዕ ዝዀነ ጣውላ፡ ከምኡ እውን ጨርቂ ጣውላ ኺዳሎ ኣለዎ።

ኣስፋሕቲ ዚገብርዎ ምድላው፦

  • ኣብቲ ኣብ በዓል ዝኽሪ ዚግበር ወፈራ፡ ምሉእ ብምሉእ ንኽትሳተፉ መደብ ግበሩ።

  • ዝርዝር ስማት እቶም መጽሓፍ ቅዱስ እትምህርዎም ሰባት፡ ኣዝማድኩም፡ መማህርትኹም፡ መሳርሕትኹም፡ ከምኡ እውን ካልኦት እትፈልጥዎም ሰባት ኣዳልዉን ዓድምዎምን።

  • ነቲ ንበዓል ዝኽሪ እተዳለወ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንብብዎን ኣስተንትኑሉን።

  • ኣብ በዓል ዝኽሪ ኣጋይሽ ንምቕባል ድሉዋት ኩን።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ