ቤተሰብካኸ፧
1 መብዛሕትና ኣብ ሓቂ ዘየለዉ ብዙሓት ቤተሰብ ኣለዉና። ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ እነፍቅሮም ሰባት ኣብቲ መገዲ ህይወት ምሳና ክጽንበሩ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና ሃንቀው እንብል! ኣባላት ናይ ስድራቤትና ምስ ዝዀኑ ድማ እቲ ብዛዕባ ዘለኣለማዊ መጻኢኦም ዘሎና ጭንቀት ዝዓበየ ኢዩ ዝኸውን። ኣብ ሓቂ ተገዳስነት ንኽህልዎም ንዓመታት ዝኣክል ፈቲንና እኳ እንተዀንና: እቲ ኵነታት ተስፋ ዘቝርጽ ኢዩ ኢልና ክንድምድም የብልናን።
2 የሱስ ክሰብኽ ከሎ ‘ኣሕዋቱ ብእኡ ኣይኣመኑን ነበሩ።’ (ዮሃ. 7:5) ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ቤተሰቡ እተጸለለ መሰሎም። (ማር. 3:21) የሱስ ግን ብዛዕብኦም ተስፋ ኣይቈረጸን። ጸኒሖም: ኣሕዋቱ ሓቂ ተቐበሉ። (ግብ. 1:14) እቲ በደ ጥራይ ሓዉ ዝነበረ ያእቆብ ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዓንዲ ነበረ። (ገላ. 1:18, 19፣ 2:9) ቤተሰብካ ሓቂ ሒዞም ብምርኣይ ክትሕጐስ እንተድኣ ደሊኻ: ነቲ ብስራት መንግስቲ ሒዝካ ካብ ምብጽሖም ኣይተቋርጽ።
3 መንፈስ እተሐድስ እምበር: እትዕብልል ኣይትኹን:- የሱስ ክሰብከሎም ከሎ: እቶም ሰማዕቱ መንፈሶም ከም እተሓደሱ ኰይኑ ይስምዖም ነበረ እምበር እተዓብለሉ ኰይኑ ኣይተሰምዖምን። (ማቴ. 11:28, 29) ክርድእዎ ዘይክእሉ ትምህርቲ ገይሩ ኣይዓብለሎምን። ንቤተሰብካ በቲ ማይ ናይ ሓቂ ገይርካ መንፈሶም ንኸተሐድስ: በብቑሩብ ድኣምበር ብሓንሳእ ኣይተፍስሰሎም! ሓደ ገያሺ ተዓዛቢ ከምዚ ዝስዕብ ኣስተብሃለ:- “እቶም በብቝሩብ ገይሮም ብምምስካር ንቤተሰቦም ምህንጣይ ከም ዘሕድሩ ዝገበርዎም ዝበለጸ ውጽኢት ረኺቦም ኢዮም።” በዚ መገዲ እዚ: እቶም ተጻረርቲ እውን ከይተረፉ ሕቶ ክሓቱ: ቀስ እናበሉ ድማ ንሓቂ ዘለዎም ጽምኢ ከዕብዩ ይጅምሩ ኢዮም።—1 ጴጥ. 2:2፣ ምስ 1 ቈረንቶስ 3:1, 2 ኣረኣእዮ።
4 ብዙሓት እተመርዓዉ ክርስትያናት ነቲ ናይ መርዓ ብጻዮም ዘገድሶ ጽሑፍ ገንጺሎም ብምግዳፍ ኣስላጢ ብዝዀነ መገዲ ምስክርነት ሂቦም ኢዮም። ሓንቲ ከምዚ ዝገበረት ሓብቲ: ሰብኣያ እናሰምዐ: ንዕኡ ክጠቕሞ ዝኽእል ሓሳባት ከኣ እናሃበት ምስ ደቃ ጽንዓት ገበረት። ሓድሓደ ግዜ ድማ “ሎሚ ኣብ ጽንዓተይ ከምዝን ከምዝን ዝብል ተማሂረ። ብዛዕባ እዚ እንታይ ሓሳባት ኣሎካ፧” ኢላ ትሓቶ። ኣብ መወዳእታ ሰብኣያ ሓቂ ተቐበለ።
5 ዘይዕጉስ ዘይኰነስ: ኣኽብሮት እተርኢ ኩን:- ሓንቲ ኣስፋሒት “ቤተሰብ እውን ከይተረፈ ናይ ገዛእ ርእሶም ኣመለኻኽታን ርእይቶን ክገልጹ መሰል ኣለዎም” ኢላ ሓሳባት ሃበት። ስለዚ ሓሳባቶም ክገልጹ ከለዉ ወይ ድማ ፈልዮም ብዛዕባ ሓቂ ክትዛረበኒ ኣይደልን ኢየ ምስ ዝብሉና ከነኽብረሎም ኣሎና። (መክ. 3:7፣ 1 ጴጥ. 3:15) ዕጕሳትን ፈቃራትን ከምኡውን ጽን ኢሎም ዝሰምዑ ብምዃን ተጠንቂቕና ክንምስክረሎም ዘኽእለና ምቹእ ኣጋጣሚ ክንደሊ ንኽእል ኢና። ከምዚ ዝኣመሰለ ትዕግስቲ ዓስቢ ዘለዎ ክኸውን ይኽእል ኢዩ: እዚ ድማ ኣብ ኵነታት ናይቲ በታ ዘይኣማኒት ሰበይቱ ዝወርዶ ዝነበረ ሕማቕ ኣታሓሕዛ ን20 ዓመታት እተዓገሰ ክርስትያን ሰብኣይ ተራእዩ ኢዩ። ክትልወጥ ምስ ጀመረት ድማ ከምዚ በለ:- “የሆዋ ነዊሕ ተጻዋርነት ንኸርኢ ስለ ዝሓገዘኒ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢየ ዘመስግኖ: ከመይሲ ነቲ ፍረ ክርእዮ ክኢለ ኢየ: በዓልቲ ቤተይ ኣብ ጐደና ህይወት ክትጓዓዝ ጀሚራ ኢያ!”
6 ቤተሰብካኸ፧ በቲ ሰናይ ክርስትያናዊ ጠባይካን ኣብ ክንድኦም ኴንካ እትገብሮ ጸሎትን “ንየሆዋ ንኽዀኑ ክትረብሖም ትኽእል ትኸውን።”—1 ጴጥ. 3:1, 2 NW እግረ-ጽሑፍ