ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 3/07 ገጽ 2
  • ንበዓል ዝኽሪ ዚኸውን መዘኻኸሪታት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንበዓል ዝኽሪ ዚኸውን መዘኻኸሪታት
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንበዓል ዝኽሪ ዚኸውን መዘኻኸሪታት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
  • ንበዓል ዝኽሪ ዚኸውን መዘኻኸሪታት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
  • ንበዓል ዝኽሪ ዚኸውን መዘኻኸሪታት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
  • ንበዓል ዝኽሪ ዝኸውን መዘኻኸሪታት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2002
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
km 3/07 ገጽ 2

ንበዓል ዝኽሪ ዚኸውን መዘኻኸሪታት

ኣብዚ ዓመት እዚ በዓል ዝኽሪ ሰኑይ 2 ሚያዝያ ኺውዕል እዩ። ሽማግለታት ነዚ ዚስዕብ ነገራት ቈላሕታ ኺገብሩሉ ይግባእ:-

◼ እቲ ኣኼባ ዚግበረሉ ሰዓት ኪውሰን ከሎ: እቲ ምሳልያዊ ቕጫን ወይንን ጸሓይ ድሕሪ ምዕራባ ኺዘውር ኣለዎ።

◼ ንዅሎም ኣስፋሕቲ: እንተላይ ነቲ ተዛራባይ: እቲ በዓል ዚግበረሉ ሰዓትን ቦታን ብልክዕ ኪንገሮም ኣለዎ።

◼ እቲ ግቡእ ዓይነት ቅጫን ወይንን ኪቕረብ ኣለዎ።—ናይ 15 ለካቲት 2003 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 14-15 ርአ።

◼ ቢያትታት: ቢኬሪታት: ግቡእ ዝዀነ ጣውላ: ከምኡውን ጨርቂ ጣውላ ኣቐዲሙ ናብቲ ኣዳራሽ ኪመጽእን ኪዳሎን ኣለዎ።

◼ እቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ወይ ካልእ መአከቢ ቦታ ኣቐዲሙ ኣጸቢቑ ኺጸሪ ኣለዎ።

◼ ተቐበልቲ ኣጋይሽን እቶም ዜዙሩን ኣቐዲሞም ኪምረጹ: ብዛዕባ ሓላፍነቶም: ብዛዕባ ግቡእ ዝዀነ ኣሰራርሓ: ከምኡውን ብዛዕባ ምዕሩግ ኣከዳድናን ትርኢትን መምርሒ ኺወሃቦም ኣለዎ።

◼ ነቶም ካብ ቅቡኣት ኰይኖም ብሰንኪ እርጋንን ሕማምን ኪመጹ ዘይክእሉ ኣሕዋትን ኣሓትን ካብቲ ቕጫን ወይንን ንኪቐርበሎም መሰናድዎታት ኪግበር ኣለዎ።

◼ ክልተ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ጉባኤታት ሓንቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኪጥቀማ መደብ እንተ ደኣ ገይረን: ኣብ መእተውን ኣብ ደገን ኣብ ደው መበሊ መካይንን ምጽቕቓጥ ምእንቲ ኸይፍጠር ኣብ መንጎ ጉባኤታት ጽቡቕ ምትሕብባር ኪግበር ኣለዎ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ