ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 2/97 ገጽ 2
  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባታት ንለካቲት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባታት ንለካቲት
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
km 2/97 ገጽ 2

ናይ ኣገልግሎት ኣኼባታት ንለካቲት

3 ለካቲት እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 27

10 ደቒቕ:⁠- ውሽጣዊ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጹ ምልክታታት።

15 ደቒቕ:⁠- “ኣብቲ ፈጺሙ ዘይድገም ዕዮ ተኻፈሉ።” ሕቶን መልስን። ግዜ ከም ዘፍቀደልካ: ካብታ ኣወጅቲ እትብሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ኣብ ገጽ 714⁠-15 “ንቑሕ ምዃን​—ብኸመይ፧” ካብ ዝብል ኣርእስቲ ሓሳባት ወስኸሉ።

20 ደቒቕ:⁠- “ነቲ ብስራት ብናይ ህጹጽነት ስምዒት ምስባኹ።” (ቍጽሪ 1⁠-5) እቲ ነዛ ክፍሊ እዚኣ ዘቕርብ ሓው ኣብ ቍጽሪ 1 ሕጽር ዝበለ ሓሳባት ምስ ሃበ: ንቝጽሪ 2⁠-5 ምስ ክልተ ወይ ሰለስተ ኣስፋሕቲ ይመያየጠሉ። ናይቲ ኣብኡ ዘሎ ኣቀራርባታት ዝጐልሐ ሓሳባት ይዘራረብሉ: እዚ ወይ ድማ ተመሳሳሊ ኣቀራርባታት ኣብቲ ዞብኦም ስለምንታይ ኣስላጢ ከም ዝኸውን ድማ ሓሳባት ይህብሉ። እቶም ኣስፋሕቲ ነቲ ኣቀራርባታት በብተራ ይለማመድሉ። እቲ ነታ ክፍሊ ዘቕርብ ሓው ይንእዶም: ዝያዳ ኣስላጢ ንምግባሩ ድማ ሓሳባት ይህብ። ድሕርዚ ጽንዓታት ናይ ምጅማር ሸቶ ብኸመይ ክብጻሕ ከም ዝከኣል ንሰማዕቲ ይሓቶም። ቀስ እናበልካ ብመጽሓፍ ፍልጠት ብኸመይ ጽንዓት ከም ዝጅመር ፍሉይ ሓሳባት ይህብ።

መዝሙር 34ን መዕጸዊ ጸሎትን

10 ለካቲት እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 29

5 ደቒቕ:⁠- ውሽጣዊ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ።

10 ደቒቕ:⁠- “ነቲ ብስራት ብናይ ህጹጽነት ስምዒት ምስባኹ።” (ቍጽሪ 6⁠-8) በቲ ኣብ ቍጽሪ 6⁠-7 ዘሎ ኣቀራርባታት ገይርካ መርኣያ ኣዳሉ። ተገዳስነት ዘርኣየ ሰብ ክርከብ ከሎ ተመሳሊስካ ምብጻሕ ናይ ምግባር ኣድላይነት ኣጕልሕ።

30 ደቒቕ:⁠- “1,000 ሓገዝቲ ፓይነራት ይድለዩ ኣለዉ።” እቲ ናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ ዘቕርቦ: ብሕቶን መልስን ዝውሰድ። ነቲ ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ሳጹን ኣጕልሓዮ። ነቲ ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ንመርኣያ ዝኸውን መደባት ተዛራረበሉ። ነፍሲ ወከፍ እተጠምቀ ኣስፋሒ ንሓደ ወርሒ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ኣብቲ ናይ ሓጋዚ ፓይነር ኣገልግሎት ክካፈል ዝኽእል እንተ ዀይኑ ብብሕቱን ብጸሎትን ክሓስበሉ የድሊ። ዘይተጠምቁ ኣስፋሕቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ናይ ገዛእ ርእሶም ናይ ሰዓታት ሸቶ ብምግባር ኣብቲ ኣገልግሎት ዘለዎም ግደ ከስፍሑ ይኽእሉ ኢዮም። ነቲ ካብ መጋቢት ክሳዕ ግንቦት ኣብ ዘሎ ግዜ ዘይተዓየየ ዞባ ንምሽፋን እተገብረ ናይታ ጉባኤ መደባት እውን ጥቐስ።

መዝሙር 43ን መዕጸዊ ጸሎትን

17 ለካቲት እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 30

10 ደቒቕ:⁠- ውሽጣዊ ምልክታታት። ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ኣገልግሎት ክጠቕሙ ዝኽእሉ ኣብ ሓደስቲ መጽሔታት ዝወጹ መዘራረቢ ዝዀኑ ዝስሕቡ ነጥብታት ጥቐስ።

13 ደቒቕ:⁠- “በዓል ዝኽሪ​—ዓቢ ኣገዳስነት ዘለዎ ፍጻመ!” ሕቶን መልስን። ሓገዝቲ ፓይነራት ኴንና ብምግልጋል ንምልእቲ ወርሒ መጋቢት ፍልይቲ ክንገብራ መተባብዒ ሃብ። ኣብ በዓል ዝኽሪ ዝግበር ዕድመ ዘለዎ ጥቕሚ ኣጕልሕ።

22 ደቒቕ:⁠- ናይ ቤት ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዝገብሩ ሰባት ምርካብ። ኣብዚ ቀረባ ኣዋርሕ ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቝጸር ጥሙር መጻሕፍቲ ተዓዲሉ ኣሎ። እዚ ድማ ብዙሓት ተወሰኽቲ ናይ ቤት ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዝገብሩ ንምርካብ መሰረት ዝኸውን ኢዩ። መጻሕፍትን ካልእ ጽሑፋትን ብምዕዳል ኣብቲ ከባቢ እተፈጸመ ነገር ተዘራረበሉ። ነቶም ኣስፋሕቲ ንዅሉ ተገዳስነት ዘርኣየ ሰብ ክከታተልዎ ኣተባብዓዮም። ሓደስቲ ናይ ቤት ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዝገብሩ ሰባት ንምርካብ ብወገኖም ዝሓተቶም ጻዕሪ ብፍላይ ንኽነግሩ ንእተፈላለዩ ኣስፋሕቲ ሕተት። ዝዓበየ ክፍሊ ናይ መዝነትና ደቀ መዛሙርቲ ምግባር ምዃኑ ኣጕልሕ። (ማቴ. 28:19, 20) ነቲ ኣብ ናይ ሰነ 1996 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እታው ዘሎ ሓሳባት ኣብ ተግባር ከነውዕሎ እንተድኣ ጽዒርና እዚ ኣስላጢ ብዝዀነ መገዲ ክግበር ይከኣል ኢዩ።

መዝሙር 47ን መዕጸዊ ጸሎትን

24 ለካቲት እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 32

18 ደቒቕ:⁠- ውሽጣዊ ምልክታታት። ኣስማት ናይቶም ኣብ መጋቢት ሓጋዝቲ ፓይነራት ኰይኖም ዝዓዩ ኵሎም ጸውዕ። ሓጋዚ ፓይነር ንምዃን ክትሓትት ግዜ ከም ዘይሓለፈ ግለጽ። ቀዳም 1 መጋቢት ኵላቶም ኣብ ግራት ኣገልግሎት ምሉእ ብምሉእ ክካፈሉ ኣተባብዓዮም። ነታ ወርሒ እቲኣ እተገብረ ናይታ ጉባኤ ተወሳኺ ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባ መደባት ንገር። ነቲ ሕቶ ሳጹን ብጥንቃቐ ተዘራረበሉ።

12 ደቒቕ:⁠- “ቤተሰብካኸ፧” ሰብኣይ ሰበይቲ ነታ ኣርእስቲ ብሓንሳብ ኰይኖም ይመያየጡላ: ነቶም ዘይኣምኑ ቤተሰቦም ድማ ነቲ ብስራት ሒዞም ብኸመይ ከም ዝቐርብዎም ይውስኑ።​—ናይ 15 ለካቲት 1990 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 25⁠-7 ርአ።

15 ደቒቕ:⁠- ብዛዕባ እታ ኣብ መጋቢት እትዕደል ጽሕፍቲ ማለት ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ ተመያየጥ። ነታ መጽሓፍ ብኸመይ ከም እትዕድላ ሓደ (ሓንቲ) ክኢላ ኣስፋሒ (ኣስፋሒት) መርኣያ ከም ዘቕርቡ ግበር። ኣብዚ ቀዳመ ሰናብቲ ዝዕድልዎ ቅዳሓት ክወስዱ ንዅሎም ኣዘኻኽሮም።

መዝሙር 48ን መዕጸዊ ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ