ንበዓል ዝኽሪ ትዳሎዶ ኣለኻ፧
እዋኑ 13 ኒሳን 33 ድ.ክ. እዩ ነይሩ። የሱስ ቅድሚ ሙማቱ ምስቶም ናይ ቀረባ ብጾቱ ዀይኑ ዜሕልፋ ሓንቲ ናይ መወዳእታ ምሸት ከም ዝተረፈቶ ይፈልጥ ነበረ። ንመወዳእታ ግዜ በዓል ፋስጋ ድሕሪ ምብዓሉ፡ ሓደ ሓድሽ በዓል ኪሰርዕ ነበሮ፣ እዚ ኸኣ “ድራር ጐይታ” እዩ። ከምዚ ዝበለ ኣገዳሲ ኣጋጣሚ ብርግጽ ኣቐዲምካ ምድላው ዚሓትት እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ዜድሊ ነገራት ንኼዳልዉ ንጴጥሮስን ንዮሃንስን ለኣኾም። (ሉቃ. 22:7-13) ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት፡ ነዚ በዓል እዚ ንምብዓል ኣቐዲምካ ምድላው ንክርስትያናት ኣገዳሲ ዀይኑ ጸኒሑ እዩ። (ሉቃ. 22:19) ነቲ ኣብ ዚመጽእ 3 ሚያዝያ ዚበዓል በዓል ዝኽሪ ንምድላው፡ እንታይ መሰረታዊ ነገራት ክንገብር ኣሎና፧
ኣስፋሕቲ ዚገብርዎ ምድላው፦
ኣብቲ ኣብ በዓል ዝኽሪ ዚግበር ወፈራ፡ ምሉእ ብምሉእ ንኽትሳተፉ መደብ ግበሩ።
ዝርዝር ስማት እቶም መጽሓፍ ቅዱስ እትምህርዎም ሰባት፡ ኣዝማድኩም፡ መማህርትኹም፡ መሳርሕትኹም፡ ከምኡ እውን ካልኦት እትፈልጥዎም ሰባት ኣዳልዉን ዓድምዎምን።
ነቲ ንበዓል ዝኽሪ እተዳለወ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንብብዎን ኣስተንትኑሉን።
ኣብ በዓል ዝኽሪ ኣጋይሽ ንምቕባል ድሉዋት ኩን።