ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb21 መጋቢት ገጽ 5
  • ንበዓል ዝኽሪ ትዳሎዶ ኣለኻ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንበዓል ዝኽሪ ትዳሎዶ ኣለኻ፧
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2021
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንመን ክዕድም፧
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2020
  • የሆዋ ነቲ ንበዓል ዝኽሪ ንምብዓል እንገብሮ ጻዕርታት ይባርኾ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
  • “እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ” ዝኽሪ ሞት የሱስ 2 ሚያዝያ ኺበዓል እዩ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2007
  • “እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ” በዓል ዝኽሪ 5 ሚያዝያ ኪኽበር እዩ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2012
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2021
mwb21 መጋቢት ገጽ 5
ጴጥሮስን ዮሃንስን ኣብ ሰደቓ ቕጫታትን ጽዋኣትን የቐምጡ።

ጴጥሮስን ዮሃንስን ነቲ ኣብ 33 ድ.ክ. ዚብዓል ፋስጋ ኣብ ኣዳራሽ የዳልዉ

ክርስትያናዊ ህይወት

ንበዓል ዝኽሪ ትዳሎዶ ኣለኻ፧

እታ የሱስ ዘሕለፋ ናይ መወዳእታ ፋስጋ ዓብዪ ትርጉም እዩ ነይርዋ። እታ ዝሞተላ ሰዓት ቀሪባ ስለ ዝነበረት፡ የሱስ ፋስጋ ምስ ሃዋርያቱ ኺበልዕን ሓድሽ ዓመታዊ በዓል፡ ማለት ድራር ጐይታ ኺሰርዕን መዲቡ ነበረ። ስለዚ ድማ ንጴጥሮስን ንዮሃንስን ኣብ ኣዳራሽ ኬዳልዉሉ ለኣኾም። (ሉቃ 22:7-13፣ ኣብ ገበር ዘላ ስእሊ ርአ።) እዚ ኸኣ፡ ነቲ ኣብ መጋቢት 27 ዚኽበር በዓል ዝኽሪ ኽንዳሎ የዘኻኽረና። ጉባኤታት ተዛራባይን ቅጫን ወይንን ካልእ ነገራትን ኣዳልየን ኪዀና ይኽእላ እየን። ይኹን እምበር፡ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ንበዓል ዝኽሪ ኽንዳሎ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

ንልብኻ ኣዳልዎ። ነቲ ናይ በዓል ዝኽሪ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንቢብካ ኣስተንትነሉ። እቲ መደብ ኣብታ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር ዘርእስታ ጽሕፍቲ ኽትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። ብዘይካዚ፡ ኣብቲ እተኸለሰ መጽሓፍ ቅዱስ ትርጉም ሓዳስ ዓለም መመላእታ ጽሑፍ ለ12 ዝርዝር መደብ ይርከብ እዩ። (ናይ ሚያዝያ 2020 ሕታም ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን እውን ርአ።) ስድራ ቤታት ኣብ ዎችታዎር ፓብሊኬሽንስ ኢንዴክስ ወይ ኣብ መሐበሪ ምርምር ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ብዛዕባ ኣገዳስነት በጃ ኣብ ኣምልኾ ስድራ ቤቶም ዚመያየጡሉ ሓበሬታ ኺረኽቡ ይኽእሉ እዮም።

ኣባላት ሓንቲ ስድራ ቤት ኣብ እዋን ኣምልኾ ስድራ ቤት ይመያየጡ።

ንብዙሓት ዓድም። ኣብ ወፈራ ዕድመ ምሉእ ብምሉእ ተኻፈል። ንመን ክትዕድም ከም እትኽእል ሕሰብ። ንኣብነት፡ ተመላሊስካ ምብጻሕ ንእትገብረሎምን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ትመርሓሎም ንዝነበርካን ንእትፈልጦም ሰባትን ንኣዝማድካን ክትዕድም ትኽእል ኢኻ። ሽማግለታት ንዘይንጡፋት ሰባት ኪዕድምዎም ኣለዎም። ሓደ እትፈልጦ ሰብ ኣብ ከባቢኻ ዘይነብር እንተ ዀይኑ ግና፡ ነዚ ዚስዕብ ኣስተብህለሉ፦ ነቲ ኣብ jw.org ቀንዲ ገጽ ዚርከብ ብዛዕባና ዚብል ዓምዲ ጠውቕ፡ ድሕሪኡ “በዓል ዝኽሪ” ዚብል ብምሕራይ ኣብቲ እቲ ሰብ ዝነብረሉ ኸባቢ በዓል ዝኽሪ ዚኽበረሉ ሰዓትን ቦታን ክትፈልጥ ትኽእል ኢኻ።

ክልተ ሽማግለታት ንሓደ ዘይንጡፍ ይበጽሕዎ፡ ናብ በዓል ዝኽሪ ኸኣ ይዕድምዎ።

ንምድላው ክንገብሮ እንኽእል እንታይ ካልእ ነገር ኣሎ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ