ንበዓል ዝኽሪ ዚኸውን መዘኻኸሪታት
ኣብዚ ዓመት እዚ በዓል ዝኽሪ ሰኑይ 2 ሚያዝያ ኺውዕል እዩ። ሽማግለታት ነዚ ዚስዕብ ነገራት ቈላሕታ ኺገብሩሉ ይግባእ:-
◼ እቲ ኣኼባ ዚግበረሉ ሰዓት ኪውሰን ከሎ: እቲ ምሳልያዊ ቕጫን ወይንን ጸሓይ ድሕሪ ምዕራባ ኺዘውር ኣለዎ።
◼ ንዅሎም ኣስፋሕቲ: እንተላይ ነቲ ተዛራባይ: እቲ በዓል ዚግበረሉ ሰዓትን ቦታን ብልክዕ ኪንገሮም ኣለዎ።
◼ እቲ ግቡእ ዓይነት ቅጫን ወይንን ኪቕረብ ኣለዎ።—ናይ 15 ለካቲት 2003 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 14-15 ርአ።
◼ ቢያትታት: ቢኬሪታት: ግቡእ ዝዀነ ጣውላ: ከምኡውን ጨርቂ ጣውላ ኣቐዲሙ ናብቲ ኣዳራሽ ኪመጽእን ኪዳሎን ኣለዎ።
◼ እቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ወይ ካልእ መአከቢ ቦታ ኣቐዲሙ ኣጸቢቑ ኺጸሪ ኣለዎ።
◼ ተቐበልቲ ኣጋይሽን እቶም ዜዙሩን ኣቐዲሞም ኪምረጹ: ብዛዕባ ሓላፍነቶም: ብዛዕባ ግቡእ ዝዀነ ኣሰራርሓ: ከምኡውን ብዛዕባ ምዕሩግ ኣከዳድናን ትርኢትን መምርሒ ኺወሃቦም ኣለዎ።
◼ ነቶም ካብ ቅቡኣት ኰይኖም ብሰንኪ እርጋንን ሕማምን ኪመጹ ዘይክእሉ ኣሕዋትን ኣሓትን ካብቲ ቕጫን ወይንን ንኪቐርበሎም መሰናድዎታት ኪግበር ኣለዎ።
◼ ክልተ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ጉባኤታት ሓንቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኪጥቀማ መደብ እንተ ደኣ ገይረን: ኣብ መእተውን ኣብ ደገን ኣብ ደው መበሊ መካይንን ምጽቕቓጥ ምእንቲ ኸይፍጠር ኣብ መንጎ ጉባኤታት ጽቡቕ ምትሕብባር ኪግበር ኣለዎ።