ንበዓል ዝኽሪ ዝኸውን መዘኻኸሪታት
ናይዚ ዓመት በዓል ዝኽሪ ሓሙስ 28 መጋቢት ኢዩ ዝውዕል። ሽማግለታት ነዚ ዝስዕብ ነገራት ቈላሕታ ኽገብርሉ ይግባእ:-
◼ እቲ ኣኼባ ዝግበረሉ ሰዓት ክውሰን ከሎ: እቲ ምሳልያዊ ቕጫን ወይንን ጸሓይ ድሕሪ ምዕራባ ኽዘውር ኣለዎ።
◼ ንዅሎም: ነቲ ተዛራባይ እውን ሓዊስካ: እቲ በዓል ዝግበረሉ ሰዓትን ቦታን ብልክዕ ክንገሮም ኣለዎ።
◼ እቲ ግቡእ ዓይነት ቅጫን ወይንን ክቕረብ ኣለዎ።—ናይ 15 ለካቲት 1985 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 19 ርአ።
◼ ቢያትታት: ቢኬሪታት: ግቡእ ዝዀነ ጣውላ: ከምኡውን ናይ ጣውላ ጨርቂ ኣቐዲሙ ናብቲ ኣደራሽ ክመጽእን ክዳሎን ኣለዎ።
◼ እቲ ኣደራሽ መንግስቲ ወይ ካልእ ናይ መአከቢ ቦታ ኣቐዲሙ ኣጸቢቑ ኽጸሪ ኣለዎ።
◼ ተቐበልቲ ኣጋይሽን እቶም ዘዝሩን ኣቐዲሞም ክምረጹ: ብዛዕባ ሓላፍነቶም: ግቡእ ዝዀነ ኣሰራርሓ: ከምኡውን ብዛዕባ ምዕሩግ ኣከዳድናን ኵለንትናዊ ኣቃውማን መምርሒ ኽወሃቦም ኣለዎ።
◼ ነቶም ካብ ቅቡኣት ኰይኖም ብሰንኪ እርጋንን ሕማምን ክመጹ ዘይክእሉ እቲ ቕጫን ወይንን ንምቕራብ ምድላዋት ክግበር ኣለዎ።
◼ ክልተ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ጉባኤታት ኣብ ሓደ ኣደራሽ መንግስቲ ኽጥቀማ መደብ እንተደኣ ገይረን: ኣብ ኣፍደገ: ኣብ ናይ ማካይን ደው መበሊ: ከምኡውን ኣብ ወጻኢ እቲ ኣደራሽ መንግስቲ ዘሎ መገዲ ዘየድሊ ምጽቕቓጥ ምእንቲ ኸይህሉ ኣብ መንጎ ጉባኤታት ጽቡቕ ምትሕብባር ክግበር ኣለዎ።