ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 2/05 ገጽ 7
  • ንበዓል ዝኽሪ ዚኸውን መዘኻኸሪታት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንበዓል ዝኽሪ ዚኸውን መዘኻኸሪታት
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንበዓል ዝኽሪ ዚኸውን መዘኻኸሪታት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
  • ንበዓል ዝኽሪ ዚኸውን መዘኻኸሪታት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
  • ንበዓል ዝኽሪ ዚኸውን መዘኻኸሪታት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
  • ንበዓል ዝኽሪ ዝኸውን መዘኻኸሪታት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2002
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
km 2/05 ገጽ 7

ንበዓል ዝኽሪ ዚኸውን መዘኻኸሪታት

ናይዚ ዓመት እዚ በዓል ዝኽሪ ሓሙስ 24 መጋቢት እዩ ዚውዕል። ሽማግለታት ነዚ ዚስዕብ ነገራት ቈላሕታ ኺገብርሉ ይግባእ:-

◼ እቲ ኣኼባ ዚግበረሉ ሰዓት ኪውሰን ከሎ: እቲ ምሳልያዊ ቕጫን ወይንን ጸሓይ ድሕሪ ምዕራባ ኺዘውር ኣለዎ።

◼ ንዅሎም ኣስፋሕቲ: እንተላይ ነቲ ተዛራባይ: እቲ በዓል ዚግበረሉ ሰዓትን ቦታን ብልክዕ ኪንገሮም ኣለዎ።

◼ እቲ ግቡእ ዓይነት ቅጫን ወይንን ኪቕረብ ኣለዎ።—ናይ 15 ለካቲት 2003 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 14-15 ርአ።

◼ ቢያትታት: ቢኬሪታት: ግቡእ ዝዀነ ጣውላ: ከምኡውን ናይ ጣውላ ጨርቂ ኣቐዲሙ ናብቲ ኣደራሽ ኪመጽእን ኪዳሎን ኣለዎ።

◼ እቲ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ወይ ካልእ ናይ መአከቢ ቦታ ኣቐዲሙ ኣጸቢቑ ኺጸሪ ኣለዎ።

◼ ተቐበልቲ ኣጋይሽን እቶም ዜዙሩን ኣቐዲሞም ኪምረጹ: ብዛዕባ ሓላፍነቶም: ብዛዕባ ግቡእ ዝዀነ ኣሰራርሓ: ከምኡውን ብዛዕባ ምዕሩግ ኣከዳድናን ኵለንትናዊ ኣቃውማን መምርሒ ኺወሃቦም ኣለዎ።

◼ ነቶም ካብ ቅቡኣት ኰይኖም ብሰንኪ እርጋንን ሕማምን ኪመጹ ዘይክእሉ ኣሕዋትን ኣሓትን ካብቲ ቕጫን ወይንን ንኪቐርበሎም ምድላዋት ኪግበር ኣለዎ።

◼ ክልተ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ጉባኤታት ኣብ ሓንቲ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኪጥቀማ መደብ እንተደኣ ገይረን: ኣብ መእተውን ኣብ ደገን ኣብ ደው መበሊ ማካይንን ምጽቕቓጥ ምእንቲ ኸይፍጠር ኣብ መንጎ ጉባኤታት ጽቡቕ ምትሕብባር ኪግበር ኣለዎ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ