ንበዓል ዝኽሪ ዝኸውን መዘኻኸሪታት
ናይዚ ዓመት በዓል ዝኽሪ ሰንበት 8 ሚያዝያ ኢዩ ዝውዕል። ሽማግለታት ነዚ ዝስዕብ ነገራት ቈላሕታ ኽገብርሉ ይግባእ:-
◼ እቲ ኣኼባ ዝግበረሉ ሰዓት ክውሰን ከሎ: እቲ ምሳልያዊ ቕጫን ወይንን ጸሓይ ድሕሪ ምዕራባ ኽዘውር ኣለዎ። ዝርዝር ሓሳባት ንምርካብ ነታ ናብ ሽማግለታት እተላእከት ናይ 27 ሚያዝያ 1998 ደብዳበ ተወከሱ።
◼ ንዅሎም: ነቲ ተዛራባይ እውን ሓዊስካ: እቲ በዓል ዝግበረሉ ሰዓትን ቦታን ብልክዕ ክንገሮም ኣለዎ።
◼ እቲ ግቡእ ዓይነት ቅጫን ወይንን ክቕረብ ኣለዎ።—ናይ 15 ለካቲት 1985 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 19 ርአ።
◼ ቢያትታት: ቢኬሪታት: ግቡእ ዝዀነ ጣውላ: ከምኡውን ናይ ጣውላ ጨርቂ ኣቐዲሙ ናብቲ ኣደራሽ ክመጽእን ክዳሎን ኣለዎ።
◼ እቲ ኣደራሽ መንግስቲ ወይ ካልእ ናይ መአከቢ ቦታ ኣቐዲሙ ኣጸቢቑ ኽጸሪ ኣለዎ።
◼ ተቐበልቲ ኣጋይሽን እቶም ዘዝሩን ኣቐዲሞም ክምረጹ ከምኡውን ብዛዕባ ሓላፍነቶምን ግቡእ ዝዀነ ኣሰራርሓን መምርሒ ኽወሃቦም ኣለዎ። ነቲ ኣብታ ብ27 ሚያዝያ 1998 ናብ ኵሎም ሽማግለታት እተላእከት ደብዳበ ዘሎ “እቲ ቕጫን ወይንን ብኸመይ ኢዩ ክተሓዝን ክዘውርን ዘለዎ፧” ዝብል ክፋል ምሳታቶም ተመያየጡሉ።
◼ ነቶም ካብ ቅቡኣት ዝዀኑ ዝደኸሙን ክመጹ ዘይክእሉን እቲ ቕጫን ወይንን ንምቕራብ ምድላዋት ክግበር ኣለዎ።
◼ ዝከኣል እንተድኣ ዀይኑ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ በይና በዓል ዝኽሪ እንተ ኣኽበረት ይምረጽ። ክልተ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ጉባኤታት ኣብ ሓደ ኣደራሽ መንግስቲ ኽጥቀማ መደብ እንተድኣ ገይረን: ኣብቲ ኣፍደገ: ኣብ መገዲ ኣጋር: ወይ ኣብ ናይ ማካይን ደው መበሊ ዘየድሊ ምጽቕቓጥ ምእንቲ ኸይህሉ ኣብ መንጎ ጉባኤታት ጽቡቕ ምትሕብባር ክግበር ኣለዎ።